ብዙሓት ንዘሎ ስልጣን ክማቐልዎ ኣለዎም

ናይ መጠረሽታ ዝተሓደሰሉ: 2 2 2023

ብዛዕባ ሽወደን - ሓደ ንልልይ ምስ ሕብረተሰብ ዝኸውን ጽሑፍ።

ኣብ ሽወደን ባይቶ፡ መንግስቲን ፖለቲከኛታትን ጥራይ ኣይኮኑን ስልጣን ዘለዎም። ንማሕበረሰብ ክጸልውዎ ዝኽእሉ ብዙሓት ሰባትን ጕጅለታትን ኣለዉ።

ናይ ክበብ ዳኛ ኣብ ልዕሊኡ ዘለዎ ናይ ሕጊ መጽሓፍ።

ኣብ ዲሞክራሲ ኣብ መንጎ እተፈላለዩ ሰባት፡ ጕጅለታትን ናይ ፍሉያት ጕጅለታት ረብሓ ዝሕልዉን ስልጣን ክከፋፈል ኣገዳሲ እዩ። ኵሉ እቲ ኣብ ሕብረተ ሰብ ዘሎ ስልጣን ኣብ ሓደ ወይ ኣብ ሒደት ሰባት እንተ ተኣኪቡ ዘይደሞክራስያውን ሓደገኛን እዩ። እዚ መሰረት ንውልቀ-ምልካዊ ስርዓታት እዩ።

እዚ ጽሑፍ ብዛዕባ መራኸቢ ብዙሓን፡ ትካላት፡ ኣብያተ ፍርድን ብዛዕባ ሲቪላዊ ማሕበረ ሰብ ሽወደን እዩ። ብዛዕባ ስርሖምን ሓላፍነቶምን ከምኡ’ውን ንሕብረተ ሰብ ብኸመይ ከም ዝጸልውዎን ከተንብብ ክትክእል ኢኻ።

ነፍሲ ወከፍ ሰብ ብቐጥታ ወይ ንተወከልቱ ኣብ ናጻን ፍትሓውን ምርጫ ብምምራጽ ኣብ ምምሕዳር ሃገሩ ናይ ምክፋል መሰል ኣለዎ።

ናጽነት ርእይቶን ናጽነት ሓሳብካ ምግላጽን እውን ኣለካ። እዚ ዝደለኻዮ ርእይቶ ክህልወካን ክትሓስብን መሰል ኣለካ ማለት እዩ። ሓሳባትካን ርእይቶካን ናብ ካልኦት ንኣብነት ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ ክትዝርግሕ እውን ትኽእል ኢኻ። ግን ነቲ ናይ ናጽነት ምግላጽ ሓሳባት ኣብ ልዕሊ ካልኦት ሰባትን ጕጅለታትን ጽልእን ጸለመን ንምዝርጋሕ ክትጥቀመሉ ኣይፍቀደካን እዩ። ኣብ ሰላማዊ ኣኼባታት፡ ሰላማዊ ሰልፍታትን ማሕበራትን ክትሳተፍን ከተዳልዎምን እውን መሰል ኣለካ። ይዅን’ምበር ኣብ ሰላማዊ ኣኼባታት፡ ሰላማዊ ሰልፍታት ንኸትሳተፍን ኣባል ናይ ሓደ ማሕበር ንኸትከውንን እውን መሰል ኣለካ።

መራኸቢ ብዙሓን

ናጻ መራኸቢ ብዙሓን ኣብ ደሞክራሲ ኣገዳሲ እዩ። መራኸቢ ብዙሓን ንዅሎም እቶም ኣብ ሕብረተ ሰብ ዘለዉ ሰባት ዝጸሉ ዜናታት፡ ፍልጠትን ሓበሬታን ይዝርግሓ። መራኸቢ ብዙሓን ብዛዕባ እተፈላለየ ማሕበራዊ ጕዳያት ክትዕ ኣብ ምፍጣር እውን ኣገደስቲ እየን። ጋዜጠኛታት ብናጻ ክሕብሩን ንፖለቲከኛታትን ንኻልኦት ኣብ ሕብረተ ሰብ ስልጣን ዘለዎም ሰባትን ክምርምሩን ኣለዎም። ረድዮ፡ ተለቪዥን፡ ጋዜጣታትን መራኸቢ ብዙሓን ኣብ ኢንተርነት፡ ዝዀነ ይኹን ሰብ ኣብ ልዕሊ እቲ ትሕዝቶ ከይወሰነ ዝደለይዎ ከመሓላልፉን ክጽሕፉን ክሓትሙን ክኽእሉ ኣለዎም።

ኣብ ገሊኣን ሃገራት ናጻ መራኸቢ ብዙሓን የለን። እቶም ስልጣን ዘለዎም፡ መራኸቢ ብዙሓን እንታይ ከም ዝጽሕፉ ወይ እንታይ ከም ዘመሓላልፉ ይውስኑ። ጋዜጠኛታት ምፍርራሕ ከጋጥሞምን ስራሖም ከይሰርሑ ክኽልከሉን ይኽእሉ። ሽዑ እቶም መራሕቲ ኣብ ልዕሊ ህዝብን ሕብረተ ሰብን ዝያዳ ስልጣንን ቍጽጽርን ክህልዎም ይኽእል።

ህዝባዊ ኣገልግሎት እንታይ እዩ?

ኣብ ሽወደን ፍሉይ መዝነት ዘለወን ሰለስተ ትካላት መራኸቢ ብዙሓን ኣለዋ። ንሰን፡ ስቫርየስ ራድዮ (ኤስ. ኣር.)(ናይ ሽወደን ራድዮ)፡ ስቫርየስ ቴለቪዥን (ኤስቨተ) (ናይ ሽወደን ተለቪዥን) ከምኡውን ኡትብልድኒንግስ ራድዮን (ዩ. ኣር.) (ናይ ትምህርቲ ራድዩ) እየን። ኤስ. ኣር.፡ ኤስቨተን ዩ. ኣር.ን ህዝባዊ ኣገልግሎት ተባሂለን ይጽውዓ። ንሳተን ንዅሎም እቶም ኣብ ሕብረተሰብ ዘለዉ ዜናታትን መደባትን ከዳልዋሎም ኣለወን ማለት እዩ። ኣብ ሽወደን ዝነብሩ ኵሎም ሰባት ፕሮግራማት ካብ ትካላት ህዝባዊ ኣገልግሎት ክርእይዎን ክሰምዑን ይኽእሉ ኢዮም። ወርሓዊ ዝኽፈል ውዕል (abonnemang) ኣየድልየካን እዩ።

ትካላት ህዝባዊ ኣገልግሎት ካብ ፖለቲካውን ካልእን ረብሓታትን ናጻ ክኾና ኣለወን። ወገን ከይመረጹ ብዛዕባ ሕብረተ ሰብን ርእይቶታትን ጸብጻብ ክህቡ ኣለዎም። እንተዀነ ግን ንደሞክራስን ማዕርነትን ክውግኑ ኣለዎም። ካብ መደባቶም ገንዘብ ክረኽቡ ኣይፍቀደሎምን እዩ። ገንዘቦም ካብቲ ብግብሪ ዝኽፈል ክፍሊት እዮም ዝረኽብዎ።

ማሕበራዊ መራኸቢ

ኣብ መላእ ዓለም ዝነብሩ ሰባት ንማሕበራዊ መራኸቢ ይጥቀሙሉ እዮም። ማሕበራዊ መራኸቢ ኣብ ኢንተርነት ናይ ዝርከብ እተፈላለየ መርበብ ሓበሬታን ኣፕን (ኣፕሊኬሽን) ስም እዩ። ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ ሰባት ብቐጥታ ሓሳብ ንሓሳብ ይለዋወጡ ወይ ይራኸቡ እዮም ። ከም ረድዮ፡ ተለቪዥንን ጋዜጣታትን ዝኣመሰለ ባህላዊ መራኸቢ ብዙሓን ዘይኰነስ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ ዝኾነ ሰብ ክጽሕፍ ይኽእል እዩ።

ብሎግ፡ ናይ ኢንተርነት መድረኻት፡ ፌስቡክ፡ ኢንስታግራም፡ ቴለግራም፡ ትዊተር፡ ዋትስኣፕ ከምኡውን ዩቱብ ኣብነት ናይ ማሕበራዊ መራኸቢ እየን።

ማሕበራዊ መራኸቢ፡ ብዙሓት ሰባት እተፈላለየ ርእይቶታትን ሓበሬታን ንኽገልጹን ክዝርግሑንን ዕድል ንኽረኽቡ ኣበርክቶ ገይሩ እዩ። ማዕረ ማዕረ'ዚ ግን ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ ብድሆታት ኣሎ። ሰባት ንማሕበራዊ መራኸቢ ናይ ሓሶት ሓበሬታ፡ ቤላቤለው ወይ ፕሮፓጋንዳ ንምዝርጋሕ ክጥቀምሉ ይኽእሉ እዮም። ሓደ ሓደ ግዜ ኣብ ልዕሊ ፍሉጣት ሰባት ምፍርራሕን ጽልእን ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ ይዝርጋሕ እዩ። ንማሕበራዊ መራኸቢ ክትጥቀመሉ ከለኻ ነቐፌታዊ ኣረኣእያ ምንጪ ክህልወካ ኣገዳሲ እዩ።

ኣብ መንጎ ባህላዊ መራኸቢ ብዙሓንን ማሕበራዊ መራኸብን እንታይ ፍልልይ ኣሎ?

ዕዳጋ

ኩባንያታትን ኣህለኽትን (ዓደግትን) እውን ንሕብረተ ሰብ ይጸልውዎ እዮም። ሓደ ክፋል ናይ ዕዳጋ እዮም። ኩባንያታት ኣቕሑን ኣገልግሎትን የፍርያን ኣብ ሕብረተሰብ ይሸጣን። ኩባንያታት ብዙሓት ሰባት እውን ስራሕ ይቘጽራ። ቍጠባ ሽወደን ብዕዳጋ ይጽሎ እዩ፣ ንኣብነት መንግስቲ፡ ዞባታትን ኮሙናትን ዝረኽብዎ መጠን ቀረጽ። እቲ ዕዳጋ ክንደይ ዝኣኽሉ ሰባት ስራሕ ከም ዝህልዎምን ብደሞዞም ነብሶም ከም ዝኽእሉን እውን ይጸልዎ እዩ።

ትካላት ፍትሒ

መብዛሕትኡ ግዜ ትካላት ፍትሒ፡ ነተን ንውሕስነት ሕግንን ርጉጸንት ሕግንን ሓላፍነት ዝወስዳ ብዓል መዝታት ዘጠቓልል እዩ። ኣብያተ ፍርዲ መሰረት ናይ ትካላት ፍትሒ እየን። ኣብ ትካላት ፍትሒ ንኣብነት ፖሊስን ብዓል መዚ ግዳያት ገበንን ዝኣመሰሉ ገበን ንምክልኻልን ንምምርማርን ዝሰርሑ እቱዋት እዮም።

ኣብያተ ፍርዲ ሽወደን ኣብ ልዕሊ ክርክርን ጕዳያትን ክውስና ኣለወን፣ ማለት ክፈርዳ። ዘይሻረኛታትን ብርእሰን ዝመሓደራን ክኾና ኣለውን። ሃገራዊ ባይቶ፡ መንግስቲ ወይ ካልኦት ሰበ ስልጣን ኣብ ሓደ ፍሉይ ጕዳይ ቤት ፍርዲ ብኸመይ ከም ዝፈርድ ክውስኑ ኣይፍቀደሎምን ማለት እዩ።

ኣብ ሽወደን ሰለስተ ዓይነት ኣብያተ ፍርዲ ኣለዋ፣ ህዝባውያን ኣብያተ ፍርዲ፡ ምምሕዳራዊ ኣብያተ ፍርድን ፍሉይ ኣብያተ ፍርድ እየን።

ህዝባያን ኣብያተ ፍርዲ

ዞባዊ ቤት ፍርዲ፡ ናይ ይግባይ ቤት ፍርድን ላዕለዋይ ቤት ፍርድን ህዝባውያን ኣብያተ-ፍርዲ ተባሂለን ይጽውዓ። ንሰን ገበናውን ሲቪላውን ጕዳያት ይርእያ። ገበናዊ ጕዳያት ሓደ ሰብ ገበን ከም ዝፈጸመ ምስ ዝጥርጠር እዩ። ሲቭላዊ ጕዳያት፡ ክልተ ወገን ምስ ዘይሰማምዑን ባዕሎም ክፈትሕዎ ምስ ዘይክእሉን እዩ። ገለ ካብቶም ልሙዳት ሲቭላውያን ጕዳያት፡ ብዛዕባ ገንዘብን ሸመታን እዩ።

እተን ኣብያተ ፍርዲ ሓደ ሰብ ገበን ፈጺሙ እንተ ኾይኑ ይምርምራን፡ እንተ ፈጺሙ ኮይኑ ኸአ እንታይ ዓይነት መቕጻዕቲ ከም ዝብየኖ ይውስና። እተፈላለየ ዓይነት መቕጻዕቲ ኣሎ። መቕጻዕቲ ንኣብነት ብገንዘብ ወይ ብማእሰርቲ ክኸውን ይኽእል እዩ። ሓደ ገበን ከም ዝፈጸመ እተጠርጠረ ሰብ እቲ ዓቃብ ሕጊ እቲ ሰብ ገበነኛ ምዃኑ ክሳብ ጭብጢ ዘቕርብ ከም ንጹህ ጌርካ ክርአ ኣለዎ።

ሽወደን ናይ ሞት መቕጻዕቲ የብላን። ሃገራዊ ባይቶ ብ1921 ኣብ እዋን ሰላም ዝነበረ ናይ ሞት መቕጻዕቲ፡ ብ1973 ከኣ ኣብ ግዜ ውግእ ዝነበረ ናይ ሞት መቕጻዕቲ ሰሪዝዎ።

ምምሕዳራዊ ኣብያተ ፍርዲ

ምምሕዳራዊ ኣብያተ ፍርዲ፡ ናይ ይግባይ ምምሕዳራዊ ኣብያተ ፍርድን ላዕለዋይ ምምሕዳራዊ ኣብያተ ፍርድን ምምሕዳራዊ ቤት ፍርዲ ተባሂሉ ይጽዋዕ። ምምሕዳራዊ ኣብያተ ፍርዲ ነቲ ኣብ መንጎ ውልቀ-ሰባትን ሰበ-ስልጣንን ዘሎ ግጭትን ኣብ መንጎ ኩባንያታትን ሰበ-ስልጣንን ዝለዓል ግጭታትን ይፈትሓ። ንኣብነት ካብ ቤት ጽሕፈት ማሕበራዊ ኣገልግሎት፡ ቤት ጽሕፈት ካሳ ውሕስነት ወይ ካብ ብዓል መዚ ግብሪ ብዝተዋህበካ ውሳነ እንተ ዘይዓጊብካ፡ ናብ ምምሕዳራዊ ቤት ፍርዲ ይግባይ ክትብል ትኽእል ኢኻ። ኣብያተ ፍርዲ ኢሚግረሽን እውን ምምሕዳራዊ ኣብያተ ፍርዲ እየን።

ንሓደ ውሳነ ብኸመይ ይግባይ ከም ትብለሉ ዝያዳ ሓበሬታ እንተ ደሊኻ፡ ኣብ ገሊኡ ኮሙናት ቤት ጽሕፈት ዜጋታት ናይታ ኮሙን ክሕግዙኻ ይኽእሉ እዮም።

ኣብነት፦ ኣኒታ ንሓደ ውሳነ ይግባይ ንኽትብል ሓገዝ ትረክብ ኣላ

ኣኒታ ጓል 73 ዓመት እያ፡ ካብቲ ኣብ ትነብረሉ ኮሙን ዝርከብ ቤት ጽሕፈት ማሕበራዊ ኣገልግሎት ድማ ዘቤታው ሓገዝ ንምርካብ ኣመልኪታ። ሓደ ተሓዝ ጕዳይ ደገፍ (biståndshandläggare) ኣኒታ ደገፍ ዘድልያ እንተ ኾይኑ ይምርምሮ። ድሕሪ እቲ መርመራ እቲ ተሓዝ ጕዳይ ደገፍ (biståndshandläggare) ነቲ ውሳነ ናብ ኣኒታ ብደብዳበ ይልእኮ። እቲ ዘመልከተቶ ስለ ዝተነጽገ ዘቤታዊ ሓገዝ ኣይክትረክብን እያ። ንሳ እዚ ጌጋ እዩ ብሃሊት እያ። እንታይ ክትገብር ኣለዋ? እብቲ ውሳነ ብዛዕባ ይግባይ ዝገልጽ ተጻሒፉ እኳ እንተ ሃለወ፡ ንሳ ግን ንምርድኡ ከቢድ እዩ ብሃሊት እያ ። ኣኒታ ነቲ ናብ ምምሕዳራዊ ቤት ፍርዲ ብኸመይ ይግባይ ከም ዝብሃል ክሕብራ ግዴታ ዘለዎ ተሓዝ ጕዳይ ደገፍ (biståndshandläggare) ትድውለሉ።

ፍሉይ ኣብያተ ፍርዲ

ፍሉይ ኣብያተ ፍርዲ ኣብ እተፈላለየ ፍሉይ መዳያት ዝለዓል ክርክራት ውሳኔ ይህብ። ሓደ ኣብነት፡ እቲ ኣብ መንጎ ሰራሕተኛታትን ወሃብቲ ስራሕንን ዝፍጠር ዘይምስምማዕ ዝፈትሕ ቤት ፍርዲ ስራሕ እዩ።

ሲቪላዊ ማሕበረ ሰብ

ኣብ ደሞክራሲ ከም ተቐማጢ መጠን ተሳታፊ ዄንካ ንማሕበረ ሰብ ክትጸሉ ኣገዳሲ እዩ። ሲቪላዊ ማሕበረ ሰብ፡ ኣብቲ ኣገዳሲ ኾይኑ ዝስምዓካ ጕዳያት ጽልዋ ንኽትገብር ክትዓዪ እትኽእለሉ ቦታ እዩ። ነዚ ምስ ካልኦት ብሓብር ኴንካ ክትገብሮ ትኽእል ኢኻ። ሲቪላዊ ማሕበረ ሰብ ክፋል ናይ መንግስቲ ወይ ዕዳጋ ኣይኰነን።

ሓደ ድልዱል ሲቪላዊ ሕብረተ ሰብ ኣብ ደሞክራሲ ኣገዳሲ እዩ ። ንኣብነት ኣብ ሲቪላዊ ሕብረተሰብ ሰባት ኣብ ፖለቲካ ጽልዋ ክገብሩ፡ ነቶም ስልጣን ዘለዎም ክምርምሩ ከምኡ'ውን ንሰብኣዊ መሰላት ኣብ ምውሓስ ክዓዩ ይኽእሉ እዮም።

ብዙሓት ማሕበራትን ጕጅለታትን ናይ ሲቪላዊ ማሕበረ ሰብ መኽሰብ ዘይድልባ ማሕበራት እየን። ብዙሓት ሰባት ኣብ መኽሰብ ዘይድልባ ማሕበራት ብናጻ ይሰርሑ። መኽሰብ ዘይድልብ ማሕበር ንኣብነት ንቘልዑን ንመንእሰያትን ዝኸውን ክበብ ኵዕሶ እግሪ፡ ንዓበይቲ ዕዮ ገዛ ዝሕግዝ ማሕበር ወይ ንሓደስቲ መጻእቲ ቋንቋ ዝሕግዝ ስፕሮክካፈ ክኸውን ይኽእል እዩ።

ኣብ ሽወደን ሓደ ኣገዳሲ ክፋል ናይቲ ደሞክራስያዊ ሕብረተሰብ ዝኾነ ናጽነት ማሕበራት ኣሎ። ናጽነት ማሕበራት፡ ኵሎም ሰባት ማሕበር ከቝሙ ወይ ኣባላት ናይ ማሕበር ክኾኑ መሰል ኣሎዎም ማለት እዩ። ሓደ ናይ ሓባር ተገዳስነት ወይ ናይ ሓባር ድሕረ-ባይታ ዘለዎም ጕጅለ ሰባት፡ ማሕበር ከቝሙ ይኽእሉ እዮም።

ኣባል ናይ ሓደ ማሕበር ክትከውን፡ ሓደ ማሕበር ከተቕውም ወይ ንማሕበርካ ገንዘብ ክትሓትት እንተ ደሊኻ፡ ምስ እታ ኮሙንካ ክትራኸብ ትኽእል ኢኻ። ኣብቲ ኮሙን ነተን ማሕበራት ዝሕግዝ ንኣብነት ምምሕዳር ናጻ ግዜ ክኸውን ይኽእል እዩ።