ሽወደን ብኸምዚ ትመሓደር

ናይ መጠረሽታ ዝተሓደሰሉ: 15 9 2023

ብዛዕባ ሽወደን - ሓደ ንልልይ ምስ ሕብረተሰብ ዝኸውን ጽሑፍ።

እዚ ጽሑፍ ብዛዕባ ሽወደን ብከመይ ከም ትመሓደር እዩ። ሽወደን ንኣስታት ሚእቲ ዓመት ዲሞክራሲ ኣለዋ። ኣብ ነፍሲ ወከፍ ኣርባዕተ ዓመት ህዝቢ ኣየኖት ሰልፍታት ኣብ ባይቶ፡ ዞባታትን ኮሙናትን ከም ዘመሓድሩ ይመርጽ።

ብዛዕባ ኣብ ሽወደን ስልጣን ብኸመይ ከም ዝተመቓቐለ ከተንብብ ክትክእል ኢኻ። ብዛዕባ ሕግታት ሽወደንን ባይቶ ሽወደን ብኸመይ ከም ዝዓይን እውን ከተንብብ ክትክእል ኢኻ።

ነፍሲ ወከፍ ሰብ ብቐጥታ ወይ ንተወከልቱ ኣብ ናጻን ፍትሓውን ምርጫ ብምምራጽ ኣብ ምምሕዳር ሃገሩ ናይ ምክፋል መሰል ኣለዎ።

ናጽነት ርእይቶን ናጽነት ሓሳብካ ምግላጽን እውን ኣለካ። እዚ ዝደለኻዮ ርእይቶ ክህልወካን ክትሓስብን መሰል ኣለካ ማለት እዩ። ሓሳባትካን ርእይቶካን ናብ ካልኦት ንኣብነት ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ ክትዝርግሕ እውን ትኽእል ኢኻ። ግን ነቲ ናይ ናጽነት ምግላጽ ሓሳባት ኣብ ልዕሊ ካልኦት ሰባትን ጕጅለታትን ጽልእን ጸለመን ንምዝርጋሕ ክትጥቀመሉ ኣይፍቀደካን እዩ። ኣብ ሰላማዊ ኣኼባታት፡ ሰላማዊ ሰልፍታትን ማሕበራትን ክትሳተፍን ከተዳልዎምን እውን መሰል ኣለካ። ይዅን’ምበር ኣብ ሰላማዊ ኣኼባታት፡ ሰላማዊ ሰልፍታት ንኸትሳተፍን ኣባል ናይ ሓደ ማሕበር ንኸትከውንን እውን መሰል ኣለካ።

ህዝባዊ ምሕደራን ደሞክራስያዊ ስርዓትን

ሽወደን ብደሞክራስያዊ ኣገባብ እትመሓደር ሃገር እያ። እዚ፡ ኵሉ መንግስታዊ ስልጣን ካብ ህዝቢ ይብገስ ማለት እዩ። ኣብ ሽወደን እንነብር እዛ ሃገር ብኸመይ ክትመሓደር ከም ዘለዋ ጽልዋ ንገብር ኢና። ነቶም ኣብ ክንዳና ኮይኖም ንሽወውደን ዘመሓድርዋ ፖለቲከኛታት ንመርጾም። እዚ ህዝባዊ ምሕደራ ይበሃል።

ናይ ደሞክራሲ መሰረታዊ ሓሳብ፡ ኵሎም ሰባት ማዕረ ክብሪ ከም ዘለዎምን ሓደ ዓይነት መሰላት ክህልዎም ኣለዎን ዝብል ኢዩ። ኣብ ደሞክራሲ ዝደለኻዮ ክትሓስብን ርእይቶ ክህልወካን ከምኡ'ውን ርእይቶኻ ብግህዶ ብዘረባ ወይ ብጽሑፍ ክትገልጽ ክትክእል ኣሎካ። ንደሞክራስያዊ መሰላትና ዝሕልዎ ሕግታት ኣለዉ።

ሕግታት ሽወደን

ኣብ ሽወደን ብዙሕ ሕግታት ኣሎ። እቶም ሕግታት እንታይ ክንገብር ከም እንኽእልን እንታይ ክንገብር ከም ዘይንኽእልን ይነግሩና። ንኣብነት ቀይሕ መብራህቲ በሪሁ ከሎ መኪና ዘዊርካ ክትሓልፎ ኣይፍቀደልካን እዩ። ናይ ካልእ ሰብ ኣቕሑ ክትሰርቕ እውን ኣይፍቀደልካን እዩ። እቶም ሕግታት እንታይ መሰል ከም ዘሎና እውን ይነግሩና እዮም። ንኣብነት ቈልዑ ናብ ቤት ትምህርቲ ናይ ምኻድ መሰል ኣለዎም፡ ከም ሓድሽ ወላዲ መጠን ከኣ ናይ መተካእታ ደሞዝ ወለዲ መሰል ኣለካ። እቶም ሕግታት ዘለዉ ንሕና ሰባት ብሓባር ምእንቲ ክንነብር ክንክእልን ውሑሳት ክንከውንን እዮም።

ሓደ ሓደ ግዜ ሓደሽቲ ሕግታት ይወጹ እዮም። ሕግታት ክቕየሩ እውን ይኽእሉ እዮም። ንኣብነት ኣብ ሽወደን ብ1979 ወለዲ ንደቆም ክወቕዕዎም ተኸልኪሉ። ቅድሚኡ ግን ፍቑድ እዩ ነይሩ። ካልእ ኣብነት ከኣ ኣብ ውሽጢ ኣብያተ ምግቢ ምኽልካል ምትካኽ ሽጋራ እዩ። እዚ ብ2005 ተኸልኪሉ።

ናይ ክበብ ዳኛ ኣብ ልዕሊኡ ዘለዎ ናይ ሕጊ መጽሓፍ።

ቅዋም ወይ መሰረታውያን ሕግታት ሽወደን

ገሊኦም ሕግታት ካብ ካልኦት ንላዕሊ ኣገደስቲ እዮም። እዚኦም ቅዋም ወይ መሰረታውያን ሕግታት ይብሃሉ። እዚኦም ልዕሊ ኵሎም ካልኦት ሕግታት ሰፊሮም ይርከቡን ንኽትቅይሮም ኣጸገምትን እዮም። ኣብቲ ቅዋም ሽወደን ሓንቲ ደሞክራሲያዊት ሃገር እያ ዝብል ሰፊሩ ኣሎ።

ኣብ ሽወደን ኣርባዕተ መሰረታውያን ሕግታት ኣለዉ። ሰነድ ምሕደራ (regeringsformen)፡ ሕጊ ምውራስ ዓራት (successionsordningen)፡ ሕጊ ናጽነት ሕትመት ( tryckfrihetsförordningen)፡ ከምኡ'ውን ሕጊ ናጽነት ምግላጽ ሓሳባት (yttrandefrihetsgrundlagen) ይብሃሉ።

ሰነድ ምሕደራ (regeringsformen)

ሰነድ ምሕደራ፡ ሽወደን ብኸመይ ክትመሓደር ከም ዘለዋ ተገሊጹ ኣሎ። ኣብኡ ንሕና ኣብ ሽወደን እንነብር በቶም ኣብ እተፈላለየ ምርጫታት እንመርጾም ፖለቲከኛታት ኣቢልና ኣብ ምውሳን ከም እንካፈል ሰፊሩ ኣሎ። ሰነድ ምሕደራ ንመሰላትና እውን ይገልጾም እዩ። ንኣብነት ኣብ ሽወደን ናይ ሞት መቕጻዕቲ ክልኩል ከም ዝኾነን ኵሎም ሰባት ዝደለይዎ ሃይማኖት ወይ እምነት ናይ ምእማን መሰል ከም ዘለዎምን ሰፊሩ ኣሎ። ከምኡ'ውን ሰነድ ምሕደራ ትሕዝቶ ናይ ሃገራዊ ባይቶናን መንግስትናን ብኸመይ ክሰርሑ ከም ዘለዎም ዝሕብር ሕግታት ኣለዎ።

ሕጊ ምውራስ ዓራት (successionsordningen)

ሽወደን ንጉሳዊት ሃገር እያ፣ ርእሲ መንግስቲ ዝኾነ ሓደ ንጉስ ድማ ኣሎና። ሕጊ ምውራስ ዓራት (successionsordningen)፡ መን ዝፋን ናይ ንግስነት ሽወደን ከም ዝወርስን ሓድሽ ንጉስ ወይ ንግስቲ ከም ዝኸውንን ዝገልጽ ሕግታት ኣለዎ። ንጉስ ሽወደን ካርል መበል 16 ጉስታፍ ይብሃል። በዅሪ ውላዱ ቪክቶርያ ትብሃል። ኣብ መጻኢ ንሳ ንግስቲ ክትከውን እያ።

ሕጊ ናጽነት ሕትመትን (tryckfrihetsförordningen) ሕጊ ናጽነት ምግላጽ ሓሳባትን (yttrandefrihetsgrundlagen)

ኵልና ኣብ ሽወደን እንነብር ዳርጋ ዝደለናዮ ክንሓስብን ክንዛረብን መሰል ኣለና። ኣብ ቲቪ እትሓስቦ ክትዛረብ ትኽእል ኢኻ፣ ነቲ እትሓስቦ ድማ ኣብ ኢንተርነትን ኣብ ጋዜጣን ክትጽሕፎ ትኽእል ኢኻ። ንኣብነት ብዛዕባ ፖለቲካ ሽወደን ርእይቶ እንተ ኣልዩካ ክትገልጾ መሰል ኣሎካ። ንጋዜጣታት እውን እዚ ይምልከተን እዩ። ፖለቲከኛታት ዘይኮኑስ እንታይ ክጽሕፉ ከም ዝደልዩ ባዕሎም እዮም ዝውስኑ ። እዚ ኣብቲ ሕጊ ናጽነት ሕትመትን (tryckfrihetsförordningen) ሕጊ ናጽነት ምግላጽ ሓሳባትን (yttrandefrihetsgrundlagen) ተባሂሉ ዝጽዋዕ ቅዋም ወይ መሰረታዊ ሕግታት ሰፊሩ ኣሎ።

  • ሕጊ ናጽነት ሕትመት (tryckfrihetsförordningen) ብዛዕባ እቲ ኣብ ጋዜጣታትን መጻሕፍትን ክትጽሕፎ እትኽእል ነገራት እዩ።
  • ሕጊ ናጽነት ምግላጽ ሓሳባት (yttrandefrihetsgrundlagen) ብዛዕባ እቲ ኣብ ረድዮ፡ ተለቪዥን፡ ፊልም ከምኡውን ኣብ ኢንተርነት ክትብሎ፡ ክትጽሕፎን ክትገልጾን እትኽእል ነገራት እዩ ።

እዞም ሕግታት እዚኦም ካብ ጸለመን ግህሰትን እውን ክከላኸሉልና ኣለዎም። እዚ ካብ ናይ ዝኾነ ይኹን ነገር ምጽሓፍን ምዝራብን ናጽነት ፍሉይነት ኣሎ ማለት እዩ። ንኣብነት ብጎቦጎቦ ጌርካ ብዓሌት፡ ሕብሪ ቈርበት፡ ሃገራዊ ወይ ዓሌታዊ መበቈል፡ ሃይማኖታዊ እምነት ወይ ጾታዊ ዝንባሌ ብምጥቃስ ንጕጅለ ሰባት ዘፈራርሕ ወይ ዘቈናጽብ ዘረባ ብጋህዲ ምዝርጋሕ ገበን እዩ። ምልዕዓል ጸረ ዓሌታዊ ጕጅለ (hets mot folkgrupp) ተባሂሉ ይጽዋዕ ። ንኣብነት ካብ ሓንቲ ውስንቲ ሃገር ዝመጹ ኵሎም ሰባት ገበነኛታት እዮም ኢሉ ዝተዛረበ ሰብ፡ ብገበን ናይ ምልዕዓል ጸረ ዓሌታዊ ጕጅለ ክፍረድ ይኽእል እዩ። ብዛዕባ ሓደ ሰብ ሓሶት ወረ ምዝርጋሕ ወይ ንኻልእ ሰብ ምግሃስ እውን ክልኩል ክኸውን ይኽእል እዩ።

ስለምንታይ እዮም ሕጊ ናጽነት ሕትመትን (tryckfrihetsförordningen) ሕጊ ናጽነት ምግላጽ ሓሳባትን (yttrandefrihetsgrundlagen) ኣዝዮም ኣገደስት ካብ ምዃኑ እተላዕለ ኣብ ቅዋም ሰፊሮም ዘለዉ ይመስላካ?

ሽወደን ንጉሳዊት ሃገር እያ፡ ሓደ ንጉስ ድማ ኣለዋ

ሽወደን ሓንቲ ንግስነታዊት ሃገር ኮይና፡ ንኣማኢት ዓመታት ድማ ከምኡ ኮይና ጸኒሓ ኣላ። እዚ ማለት ናይዛ ሃገር ርእሲ ሃገር ዝኾነት ወይ ዝኾነ ሓንቲ ንግስቲ ወይ ሓደ ንጉስ ኣሎ ማለት እዩ። ሎሚ ኣብ ሽወደን ካርል መበል 16 ጉስታፍ ዝብሃል ርእሲ ሃገር ንጉስ ኣሎ። ንሱ ንልዕሊ 50 ዓመት ንጉስ ኮይኑ ጸኒሑ ኣሎ።

ኣብ ካልእ ክፍልታት ዓለም ንግስቲ ወይ ንጉስ ኣብ ሕብረተ ሰብ ናይ ምውሳን ስልጣን ዘለዎ ናይ ንጉሳዊ ስርዓት ዘለወን ሃገራት ኣለዋ። ንጉስ ሽወደን ዝኾነ ፖለቲካዊ ስልጣን የብሉን። ናቱ ዕማም ትእምርታውን ምውካልን ጥራይ እዩ። እቲ ንጉስ ኣብ ኵሉ መዳያት ንሽወደን ወኪሉ ይቐርብን የላልያን። ንኣብነት ወግዓዊ ምብጻሕ ይገብርን ምስ መራሕቲ ካልኦት ሃገራት ይራኸብን እዩ። ኣብ ምሉእ ሽወደን ንዝርከባ እተፈላለያ ውድባትን ትካላትን እውን ይበጽሐን እዩ።

ብ1979 ሃገራዊ ባይቶ ሽወደን ናይታ ንግስቲ ወይ ንጉስ በዅሪ ውላድ ቀጻሊ ንግስቲ ወይ ንጉስ ንኽከውን ወሲኑ። ቀደም ብቐዳምነት እቲ ዝዓበየ ወዲ እዩ ዚነግስ ነይሩ። ሎሚ ወዲ ተባዕታይ ይኹን ጓለንስተይቲ ኣገዳስነት የብሎን። ሓደ መዓልቲ ጓል ንጉስ ወራሲት ዘውዲ ልእልቲ ቪክቶርያ ኣብ ሽወደን ርእሲ መንግስቲ ክትከውን እያ።

ሽወደን ብመንግስቲ፡ ዞባን ኮሙናትን ኣቢላ እያ ትመሓደር።

ኣብ ሽወደን ፖለቲካዊ ስልጣን ኣብ ብዙሓት ዝተመቃረሓ እዩ። ንሽወደን ኣየኖት ፖለቲከኛታት ከመሓድርዋ ከም ዝኾኑ ንውስን ንሕና ዜጋታት ኢና። ነዚ ድማ ንፖለቲከኛታት ብምምራጽ ኢና እንገብሮ፡

  • ብከባቢ ደረጃ – ኣብ ኮሙን
  • ብዞባ ደረጃን — ኣብ ዞባ
  • ብሃገራዊ ደረጃ - ሃገራዊ ባይቶ
  • ኣብ ሕብረት ኤውሮጳ - ኣብ ባይቶ ሕብረት ኤውሮጳ

እቶም ኣብ ሃገራዊ ባይቶ ዘለዉ ፖለቲከኛታት ንምልእቲ እታ ሃገር ዝምልከት ውሳነ ይውስኑ። ሽወደን ኣብ 21 ዞባታትን 290 ኮሙናትን እውን ዝተኸፋፈለት እያ። ኣብ ዞባታትን ኮሙናትን ዘለዉ ፖለቲከኛታት ብዛዕባ እቲ እንነብረሉ ቦታ ዝምልከት ይውስኑ። ኣብ ባይቶ ሕብረት ኤውሮጳ ብዛዕባ እቲ ኣብ መላእ ሕብረት ኤውሮጳ ዝውዕል ነገራት ይውስኑ።

ኣበየነይቲ ኮሙን ኢኻ ትነብር?

ኣበየናይ ዞባ ኢኻ ትነብር?

ሃገራዊ ባይቶ ንሽወደን ዝምልከት ሕግታት ይውስን።

ቀዳማይ ሚኒስተር ሽወደን ኡልፍ ክሪስተርሶን ይበሃል። ንሱ መራሒ ሰልፊ ሞደራተርና እዩ። ሞደራተርና ምስ ክሪስትደሞክራተርናን ሊበራልርናን ብሓባር መንግስቲ መስሪቶም ኣለዉ።

መንግስቲ እዩ ነዛ ሃገር ብሃገራዊ ደረጃ ዘመሓድራ። እቲ ሃገራዊ ባይቶ ዝወሰኖ ውሳነታት ኣብ ግብሪ ከም ዝውዕል ብምርግጋጽ የተግብሮ። መንግስቲ እማመ ናይ ሓድሽ ሕግታት ወይ ምልዋጥ ሕግታት እውን ከቕርብ ይኽእል እዩ። ሃገራዊ ባይቶ ነቲ መንግስቲ ዘቕረቦ እማመ 'እወ' ወይ 'ኣይፋል' ኢሉ ይመርጽ። ሃገራዊ ባይቶ ኣብ ምልእቲ እታ ሃገር ዘገልግል ውሳነታት እዩ ዝውስን።

ሃገራዊ ባይቶ ብዛዕባ ናይ ሃገር ኣታዊታትን ወጻኢታትን እውን ይውስን እዩ። እቲ መንግስቲ ዘውጽኦ ገንዘብ ንኣብነት ንምምዋል ዩኒቨርስቲታት፡ ኮለጅታት፡ ፖሊስን ሓልዮት ቈልዑን እዩ ዝውዕል።

ሃገራዊ ባይቶን መንግስትን ክፋል ናይቲ ብመንግስቲ ተባሂሉ ዚፍለጥ እዮም።

ዞባታት ናይ ክንክን ጥዕና ሓላፍነት ኣለወን

ኣብ ሽወደን 21 ዞባታት ኣለዋ። ቀንዲ ኣገዳሲ ዝዀነ ዕማም ናይ ዞባታት ክንክን ጥዕና ምምሕዳር እዩ። ክንክን ጥዕና፡ ኣገልግሎት ሕክምናን ክንክን ስኒን የመሓድሩ። ከም ኣውቶቡሳት፡ ስፖርቫግንን ቱነልባናን ዝኣመሰለ ህዝባዊ መጓዓዝያታት ንኽህሉ እውን ናይ ምርግጋጽ ሓላፍነት ኣለዎም።

ዞባታት በቶም ንሕና ዜጋታት ኣብ ምርጫ ዞባ እንመርጾም ፖለቲከኛታት እዩ ዝምራሕ። ዞባ ብኸመይ ክትመሓደር ከም ዘለዎ ዝውስን፡ ቤት ምኽሪ ዞባ እዩ።

ኮሙናት ኣብያተ ትምህርቲ የመሓድራ።

ከምኡ'ውን ሽወደን ኣብ 290 ኮሙናት ዝተመቕለት እያ። ዓበይቲ ኮሙናትን ናእሽቱ ኮሙናት ኣለዋ። ስቶኮልም ኮሙን እታ ዝዓበየት ኮሙን እያ ። ኣብኣ ኣስታት ሓደ ሚልዮን ዝዀኑ ሰባት ይቕመጡ። ብዩርሆልም ኮሙን እታ ዝነኣሰት ኮሙን እያ። ኣብኣ ካብ 3000 ዝውሕዱ ሰባት ይቕመጡ።

ኮሙናት ናይ መብዛሕትኡ ኣብቲ እትነብረሉ ሰፈር ዘሎ ኣገልግሎት ሓላፍነት ኣለወን። ኣብ ቤትካ ኣብ ቡምባ ማይ ከም ዝመጽእን ንቘልዑ ዝኸውን ኣብያተ ትምህርቲ ከም ዘሎን ዘረጋግጽ እቲ ኮሙን እዩ። ብተወሳኺውን ኮሙናት ኣረጋውያንን ሕሙማትን ገዛእ ርእሶም ክኣልዩ ኣብ ዘይክእሉሉ እዋን ሓገዝ ክረኽቡ ከም ዝኽእሉ የረጋግጻ።

ኮሙናት በቶም ንሕና ተቐማጦ ኣብ ምርጫ ኮሙን እንመርጾም ፖለቲከኛታት እዩ ዝምራሕ። ኮሙን ብኸመይ ክትመሓደር ከም ዘለዎ ዝውስን፡ ቤት ምኽሪ ኮሙን እዩ።

ኮሙናትን ዞባታትን ካብ ግብሪ ገንዘብ ይረኽባ

ኮሙናትን ዞባታትን ንጥፈታተን ንከመሓድራ ንኽኽእላ ገንዘብ የድልየን እዩ። ስለዚ ኢና ግብሪ እንኸፍል። ዝበዝሓ ክፋል ኣታዊ ዞባታትን ኮሙናትን ብግብሪ እዩ ዝሽፈን። እቲ ኣታዊ ካብ መንግስቲ ብዝወሃብ ቍጠባዊ ደገፍን ካብ ኣገልግሎታት ዝኽፈል ክፍሊታትን እውን ዝቘመ እዩ።

እቲ ገንዘብ ኣብያተ ትምህርቲ፡ ሆስፒታላት፡ መገድታትን ካልእ ነገራትን ንምምዋል እዩ ዝውዕል። እቶም ኣታዊ ዘለዎም ተቐማጦ ናብቲ ዚነብሩሉ ኮሙን ግብሪ ይኸፍሉ እዮም።

ኮሙናትን ዞባታትን እቲ ግብሪ ክንደይ ክኸውን ከም ዘለዎ ባዕሎም እዮም ዝውስኑ። እዚ ሓደ ክፋል ናይቲ ርእሰ ምሕደራ ተባሂሉ ዝጽዋዕ እዩ።

ሕብረት ኤውሮጳ

ሕብረት ኤውሮጳ፡ሕ.ኤ፡ 27 ሃገራት ኤውሮጳ ዝሓዘ ውድብ እዩ። እተን ኣባላት ሕብረት ኤውሮጳ ዝኾና ሃገራት ኣብ ከም ንግዲ፡ ኣከባብን ሕርሻን ዝኣመሰለ እተፈላለዩ ጕዳያት ይተሓባበራ እየን። ኣብ ኤውሮጳ ሰላም ከም ዝህሉ ንምርግጋጽ እውን ብሓባር ይዓዩ። ብዙሓት ሃገራት ሕብረት ኤውሮጳ ሓደ ዓይነት ገንዘብ እየን ዝጥቀማ። እቲ ባጤራ፡ ዩሮ ተባሂሉ ይጽዋዕ።

ሽወደን ብ1995 ኣባል ሕብረት ኤውሮጳ ኾይና። ቅድም ዓባይ ብሪጣንያ ኣባል ሕብረት ኤውሮጳ እኳ እንተ ነበረት ብ2020 ግን ካብቲ ማሕበር ወጺኣ። ምውጻእ ዓባይ ብሪጣንያ ብረክሲት ተባሂሉ ይጽዋዕ።

ሕብረት ኤውሮጳ ኣብ መላእ ሕብረት ኤውሮጳ ዘገልግል ሕግታት ይውስን። ሓያሎ ሕግታት ሕብረት ኤውሮጳ ኣብ ውሽጢ ሕብረት ኤውሮጳ ዘሎ ንግዲ፡ መገሻን ስራሕን ዝቐለለ ገይርዎ እዩ።

ኮሚሽን ኤውሮጳ፡ ባይቶ ኤውሮጳን ቤት ምኽሪ ምኒስተራትን ናይ ሕብረት ኤውሮጳ ሰለስተ ኣገደስቲ ተቕዋማት እየን። ኣብ ነፍሲ ወከፍ ተቕዋም ተወከልቲ ናይ ኣባል ሃገራት ይዓዩ። ነቶም ኣብ ሕብረት ኤውሮጳ ዘገልግሉ ሕግታት ዝኸውን እማመ ዘቕርብ ኮሚሽን ኤውሮጳ እዩ። ባይቶ ኣውሮጳን ቤት ምኽሪ ምኒስተራትን ነቲ ዝቐረበ እማመ ይመያየጥሉን ነቲ ሕግታት ከኣ 'እወ' ወይ 'ኣይፋል' ኢሎም የድምጽሉን። ንሓደ ሓድሽ ሕጊ ሕብረት ኣውሮጳ 'እወ' ኢሎም እንተ ኣድሚጾምሉ፡ ኵለን ሃገራት ሕብረት ኤውሮጳ በቲ ሕጊ ክምእዘዛ ኣለወን።

ሽወደን ኣብ ባይቶ ሕብረት ኤውሮጳ ሓያሎ ፖለቲከኛታት ኣለዉዋ። ንዕኦም ንሕና ኢና መሪጽናዮም። ንሶም ሕብረት ኤውሮጳ ብኸመይ ክትመሓደር ከም ዘለዎ ኣብ ምውሳን ይሳተፉ።

ብዛዕባ ፖለቲካዊ ጕዳያትን ውሳነታትን ዝገልጽ እተፈላለየ ኣብነታት ክትሓስብ ትኽእል'ዶ ?

ኣብ ነፍሲ ወከፍ እተን ኣርባዕተ ደረጃታት ኣየኖት ጕዳያት ከም ዚውሰኑ እስከ ሕሰብ።