ደሞክራሲ እንታይ እዩ?

ናይ መጠረሽታ ዝተሓደሰሉ: 2 2 2023

ብዛዕባ ሽወደን - ሓደ ንልልይ ምስ ሕብረተሰብ ዝኸውን ጽሑፍ።

ደሞክራሲ እንታይ እዩ? ንጹር መልሲ ዘይብሉ ከቢድ ሕቶ እዩ። ደሞክራሲ ንገሊኣቶም ባህርያዊ ነገር ክኸውን ከሎ ንኻልኦት ግን ከምኡ ኣይኰነን። ሽወደን ሓንቲ ደሞክራስያዊት ሃገር እኳ እንተ ኾነት ኵሉ ግዜ ከምኡ ኣይነበረትን። መብዛሕትኦም እቶም ሎሚ ኣብ ሽወደን ዘለዉና መሰላትን ዕድላትን፡ ቅድሚ ሚእቲ ዓመት ንሱ ዘይነበሮም ብዙሓት ሰባት እዮም ነይሮም።

ደቂ ኣንስትዮን እተፈላለየ ፖስተራትን "መሰላት ምርጫ ደቂ ኣንስትዮ" ዚብል ኣርማ ዘለዎን መኣከቢ ኣዳራሽ ናይ መጀመርታ መበል 20 ዘመን።

ስእሊ፡ Nordiska museet (ቤተ-መዘክር ኖርዲክ)

እዚ ጽሑፍ ብዛዕባ ደሞክራሲ እዩ። ብዛዕባ ንደሞክራሲ መለለይኡ እንታይ ምዃኑን ብዛዕባ እተፈላለየ ዓይነት ደሞክራሲን ከተንብብ ክትክእል ኢኻ። ብዛዕባ እቲ ኣብ ሽወደን ንዘሎ ደሞክራሲ ዘጋጥሞ ብድሆታት እውን ከተንብብ ክትክእ ኢኻ። ብዛዕባ ኣብ ሕብረተ ሰብ ጽልዋ ንምግባርን ኣብኡ ንምስታፍን ክትገብሮም እትኽእል እተፈላለዩ ነገራት እውን ከተንብብ ክትክእል ኢኻ።

ነፍሲ ወከፍ ሰብ ብቐጥታ ወይ ንተወከልቱ ኣብ ናጻን ፍትሓውን ምርጫ ብምምራጽ ኣብ ምምሕዳር ሃገሩ ናይ ምክፋል መሰል ኣለዎ።

ናጽነት ርእይቶን ናጽነት ሓሳብካ ምግላጽን እውን ኣለካ። እዚ ዝደለኻዮ ርእይቶ ክህልወካን ክትሓስብን መሰል ኣለካ ማለት እዩ። ሓሳባትካን ርእይቶካን ናብ ካልኦት ንኣብነት ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ ክትዝርግሕ እውን ትኽእል ኢኻ። ግን ነቲ ናይ ናጽነት ምግላጽ ሓሳባት ኣብ ልዕሊ ካልኦት ሰባትን ጕጅለታትን ጽልእን ጸለመን ንምዝርጋሕ ክትጥቀመሉ ኣይፍቀደካን እዩ። ኣብ ሰላማዊ ኣኼባታት፡ ሰላማዊ ሰልፍታትን ማሕበራትን ክትሳተፍን ከተዳልዎምን እውን መሰል ኣለካ። ይዅን’ምበር ኣብ ሰላማዊ ኣኼባታት፡ ሰላማዊ ሰልፍታት ንኸትሳተፍን ኣባል ናይ ሓደ ማሕበር ንኸትከውንን እውን መሰል ኣለካ።

ደሞክራሲ እንታይ መለለዪ እዩ ዘለዎ?

ደሞክራሲ ንማሕበረ ሰብ እተምሓድረሉ ሓደ ኣገባብ እዩ። እታ ዲሞክራሲ እትብል ቃል ካብ ቋንቋ ግሪኽ ዝመጸት ኮይና ብሽወደንኛ ዳርጋ "ህዝባዊ ምሕደራ" ማለት እያ። ስለዚ ኣብ ደሞክራሲ እቲ ህዝቢ እዩ ነቲ ፖለቲካዊ ስልጣን ዘለዎ። ተቓራኒ ናይ ደሞክራሲ ውልቀ-ምልኪ እዩ። ኣብ ውልቀ-ምልካዊ ስርዓት ሓደ ሰልፊ ወይ ሓደ ሰብ ይውስን።

ሽወደን ሓንቲ ደሞክራስያዊት ሃገር እያ። ኣብ ናይ ሽወደን ቅዋም፡ ንኣብነት ኵሉ ህዝባዊ ስልጣን ካብ ህዝቢ እዩ ዝብገስ ዝብል ሰፊሩ ኣሎ። እዚ ማለት ከኣ እቶም ህዝቢ ነታ ሃገር መን ከም ዘመሓድራ ይውስኑ ማለት እዩ። እቲ ህዝቢ ኣብ ክንድኡ ኮይኖም ነታ ሃገር ዝመርሕዋ ሰልፍታትን ፖለቲከኛታትን ይመርጽ።

ሰባት ብዛዕባ ደሞክራሲ ንኣሽሓት ዓመታት ተመያይጦም እዮም። ንደሞክራስያዊ ኵሉ ሰብ ምሉእ ብምሉእ ብዝሰማምዓሉ ኣገባብ ምግላጹ ኣጸጋሚ እዩ። ይኹን'ምበር መብዛሕትኦም ሰባት፡ ሰባት ኣብ ውሳነ ክሳተፉ ከም ዘለዎም ምዃኑ ይሰማምዕሉ እዮም። ከምኡ'ውን ብዛዕባ ስልጣን ኣብ መንጎ መንግስቲ፡ ተቐማጦን ፖለቲከኛታትን ምምቕራሕን እቲ ምምቕራሕ ብሓደ ፍትሓዊ፡ ማዕረን ሕጋውን ብዝኾነ ኣገባብ ክግበር ከም ዘለዎን እዩ።

ገለ ካብቲ ንሓደ ደሞክራስያዊ መለለዪ ዝዀኑ ኣብነታት እንሆ።

እቲ ህዝቢ ብናጻን ፍትሓውን ምርጫ ኣቢሉ የመሓድር

ናጻን ፍትሓውን ምርጫ ኣብ ሓደ ደሞክራሲ ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ። እዚ ማለት፡ ኵሎም ዕድሚኦም ዝኣኸለ ደቂ ኣንስትዮን ደቂ ተባዕትዮን ኣብ ባይቶኣዊ ምርጫ ክመርጹ ክኽእሉ ኣለዎም ማለት እዩ። እቶም ዝመርጹ ንመን ከም ዝመረጹ ንኻልኦት ክነግርዎም ኣየድልዮምን እዩ።

መብዛሕትኦም ግዜ እቶም ብዙሃን ይውስኑ።

ኣብ ሓደ ደሞክራሲ መብዛሕትኡ ግዜ እቶም ብዙሃን እዮም ዝውስኑ። እዚ ማለት ከኣ እቲ ዝያዳ ድምጺ ዝረኸበ እማመ፡ኣብ እዋን ምርጫ ብድምጺ ይዕወት ማለት እዩ። ሓደ ንበይኑ ሰብ ብዙሓት ሰባት እንተ ዘይተሰማሚዖም ዋላ ሓንቲ ክውስን ኣይፍቀዶን እዩ። ይኹን እምበር እቶም ብዙሃን እውን ንቕዋም ወይ ሰብኣዊ መሰላት ዝጥሕስ ውሳነታት ክውስኑ የብሎምን።

ኣብ ሓንቲ ሃገር እቶም ብዙሃን ነቶም ውሑዳን ፈጺሞም ክጭቍንዎም የብሎምን። ውሑዳን ኣካል ናይቶም ብዙሃን ዝኾኑ ሓደ ጕጅለ ሕብረተ ሰብ እዮም።

ኵሎም ሰባት ማዕረ ክብሪ ኣለዎም

ኣብ ደሞክራሲ ኵሎም ሰባት ማዕረ ክብሪ ኣለዎም፡ ሕደ መሰላት እውን ክህልዎም ኣለዎ። ዝኾነ ሰብ ፍትሓዊ ብዘይኮነ ኣተሓሕዛ ክትሓዝ የብሉን። መን ምዃንካ ብዘየገድስ ሕደ መሰላት፡ ዕድላትን ግዴታታትን ክህልወካ ኣለዎ።

እቲ ህዝቢ ፖለቲካዊ ናጽነትን መሰላትን ኣለዎ

ደሞክራሲ ንኽዓዪ ኵሉ ሰብ ዝደለዮ ክሓስብን ክዛረብን ክፍቀዶ ኣገዳሲ እዩ። ናጽነት ርእይቶ ይበሃል። ኵሎም ሰባት ርእይቶኦም ንኣብነት ኣብ ጋዜጣታት ረድዮ ወይ ተለቪዥን ክገልጹ እውን ክኽእሉ ኣለዎም። እዚ ናጽነት ምግላጽ ሓሳባትን ናጽነት ሕትመትን ይብሃል። ይኹን እምበር ነቲ ናጽነት ምግላጽ ሓሳባት ኣብ ልዕሊ ካልኦት ሰባትን ጕጅለታትን ጽልእን ጸለመን ንምዝርጋሕ ክትጥቀመሉ ኣይፍቀደካን እዩ። ከምኡ'ውን ሰባት ኣብ ሕብረተ ሰብ ጽቡቕ ከም ዘየለ ገይሮም ንዝሓስብዎ ሓደ ነገር ኣንጻሩ ንኽቃወሙ ብጕጅለ ክራከቡ ክኽእሉ ኣለዎም። እዚ ናይ ምእካብ ናጽነት ይበሃል።

ናጽነት ርእይቶ፡ ናጽነት ምግላጽ ሓሳባት፡ ናጽነት ሕትመትን ናጽነት ምእካብን ኣብነታት ናይ ፖለቲካ ሓርነትን መሰላትን እዮም። እዞም ሓርነታትን መሰላትን እዚኦም መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ቅዋም ናይ ሓንቲ ሃገር ብጽሑፍ ሰፊሮም ይርከቡ እዮም።

ኵሉ ሰብ ኣብ ቅድሚ ሕጊ ማዕረ እዩ

ካልእ ኣገዳሲ ክፋል ናይ ደሞክራሲ፡ ኵሎም ሰባት ኣብ ቅድሚ ሕጊ ማዕረ ምዃኖም እዩ። ሃብታም ኵን ድኻ፡ ወዲ ተባዕታይ ኵን ጓል ኣንስተይቲ፡ ኣብ ካልእ ሃገር ዲኻ ወይ ኣብ ሽወደን ተወሊድካ ኣየገድስን እዩ። ኵሉ ሰብ ነቶም ዘለዉ ሕግታት ክስዕቦም ኣለዎ። ገበን እንተ ፈጺምካ ወይ ገበን ፈጺምካ ተባሂልካ እንተ ተኸሲስካ ክምርመረልካ መሰል ኣሎካ። ዝዀነ ይኹን ሰብ ብዘይ ፍትሓዊ ፍርዲ ክፍረድ የብሉን።

እተፈላለየ ዓይነት ደሞክራሲ ኣሎ

እተፈላለየ ዓይነት ደሞክራሲ ኣሎ። እተፈላለያ ደሞክራስያውያን ሃገራት ህዝቢ ከምሓድር ዘፍቀዳሉ ዝተፈላለየ ኣገባብ መሪጸን ኣለዋ። ንኣብነት ሓንቲ ሃገር ወካሊ ደሞክራሲ ክህልዋ ትኽእል እያ። እዚ ማለት፡ እቶም ህዝቢ ኣብ ክንድኦም ኮይኖም ነታ ሃገር ዘማሓድርዋ ተወከልቲ፡ ንኣብነት ሰልፍታት ወይ ፖለቲከኛታት ይመርጹ ማለት እዩ። ሽወደን ወካሊ ደሞክራሲ ዘለዋ ሃገር እያ። ኵሎም እቶም ንኽመርጹ መሰል ዘለዎም ሰባት ኣብ ባይቶ ሃገር፡ ዞባ፡ ኮሙንን ኣብ ባይቶ ኤውሮጳ ሕብረትን ቦታ ዝረኽቡ ሰልፍታት ይመርጹ።

ባህሪ ናይ ቀጥታዊ ደሞክራሲ ዘለወን ሃገራት እውን ኣለዋ። ቀጥታዊ ዲሞክራሲ ማለት ናይ ምርጫ መሰል ዘለዎ ኵሉ ሰብ ውሳነታት ኣብ ምውሳን ይሳተፍ ማለት እዩ። ህዝባዊ-ውሳነ (ረፈረንዱም) ሓደ ኣብነት ናይ ቀጥታዊ ደሞክራሲ እዩ። ኣብ ከምዚ ኵነት ህዝቢ ብዛዕባ ሓደ ውሱን ጕዳይ ኣብ ምውሳን ወይ ሓሳቡ ኣብ ምግላጽ ይሳተፍ።

ንደሞክራስያዊ ስርዓት ሽወደን ዘጋጥሞ ብድሆታት

ምስ ብዙሓት ካልኦት ሃገራት ክወዳደር ከሎ፡ ናይ ሽወደን ደሞክራሲ ድልዱል እዩ። ንኣብነት መብዛሕትኦም ነበርቲ ክልቲኦም ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ኣብቲ ኣብ ሽወደን ዝግበር ምርጫ የድምጹ እዮም።። ኣብ ሽወደን ኵሉ ሰብ ድምጹ ናይ ምስማዕን ርእይትኡ ናይ ምዝራብን መሰል ኣለዎ ። መብዛሕትኦም ኣብ ሽወደን ዝነብሩ ሰባት ኣብ ልዕሊ ሰበ - ስልጣን፡ መንግስትን ንሓድሕዶምን እምነት ኣለዎም። ይኹን እምበር ናይ ሽወደን ደሞክራስያዊ ስርዓት እውን ብድሆታት የጋጥሞ እዩ።

ሓደ ካብቲ ብድሆታት ኣብ ሽወደናዊ ተሳትፎ ምርጫ ዓብዪ ፍልልይ ምህላዉ እዩ። ንኣብነት እቶም ትሑት ትምህርቲ ዘለዎም ሰባት ኣብ ምርጫ ዝተሓተ ተሳትፎ እዩ ዘለዎም።

ካልእ ብድሆ ከኣ ሓደ ሓደ ግዜ ፕሮፓጋንዳ፡ ሓሶትን ጽልኢን ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ስለ ዝዝርጋሕ እዩ። ፖለቲከኛታት ጋዜጠኛታት ከምኡ'ውን ካልኦት ኣብቲ ህዝባዊ ክትዕ ዚሳተፉ ሰባት ሓደ ሓደ ግዜ ምፍርራሕ የጋጥሞም እዩ። ርእይቶአን ዝዛረባን ዝጽሕፋን ደቂ ኣንስትዮ፡ ደቂ ኣንስትዮ ጥራይ ስለ ዝዀና ሓደሓደ ግዜ ጽልእን፡ ምፍርራሕን ጾታዊ ምሽጋርን የጋጥማ እዩ። ንኣብነት ሰባት ብሰንኪ ሃይማኖቶም፡ ጾታኦም ወይ ሕብሪ ቘርበቶም ግዳያት ናይ ጽልኢ ገበንን ኣድልዎን ክዀኑ ይኽእሉ ኢዮም። ንኣብነት ግዳይ ጽልኢ ክትከውን ትኽእል እንተደኣ ዄንካ፡ ኣብ ደሞክራሲ ንኽትሳተፍ ክትደፈር ክኸብደካ ይኽእል እዩ።

ንኣብነት እተፈላለዩ ጕጅለታት ንሓድሕዶም ከም ዝገራጨዉ ብምግባር ወይ ግጉይ ሓበሬታ ብምዝርጋሕ ንደሞክራስያዊ ስርዓት ደው ከብልዎን ኣብ ሕብረተሰብ ጥርጣረን ምክፍፋልን ክፈጥሩን ዝደልዩ ጕጅለታት እውን ኣለዉ።

ደሞክራሲ ብባዕሉ ቀጻልነት ክህልዎ ኣይክእልን እዩ። ክሕልዎ ኣለና። ደሞክራሲ ህላወኡን ምዕባለኡን ምእንቲ ክቕጽል፡ ንኣብነት ነቲ ናይ ምምራጽ መሰል ምጥቃም፡ ብዛዕባ ማሕበራዊ ጕዳያት ናይ ገዛእ ርእስኻ ርእይቶ ምፍጣርን ዜናታትን ማሕበራዊ ሓበሬታን ምርካብ ኣድላዪ እዩ።

ሕጅን ኣብ መጻእን ንደሞክራስያዊ ስርዓት ንኽትሕልዎን እንታይ ክትገብር ትኽእል?

ደሞክራሲ ኣብ መዓልታዊ ናብራ

ኣብነት፦ ኣዳም ኣብ ሕብረተ ሰብ ጽልዋ ክገብር ይደሊ እዩ

ኣዳም ናይ መንበሪ ፍቓድ ኣለዎ፡ ኣብ ዮተቦርይ ድማ ንኣርባዕተ ዓመት ተቐሙጡ ኣሎ። ኣብቲ ኣብ ቀረባ ግዜ ኣብ ዮተቦሪ እተገብረ ናይ ኮሙን ምርጫ ኣድሚጹ እዩ። እንደገና ኣብ ናይ ዮተቦሪ ፖለቲካ ተሳቲፉ ጽልዋ ንምግባር ኣርባዕተ ዓመት ክወስድ እዩ ኢሉ ይሕስብ። ኣዳም ኣብ መዓልቲ ምርጫ ጥራይ ድዩ ኣብ ደሞክራሲ ጽልዋ ክገብርን ክሳተፍን ዝኽእል? ወይስ ኣብ ሕብረተ ሰብ ጽልዋ ክገብረሉን ኣብኡ ክሳተፈሉን ዝኽእለሉ ካልእ መገዲታት ኣሎ?

ደሞክራሲ ብዛዕባ ኣብ ፖለቲካዊ ምርጫታት ምድማጽ ጥራይ ኣይኰነን። ኣብ ንደሞክራሲ ዝምልከት ጕዳያት ዝዓዩ ፖለቲከኛታት ጥራይ ኣይኰኑን። ደሞክራሲ ኣብ መዓልታዊ ህይወት – ኣብ ቤት ትምህርቲ፡ ኣብቲ እትነብረሉ ከባቢ፡ ኣብ ስፖርት ከምኡ’ውን ኣብ ናይ ስራሕ ቦታካ ክትጥቀመሉ ትኽእል ኢኻ።

ኵላትና ኣብ ሽወደን ንነብር ንደሞክራሲና ምምዕባሉን ምሕላዉን ክንቅጽሎ ኣገዳሲ እዩ። ከምኡ’ውን ኣብ ሕብረተ ሰብ ተኻፈልቲ ከም ዝዀንና ኮይኑ ክስምዓናን ጽልዋ ክንገብር ተኽእሎ ከም ዘሎና ኮይኑ ክስምዓናን ኣገዳሲ እዩ።

ብዛዕባ ካብ ናይ ስራሕ ቦታኻ ናብ ገዛኻ ዝወስድ መንገዲ ብኸመይ ውሑስ ከም ዝኸውን ርእይቶታት ኣለካ'ዶ? ብዛዕባ ኣከባቢ ምሕሳብ ኣገዳሲ’ዶ ይመስለካ? ኣብዚ ዝርዝር ኣብ ሕብረተ ሰብ ንምስታፍን ንመዓልታዊ ህይወትካ ንምጽላውን እንታይ ክትገብር ከም እትኽእል ዝሕብር እተፈላለየ ሓሳባት ኣሎ። ድምጽኻን ርእይቶኻን ኣገዳሲ እዩ።

ብድሕሪት ብዙሓት ሰባት ኣብ ቅድሚት ኣርማ ዝሓዙ ሰለስተ ሰባት ዘለዎ ሰለማዊ ሰልፊ።

ኣብ ሕብረተ ሰብ ጽልዋ ንምግባርን ኣብኡ ንምስታፍን ክትገብሮም እትኽእል ነገራት

  • ኣብ ፖለቲካዊ ምርጫ ክትመርጽ ትኽእል ኢኻ
  • ኣባል ሓደ ፖለቲካዊ ሰልፊ ክትከውን ትኽእል ኢኻ
  • ምስ ሓደ ፖለቲከኛ ክትራኸብ ትኽእል ኢኻ
  • ምእካብ ፊርማ ክትጅምር ወይ ኣብኡ ክትፍርም ትኽእል ኢኻ።
  • ሰላማዊ ሰልፊ ክትገብር ትኽእል ኢኻ
  • ኣባል ሓደ ማሕበር ወይ ውድብ ክትከውን ወይ ክትጅምር ትኽእል ኢኻ
  • ብዛዕባ ኣገዳሲ ጌርካ እትሓስቦ ነገራት ንኽትሕብር ምስ መራኸቢ ብዙሓን ክትራኸብ ትኽእል ኢኻ
  • ኣብ ጋዜጣታት ኣብ ናይ ክትዕን ናይ ርእይቶን ዓንቀጻት ክትጽሕፍ ትኽእል ኢኻ
  • ናብ ሓንቲ ሕቶ ኣቓልቦ ንምስሓብ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ክትጽሕፍ ትኽእል ኢኻ
  • ንኣብነት ብማሕበር ሰራሕተኛታት ኣቢልካ ኣብ ስራሕካ ጽልዋ ክትገብር ትኽእል ኢኻ
  • ርእይቶ ወይ ጥርዓን ናብቲ ትነብረሉ ኮሙን ከተእቱ ትኽእል ኢኻ
  • ተምሃራይ እንተ ዄንካ ንመምህርካ ወይ ንቤት ምኽሪ ተመሃሮ እንታይ ከም እትሓስብ ብምንጋር ጽልዋ ክትገብር ትኽእል ኢኻ
  • ኣብቲ ትነብረሉ ሰፈር ጽልዋ ክትገብር ትኽእል ኢኻ
  • ኣብቲ ኮሙንካ ዘዳልዎ ኣኼባታት ክትሳተፍ ትኽእል ኢኻ።
  • ናብ ትነብረሉ ኮሙን ወይ ዞባ ናይ ዜጋ ርእይቶ (medborgarförslag) ከተእቱ ትኽእል ኢኻ

ኣብ ሕብረተ ሰብካ እንታይ ክትቅይር ከም እትደሊ ወይ ኣገዳሲ ኾይኑ ብዛዕባ ዝስምዓካ ነገራት ሕሰብ። ርእይቶኻ ወይ ሓሳብካ ኣብ ዕላምኡ ንምብጻሕ ካብዚ ዝርዝር ነየኖት ኣብነታት ምመረጽካ?