ኣብ ኣገልግሎት ክንክን ጥዕና ልክዕ ቦታ ምርካብ

ናይ መጠረሽታ ዝተሓደሰሉ: 15 12 2022

ብዛዕባ ሽወደን - ሓደ ንልልይ ምስ ሕብረተሰብ ዝኸውን ጽሑፍ።

እዚ ጽሑፍ ብዛዕባ ናይ ሽወደን ኣገልግሎት ሕክምና እዩ። ብዛዕባ ኣብ ሽወደን ክንክን ጥዕና ብኸመይ ከም ዝዓይን ክንክን እንተ ኣድልዩካ እንታይ ክትገብር ከም ዘለካን ከተንብብ ክትክእል ኢኻ። ብዛዕባ እተፈላለየ ዓይነት ክሊኒካትን እንታይ ዓይነት ሓገዝ ክትረክብ ከም እትኽእልን ከተንብብ ክትክእል ኢኻ።

ናይ ሽወደን ክንክን ስኒ ብኸመይ ከም ዝዓይ ከተንብብ ክትክእልን ከምኡ’ውን ኣስናንካ ብኸመይ ከም ትከናኸንን ምኽሪ ክትረክብን ኢኻ።

ኵሉ ሰብ ብዝተኻእለ ዝበለጸ ኣካላውን ኣእምሮኣውን ጥዕና ክህልዎ መሰል ኣለዎ። መሰል ንጥዕና ነቶም ካልኦት መሰላት ጋህዲ ንኽትገብሮም ንኣብነት ክትሰርሕ ወይ ናብ ቤት ትምህርቲ ክትከይድ ንኽትክእል ኣገዳሲ እዩ። እቶም ካልኦት መሰላት እውን ንመሰል ጥዕና ይጸልውዎ እዮም። ንኣብነት እትነብረሉ ቦታ ዘይብልካ እንተ ዄንካ ወይ ስራሕ ዘይብልካ እንተ ኴንካ ንጥዕናኻ ከመይ ከም ዘለኻ ይጸልዎ እዩ።

ኵሉ ሰብ ኣገልግሎት ሕክምና ክረክብ መሰል ኣለዎ። እቲ ህጹጽ ክንክን ዘድልዮ ሰብ ፈለማ ክንክን ክግበረሉ ኣለዎ። እቶም ኣብ ክንክን ጥዕና ዝሰርሑ ሰባት ነቲ ናይ ኵሎም ሰባት ማዕረ ክብሪ ከኽብርዎ ኣለዎም። ብሰራሕተኛታት ክንክን ጥዕና ዝግበረልካ ኣቀባብላ ሞያዊ ስነ-ምግባርን ኣኽብሮትን ዘለዎ ኣገባብ ክኸውን መሰል ኣለካ። እዚ መሰል’ዚ እንታይ ዓይነት ጾታ፡ ጾታዊ መንነት ዓሌት፡ ቋንቋ፡ ጾታውነት፡ ሃይማኖት፡ ወይ ትምህርቲ ከም ዘለካ ብዘየገድስ። ግን ብሓደ ውሱን ጾታ፡ ዓሌታዊ መበቈል፡ ሃይማኖት ወይ ካልእ ከምኡ ዝኣመሰለ ብዘለዎ ሰራሕተኛ ክንክን ክትረክብ ክትሓትት መሰል የብልካን።

ስርዓት ኣገልግሎት ጥዕና

ኣገልግሎት ክንክን ጥዕናን ሕማምን ኵሎም ኣብ ሕብረተሰብ ዝርከቡ ሰባት ክጥቀሙሉ ዝኽእሉን መሰሎም ዝኾነን እዩ። ኣብ ዓለም ኣገልግሎት ክንክን ጥዕና ዝዓየሉ መገዲ ይፈላለ እዩ። ሽወደን ጽቡቕ ክንክን ናይ ምግባር መሰል ንዅሉ ሰብ ማዕረ ክኸውን ከም ዘለዎ ወሲና እያ፣ ማለት ብማዕርነት። ስለዚ ሓኪም ክትረክብ፡ መጥባሕቲ ክትገብር ወይ ናብ ሆስፒታል ክትኣቱ እንተ ኣድልዩካ ብዙሕ ገንዘብ ክትከፍል ኣየድልየካን እዩ። እቲ ዝበዝሐ ክፍሊት በቲ ካብ ግብሪ ዝርከብ ገንዘብ እዩ ዝኽፈል። ዞባታትን ኮሙናትን ናይ ኣገልግሎት ክንክን ጥዕና ሓላፍነት ኣለወን። ክንክን ብኸመይ ከም ዝዓዪን ክንክን እንተ ኣድልዩካ እንታይ ክትገብር ከም ዘሎካን ምፍላጥ ኣገዳሲ እዩ።

ሆስፒታላትን ክሊኒካትን

ማእከላት ክንክን ጥዕና

ንስኻ ወይ ደቅኻ ክትሓምሙ ከለኹም መብዛሕትኡ ግዜ ናብ'ቲ ናትኩም ማእከል ክንክን ጥዕናኹም ክትከዱ ኣለኩም። ኣብኡ ነቶም ልሙዳት ዝኾኑ ሕማማትን ጸገማትን ሓገዝ ክትረክብ ኢኻ። ኣብ ሓደ ማእከል ክንክን ጥዕና ከም ኣለይቲ ሕሙማት፡ ሓፈሻዊ ሓካይም፡ ዞባዊ ሓካይም፡ ተሓጋገዝቲ ነኣለይቲ ሕሙማትን ኣማኸርትን ዝኣመሰሉ እተፈላለዩ ሰብ ሞያ ይሰርሑ። እቲ ሓኪም ንስኻ ወይ ውሉድካ ናይ ክኢላታት ክንክን ከም ዘድልየኩም እንተ ገምጊሙ፡ እቲ ሓኪምካ ካብ ክኢላ ሓኪም መጸዋዕታ ከም ዝመጸካ ክገብር እዩ።

ኣብ ሽወደን ካብ ኣየናይ ማእከል ክንክን ጥዕና ክንክን ክትረክብ ከም እትደሊ ክትመርጽ ትኽእል ኢኻ። ብዙሓት ሰባት ኣብ ጥቓ ቤቶም ዝርከብ ማእከል ክንክን ጥዕና እዮም ዝመርጹ። ናብቲ ማእከል ጥዕና ንመጀመርታ ግዜ ምስ ከድካ፡ ኣብቲ ናይ ማእከል ክንክን ጥዕና መዝገብ ንኽትምዝገብ ሓገዝ ክትረክብ ኢኻ። በቲ ማእከል ክንክን ጥዕናኻ ዕጉብ እንተ ዘይኴንካ ክትልውጥ ትኽእል ኢኻ።

እቲ ማእከል ክንክን ጥዕና ካብ ሰኑይ ክሳዕ ዓርቢ መብዛሕትኡ ግዜ ካብ ሰዓት 8 ክሳብ ሰዓት 5 ድሕሪ ቀትሪ ክፉት እኳ እንተዀነ እዚ ግን ክፈላለ ይኽእል እዩ። ህጹጽ እንተ ኾይኑ ንኣብነት ዝደሚ ቍስሊ እንተ'ለካ ኾይኑ ናብቲ ማእከል ክንክን ጥዕና ቈጸራ ከይሓዝካ ክትከይድ ትኽእል ኢኻ። እንተ ዘይኰይኑ ኣቐዲምካ ቈጸራ ሓዝ። ኣብ ሓያሎ ማእከላት ክንክን ጥዕና ናብ www.1177.se ብምእታው ቈጸራ ክትህዝ ትኽእል ኢኻ። ኣብ ገሊኡ ማእከላት ክንክን ጥዕና ቈጸራ ኸይሓዝካ ኣብ መንጎ እተወሰነ ሰዓታት ክትከይድ ትኽእል ኢኻ። መብዛሕትኡ ግዜ ናይ ህጹጽ ኵነታት ግዜ ወይ ብዘይ ቈጸራ ምኻድ (drop-in) ይብሃል።

ተረኛ ክሊኒክ

ኣብ እዋን ምሸት፡ ቀዳመ-ሰንበትን በዓላትን እቲ ማእከል ክንክን ጥዕና ዕጹው እዩ። ኣብ እዋን ምሸት፡ ቀዳመ-ሰንበትን በዓላትን ሕክምና እንተ ኣድልዩካ ናብ ተረኛ ክሊኒክ ወይ ተረኛ ናይ ህጹጽ ኵነታት ክሊኒክ ክትከይድ ኣለካ። ቅድሚ ምኻድካ ናብ ሓበሬታ ሕክምና 1177 እንተ ደዊልካ ጽቡቕ እዩ። ሓደ ሓደ ግዜ ኻብቶም ኣብ 1177 ዝሰርሑ ሰራሕተኛታት ከመይ ከም እትገብሮ ምኽሪ ምርካብ እኹል እዩ። እቲ ማእከል ክንክን ጥዕና እንደገና ክሳብ ዝኽፈት ክትጽበ እውን ትኽእል ትኸውን።

ተረኛ ክሊኒካታት ኣብ እተፈላለየ ክፍልታት እዛ ሃገር እተፈላለየ ኣስማት ክህልወን ይኽእል እዩ። ንኣብነት akutjour (ተረኛ ናይ ህጹጽ ኵነታት ክሊኒክ)፡ primärvårdsjour (ተረኛ መባእታዊ ክንክን) ወይ ብገለ ንዕኡ ዝመሳሰል ስም ክጽውዓ ይኽእላ እየን። ናብ ሓደ ተረኛ ክሊኒክ ንምኻድ ቈጸራ ምሓዝ ኣይድልየካን እዩ። ኣብቲ ተረኛ ክሊኒክ ንመብዛሕት ህጹጽ ዝኾነ ሓገዝ ትረክብ ኢኻ። ሓኪምካ ምልክታት ሕማምካ ዝያዳ ክምርመር ከም ዘድልየካ እንተ ገምጊሙ፡ ነዚ ዚገብሮ ማእከል ክንክን ጥዕናኻ እዩ።

ዝቐረበ ተረኛ ክሊኒክ ኣበይ ከም ዘሎ ንማእከል ክንክን ጥዕናኻ ሕተቶም ወይ ኣብ መርበብ ሓበሬታ ናይቲ ማእከል ክንክን ጥዕና ኣንብብ።

ንህይወት ዘስግኡ ሕማማትን መጕዳእቲታትን፡

ዘየላቡ ሕማም እንተ ሓሚምካ፡ ወይ ንህይወት ዘስግእ መጕዳእቲ እንተ ወሪዱካ፡ ኣብ ሆስፒታል ናብ ዝርከብ ህጹጽ መቐበል ሕሙማን ኪድ። ናብ ሆስፒታል፡ ብማኪና ወይ ብታክሲ ክትከይድ ዘይትኽእል እንተ ዄንካ፡ ተሌፎን ደዊልካ ኣምቡላንስ ክትጽውዕ ትኽእል ኢኻ። ብቑጽሪ ስልኪ 112፡ ናብ 'ሶስ ኣላርም' (SOS alarm) ደውል።

ደቅኻ ኣዝዮም እንተ ሓሚሞም ወይ እንተ ተጎዲኦም፡ ናብ ናይ ቆልዑ ህጹጽ መቐበል ሕሙማን 'ባርንኣኲተን' (barnakuten)፡ ኪድ። ህጹጽ መቐበል ቆልዑ፡ ካብ ናጽላ ክሳብ 16 ዓመት ዝዕድመኦም ቆልዑ ይቕበል።

ኣብ ሽወደን ኣብ ኵሉ ቦታታት ፍሉይ ናይ ቈልዑ ክሊኒካት ህጹጽ ረድኤት የለን። ኣብቲ ትነብረሉ ናይ ቈልዑ ክሊኒክ ህጹጽ ረድኤት እንተ ዘየልዩ ናብቲ ዝቐረበ ናይ ህጹጽ ኵነታት ክሊኒክ ኪድ።

እንተ ኣድልዩካ ካብ ኣገልግሎት ክንክን ጥዕና ሓገዝ ክትረኽበሉ እትኽእል እተፈላለየ መገድታት እንታይ ኣሎ?

እቲ ንዓኻ ዝቐረበ ማእከል ክንክን ጥዕናን ተረኛ ክሊኒክን ኣበይ ኣሎ?

እቲ ንዓኻ ዝቐረበ ክሊኒክ ህጹጽ ረድኤት ኣበይ ኣሎ?

ሆስፒታል

ሓደ ሆስፒታል፡ ብዙሓት ዝተፈላለዩ መቐበሊ ኣጋይሽን ጨናፍር ክፍልታትን ኣለዉዎ። ኣብኡ፡ ፍሉያት ክሊኒካትን ናይ ህጹጽ ረድኤት መቐበልን ኣለዉዎ። ሓያለ ሆስፒታላት፡ ንወሊድ ዝኸውን መቐበሊ ነፍሰ ጾራት ኣለወን።

ኣብ ናይ ፍሉይ ክእለት ክሊኒካታት፡ ብዛዕባ ገሊኡ ሕማማት ተወሳኺ ፍልጠት ዘለዎም ሓካይም ይሰርሑ። ኣብ ናይ ፍሉይ ክእለት ክሊኒክ ክትሕከም እትኽእለሉ እተፈላለየ መገድታት ኣሎ። መብዛሕትኡ ግዜ እቲ ኣብ ማእከል ክንክን ጥዕና ዝሰርሕ ሓኪምካ እዩ ነቲ ናይ ፍሉይ ክእለት ክሊኒክ ንኽጽውዑካ ዝሓትት። እዚ መወከሲ ምርካብ ይበሃል። እንተዀነ ግን ምስ ናይ ፍሉይ ክእለት ክሊኒክ ብዘይ መወከሲ ካብ ሓኪም ባዕልኻ ክትራኸቦም ትኽእል ኢኻ። ንገዛእ ርእስኻ መወከሲ ምግባር (egenremiss) ወይ ናይ ገዛእ ርእስኻ ምሕታት ክንክን (vårdbegäran) ይበሃል። ናይ ገዛእ ርእስኻ ምሕታት ክንክን (vårdbegäran) ክትገብረሉ እትኽእል እተፈላለየ መገድታት ኣሎ። ገሊአን ክሊኒካታት ነቲ ናይ ገዛእ ርእስኻ ምሕታት ክንክን ብመንገዲ ናይ1177 ቮርድጋይደን ኤ-ኣገልግሎታት (e-tjänster) ኣቢለን እየን ዝቕበልኦ። ካልኦት ክሊኒካታት ከኣ ነቲ ናይ ገዛእ ርእስኻ ምሕታት ክንክን ዝኸውን ፍሉይ ዝምላእ ቅጥዒታት ኣለወን።

ገለ ገለ ኣብ ሆስፒታላት ዝርከባ ፍሉያት ክሊኒካት ኣብነት ንምጥቃስ ዝኣክል፦

  • ክፍሊ ጽገና (Ortopedisk mottagning)፡- ኣብ ኣዕጽምትን መንቀሳቐሲ ክፍሊ ኣካላትን ንዘጋጥሙ ጸገማት ዝምልከት፡ ንኣብነት መስበርቲ እግሪ።
  • ክፍሊ ውሽጣዊ ሕክምና (Medicinsk mottagning)፡- ንውሽጣዊ ሕማማት፡ ንኣብነት ጸገም ከስዐን መዓንጣን ዝምልከት።
  • ክፍሊ መጥባሕቲ (Kirurgisk mottagning)፦ መጥባሕቲ ንዘድልዮም ሕማማት ዝምልከት።
  • ናይ ጥዕና ማህጸን ክሊኒክ፦ ንሕማማትን ጸገማትን ኣብ ብልዕቲ ጓል ኣንስተይቲ።
  • ክፍሊ ዓይኒ (Ögonmottagning)፦ ንዝተፈላለዩ ሕማማት ዓይኒ ዝምልከት።
  • ክፍሊ ዓይኒ/ኣፍንጫ/ጎሮሮ (Öron-, näsa- och halsmottagning)፦ ኣብ ዓይኒ፡ ኣፍንጫን ጎሮሮን ንዝኽሰቱ ጸገማት ዝምልከት።
  • ክሊኒክ ስነ-ኣእምሮ፦ ንዓኻ ኣእምሮኣዊ ጽቡቕ ዘየለኻ።

ከቢድ ጕድኣት ወይ ህጹጽ ሕክምና ዘድልዮ ሕማም እንተ ኣልዩካ ናብ ክሊኒክ ህጹጽ ረድኤት ክትከይድ ኣሎካ። ኣብነት ናይ ህጹጽ ኵነት፡ ሃንደበት ዘጋጥም ቃንዛ ኣብ ኣፍ ልቢ፡ ምስትንፋስ ምጽጋም፡ ብሃንደበት ዝመጽእ ብርቱዕ ሕማም ርእሲ፡ ብዙሕ ቃንዛ ኣብ ከብዲ፡ ኩምታረ ጭዋዳታት፡ መስበርቲ ኣዕጽምቲን ከምኡውን ሃለዋትካ ምጥፋእን እዩ። ኣብ ትነብረሉ ዞባ ኵሉ ግዜ ምሉእ መዓልትን ለይትን ክፉት ዝኾነ ሓደ ወይ ካብኡ ንላዕሊ ክሊኒክ ህጹጽ ረድኤት ኣሎ።

ኣብ ክሊኒክ ህጹጽ ረድኤት እቶም ኣዝዮም ዝሓመሙ ወይ ዝተጐድኡ ፈለማ ክንክን ይግበረሎም። እዚ ተራኻ ክሳብ ዝበጽሕ ነዊሕ ክትጽበ ትኽእል ኢኻ ማለት እዩ። ብጽኑዕ እንተ ዘይሓሚምካ ወይ እንተ ዘይተጐዲእካ ናብ ማእከል ጥዕናኻ ወይ ናብ ሓደ ተረኛ ክሊኒክ እንተ ኸድካ ይሓይሽ። ኣብኡ መብዛሕትኡ ግዜ ቈጸራ ክትሕዝ ወይ ናብኡ ብዘይ ቈጸራ ኽትከይድ ትኽእል ኢኻ።

ኣብ ዓበይቲ ከተማታት፡ ንቖልዑን መንእሰያትን ዝቕበላ ፍሉያት ሆስፒታላት ክህሉዋ ይኽእላ'የን። ኣብ ንኣሽቱ ከተማታት፡ ኣብ መንጎ ናጽላን 16ን ዓመት ንዝዕድመኦም ቆልዑን መንእሰያትን ዝቕበል ፍሉይ መቐበሊ ኣሎ።

ቈልዓ ክትወልዲ ከለኺ ኣብ ሆስፒታል ናብ ዝርከብ ክፍሊ ሕርሲ ክትከዲ ኣለኪ። ቅድሚ ናብኡ ምኻድኪ ናብቲ ክፍሊ እንተ ደወልኪ ጽቡቕ እዩ። ሓደ ሓደ ግዜ እቲ ሕጻን ምስ ተወልደ፡ እታ ኣደን እቲ ሕጻንን ንሒደት መዓልታት ኣብ ሓደ ናይ ናጽላ ሕጻን ዘለወን ደቂ ኣንስትዮ ፍሉይ ክፍሊ ክጸንሑ ይኽእሉ እዮም። ክፍሊ መወለዳን (BB-avdelning)።

ክሊኒክ ኣዴታት ንኣብነት ንነፍሰ ጾራት ደቂንስትዮ እዩ። ኣብ ብምሉኡ እቲ ናይ ጥንሲ ግዜ እቲ ሕጻንን ንስኽን ጽቡቕ ከም ዘለኹም ንኽትምርመሩ ናብ ክሊኒክ ኣዴታት ትኸዲ። ናብ ክሊኒክ ኣዴታት ምኻድ ኣይክፈሎን እዩ።

ኣብ ክሊኒክ ኣዴታት ብዛዕባ ጥንሲ፡ ሕርሲ፡ ከምኡ'ውን ምጥባው ሓበሬታ ኽትረኽብሉ ትኽእሊ ኣኼባታት ይገብራ እየን። እቲ ካልኣይ ወላዲ ናይቲ ትጽቢት ዝግበረሉ ውሉድ ኣብቲኣኼባታትን ኣብ ዚውለደሉ እዋንን ክሳተፍ ልሙድ እዩ።

ብዛዕባ መከላኸሊ ጥንሲ ምኽሪ ወይ ትእዛዝ ሓኪም መግዝኢ መከላኸሊ ጥንሲ ዘድልየኪ እንተ ኾይኑ ክሊኒክ ኣዴታት ኪዲ። ከምኡ'ውን ጋይኖኮሎጂካዊ (ማህጸናዊ) ምውሳድ ቅምሶ ዋህዮ ንምሃብን ጥንሲ ንምቍራጽን (ምንጻል ጥንሲ) ናብኡ ትኸይዲ።

ኣብ ማእከል ክንክን ጥዕና ቈልዑ ከም ወላዲት መጠን ሓገዝ ክትረኽቢ ትኽእሊ ኢኺ። ኣብ ማእከል ክንክን ጥዕና ቈልዑ ብዛዕባ ዕቤት እቲ ሕጻን፡ ብዛዕባ ምጥባውን ብዛዕባ ምግቢ ናይ'ቲ ሕጻንን ምኽሪ ኽትረኽቢ ትኽእሊ ኢኺ። ኣብ ማእከል ክንክን ጥዕና ቈልዑ ብዛዕባ ሕማማት ምኽሪ ክትሓቲ እውን ትኽእሊ ኢኺ። ካብ ሕርሲ ምስ ተመለስኪ ንናይ መጀመርታ ግዜ ርክብ ግዜ ንምውሳን ምስ ማእከል ክንክን ጥዕና ቈልዑ ባዕልኺ ርክብ ክትገብሪ ትኽእሊ ኢኺ። እቲ ናይ መጀመርታ ርክብ መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ቤትኪ እዩ ዝግበር። ሽዑ እታ ኣላዪት ሕሙማት ብዛዕባ ማእከል ክንክን ጥዕና ቈልዑ ትሕብረክን እቲ ቈልዓ ጽቡቕ ምህላዉ ትምርምሮን።

ድሕርዚ እቲ ቘልዓ ክሳብ ወዲ ሓሙሽተ ዓመት ዝኸውን ናይ ጥዕና ምርመራ ንምግባር ናብ ማእከል ክንክን ጥዕና ቈልዑ ይጽዋዕ። ኣብ ማእከል ክንክን ጥዕና ቈልዑ እቲ ቘልዓ ክታበት ይውጋእ። ገለ ካብቲ ዝምርምርዎ፡ ክእለት ምርኣይ፡ ክእለት ምስማዕን እቲ ቘልዓ ከምቲ ዝግብኦ ዕብየት የርኢ እንተ'ሎ ኾይኑን እዩ። እቲ ናይ ጥዕና ምርመራ ሓደ ነገር ከምቲ ዝግብኦ እንተ ዘየለ ኾይኑ ነቲ ቘልዓ ኣቐዲምካ ንምሕጋዝ ተባሂሉ እዩ ዝግበር።

መቐበል መንእሰያት፡ ብዛዕባ ስጋዊ ርክብ፡ ጥዕናን ዝምድናታትን ዝምልከቱ ሕቶታት ንዘለዎም ኣዋልድን ኣወዳትን ይቕበል። መቐበል መንእሰያት፡ ካብ 13-25 ዓመት ንዘለዉ መንእሰያት ክፉት'ዩ። ኣብ ዝተፈላለያ ኮምዩናት፡ እቲ ናይ ዕድመ ገደብ ዝተፈላለየ እዩ። ናብ መቐበል መንእሰያት ምኻድ፡ ካብ ክፍሊት ናጻ'ዩ። ኣብ መቐበል መንእሰያት፡ መሕረስቲ (barnmorskor)፡ ኣማኸርቲ (kuratorer)፡ ሞያውያን ስነ ኣእምሮ፡ ተሓጋገዝቲ ነርሳት፡ ኪኢላታት ማህጸንን ካልኦት ሓካይምን ኣለዉ።

ኣብ ኢንተርነት ከም UMO.se ከምኡ'ውን YOUMO.se ዝኣመሰላ ኤለክትሮኒካዊ ክሊኒካታት መንእሰያት እውን ኣለዋ። ኣብ YOUMO ዝተወሰነ ክፋል ትሕዝቶ ናይ ኡሞ ናብ UMO ብእተፈላለየ ቋንቋታት ተተርጒሙ ኣሎ።

ክሊኒክ ስነ ኣእምሮ ቘልዑትን መንእሰያትን (BUP) ነቶም ፍሉይ ክንክን ስነ- ኣእምሮ ዘድልዮም ክሳዕ 18 ዓመት ዝዕድሚኦም ቈልዑን መንእሰያትን እዩ። በጽሒ እንተ ዄንካ ናይቶም ሓላፍነት ዘለካ ቘልዑ ሓገዝ ክትሓትት ትኽእል ኢኻ። ክሳብ ወዲ 18 ዓመት ትኸውን ባዕልኻ ሓገዝ ክትደሊ ትኽእል ኢኻ። ቈልዑን መንእሰያትን ኣብ ገለ እዋን ኣእምሮኣዊ ሕማቕ ክስምዖምን ልሙድ ኮይኑ ንእተወሰነ እዋን ከኣ ደገፍ የድልዮም እዩ። ኣብ ከምዚ ኵነት ምስ ማእከል ክንክን ጥዕና ቈልዑ፡ ማእከል ክንክን ጥዕና ምስ ኣለይቲ ሕሙማት ቤት ትምህርቲ፡ ምስ ኣማኻሪ ኣብ ቤት ትምህርቲ ወይ ምስ ክሊኒክ መንእሰያት ክትራኸብ ትኽእል ኢኻ። እቲ ደገፍ እንተ ዘይሓጊዙካን እቲ ጸገማት ኣዝዩ ዓብዪ ካብ ምዃኑ እተላዕለ መዓልታዊ ህይወት ኣብ ቤት፡ ኣብ ቤት ትምህርትን ምስ የዕሩኽንን ጽቡቕ እንተ ዘየለ ኾይኑ ምስ ክሊኒክ ስነ ኣእምሮ ቘልዑን መንእሰያትን (BUP) ክትራኸብ ትኽእል ኢኻ።

ከም ሕሙም መጠን ጸገምካ ንምግምጋም መብዛሕትኡ ግዜ ምስ ሓኪም ብኤለክትሮኒካዊ መገዲ ቪድዮ ክትዘራረብ ትኽእል ኢኻ። ንገለ ሰብ ኣብ ማእከል ክንክን ጥዕናኻ፡ ክትረኽቦም ትኽእል ኣየኖት ዲጂታላውያን ኣገልግሎት ክንክን ጥዕና ከም ዘለዉ ሕተት።

ካብ ምስ ስርዓት ክንክን ጥዕና ሽወደን ምትእስሳር ዘይብሉ ዲጂታላዊ ኣገልግሎት ክንክን ጥዕና ኣገልግሎት ትረክብ ኴንካ ወጻኢታትካ ምሉእ ብምሉእ ባዕልኻ ኢኻ ትኸፍሎ።

ኣብ ሕክምና ዘለዉ ሰራሕተኛታት፡

ኣብ ሕክምና፡ ዝተፈላለየ ሞያ ዘለዎም ሰባት ይሰርሑ። ትሕት ኢልካ፡ ብዛዕባ'ቶም ኣብ ሽወደን ልሙዳት ዝኾኑ፡ ሞያታት ክንክን ሕክምና፡ ከተንብብ ኢኻ።

ኣብ ማእከላት ሓለዋ ጥዕና ዘለዉ ሓካይም፡ ዝበዝሕ እዋን፡ ክኢላታት ሓፈሻዊ ሕክምና'ዮም። እዚ ማለት፡ ነቶም ልሙዳት ሕማማት ዘለዉዎም ሕሙማን ይኣልዩ ማለት'ዩ።

ሓፈሻዊ ሓኪም፡ ኣብ ምክልኻል ሕማማት'ውን ይሰርሕ'ዩ። እዚ ማለት፡ ሕማማት ኣብ ምክልኻል ይሕግዝ ማለት'ዩ። እቲ ደገፍ ንኣብነት፡ ንውልቀ ሰባት፡ ምትካኽ ደው ከብሉ፡ ክብደት ክንክዩ ወይ ኣልኮላዊ መስተ ከቋርጹ ኣብ ምሕጋዝ ዘድሃበ ክኸውን ይኽእል'ዩ።

ሓፈሻዊ ሓኪም ምስ መርመረኩም፡ ኩነተ ጥዕናኹም ርእዩ፡ ምስ ክኢላ ፍሉይ ሕማማት ዝኾነ ፍሉይ ሓኪም ክትራኸቡ ክእዝዝ ይኽእል እዩ። ንኣብነት ምስ ሓኪም ዓይኒ፡ ሓኪም ልቢ ወዘተ። ከምዚ ምስ ዝኸውን፡ እቲ ሓፈሻዊ ሓኪም፡ ናብ መቐበሊ ናይ'ተን ፍሉይ ሕማማት ዝፍውሳ ክሊኒካት፡ መሰጋገሪ ወረቐት(remiss) ይልእከለን።

ዳርጋ ኣብ ኵሉ እቲ ክንክን እትደልየሉ ቦታታት ኣለይቲ ሕሙማት ይዓያ እየን። ኣለይቲ ሕሙማት መብዛሕትኡ ግዜ ምስ ካልኦት ሰብ ሞያ ብሓባር ይዓያ። ኣለይቲ ሕሙማት ከም ንሕሙማት ምክንኻን፡ መድሃኒት ምሓዝን ምሕካምን መርመራ ምውሳድን ዝኣመሰሉ እተፈላለዩ ዕዮታት ኣለወን። ብዙሓት ኣለይቲ ሕሙማት ናይ ከም ሳይክያትሪ ወይ ኣዝማ ዝኣመሰለ ፍሉይ ዓውዲ ተወሳኺ ትምህርትንን ፍሉይ ፍልጠትን ኣለወን።

ተሓጋገዝቲ ነርሳት፡ ምስ ላዕለዎት ሓካይምን ምስ ነርሳትን ብሓባር ይሰርሑ። ንኣብነት ንምርመራ ዝኸውን ደም ይወስዱን ቁስሊ ይጅንኑን።

ሓኪም ፊዝዮተራፒ፡ ማለት ኪኢላ ኣካላዊ ሕክምና፡ ምስ ምንቕስቓስ ዝተተሓሓዘ ጸገማት፡ ንኣብነት ቃንዛ ሕቖ ንዘለዎም ሰባት ይሕግዝ።

ሓኪም ሞያዊ ፍወሳ፡ ብሕማም ንዝተጠቕዑ ወይ መጕዳእቲ ንዝወረዶም ሰባት፡ ዝሓሸ መነባብሮ ምእንቲ ክነብሩ ይሕግዞም።

ብዓል ሞያ ስነ ኣእምሮ፡ ሓኪም ስነ ኣምሮን ኣማኻርን፡ ስነ ኣእምሮኣዊ ሕማቕ ንዝስምዖም ሰባት፡ ንኣብነት ብሰንኪ ቅዛነት ወይ ጸቕጢ፡ ንዘይጠዓዩ ሰባት ይሕግዙ።

ሓደ ክኢላ ኣመጋግባ፡ ሰባት ጽቡቕ ምእንቲ ክስምዖም እንታይ ከም ዝበልዑን ከም ዝሰትዩን ንኽመርጹ ይሕግዞም።

ጥዕና ስኒ

ኣብ ሽወደን ህዝባውን ብሕታውን ሕክምና ስኒ ኣሎ። እቲ ህዝባዊ ክንክን ስኒ ፎልክታንድቮርደን (Folktandvården) ይበሃል። ናብ ህዝባዊ ክንክን ስኒ ዲኻ ወይስ ናብ ናይ ብሕቲ ሓኪም ስኒ ክትከይድ ትደሊ፡ ባዕልኻ ኢካ ትመርጽ።

ክሳዕ እታ 23 ዓመት ዝመላእካላ ዓመት ናብ ክንክን ስኒ ምኻድ ኣይክፈሎን እዩ። እንተዀነ ግን ካብ 1 ጥሪ እታ 24 ዓመት ዝገበርካላ ዓመት ኣትሒዝካ ባዕልኻ ኽትከፍል ኣለካ።

ኣብነት፦ ፒያን ኣሕምን ንኽንክን ስኖም ባዕሎም ክኸፍልዎ ኣለዎም

ፒያን ኣሕመድን ክልቲኦም ኣብ 2022 ዓ.ም 24 ዓመት ክመልኡ እዮም። ፒያ 1 ጥሪ ዓመት ክትመልእ እያ፡ ኣሕምድ ከኣ 31 ታሕሳስ ዓመት ክመልእ እዩ። ክልቲኦም ካብ 1 ጥሪ 2022 ኣትሒዞም ናብ ክንክን ስኒ ዝገብርዎ ምብጻሕ ባዕሎም ክኸፍሉ ኣለዎም።

ክንክን ስኒ ኣብ ሽወደን ካብ ካልእ ክንክን ጥዕና ንላዕሊ ዝኸበረ እዩ። ይኹን እምበር ወጻኢታት ክንክን ስንኻ ኣብ ውሽጢ ሓደ ዓመት ብዙሕ እንተ ዀይኑ ንዅሉ ባዕልኻ ኽትከፍሎ ኣየድልየካን እዩ። ገለ ካብቲ ንመንግስቲ ዝኽፈል ግብሪ፡ ክንክን ስኒ ንምኽፋል እዩ ዝውዕል። ክሳብ እተወሰነ ገንዘብ ባዕልኻ ትኸፍል። ድሕሪኡ ካብቲ ዋጋ ቅነሳ ይግበረልካ። እዚ ውሕስነት ልዑል ዋጋ (högkostnadsskydd) ይብሃል።

ንክንክን ስኒ ዝምልከት እቲ ውሕስነት ልዑል ዋጋ ብኸምዚ ኣገባብ ይሰርሕ፦

  • ወጻኢታት ክሳብ 3000 ክሮና - ኵሉ ባዕልኻ ትኸፍሎ
  • ነቲ ካብ 3001 ክሳዕ 15,000 ክሮና ዘሎ ወጻኢታት፡ ፍርቂ ናይቲ ወጻኢታት ባዕልኻ ትኸፍሎ። ቤት ጽሕፈት ካሳ ውሕስነት ነቲ ዝተረፈ ፍርቂ ይኸፍሎ።
  • ወጻኢታት ልዕሊ 15,000 ክሮና - ካብቲ ወጻኢታት 15 ሚእታዊት ባዕልኻ ትኸፍሎ። ቤት ጽሕፈት ካሳ ውሕስነት ነቲ ዝተረፈ 85 ሚእታዊት ይኸፍሎ።

(እዚ ኣሃዛት ን2021 ይምልከት።)

ብዘይካዚ ክንክን ስኒ ብእተወሰነ ዋጋ ክትመርጽ ትኽእል ኢኻ፣ ማለት፡ ኣብ ወወርሒ ወይ ዓመት ሕደ መጠን ገንዘብ ንክንክን ስኒ ትኸፍል። ሽዑ ሓደ ሓኪም ስኒ ናይ ኣስናንካ ግምገማ ይገብር። ድሕሪኡ ንኣብነት ንሰለስተ ዓመት ኣብ ወወርሒ ወይ ኣብ ዓመት ክንደይ ክትከፍል ከም ዘሎካ ሕሳብ ይወሃበካ። ኣብተን ሰለስተ ዓመት ስኒ ከተዐሪ ወይ ሓገዝ ነኣስናንካ እንተ ኣድልዩካ፡ ካብቲ ወርሓዊ ክፍሊትካ ወይ ዓመታዊ ክፍሊትካ ካብ ምኽፋል ሓሊፍካ ዋላ ሓንቲ ኣይክትከፍልን ኢኻ። ኣብቲ ዋጋ መመርመሪ እውን እቱው እዩ። ኣብ ህዝባዊ ክንክን ስኒ እዚ ፍሪስክታንድቮርድ ( Frisktandvård) ይበሃል። ገሊኦም ናይ ብሕቲ ሓካይም ስኒ እውን ቀዋሚ ዋጋ ዘለዎ ክንክን ከዳልዉ ይኽእሉ እዮም።

ሓደ ቈልዓ ሰለስተ ዓመት ምስ ገበረ ኣስናንኡ ንኽምርመር ካብ ክንክን ስኒ መጸዋዕታ ይመጾ እዩ። ድሕሪኡ ቈልዑን መንእሰያትን ብስሩዕ ናብ ክንክን ስኒ ይጽውዑ። ዓበይቲ ምስ ክንክን ስኒ ባዕሎም ክራኸቡ ኣለዎም።

ኣብታ ቕድሚ ሕጂ ትነብረላ ወይ ትነብረለን ዝነበርካ ሃገር ወይ ሃገራት ክንክን ስኒ ብኸመይ እዩ ዚዓዪ ነይሩ?

ሜላ 2-2-2-2

  • ኣስናንካ ኣብ መዓልቲ 2 ሳዕ ኣጽርዮ
  • ን2 ደቓይቕ
  • 2 ሰንቲ ሜተር ፍሎራይድ ዘለዎ ብዕጦ ስኒ (ክሬም) (እዚ ንዓበይትን ልዕሊ ሽዱሽተ ዓመት ዝዕድሜኦም ቈልዑን ይምልከት)
  • ድሕሪኡ ኣስናንካ ምእንቲ ከዕርፍ ዝዀነ ነገር ቅድሚ ምብላዕካ እንተ ወሓደ ን2 ሰዓት ተጸበ።

ነዚ መምርሒ እዚ እንተ ስዒብካዮ ነኣስናንካ ብጽቡቕ ክትሕዞም ኢኻ። ንኣፍካ እውን ብፍሎራይድ ክትጕጽጉጾን ክትሓጽብን ትኽእል ኢኻ። ሽዑ ንኣስናንካ መሊሱ ዝሓሸ መገዲ ኢኻ ትሕዞም ዘለኻ።

ኣስናንካ ጽቡቕ እንተ ሃልዩ ንኻልኦት ክፍሊ ኣካላትካ እውን ይጸልዎ እዩ። ኣብ ኣፍካ ባክተርያ እንተ ኣልዩካ፡ ከም ነድሪ ሳምቡእ ዝኣመሰሉ ካልኦት ሕማማት ብቐሊሉ ክሕዙኻ ይኽእሉ እዮም። እዚ ንኣረጋውያን ብፍላይ ሓደገኛ እዩ። ብዘይካ'ዚ ሕማቕ ጥዕና ስኒ ንከም ሽኮርያን ሕማም ልብን ሰራውርን ዝኣመሰሉ ኻልኦት ሕማማት ኣበርክቶ ክገብር ከም ዝኽእል ተመራመርቲ ርእዮሞ እዮም።