መሰል ኣብ ልዕሊ ኣካላትካ

ናይ መጠረሽታ ዝተሓደሰሉ: 24 11 2023

ብዛዕባ ሽወደን - ሓደ ንልልይ ምስ ሕብረተሰብ ዝኸውን ጽሑፍ።

ብዛዕባ ንኣካላትና ዝምልከት ውሳነ ክንውስን ክንክእል ብዛዕብኡ ኣፍልጦ የድልየና እዩ። ንኣብነት ብዛዕባ ናይ ጾታውን ስርዓተ መፍረን ጥዕናን መሰላትን (SRHR) ፍልጠት የድልየና እዩ። ብዛዕባ ጾታውነትን ብዛዕባ ናይ ጾታውን ስርዓተ መፍረን ጥዕናን መሰላትን (SRHR) ምዝራብ ከቢድ ኮይኑ ክስምዓካ ይኽእል እዩ። ብዛዕባኡ ምዝራብ ዘሐጕስን ቍም ነገር ዘለዎን እውን ክኸውን ይኽእል እዩ። ጾታውነት ንዅልና ብእተፈላለየ መገዲ ይጸልወና እዩ። ብዛዕባ ህይወት፡ ብዛዕባ ገዛእ ርእስና፡ ብዛዕባ እንታይ ከም ንሓስብን እንታይ ርእይቶ ከም ዘለናን ከምኡ’ውን ከም ሰባት መጠን መን ምዃናን እዩ።

ብዕድመ ዝነኣሱን ብዕድመ ዝደፍኡን ሰባት ከምኡ’ውን ዝተፈላለየ ዓይነት ዝምድናታት ፍቕሪ ዝተሳእሎ ኮላዥ።

እዚ ጽሑፍ ብዛዕባ መሰል ኣብ ልዕሊ ኣካላትካ እዩ። ብዛዕባ ናይ ጾታውን ስርዓተ መፍረን ጥዕናን መሰላትን (SRHR) እንታይ ምዃኑ ከተንብብ ክትክእል ኢኻ። እዚ ካልእ ገዲፍካ ብዛዕባ መከላኸሊ ጥንሲ፡ ብጾታዊ ርክብ ዝመሓላለፉ ሕማማት፡ ምንጻል ጥንሲን ከምኡውን ብዛዕባ ምውሳድ ቅምሶ ዋህዮን ከተንብብ ክትክእል ኢኻ ማለት እዩ። ብዛዕባ ጾታዊ ርክብ ብኽፍሊትን ብዛዕባ ሕጊ ስምምዕ እውን ከተንብብ ክትክእል ኢኻ። ብዛዕባ ወፈያ ኣካላት እውን ከተንብብ ክትክእል ኢኻ።

ኵሉ ሰብ ኣብ ልዕሊ ኣካላቱ መሰል ኣለዎ። ኣብ ልዕሊ ኣካላትካን ጾታውነትካን ክትውስን መሰል ኣለካ። ንኣብነት ቈልዓ ትደሊ እንተ ዄንካ ዘይኴንካን ናይ ምውሳን መሰል ኣለካ። ከምኡ’ውን ንኣብነት ብዛዕባ መከላኸሊ ጥንሲ፡ ጥንሲን ሕርስን ሓገዝን ምኽርን ንኽትረኽቢ ናብ ኣገልግሎት ጥዕናን ሕክምናን ክትበጽሒ መሰል ኣለኪ። ትደሊ እንተ ዄንካን፡ መዓስን ምስ መንን ጾታዊ ርክብ ክትገብር ከም እትደሊ ናይ ምውሳን መሰል ኣለካ። ንኻልእ ሰብ ኢልካ ጥዕናኻ ኣብ ሓደጋ ከተእቱ የብልካን። ዝኾነ ሰብ ግዳይ ናይ ዓመጽ፡ ጾታዊ መጥቃዕቲ ወይ ካልእ ንጥዕናኻ ዝጐድእ ነገር ክገብረካ ኣይፍቀዶን እዩ። ውልቃዊ ህይወት ክህልወካ እውን መሰል ኣለካ።

ናይ ጾታውን ስርዓተ መፍረን ጥዕናን መሰላትን (SRHR)

ናይ ጾታውን ስርዓተ መፍረን ጥዕና ብዛዕባ ጾታዊ ስምዒትካን ምፍራይካን ጽቡቕ ከም ዝስምዓካ እዩ ዝገልጽ።

ጾታውነት ሓደ ኣገዳሲ ክፍሊ ናይ ሰብ ምዃን እዩ። ኣብ ምሉእ ህይወትና ኣብ ዝስምዓና ስምዒት ኣገዳስነት ኣለዎ። ጾታውነት ካብ ጾታዊ ርክብ ምፍጻም ንላዕሊ እዩ። ከምኡ'ውን ከም ሰብ መጠን መን ምዃንና፡ ምስ ካልኦት ሰባት ዘለና ምቅርራብ፡ ሓሳባትናን ዝምድናታትናን እውን እዩ። ጾታውነትና ብከባቢናን በቲ ንነብረሉ ሕብረተ ሰብን ይጽሎ እዩ።

ናይ ምፍራይ ጥዕና ማለት፡ ውሕስነት ዘለዎ ክንክን ንሓንቲ ሰብ ቅድሚ ምውላዳ፡ ኣብ እዋን ሕርሲን ድሕሪ ምውላዳን ማለት እዩ። ቈልዑ ናይ ምውላድ ተኽእሎ ንእተፈላለዩ ሰባት እተፈልየ እዩ። ቈልዓ ምውላድ ኣጸጋሚ እንተ ኾይኑ ኣገልግሎት ክንክን ጥዕና ክሕግዝ ይኽእል እዩ። ኵሉ ሰብ ጽቡቕ ናይ ምፍራይ ጥዕና ምእንቲ ክህልዎ፡ ቀረብ ናይ ውሑስ ምንጻል ጥንሲን ከም ኮንዶም ወይ ስፒራል ዝኣመሰለ ናይ መከላኸሊ ጥንሲ ሜላ ክመርጽ ዕድል ክህልዎ ኣለዎ።

ኵሉ ሰብ ጽቡቕ ጾታውን ናይ ስርዓተ ምፍራይን ጥዕናን ምእንቲ ክህልዎ ጾታዊ ኮነ ናይ ምፍራይ መሰላት የድሊ እዩ። ከምዚ ማለት ኵሉ ሰብ ብዛዕባ ኣካላቱ ክውስን መሰል ኣለዎ ማለት እዩ። ከምዚ ዝስዕብ ክትገብር መሰል ኣለካ፦

  • ትደሊ እንተ ዄንካን፡ መዓስን ምስ መንን ጾታዊ ርክብ ክትገብር ከም ትደሊ ክትውስን።
  • ትደሊ እንተ ዄንካን፡ መዓስን ብኸመይን ውላድ ከም ትደሊ ክትውስን።
  • ብዛዕባ ጾታውነትካ ክትውስን።
  • ብኸመይ ጾታኻ ከተላልን ክትገልጽን፡ ንኣብነት ከም ሰበይቲ፡ ሰብኣይ ወይ ስግረ-ጾታዊ ሰብ ክትውስን።

ከመይ ከም ዘለና ንጾታዊ ጥዕናና ይጸልዎ እዩ። ጾታዊ ሕማም ምልክት ካልኦት ሕማማት ወይ ከኣ ብሰንኪ ሕክምናን መድሃኒትን ክኸውን ይኽእል እዩ። ኣብ ምሉእ ህይወትና ንጾታውን ናይ ምፍራይን ጥዕናና ምእንቲ ክንከናኸን ንኣብነት ካብ ቤት ትምህርትን ኣገልግሎት ክንክን ጥዕናን ሓበሬታ ናይ ምርካብን ናይ ምክንኻንን መሰል ኣሎና።

ሃገራዊ ማሕበር ንጾታዊ ሓበሬታ፡ ኣር.ኤፍ.ኤስ.ዩ (RFSU)፡ ብዛዕባ ገዛእ ርእስኻን ጥዕናኻን ንኽትፈልጦም ጽቡቓት ዝኾኑ ንገራት ዝገልጹ ሓያሎ ፊልምታት ኣዳልዮም ኣለዉ። ኣብ ናቶም መርበብ ሓበሬታ ብዛዕባ ጻግነ፡ ጥንሲን ሕርሲን ዝገልጽ ፊልምታት ክትረክብ ትኽእል ኢኻ። ብዛዕባ ጾታዊ ዓመጽ፡ ክብርን ምኽንሻብ ብልዕትን ሓበሬታ ዝሓዙ ፊልምታት እውን ኣለዉ። እዞም ፊልምታት ብሽወደንኛ፡ ዓረብኛ፡ ዳሪ፡ እንግሊዝኛ፡ ፋርስኛ፡ ቋንቋ ሩስያ፡ ሶማልኛ፡ ቋንቋ ስጳኛ፡ ትግርኛን ቋንቋ ዩክረይንን ተዳልዮም ኣለዉ።

መከላኸሊ ጥንሲ

መከላኸሊ ጥንሲ ካብ ዘይተደልየ ጥንሲን ብጾታዊ ርክብ ካብ ዚመሓላለፍ ሕማማትን ትከላከለሉ እተፈልየ ኣገባብ እዩ። መከላኸሊ ጥንሲ ናይ ምግባር ሓላፍነት፡ ኣብታ ክትጠንስ ትኽእልን ኣብቲ ከጥንስ ዝኽእልን እዩ ዘሎ።

ኣብነት፦ ናድያን ኣዳምን ካብ ጥንሲ ክከላኸሉ ይደልዩ እዮም

ናድያን ሰብኣያ ኣዳምን ብሓባር ሰለስተ ቈልዑ ኣለዉዎም። ካብ ጥንሲ ዝከላኸል ውሑስ መከላኸሊ ደልዮም ኣለዉ። ተወሳኺ ቈልዑ ክህልዎም ኣይደልዩን እዮም። ኣብተን ጥንስቲ ንምሓዝ ዓቢ ተኽእሎ ዘለወን መዓልታት ጾታዊ ርክብ ዘይምፍጻም ወይ ጾታዊ ርክብ ምዅላፍ ዘተኣማምን ኮይኑ ኣይስምዖምን እዩ። መሓዙት ናድያ ካብ ሓደ ሓኪም ማህጸንን ካብ ማእከል ክንክን ጥዕናን ሓገዝ ረኺበን እየን።

ናድያ ናብ ክሊኒክ ኣዴታት ደዊላ ምኽሪ ንምርካብ ቈጸራ ገይራ። ናድያ ምስታ መሕረሲት ኣብ ክሊኒክ ኣዴታት ምስ ተራኸበት እታ መሕረሲት ብዛዕባ መከላኸሊ ጥንሲ ብሆርሞናት ወይ ብዘይ ሆርሞናት ሓቢራታ። እታ መሕረሲት ኮንዶም ነቲ ኣብ እዋን ጾታዊ ርክብ ክመሓላለፍ ዝኽእል ሕማማት ከም ዚጠቅም ሓቢራታ። መከላኸሊ ጥንሲ ብእተፈላለየ መገዲ ማለት ብመልክዕ ከኒና፡ ፕላስተር፡ ስፒራልን መርፍእን ብኸመይ ክወሃብ ከም ዝኽእል ኣርእያታ። ብዘይካዚ ኣብ ትሕቲ ቘርበት ዝኣቱ ንእሽቶ ዘንጊ ከተእቱ ወይ ከኣ ኣብ ርሕሚ ሓደ ርሕማዊ ዓምኬል (p-ring) ክትገብር ከም ዝከኣል እዋን ሓቢራታ። ናድያ ወይ ኣዳም ንነብሶም ከምክንዋ እውን ይኽእሉ እዮም ምምካን ንኸይትወልድ ዝግበር ንእሽተይ መጥባሕቲ እዩ። ናድያ ትኹን ሰብኣያ ከምኡ ክገብሩ ኣይደልዩን። እታ መሕረሲቲ ነቲ ምርጫ ክጸሉ ዝኽእል ሕማማት እንተ ኣልይዎ ንናድያ ሓተተታ። ጸቕጢ ደም ዓቂናታ፡ ቝመት ለኪዓን ክብደታ መዚናታን፡ ከምኡ'ውን ናይ ማህጸን መርመራ ጌራትላ። ናድያ ንሳን ኣዳምን ነየናይ መከላኸሊ ጥንሲ ክመርጹ ከም ዘለዎም ክትሓስብ ደለየት።

ንጽባሒቱ ኣዳም ናብታ መሕረሲቲ ደሃይ ገይሩ። ብተሌፎን ይዘራረቡ። ኣዳም ብዛዕባ እተፈላለየ ኮንዶምን ኣየኖት ከም ዝበልጹን ክፈልጥ ደልዩ። እታ መሕረሲት እተፈላለየ ዓቐንንን እተፈላለየ ዓይነትን ከም ዘሎ ነጊራቶ። ከምኡ'ውን እታ መሕረሲት ኣዳም ልክዕ ኮንዶም ንምርካብ ሓገዝ ንኽረክብ ናበየኖት ክሊኒካት ክኸይድ ከም ዝኽእል ሓቢራቶ። ኣብኡ ኮንዶም ብኸመይ ከም ዝጥቀምን ኣብ ቤቱ ንኺፍትኖ እተፈላለየ ዝዓቐኑ ኮንዶም ብናጻ ንምርካብን ንምዝርራብ ቈጸራ ክሕዝ ይኽእል እዩ። ናድያን ኣዳምን ኮንዶም ምጥቃም ጽቡቕ ይሰርሕ ኣሎ በሃልትን፡ ከም መከላኸሊ ጥንሲ መሪጾሞን።

ናድያን ኣዳምን ካብ ጥንሲ ክከላከልሉ ዝኽእሉ ኣየኖት ኣገባባት ኣለውዎም?

ብጾታዊ ርክብ ዝመሓላለፉ ሕማማት

ብጾታዊ ርክብ ዝመሓላለፉ ሕማማት፡ ምስ ሓደ ብጾታዊ ርክብ ክመሓላለፉ ዝኽእሉ ሕማማት ከም ንኣብነት ክላሚድያ ዘለዎ ሰብ ጾታዊ ርክብ ክትፍጽም ከለኻ ክመሓላለፉኻ ዝኽእሉ ሕማማት እዮም።

ብጾታዊ ርክብ ዝመሓላለፉ ሕማማት ወሲባዊ ሕማማት ተባሂሎም እውን ይጽውዑ እዮም።

ኣብነት፦ ጆርጅ ሕማም ወሲብ ኣለኒ ኢሉ እዩ ዝኣምን

ጆርጅ ካብ ሻምብቈ ሽንቲ ነዝዒ ኣለዎ፡ ክሸይን ከሎ ድማ ቀጭቀጭ የብሎ። ምስ ዮሃናን ኤሚልዮን ጾታዊ ርክብ ገይሩ ነይሩ። ብጾታዊ ርክብ ዝመሓላለፍ ሕማም ሒዝዎ ከይከውን ስለ ዝጠርጠረ ናብ ማእከል ክንክን ጥዕና ይኸይድ። ሓኪም ይምርምሮን ናይ ሽንትን ናይ ደምን መርመራ ድማ ይገድፍ። እቲ መልሲ ድሕሪ ሰሙን ንጹር እዩ፣ ጆርጅ ክላሚድያ ኣለዎ። ናይ ከኒናታት ፍወሳ ተዋሂብዎ።

ንተመሓላላፍ ሕማማት ዝምልከት ሓደ ፍሉይ ሕጊ ኣሎ። እቲ ሕጊ "ሕጊ ምክልኻል ተመሓላለፍቲ ሕማማት" (smittskyddslagen) ይብሃል። ክላሚድያ ሓደ ካብቶም ኣብቲ ሕጊ እትዋት ዝኾኑ ሕማማት እዩ። እዚ ማለት፡ ጆርጅ ነቲ ምብጻሕ፡ መርመራ ወይ ሕክምና ምኽፋል ኣየድልዮን እዩ። ጾታዊ ርክብ ክፍጽም እንተ ኾይኑ ኮንዶም ክጥቀም ከም ዘለዎን እቲ ሕክምና ቅድሚ ምውድኡ ጾታዊ ርክብ እንተ ዘይፈጸመ ዝሓሸ ምዃኑን ክፈልጥ ክኢሉ። ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ምስ መን ጾታዊ ርክብ ከም ዝፈጸመ እውን ክሕብር ኣለዎ። እቲ ማእከል ክንክን ጥዕና ገለ ካብኣቶም እውን ክላሚድያ እንተ ኣልይዎ ክፈልጥ ይደሊ እዩ። ምስ ዮሃናን ኤሚልዮን ተራኺቦም፣ ንሳቶም እውን መርመራ ክህቡ ኣለዎም። እቲ ማእከል ክንክን ጥዕና ክላሚድያ ዘለዎ ጆርጅ ምዃኑን ንሱ ድማ ስሞም ንማእከል ክንክን ጥዕና ከም ዝሃበን ክነግሩ ኣይፍቀዶምን እዩ።

ዮሃናን ኤሚልዮን ዋላ ሓንቲ ጸገም የብሎምን። ይኹን'ምበር ክምርመሩ ኣለዎም፡ ምኽንያቱ ከይተሰምዓካ ብጾታዊ ርክብ ዝመሓላለፍ ሕማም ክህልወካ ልሙድ ስለ ዝኾነ። ዮሃና ኣብ ክሊኒክ ማህጸን ኤሚልዮን ድማ ኣብ ክሊኒክ መንእሰያት ተመርሚሮም።

ብዛዕባ ብጾታዊ ርክብ ዝመሓላለፍ ሕማማት ዝገልጽ መሰላትን ሕግታትን ኣብነታት ክትህብ ትኽእል'ዶ?

ምንጻል ጥንሲ

ምንጻል ጥንሲ ማለት ንሓደ ጥንሲ ከም ዘቋርጽ ምግባር ማለት እዩ።

ኣብነት፦ ዛህራ ምንጻል ጥንሲ ክትገብር ትደሊ ኣላ

ዛህራ ነፍሰ-ጾር እያ፡ ምንጻል ጥንሲ ክትገብር ድማ ትደሊ ኣላ። ኵለን ነፍሰ-ጾራት ምንጻል ጥንሲ ናይ ምግባር መሰል ኣለወን። ዋላ እታ ሽወደናዊት ዜጋ ዘይኮነት እውን ይፍቀዳ እዩ። ዛህራ ናብቲ ኣብ ሆስፒታል ዘሎ ክፍሊ ምንጻል ጥንሲ ደዊላ ናይ ምብጻሕ ግዜ ድማ ተዋሂብዋ። ዮሃን ሰብኣያ ምሳኣ ከይዱ። ከመይ ከም ዝገብሩ ርግጸኛ ኣይኮነን። እቶም ሰራሕተኛታት ብዛዕባ ምንጻል ጥንሲ ዝምልከት ሕግታት ይሕብርዎም። ንምንጻል ጥንሲ እትውስን እታ ነፍሰ ጾር ምዃና ተነጊርዎም። እቶም ሰራሕተኛታት እንተ ደልዮም ምስ ኣማኻሪት ብዛዕባ ስምዒቶም ክዘራረቡ ከም ዝኽእሉ እውን ነጊሮሞም። ዛህራ ክሳብ መበል 18 ሰሙን ጥንሲ፡ ብዛዕባ ምንጻል ጥንሲ ባዕላ ክትውስን ትኽእል እያ። ኣብ መንጎ 18-21 ኣብ ዘሎ ሰሙናት ካብ ቤት ምኽሪ ጥዕናን ሰብኣዊ ድሕንነትን ፍቓድ የድልያ እዩ። ድሕሪ መበል 21 ሰሙን ጥንሲ፡ ምንጻል ጥንሲ ኣይፍቀድን እዩ።

እቲ ዝውቱር ብመድሃኒት ዝግበር ምንጻል ጥንሲ እዩ። ዛህራ ከኒና ተዋሂባ፡ ድሕሪ ሒደት መዓልትታት ድማ ናብ ሆስፒታል ተመልሰት። ዮሃን ሰብኣያ ምስኣ ኣሎ። ሽዑ ዛህራ ዘድምን ነቲ ጥንሲ ከም ዘቋርጽ ዝገብርን ትወሃብ። ድሕሪ ሒደት ሰዓታት ናብ ቤታ ክትምለስ ትኽእል እያ። ንእሽተይ መጥባሕቲ ብምግባር እውን ምንጻል ጥንሲ ክግበር ይከኣል እዩ። ሽዑ'ውን ኣብታ መዓልቲ እቲኣ ናብ ቤትኪ ክትምለሲ ትኽእሊ ኢኺ።

ብዛዕባ ናይ ምንጻል ጥንሲ መሰላትን ሕግታትን ኣብነት ክትህብ ትኽእል'ዶ?

ጋይኖኮሎጂካዊ (ማህጸናዊ) ምውሳድ ቅምሶ ዋህዮ

ኵለን ካብ 23 ክሳብ 64 ዓመት ዝዕድሚኣን ደቀንስትዮ ቅምሶ ዋህዮ ንምሃብ ናብ ሕክምና ይጽውዓ እየን። ሓንቲ መሕረሲት ወይ ሓኪም ካብ ማህጸን ቅምሶ ዋህዮ ትወስድ። እቲ ቅምሶ ብርሕሚ ኣቢልካ ይውሰድ። እቶም ኣብ ማህጸንኪ ዘለዉ ዋህዮታት ተቐዪሮም እንተ ኾይኖም ዘርኢ መርመራ እዩ። ንስኺ ናይዞም ዋህዮታት ምቅይያር ክትርእይዮ ወይ ክስምዓኪ ኣይክእልን እዩ፣ መብዛሕትኡ ግዜ ድማ ዝኾነ ጸገማት ኣይገብርን እዩ። እቶም ምቅይያራት ሓደገኛ እኳ እንተ ዘይኮኑ ኣቐዲምካ እንተ ዘይተረኺቦምን ሕክምና እንተ ዘይተገይሩሉሎም ግን ናብ መንሽሮ ክቕየር ይኽእል እዩ። ነቲ ናይ ዋህዮታት ምቅይያራት ክትረኽበሉ ትኽእል እንኮ መገዲ ናይ ዋህዮታት መርመራ ብምግባር ጥራይ እዩ።

ምውሳድ ቅምሶ ዋህዮ ሒደት ደቓይቕ እዩ ዝወስድ። ኣይክፈሎን እዩ። መብዛሕትኡ ግዜ ኣየቘንዙን እዩ፡ ዝኾነ ጕድኣት ከየምጽእ እውን ኣየስግእን እዩ። ካብ ኣገልግሎት ክንክን ጥዕና ጻውዒት እና ክቐርበልኪ መርመራ ናይ ዋህዮ ትገብሪ እንተ ዄንኪ ካብ መንሽሮ ክሳድ ማህጸን ጽቡቕ መከላኸሊ ክትረኽቢ ኢኺ።

ዕድሜኺ ካብ 23 ክሳዕ 49 ዓመት እንተ ኾይኑ ኣብ ነፍስ ወከፍ ሰለስተ ዓመት ቅምሶ ናይ ዋህዮ ንምሃብ መጸዋዕታ ክመጸኪ እዩ። ዕድሜኺ ካብ 50 ክሳዕ 64 ዓመት እንተ ኾይኑ ኣብ ሓሓሙሽተ ዓመት መጸዋዕታ ክመጸኪ እዩ።

ጾታዊ መንነትን ኣካላትን

ጾታዊ ዘይዕጕብነት ሰብነትካ ምስ ጾታዊ መንነት ከም ዘይሰማማዕ ኮይኑ ክስምዓካ ከሎን ብእኡ ትሳቐ እንተ ዄንካን እዩ። ጾታዊ ዘይዕጕብነት እንተ ኣለካ ኾይኑ ምእንቲ ጽቡቕ ክስምዓካ ክንክን ወይ ፍወሳ ናይ ጾታ ዳግመ ምደባ ክግበረልካ ይኽእል እዩ። ከምዚ ዓይነት ክንክን ወይ ሕክምና ብዛዕባ ንኣካላትካ ምስ መንነት ጾታኻ ምትዕርራይ ምግባር እዩ። ንኣብነት ናይ ሆርሞን ሕክምናን እተፈላለየ ዓይነት መጥባሕቲን ክኸውን ይኽእል እዩ። ነቲ ኣብ ህዝባዊ መዝገብን ውልቃዊ ቍጽሪ መንነትን ዘሎ ጾታ ናብቲ ጾታዊ መንነትካ ዝሰማማዕ ክትቅይሮ እውን ይከኣል እዩ። እዚ ነቲ ሕጋዊ ጾታኻ ምቕያር ይበሃል።

ዓመጽ ዝመልኦ ዝምድና ሓዲግኪ ንኽትከይዲ ሓገዝ

ምስ ሓደ ዝቈጻጸርን ንዓምጽ ዘቃላዕን መጻምድቲ ወይ ስድራ ቤት ትነብሪ እንተ ዄንኪ ሓገዝን ደገፍን ክትረክቢ መሰል ኣሎኪ። ዓመጻ ኣብ ኵሉ ዓይነት ዝምድና ከጋጥም ይኽእል እዩ። ዓመጽ ንኣብነት ኣካላዊ፡ ጾታዊ ወይ ስነ-ኣእምሮኣዊ ክኸውን ይኽእል ኢዩ።

ንስኺ ወይ እትፈልጥዮ ሰብ ግዳይ ዓመጽ እንተ ዄንኩም ናብ 114 14 ደዊልኪ ናብ ፖሊስ ከተመልክቲ ኣለኪ። ህጹጽ ኵነታት እንተ ኣጋጢሙ ናብ 112 ደውል። ኣብቲ እትነብርሉ ምስ ዝርከብ መደበር ፖሊስ እውን ክትራኸቢ ትኽእሊ ኢኺ።

ዓመጽ ኣካላዊ ጕድኣትን ካልእ ናይ ጥዕና ጸገማትን ከስዕብ ይኽእል እዩ። ነቲ ርክብ እንተ ሓዲግክዮ እንታይ ከም ዘጋጥመኪ ከፍርሃኪ ይኽእል እዩ። ንሓደ ዓመጻ ዝመልኦ ርክብ ሓዲግኪ ክትከይዲን ጽቡቕ ንኽስምዓክን ሓገዝ ክትረኽቢ ትኽእሊ ኢኺ። ሓገዝ እንተ ደሊኺ ምስ ማሕበራዊ ኣገልግሎት ወይ ምስ ማእከል ክንክን ጥዕና ክትራኸቢ ትኽእሊ ኢኺ። ናብ መዕቈቢ ደቂ ኣንስትዮን (kvinnojour) ወይ ማእከል ግዳይ ገበን እውን ብቐጥታ ኽትድውሊ ትኽእሊ ኢኺ። ብዛዕባ መሰላትኪ ክነግሩኺ ይኽእሉ እዮም። ብዘይካዚ ሓገዝን ደገፍን ክትረክብቢ ትኽእል ኢኻ፣ ኣብ ገሊኡ ኵነታት ከኣ ሕቡእ ኣድራሻ ክወሃቢ ይኽእል እዩ።

ጾታዊ ርክብ ብኽፍሊት

ጾታዊ ርክብ ብኽፍሊት ማለት ጾታዊ ተግባራት ንምፍጻም ክፍሊት ምውሳድ ማለት እዩ። ጾታዊ ተግባራት ብዙሕ እተፈላለየ ነገራት ክኸውን ይኽእል እዩ። ዕራቕካ ንሰብ ምርኣይ ወይ ብልዕቲ ምድራዝ ክኸውን ይኽእል እዩ። ብኣፍ፡ ብርሕሚ ወይ መሃንቱስ ጾታዊ ርክብ ምፍጻም ክከውን ይኽእል እዩ። እቲ ክፍሊት ብገንዘብ ክኸውን ኣየድልን እዩ። ሰባት ብእተፈላለየ ምኽንያታት ተኸፊሎም ጾታዊ ርክብ ይፍጽሙ እዮም። ብዛዕባ ገንዘብ፡ ምግቢ፡ ክዳውንቲ፡ ሽጋራ ወይ ገለ እትድቅሰሉ ቦታ ምድላይ ክኸውን ይኽእል እዩ። ኣቐዲምካ ብዛዕባ ክፍሊት ዝተገብረ ስምምዕ ክህሉ ይኽእል እዩ፡ ግን ገለ ድሓር ዝተወሰን እውን ክኸውን ይኽእል እዩ። ኣብ ሽወደን ንጾታዊ ተግባራት ክትክፈል ዘይሕጋዊ ኣይኰነን። ብኣንጻሩ ጾታዊ ርክብ ምዕዳግ ግን ዘይሕጋዊ እዩ። እቲ ሕጊ "ሕጊ ብዛዕባ ክልከላ ዕድጊ ጾታዊ ኣገልግሎታት" ("lag om förbud mot köp av sexuella tjänster") ይብሃል።

ክፍሊት ተቐቢልካ ጾታዊ ርክብ እንተ ፈጺምካ እሞ ከመይ ከም ዝስምዓካ ንምዝራብ ወይ ሓገዝ ክትረክብ እንተ ደሊኻ ምስ ማሕበራዊ ኣገልግሎት ወይ ምስ ማእከል ክንክን ጥዕና ክትራኸብ ትኽእል ኢኻ። ነቶም ጾታዊ ርክብ ዚሸጡ ሰባት ዝድግፍ ፍሉይ ክሊኒካትን ማሕበራትን እውን ኣሎ። ጾታዊ ርክብ ትዕድግ ወይ ንጾታዊ ርክብ ካልእ ክፍሊት ትህብ እንተ ዄንካ እሞ ንኸተቋርጽ ሓገዝ እንተ ደሊኻ ክትረኽቦ ትኽእል ሓገዝ ኣሎ።

ኣብ ካልኦት ሃገራት ብዛዕባ ምዕዳግ ጾታዊ ተግባራት ዝገልጽ ገለ ሕግታት ትፈልጥ'ዶ ?

ምስቲ ናይ ሽወደን ሕጊ ይመሳሰሉ ድዮም ኣይመሳሰሉን?

ጾታዊ ርክብ ወትሩ ብፍታው ክኸውን ኣለዎ – ብመሰረት ሕጊ

ኣብ ልዕሊ ኣካላትካን ጾታውነትካን ክትውስን መሰል ኣለካ። ጾታዊ ርክብ ንዅሎም እቶም ዝሳተፍዎ ዘለዉ ጽቡቕ ክስምዖም ኣለዎ። ሕጊ ከም ዝገለጾ፡ ጾታዊ ርክብ ወትሩ ብፍታው ክኸውን ኣለዎ። እቲ ሕጊ "ሕጊ ስምምዕ" ("lagen om samtycke") ይብሃል። ንጾታዊ ርክብ ፍቓደኛ ምዃን ብቓላት ወይ ብኣካላትካ ከተርኢ ትኽእል ኢኻ።

ሕጊ ስምምዕ ከምዚ ይብል፦

  • እቲ ሓደ ሰብ ከም ዝደሊ ዘይተዛረበሉ ወይ ዘየርኣየሉ ኵሉ ዓይነት ጾታዊ ርክብ ዘይሕጋዊ እዩ። ርክብ ዘለኩም ይኹን ምርዕዋት ብዘየገድስ።
  • ዋላ ኣብ መጀመርታ ጾታዊ ርክብ ንምፍጻም ሕራይ በል፡ ኣብ ዝኾነ እዋን ሓሳብካ ክትቅይር መሰል ኣለካ።
  • ጨሪሽካ ብፍታው ክኾነሉ ዘይኻል ኵነታት ኣሎ። ሓደ ሰብ ጾታዊ ርክብ ንኽፍጽም ኣብ ዝግደደሉ፡ ዝፈራርሃሉ ወይ ንዓመጽ ዝቃልዓሉ እውን እዩ።
  • ሓደ ትሕቲ 15 ዓመት ቈልዓ ከምቲ ሓደ ዓብዪ ሰብ ክገብሮ ዝኽእል ብፍታው ኣብ ጾታዊ ርክብ ክሳተፍ ኣይክእልን እዩ። ስለዚ'ዩ ሓደ ልዕሊ 15 ዓመት ዝዕድሚኡ ሰብ ምስ ሃደ ትሕቲ 15 ዓመት ዝዕድሚኡ ሰብ ጾታዊ ርክብ ከይፍጽም ክልኩል ዝኾነ።
  • ምሳኻ ጾታዊ ርክብ ክፍጽም ከም ዝደሊ ምስ ዘየርኣየካ ሰብ ጾታዊ ርክብ እንተ ፈጺምካ፡ ንማእሰርቲ ክትፍረድ ትኽእል ኢኻ።

ብመሰረት እዚ ጽሑፍ ፍቓደኛ ምዃን እንታይ ማለት እዩ?

ጾታዊ ዓመጽ

ጾታዊ ዓመጻ ኵሉ ብፍታው ዘይኮነስ፡ ከም ዝተገደድካ ኮይኑ ስለ ዝተሰምዓካ ወይ ስለ ዝፈራህካ ትገብሮ ጾታዊ ተግባራት እዩ። እዚ ተግባር እዚ ብሓደ ኣብ ቀረባካ ዘሎ ሰብ ንኣብነት ብጻይካ፡ ዓርክኻኻ ወይ ዘመድካ ክግበር ይኽእል እዩ። ወይ ጨሪሽካ ዘይትፈልጦ ሰብ እውን ክኸውን ይኽእል እዩ።

እቲ ተግባራት ብዙሕ እተፈላለየ ነገራት ክኸውን ይኽእል እዩ። ንኣብነት ብገለ ንስኻ ዘይትደልይዮ ኣገባብ ወይ ግዜ ጾታዊ ርክብ ንኽትፍጽም ከገድደካ ከሎ ክኸውን ይኽእል እዩ። ንጾታዊ ርክብ ሕራይ ዘይትብል እንተ ዄንካ ገለ ሕማቕ ነገር ከጋጥም እዩ ኢሉ ከፈራርሓካ ከሎ ወይ እቲ ሰብ ዋላ እውን 'ኣይፋል' እንተ በልካ ጾታዊ ርክብ ክትገብር እንተ ኣእሚኑካ ክኸውን ይኽእል እዩ። ካልእ ሰብ ኣብ ልዕሌካ ዝግብሮም ነገራት ወይ እቲ ሰብ ንስኻ ንክትገብሮም ዘገድደካ ክኸውን ይኽእል እዩ። ንሓደ ሰብ ንጾታዊ ዓመጽ ምቅላዕ ዘይሕጋዊ እዩ፣ ዋላ ኣብ ውሽጢ ሓዳር እውን። እቲ ከምዚ ዝገብር ማእሰርቲ ክፍረዶ ይኽእል እዩ።

ምኽንሻብን ክሽቦ ደቂንስትዮን (ግዝረት)

ክሽቦ ደቂንስትዮ (ግዝረት)፡ ናይ ኣዋልድ ወይ ኣንስቲ ክፋል ጉድበ ወይ ከንፈር ርሕሚ ምእላይ ወይ ምጕዳእ ማለት እዩ። ክሽቦ ደቂንስትዮ ብዛዕባ ንጾታውነት ናይ ደቀንስትዮ ምቍጽጻር እዩ፣ ኣብ ሽወደን ድማ ዘይሕጋዊ እዩ። ክሽቦ ደቂንስትዮ መብዛሕትኡ ግዜ ኣብተን ካብ ኣርባዕተ ክሳብ 14 ክሊ ዕድመ ዘለዋ ቈልዑ እዩ ዝፍጸም። ክሽቦ ደቂንስትዮ ኣብ ገሊኡ ሃገራት ኣፍሪቃን ማእከላይ ምብራቕን ይፍጸም እዩ።

ምኽንሻብ መትሎ ዘለዎም ቈልዑ ማለት፡ ነቲ ናይ መትሎ ዕልቦ ምእላዩ እዩ። ከምኡ መግበሪ ብምኽንያት ሃይማኖት፡ ባህሊ ወይ ሕክምናዊ፡ ንኣብነት ዕልበት ኣዝዩ ጸቢብ እንተ ዀይኑ ክኸውን ይኽእል እዩ። ምኽንሻብ ናይ መትሎ ኣብ ሽወደን ሕጋዊ እኳ እንተ ዀነ ፍሉይ ምስክር ወረቐት ብዘለዎም ሰባት ጥራይ እዩ ክግበር ዘለዎ።

ሃገራዊ ማእከል ኣንጻር ምስ ክብሪ ዝተተሓሓዘ ዓመጽን ጭቈናን፡ ብዛዕባ ኣብ ልዕሊ ኣዋልድን ኣንስትን ዘጋጥም ምኽንሻብ ዝገልጽ ሓደ ብሮሹር ኣዳልዩ ኣሎ። እቲ ብሮሹር ብብዙሕ ቋንቋታት ተዳልዩ ኣሎ።

ኣብነት፦ ላይላ ግዳይ ክሽቦ ደቂንስትዮ ኮይና ነይራ፣ ካብ ክሊኒክ መንእሰያት ድማ ሓገዝ ትረክብ ኣላ

ላይላ ጓል 16 ዓመት እያ። ናብ ክሊኒክ መንእሰያት ድማ ትኸይድ። ካብ ነዊሕ እዋን ኣትሒዛ ኽትሸይን ከላ ቀጭቀጭ የብላን ብዙሕ ግዜ ድማ ረክሲ ብዕሲ ይገብረላን። መሕረሲት ሃሚዳ ንሌይላ ትምርምራን ግዳይ ክሽቦ ደቂንስትዮ ኮይና ከም ዝነበረት ድማ ትርኢ። እታ መሕረሲት "ተገሪዝኪ ከም ዘለኺ ይርእዮ ኣለኹ" ትብላ፣ እቲ ጸገማት ድማ ብሰንኩ ከም ዝኾነ ትገለጸላ። ለይላ ናብ ታሕቲ ግልጽ ኢላ "ኵሉ ሰብ ከማይ ዝመስል ይመስለኒ ነይሩ" በለት። እታ መሕረሲት ብዛዕባ ሓደ ብመጥባሕቲ ነቲ ናይ ርሕሚ ክፍተት ዝኸፍቶ ክሊኒክ ትሕብራ። ነዚ ጸገም እዚ ከተወግዶ እትኽእለሉ መገዲ ክኸውን ይኽእል እዩ። ለይላ ክትሓስበሉ ምዃና ትነግራ። ሓበሬታ ትረክብን ንዝርርብ ድማ ሓድሽ ቈጸራ ይሕዛን።

ለይላ ድህሪ ምብጻሕ ናብ ክሊኒክ መንእሰያት እንታይ ትሓስብ ይመስለካ?

እንታይ ሓበሬታ ዘድልያ ይመስለካ ?

ንግዲ ደቂ ሰባት

ንግዲ ደቂ ሰባት፡ ካልኦት ሰባት ምእንቲ ብእተፈላለየ መገዲ ክምዝምዝዎም ንሰባት ካብ ሓደ ቦታ ናብ ካልእ ቦታ ምግዕዓዝ እዩ። ሰባት ጾታዊ ርክብ ንኽሸጡ፡ ንኽሰርሑ፡ ገበን ክፍጽሙ ወይ ኣካላት ንኸውፍዩ ብምግዳዶም ክምዝመዙ ይኽእሉ እዮም።

ገሊኦም ሰባት ብተስፋ ናይ ስራሕን ዝሓሸ መጻእን ናብ ካልእ ቦታ ክኸዱ ይዕሸዉ። ካልኦት ብምፍርራሕን ዓመጽን ተገዲዶም ንኽስዕቡ ይግደዱ። ንግዲ ደቂ ሰባት ሓደ ዓይነት ባርነት እዩ። ንግዲ ሰባት ገበን እዩ። ኵሎም ኣብ ንግዲ ደቂ ሰባት ዝሳተፉ ኣብ ሽወደን ክሳዕ ኣርባዕተ ዓመት ማእሰርቲ ክፍረዱ ይኽእሉ እዮም።

መሰል ፍልጠትን ሓበሬታን

ብዛዕባ ኣካላትና፡ ጾታውነትናን ጥዕናናን ዝምልከቱ ነገራት ክንውስን ንኽንክእል ኣፍልጦን ሓበሬታን የድልየና እዩ። እዚ ንዅሉ ሰብ፡ ቈልዑ ይኹኑ ዓበይቲ ይምልከት እዩ። ክንርኢ ወይ ክንሰምዕ ንኽኣል፡ ከነንብብ ንኽኣል ኣይንኽኣል ብዘየገድስ። ኵላትና ብዛዕባ ናይ ጾታውን ስርዓተ መፍረን ጥዕና ክንርድኦ እንኽእል ሓበሬታ ናይ ምርካብ መሰል ኣሎና። እዚ ማለት እቶም ወሃብቲ ክንክን – ኣለይቲ ሕሙማትን ሓካይምን መሕረሲትን፡ እቲ ክንክን ዝደሊ ሰብ ክርድኦ ብዝኽእል መገዲ ሓበሬታ ክህቡ ኣለዎም ማለት እዩ።

ካብ ኣገልግሎት ክንክን ጥዕና ንዝወሃብ ሓበሬታ ንኽትርድኦ ተርጓሚ ክግበረልካ መሰል ኣለካ። እቶም ሰራሕተኛታት ዝብልዎ ክርድኣካ እቲ ንስኻ ትብሎ ድማ ክርድኦም መሰል ኣለካ። እቲ ተርጓሚ ምስጢር ናይ ምዕቃብ ግዴታ ኣለዎ፣ ብዛዕባ እቲ እተባህለ ድማ ንዋላ ሓደ ክነግር ኣይፍቀደሉን እዩ።

ሓበሬታ ክትረኽበሉ እትኽእል ካልእ መገድታት፡ ኣብ ኢንተርነት ምንባብ ክኸውን ይኽእል እዩ። ብዛዕባ ጥዕናን ኣካላትን ጽቡቕ ሓበሬታ ኣሎ።

ክፍሊ ኣካላትካ ምውፋይ፡

ኣብ ሽወደን፡ ዓመታዊ፡ ኣስታት 700 ዝኾኑ ከቢድ ሕማም ዝሓመሙ ሰባት፡ ሓደ ወይ ዝያዳ ክፋላት ኣካላት ወድሰብ ይውሃቦም። ንኣብነት ኩሊትን ልብን ማለት'ዩ። እዚ ድማ፡ ካብ ወሃቢ ናብ ተቐባሊ ብምስግጋር ይትግበር።

ይኹን'ምበር፡ እቲ ብወፈያ ዝርከብ ብዝሒ ኣካላት ሰብ ኣይኣክልን እዩ። ስለዚ፡ ብዙሓት ሕሙማን፡ ብሰንኪ ምጽባይ ወይ ድማ እቲ ዘድልዮም ክፍሊ ኣካላት ስለ ዘይርከብ ይሞቱ።

ሓደ ውልቀ ሰብ፡ ክመውት ከሎ፡ ክፍሊ ኣካላቱ እንታይ ክኸውን ከም ዝደልዮ ክውስን ይኽእል'ዩ። ከምዚ ዝስዕብ ክግበር ይክኣል'ዩ።

  • ክፍሊ ኣካላቱ ንኸይህብ ይውስን፡
  • ናብ ሰብ ንኽሰጋገር ክውፈ፡ ወይ ከኣ፦
  • ንምስግጋርን ንሕክምናዊ ምርመራን ክጠቅም ክውፈ፡

ሓደ ሰብ፡ ክፍሊ ኣካላቱ ከወፊ ከም ዝወሰነ ቅድሚ ምማቱ ንቤተሰቡ ዘይነገሮም እንተኾይኑ፡ ባዕላቶም ክውስኑ ይኽእሉ እዮም።