ስርዓት ምርጫ ሽወደን

ናይ መጠረሽታ ዝተሓደሰሉ: 6 7 2023

ብዛዕባ ሽወደን - ሓደ ንልልይ ምስ ሕብረተሰብ ዝኸውን ጽሑፍ።

እዚ ጽሑፍ ብዛዕባ ናይ ሽወደን ስርዓተ-ምርጫ እዩ። ኣብ ሽወደን ዝቕመጡ ሰባት ብመገዲ ምርጫ እዮም ኣብ ፖለቲካ ጽልዋ ዝገብሩ።

ሓንቲ ኣብ ሓደ ሳጹን መድመጺ ካርድ ተእቱ ኢድን ሓደ ብድሕሪኡ ናይ ድምጺ ዳስ ዝርኣ ሓደ ሰብን ዘለዎ ናይ መድመጺ ኣዳራሽ።

ንኣብነት ኣብ ሽወደን እንታይ ምርጫታት ከም ዘሎ፡ መን ክመርጽ ከም ዝኽእልን ብኸመይ ከም ዝመርጽን ከተንብብ ክትክእል ኢኻ። ብዛዕባ መን ፖለቲከኛ ክኸውን ከም ዝኽእልን ሎሚ ኣብ ሽወደን መን የመሓድር ከም ዘሎን እውን ከተንብብ ክትክእል ኢኻ።

ነፍሲ ወከፍ ሰብ ብቐጥታ ወይ ንተወከልቱ ኣብ ናጻን ፍትሓውን ምርጫ ብምምራጽ ኣብ ምምሕዳር ሃገሩ ናይ ምክፋል መሰል ኣለዎ።

ናጽነት ርእይቶን ናጽነት ሓሳብካ ምግላጽን እውን ኣለካ። እዚ ዝደለኻዮ ርእይቶ ክህልወካን ክትሓስብን መሰል ኣለካ ማለት እዩ። ሓሳባትካን ርእይቶካን ናብ ካልኦት ንኣብነት ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ ክትዝርግሕ እውን ትኽእል ኢኻ። ግን ነቲ ናይ ናጽነት ምግላጽ ሓሳባት ኣብ ልዕሊ ካልኦት ሰባትን ጕጅለታትን ጽልእን ጸለመን ንምዝርጋሕ ክትጥቀመሉ ኣይፍቀደካን እዩ። ኣብ ሰላማዊ ኣኼባታት፡ ሰላማዊ ሰልፍታትን ማሕበራትን ክትሳተፍን ከተዳልዎምን እውን መሰል ኣለካ። ይዅን’ምበር ኣብ ሰላማዊ ኣኼባታት፡ ሰላማዊ ሰልፍታት ንኸትሳተፍን ኣባል ናይ ሓደ ማሕበር ንኸትከውንን እውን መሰል ኣለካ።

ምርጫ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ኣርባዕተ ዓመት

ኣብ ሽወደን ኵሉ ሰብ ኣብ ውሳነ ክሳተፍ ይኽእል እዩ። እዚ መሰረት ናይ ደሞክራሲ እዩ። ኣብ ሽወደን ኣብ ነፍሲ ወከፍ ኣርባዕተ ዓመት ምርጫ ይካየድ እዩ። ሽዑ ነቶም ብሉጽ ፖሊሲታት ኣለዎም ኢልና እንሓስቦም ሰልፍታት ንመርጽ። እቶም እንመርጾም ሰልፍታት እዮም ድሕሪኡ ኣብ ክንዳና ኾይኖም ንሽወደን ዘመሓድርዋ። ስለዚ እቲ ንሕና ነብረቲ ኣብዛ ሃገር እንሓስቦ ነገራት፡ ሽወደን ብኸመይ ክትመሓደር ከም ዘለዋ ኣዝዩ ኣገዳስነት ኣለዎ።

ክንመርጾም እንኽእል እተፈላለዩ ሰልፍታት ኣለዉ። እተን ሰልፍታት ብፖለቲከኛታት ኣቢለን እየን ዝውከላ። እተን ዝተፈላለያ ሰልፍታት እዛ ሃገር ብኸመይ ክትመሓደር ከም ዘለዋ እተፈላለየ ሓሳባትን እማመታትን ኣለወን። እቶም ፖለቲከኛታት ንኣብነት ብኣውቶቡስ ንምጕዓዝ ክንደይ ክኽፈሎ ከም ዝኾነ፡ ክንደይ ግብሪ ክንከፍል ከም ዘሎናን ኣብያተ ትምህርቲ እንታይ ዓይነት ኣሰራርሓ ክህልወን ከም ዘለዎ ይውስኑ። ፖለቲካ ብዛዕባ እቲ መዓልታዊ ዝጸልወና ጕዳያት እዩ።

እተፈላለየ ምርጫታት

ኣብ ሽወደን ኣርባዕተ ሓፈሻውያን ምርጫታት ኣለዉ፡

  • ምርጫ ንቤት ምኽሪ ኮሙን
  • ምርጫ ንቤት ምኽሪ ዞባ
  • ምርጫ ንሃገራዊ ባይቶ
  • ምርጫ ንባይቶ ኤውሮጳ ሕብረት

እቶም ኣብ ሃገራዊ ባይቶ ዘለዉ ፖለቲከኛታት ንምልእቲ እዛ ሃገር ዘገልግሉ ዓይነት ውሳኔታት ይውስኑ። ኣብ ዞባታትን ኮሙናትን ዘለዉ ፖለቲከኛታት ኣብቲ እንነብረሉ ቦታ ዘገልግሉ ዓይነት ውሳኔታ ይውስኑ። ኣብ ባይቶ ኤውሮጳ ዘለዉ ፖለቲከኛታት ንመላእ ኤውሮጳ ዝምልከት ውሳነ ይውስኑ።

ፖለቲካውያን ሰልፍታት

ክትመርጽ ከለኻ ድምጽካ እትህባ ሓንቲ ሰልፊ ትመርጽ። ሓደ ሓደ ግዜ ብዙሓት ሰልፍታትታት ተመሳሳሊ ኣተሓሳስባ ከም ዘለወን ኮይኑ ክስምዓካ ይኽእል እዩ። ንኣብነት ኵለን ሰልፍታት ዝሓሸ ክንክን ጥዕናን ኣብያተ ትምህርትን ንደሊ ክብላ ይኽእላ እየን። እዚ ከምዚ ኢሉ ከሎ፡ እተን ሰልፍታት ክንክን ጥዕናን ኣብያተ ትምህርትን ብኸመይ ከም ዝመሓይሽ ንዝምልከት እተፈላለየ ሓሳባት ክህልወን ይኽእል እዩ። እዚ ዝኾነሉ ምኽንያት ብኸፊል ምናልባት እተን ሰልፍታት ዝተፈላለየ ስነ-ሓሳባት ስለ ዘለወን እዩ። ስነ-ሓሳብ፡ ብዛዕባ ሕብረተ ሰብ ከመይ ክመስል ከም ዘለዎን ብኸመይ ክመሓደር ከም ዘለዎን ዝገልጽ እኩብ ሓሳባት እዩ። ብዙሕ ዝተፈላለየ ስነ-ሓሳብ ኣሎ፡ ገለ ካብቶም ዝውቱራት ስነ-ሓሳብ፡ ዓቃብነት (konservatism)፡ ሊበራውነት (liberalism)፡ ማሕበርነትን (socialism) ዴሳነትን (kommunism) እዮም። ከም ኣንስትነትን (feminism) ኣካባብይነትን (ekologism) ዝኣመሰሉ ዘመናውያን ስነ-ሓሳባት እውን ኣለዉ።

ሓደ ፖለቲካዊ ሰልፊ፡ ኣገዳሲ ገይሮም ብዝርእይዎም ጕዳያት ጽልዋ ምእንቲ ከሕደሩ ኣብ ፖለቲካዊ ምርጫ ዝሳተፉ ጕጅለ ሰባት እዩ። ከም ልሙድ እተን ሰልፍታት መብዛሕትኡ ግዜ ነታ ሃገር ብኸመይ ክጸልውዋ ከም ዝደልዩ ተመሳሳሊ ሓሳባትን ርእይቶታትን ዘለዎም ኣባላት ኣለውወን። ይኹን እምበር ሓንቲ ሰልፊ ከመይ ክትከውን ከም ዘለዎ ዝሓትት ፍሉይ ጠለባት የለን። ንኣብነት ኣብ ናይ ሽወደን ቅዋም ሓንቲ ሰልፊ እንታይ ምዃና ዝገልጽ ዝኾነ መግለጺ የለን። ኣብቲ ቅዋም እቲ ኣብ ሃገራዊ ባይቶ ዘሎ መንበራት ኣብ መንጎ እተን ተሳተፍነተን ዘመዝገባ ሰልፍታት ክመቓራሕ ከም ዘለዎ ጥራይ እዩ ሰፊሩ ዘሎ።

ኣረኣእያካ ምናልባት ልክዕ ከምቲ ሓንቲ ሰልፊ ዘለዋ ኣረኣእያ ከይከውን ይኽእል እዩ። ብዝያዳ ኣገዳሲ ኾይኑ ዝስምዓካ ሕቶታት ባዕልካ ክትመርጽ ትኽእል ኢኻ። ነታ ዝበለጸ ሓሳብ ኣለዋ ኢልካ እትሓስባ ሰልፊ ትመርጽ። እተፈላለያ ሰልፍታት ነቶም መረጽቲ እተፈላለየ ኣማራጺታት ስለ ዝህብኦም ኣብ ደሞክራሲ ኣገደስቲ እየን።

ኣብ ሽወደን እተን ፖለቲካውያን ሰልፍታት መብዛሕትኡ ግዜ ብክንፊ እየን ዝምደባ፡ጸጋማይን የማናይን ክንፊ። እቲ ክንፊ ንኣብነት እተን ሰልፍታት ክንደይ ግብሪ ክንከፍል ከም ዘሎና ወይ እቲ መንግስቲ ኣብ ሕብረተ ሰብ ክሳብ ክንደይ ግደ ክህልዎ ከም ዘለዎ ይገልጽ። ብንጹር ጸጋማይ ወይ የማናይ ፖለቲካዊ ኣረኣእያ ዘይኾነ፡ ከም ማእከላይ ፖለቲካውያን ሰልፍታት ጌርካ ዝርኣያ እውን ኣለዋ።

ብንፋስ ዝንቀሳቐስ ሰንደቕ ዕላማ ሽወደንን ሰንደቕ ዕላማ ኤውሮጳዊ ሕብረትን ዝሓዘ ምስራቓዊ ህንጻ ባይቶ ሽወደን።

ስእሊ፡ መልከር ዳልስትራንድ/ባይቶ ሽወደን

ተመጣጣኒ ውከላ

ኣብ ሽወደን ተመጣጣኒ ውከላ ዝበሃል ነገር ኣለና። ኣብ ምርጫ ዕስራ ሚእታዊት ድምጺ ዝረከበት ሰልፊ፡ ዳርጋ ዕስራ ሚእታዊት ናይቲ ኣብ ሃገራዊ ባይቶ ዘሎ መንበር ትረክብ ማለት እዩ። ኣብ ሃገራዊ ባይቶ ዝመቃራሕ ብድምር 349 መንበር ኣሎ።

እተን ኣብ እዋን ምርጫ ንሃገራዊ ባይቶ ዝበዝሐ ድምጺ ዝረኽባ ሰልፍታት፡ ኣብ ባይቶ ሃገር እውን ዝበዝሐ መንበራት ይረኽባ። እተን ሰልፍታት ምእንቲ እቲ ዘቕርብኦ እማመ ክሓልፍ ክኽእል ብዙሕነት ንምርካብ ክተሓባበራ ልሙድ እዩ።

ንኣሽቱ ሰልፍታት ናብ ሃገራዊ ባይቶ ኣይኣትዋን እየን።

ኵለን ሰልፍታት ኣብ ሃገራዊ ባይቶ ህላወ ክህልወን ኣይክእልን እዩ። ሓንቲ ሰልፊ ናብ ሃገራዊ ባይቶ ንኽትኣቱ ኣብቲ ንባይቶ ሃገር ዝግበር ምርጫ እንተ ወሓደ ኣርባዕተ ሚእታዊት ድምጺ ክትረክብ ኣለዋ። እቲ ሕጊ እተን ኣብ ሃገራዊ ባይቶ ዘለዋ ሰልፍታት ብዝቐለለ ኣብ ሓደ ስምምዕ ንኽበጽሓ ተባሂሉ ዝወጸ እዩ። እተን ሰልፍታት ኣዝየን ብዙሓት እንተድኣ ኾይነን ብሓባር ንኽሰርሓ ኣዚዩ ኣጸጋሚ ክኸውን ይኽእል ኢዩ።

ኣብቲ ንዞባን ኮሙንን ዝግበር ምርጫ እቲ ሕግታት ቍሩብ እተፈልየ እዩ። ኣብኡ ናእሽቱ ሰልፍታት ናብ ባይቶ ንኽኣትዋ ዝቐለለ እዩ።

ኣብዚ እዋን እዚ ኣየኖት ሰልፍታት እየን ኣብ ሃገራዊ ባይቶ መንበር ረኺበን ዘለዋ?

ኣብዚ እዋን እዚ ኣብ ዘሎ ናይ ምርጫ እዋን፡ እዘን ዝስዕባ ሰልፍታት ኣብ ሃገራዊ ባይቶ ተወኪለን ኣለዋ።

ኣብቲ ብ2022 እተገብረ ናይ ሃገራዊ ባይቶ ምርጫ እተን ሰልፍታት ዝረኸብኦ ብዝሒ ሚእታዊት ድምጺ ኣብ ሓጹር ኣሎ።

  • ሰንተርፓርትየት (C) - 24 መንበር (6,71%)
  • ክሪስደሞክራተና (KD) - 19 መንበር (5.34%)
  • ሊበራለና (L) - 16 መንበር (4.61%)
  • ሚልዮፓርትየት (MP) - 18 መንበር (5.08%)
  • ሞደራተና (M) - 68 መንበር (19.10%)
  • ሶሻልደሞክራተና (S) - 107 መንበር (30.33%)
  • ስቫርየደሞክራተና ( SD) - 73 መንበር (20.54%)
  • ቬንስተርፓርትየት (V) - 24 መንበር (6.75%)

ብዛዕባ ናይተን ኣብ ባይቶ ሃገር ኣትየን ዘለዋ ሰልፍታት ኣዝዩ ኣገዳሲ ጕዳያት ብዝያዳ ክትፈልጥ እንተ ደሊኻ፡ ኣብ መርበብ ሓበሬታ ናይተን ሰልፍታት ብዝያዳ ከተንብብ ትኽእል ኢኻ።

ናይቶም ኣብ ሽወደን ኣብ ባይቶ ተወኪሎም ዘለዉ ሰልፍታት ሎጎን ሓደ ክልተ ኣባላት ባይቶ ኣብ ባይቶን።

ኣብ ሽወደን ኣብ ባይቶ ተወኪሎም ዘለዉ ሰልፍታትን ሓደ ክልተ ኣባላት ባይቶ ኣብ ባይቶን። ምንጪ፦ ባይቶ ሽወደን፡ 2022-09-21 ዝተወስደ።

ህዝባዊ-ውሳነ (ረፈረንዱም)

ሓደ ሓደ ግዜ ፖለቲከኛታት ብዛዕባ ሓደ ውሱን ጕዳይ ንኽውስኑ ሓገዝ ናይ ህዝቢ ይሓቱ እዮም። እዚ ህዝባዊ-ውሳነ (ረፈረንዱም) ተባሂሉ ይጽዋዕ ። ህዝባዊ-ውሳነ (ረፈረንዱም) መብዛሕትኡ ግዜ ምኽሪ ናይ ምሃብ ስልጣን ጥራይ እዩ ዘለዎ። እቶም ፖለቲከኛታት ናይ ግድን ውጺኢት ናይቲ ህዝባዊ-ውሳነ (ረፈረንዱም) ክስዕቡ ኣየድልዮምን ማለት እዩ። ግን ህዝቢ እንታይ ከም ዝሓስብ ንምፍላጥ ሓደ ጽቡቕ ሜላ እዩ። ብ2003 ብዛዕባ ዩሮ ህዝባዊ-ውሳነ (ረፈረንዱም) ጌርና ኔርና። ሽዑ ሽወደን ነቲ ናይ ሽወደን ክሮና (SEK) ብዩሮ (EUR) ክትልውጦ እንተ ኾይኑ ኣድሚጽና። ህዝቢ ሽወደን 'ኣይፋል' ኢሉ ኣድሚጹ። ፖለቲከኛታት ንህዝቢ ስለ ዝሰምዕዎ ንክሮና ዓቂቦሞ።

ህዝባዊ-ውሳነ (ረፈረንዱም) ኣብ ኮሙን ወይ ዞባ እውን ክግበር ይኽእል እዩ። ኮሙናላዊ ህዝባዊ-ውሳነ (ረፈረንዱም) ተባሂሉ ይጽዋዕ።

መን እዩ ክመርጽ ዝፍቀዶ?

ሽወደናዊ ዜጋን 18 ዓመት ዝመላእካን እንተ ዄንካ ንሃገራዊ ባይቶ ኣብ ዝግበር ምርጫ ከተድምጽ ትኽእል ኢኻ። ከምኡ'ውን ናይ ግድን ኣብ ገለ እዋን ኣብ ናይ ሽወደን ህዝባዊ መዝገብ ተመዝጊብካ ዝነበርካ ክትከውን ኣለካ።

ወዲ 18 ዓመት እንተ ዄንካን እንተ ወሓደ ንሰለስተ ዓመት ኣብ ናይ ሽወደን ህዝባዊ መዝገብ ተመዝጊብካ ዘለኻ ኴንካን ኣብ ናይ ኮሙንን ዞባን ዝግበር ምርጫ ክትመርጽ ትኽእል ኢኻ። ኣብ ናይ ኮሙንን ዞባን ምርጫ ንምምራጽ ሽወደናዊ ዜጋ ክትከውን ኣየድልየካን እዩ። ዜጋ ናይ ካልእ ሕብረት ኤውሮጳ ሃገር፡ ኣይስላንድ ወይ ኖርወይ እንተ ዄንካ፡ ናይ ኮሙንንን ዞባን ኣብ ዝግበር ምርጫ ንምምራጽ ንሰለስተ ዓመት ኣብ ህዝባዊ መዝገብ ክትምዝገብ ኣየድልየካን እዩ።

ወዲ 18 ዓመትን ዜጋ ናይ ሓንቲ ሃገር ኣብ ሕብረት ኤውሮጳን እንተ ዄንካ ከምኡ'ውን ኣብ ሽወደን ኣብ ህዝባዊ መዝገብ ዝተመዝገብካ ኴንካ ንባይቶ ሕብረት ኤውሮጳ ክትመርጽ ትኽእል ኢኻ።

ነዚ ጽሑፍ እንደገና ኣንብቦ እሞ ንመጀመርታ ግዜ ኣብ ሽወደን መዓስ ክትመርጽ ከም እትኽእልን ኣበየኖት ምርጫታት ክትመርጽ ከም ዝፍቀደልካን ሕሰብ።

ብኸመይ ኢኻ እትመርጽ?

ኣብ ነፍሲ ወከፍ ኣርባዕተ ዓመት ኣብታ ካልአይቲ ሰንበት ናይ መስከረም ምርጫ ይግበር። ሰለስተ ምርጫታት ብሓንሳእ እዩ ዝግበር። ንሃገራዊ ባይቶ፡ ዞባታትን ኮሙናትን።

ናይ ምድማጽ መሰል እንተ ኣልዩካ ኾይኑ ቅድሚ እቲ ምርጫ ካርድ መድመጺ ናብ ቤትካ ክለኣኸልካ እዩ። ኣብቲ ናይ መድመጺ ካርድ ናበየናይ መደበር መድመጺ ከም እትኸይድ ተጻሒፉ ኣሎ። እዚ ንኣብነት ኣብ ጥቓ እትነብረሉ ዝርከብ ቤት ትምህርቲ ክኸውን ይኽእል እዩ። ከተድምጽ ከለኻ ወረቐት መንነትካ፡ ፓስፖርትኻ ወይ ፍቓድ መምርሒ ማኪናኻ ናይ ግድን ከተርኢ ኣለካ።

ኣብቲ ናይ መድመጺ መደበር ነተን ዝተፈላለያ ሰልፍታት ዝኸውን ወረቐት ምርጫ ኣሎ። ኣብቲ መደበር መድመጺ ኣብ ጶስጣ ዝኣተወ ወረቐት ምርጫ ኣሎ። ብሰለስተ እተፈላለየ ሕብርታት እተሰርሐ ወረቐት ምርጫ ኣሎ። እተን ብጫ ንባይቶ ሃገር ኣብ ምምራጽ ኢኻ ትጥቀመለን። እተን ሰማያዊ ንዞባ ኣብ ምምራጽ ኢኻ ትጥቀመለን። እተን ጸዓዱ ንኮሙን ኣብ ምምራጽ ኢኻ ትጥቀመለን። እንተ ደሊኻ ንሓደ ፍሉይ ፖለቲከኛ እውን ክትመርጽ ትኽእል ኢኻ። ሽዑ ኣብ ቅድሚ ስም እቲ ፖለቲከኛ ምልክት x ትገብር።

እንተ ዘይደሊኻ፡ነየነይቲ ሰልፊ ከም ዝመረጽካ ምንጋር ኣየድልየካን እዩ። ኣብቲ ናይ መድመጺ መደበር ነታ ናይ ምርጫ ወረቐትካ ኣብ ጶስጣ ንምእታው ብድሕሪ ሓደ መጋረጃ ትኣቱ። እቶም ኣብቲ ምርጫ ዝዓዩ ነየነይቲ ሰልፊ ከም ዝመረጽካ ክፈልጡ ኣይክእሉን እዮም።

ቅድሚ እቲ መዓልቲ ምርጫ እውን ክትመርጽ ትኽእል ኢኻ። እዚ ኣቐዲምካ ምምራጽ ይበሃል። እቲ ኣቐዲምካ ምምራጽ ቅድሚ እቲ ናይ ምርጫ መዓልቲ 18 መዓልታት ኣቐዲሙ እዩ ዝጅምር። ንኣቐዲምካ ምምራጽ ዘገልግሉ መደበራት ምርጫ ኣብ ምሉእ ሃገር ኣለዉ።

ነዚ ጽሑፍ እንደገና ኣንብባ እሞ ኣብ ሽወደን ኣብ ዝገብረ ምርጫ እትመርጽሉ ግዜ ምስ ኣኸለ እንታይ ከም ዘጋጥም ሕሰብ። ንስኻኸ ናይ ግድን እንታይ ክትገብር ኣለካ?

ኣብ ምርጫ ሕብረት ኤውሮጳ ምምራጽ

ኣብ ምርጫታት ሕብረት ኤውሮጳ ምድማጽ ብተመሳሳሊ መንገዲ ከምቲ ንሃገራዊ ባይቶ ዝግበር ምርጫ እዩ። እቲ ምርጫ ኣብ ሓሓሙሽተ ዓመት ይካየድ። ሽዑ ሓደ ሕብሪ ዘለዎም ወረቐት ምርጫ ጥራይ እዮም ዘለዉ፡ ጻዕዳ ሕብሮም።

ተሳትፎ ኣብ ምርጫ

ንሕና ተቐማጦ ኣብቲ ምርጫ ብምምራጽ ንፖለቲካ ሽወደን ክንጸልዎ ንኽእል ኢና። ንዘይፍትሓዊ ወይ ሕማቕ ይኸይድ ኣሎ ኢልና ንእንሓስቦ ነገራት እንቕይረሉ ሓደ መገዲ እዩ። ሰባት እንተ ዘይመሪጾም ንፖለቲከኛታት ስለ ዘይኣምኑዎም ክኸውን ይኽእል እዩ። እዚ ደሞክራሲ ብሕማቕ ይዓዪ ከም ዘሎ ዝሕብር ሓደ ምልክት ክኸውን ይኽእል እዩ ።

ኣብ ሽወደን ብዙሓት ሰባት እዮም ከድምጹ ዝመርጹ። ኣብ 2022 ኣብ እተገብረ ሃገራዊ ምርጫ፡ ካብቶም ንኸድምጹ መሰል ዝነበሮም ሰባት 84 ሚእታዊት ኣድሚጾም።

ኣብ መንጎ እቶም ኣብ ሽወደን ዝርከቡ እተፈላለዩ ጕጅለታት፡ እቶም ንድምጾም ክጥቀሙ ዝመርጹ ይፈላለዩ እዮም። ቍጽሪ ብዝሒ ተሳተፊቲ ናይቶም ውሑድ ኣታውን ትሑት ደረጃ ትምህርቲ ዘለዎምን ከምኡ'ውን ካብ ሽወደን ወጻኢ እተወልዱ ሰባትን ዝወሓደ እዩ። ምኽንያት ናይዚ፡ ኵሉ ሰብ ኣብቲ ምርጫ ንምስታፍ ኣየኖት መሰላት ከም ዘለዎ ስለ ዘይፈልጥ ወይ ናቶም ድምጺ ኣገዳስነት የብሉን ኢሎም ስለ ዝኣምኑ ክኸውን ይኽእል እዩ።

እንተዀነ ግን ነፍሲ ወከፍ ድምጺ ነቲ ውጽኢት ናይቲ ምርጫ ይጸልዎ እዩ። ኣብቲ ዝሓለፈ ናይ ሃገራዊ ባይቶ ምርጫ ዳርጋ ሓደ ሚልዮን ዝዀኑ ሰባት ኣየድመጹን። ብሓባር ኮይኑ ንፖለቲካ ሽወደን ክጸልዎ ዝኽእል ዝነበረ ዳርጋ ሓደ ሚልዮን ዝኸውን ድምጺ እዩ።

ገሊኦም ሰባት ኣብ ምርጫ ዘየድምጹ ስለምንታይ ይመስለካ?

ፖለቲከኛ ክኸውን ዝኽእል መን እዩ?

እቶም ኣብ ምርጫ መን ክመርጽ ከም ዝኽእል ዝገልጹ ሕግታት፡ ፖለቲከኛ ንምዃን እውን ንሶም እዮም ዝውስኑ። ንኣብነት እንተ ወሓደ ንሰለስተ ዓመት ኣብ ሽወደን ተቐሚጥካ እንተ ዄንካ፡ ኣብ ምርጫ ናይ ኮሙን ክትወዳደር ትኽእል ኢኻ።

ፖለቲካዊ ተልእኾ ከይሃለወካ እውን ኣብ ሓንቲ ፖለቲካዊ ሰልፊ ክትነጥፍ ትኽእል ኢኻ። ኣባል ናይ ሓንቲ ሰልፊ ብምዃን ኣብ ፖለቲካ ጽልዋ ክትገብር ትኽእል ኢኻ። ንዝኾነት ካብተን ዘለዋ ሰልፍታት እንተ ዘይፈቲኻ፡ ኣብ ማሕበራዊ ምንቅስቓስ ወይ ኣብ ካልእ ማሕበር ክትነጥፍ ትኽእል ኢኻ። ኣብ ጋዜጣታት ኣብ ናይ ርእይቶታት ዓምዲ ክትጽሕፍ፡ ናብ እተፈላለየ መደባት ረድዮ ክትድውል ወይ ሕሉፍ ሓሊፍካ እውን ናይ ገዛእ ርእስኻ ፖለቲካዊ ሰልፊ ከተቕውም ትኽእል ኢኻ።

እቶም ህዝቢ ዝመረጾም ኣየኖት እዮም?

እቶም ኣብቲ ምርጫ ዝመርጽናዮም ፖለቲከኛታት ንህዝብን ዘሎ ርእይቶታትን ክውክሉ ኣለዎም። ኣብ መንጎ እቶም ብህዝቢ እተመርጹ ፖለቲከኛታት ትሑት ውከላ ዘለወን ሓደ ሓደ ጕጅለታት ኣለዋ። ትሕተ ውከላ ማለት፡ ብመንጽር ብዝሒ ሓደ ማሕበራዊ ጕጅለ ኣብ ህዝቢ፡ እቶም ንዕኡ ዝውክሉ ካብ ተመሳሳሊ ማሕበራዊ ጕጅለ ዝመጹ ፖለቲከኛታት ንዕኡ ዘይመጣጠኑ ክኾኑ ከለዉ ማለት እዩ።

ንኣብነት ኣብ ሃገራዊ ባይቶ ሽወደን ዘለዉ ልዕሊ 65 ዕድሚኦም፡ ምስቶም ልዕሊ 65 ዕድሚኦም ናይ ህዝቢ ሽወደን ክወዳደር ከሎ፡ ብተዛማዲ ውሑዳት እዮም። ከምኡ'ውን እቶም ኣብ ወጻኢ ሃገር ዝተወልዱ ክፋል ብዝሒ ህዝቢ፡ ምስቶም ኣብ ሃገራዊ ባይቶ ሽወደን ዘለዉ ኣብ ወጻኢ ሃገር ዝተወልዱ ክነጻጸር ከሎ ብተዛማዲ ትሑት እዩ።

ግን ኣብ ባይቶ ሽወደን ዘሎ ብዝሒ ደቀንስትዮ ዳርጋ ማዕረ ብዝሒ ደቂ ተባዕትዮ እዩ። እዚ ዳርጋ ዘይልሙድ እዩ። ኣብ ብዙሓት ሃገራት ኣብ መንጎ እቶም ወሳኒ ተራ ዘለዎም ፖለቲከኛታት፡ ካብ ደቂ ኣንስትዮ ንላዕሊ ደቂ ተባዕትዮ ይበዝሑ። ሽሕ’ዃ ኣብ ባይቶ ኣብ መንጎ ደቂ ተባዕትዮን ደቂንስትዮን ማዕረ ምምቕራሕ ይሃሉ፡ ሽወደን ሓንቲ ጓለንስተይቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ጥራሕ እዩ ሃልይዋ። ቅድሚ ማግዳሌና ኣንደርሰን ዓመተ 2021 ቀዳማይ ሚኒስተር ምዃና፡ ኵሎም ቀዳማይ ሚንስተራት ዝነበሩ ደቂ ተባዕትዮ እዮም። እቲ ናይ መጀመርታ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብ ሽወደን ብ1876 እዩ ስርሑ ጀሚሩ።