መሰላትን ግዴታታትን ምስ ኣገልግሎት ጥዕና ኣብ ዝግበር ርክብ

ናይ መጠረሽታ ዝተሓደሰሉ: 12 12 2023

ብዛዕባ ሽወደን - ሓደ ንልልይ ምስ ሕብረተሰብ ዝኸውን ጽሑፍ።

እዚ ጽሑፍ ብዛዕባ መሰላትን ግዴታታትን ምስ ኣገልግሎት ጥዕና ኣብ ዝግበር ርክብ እዩ። ምስ ኣገልግሎት ጥዕናን ሕክምናን ክትራኸብ ከለካ ከም ተሓካሚ መጠን ናይ ምንታይ መሰል ከም ዘለካ ክትፈልጥ ጽቡቕ ክኸውን ይኽእል እዩ። ብዛዕባ ምስ ክንክን ጥዕና ኣብ እትገብሮ ርክብ ዘለካ እተፈላለየ መሰላት ከተንብብ ክትክእል ኢኻ። ብዛዕባ ውሕስነት ኣገልግሎት ጥዕና፡ ውሕስነት ልዑል ዋጋን ብኵራት ብምኽንያት ሕማምን ብዝያዳ ትፈልጥ ክትክእል ኢኻ። ብዛዕባ ሕጊ ተመሓላለፍቲ ሕማማትን ከቢድ ተመሓላላፊ ሕማም እንተ ኣለካ ኾይኑ እንታይ ግዴታታት ከም ዘለካን እውን ከተንብብ ክትክእል ኢኻ።

ሓደ ሓኪም ኣብ ማእከል ክንክን ጥዕና ምስ ሓደ ተሓካሚ ኮፍ ኢሉ ይዘራረብ ኣሎ።

ኵሉ ሰብ ብዝተኻእለ ዝበለጸ ኣካላውን ኣእምሮኣውን ጥዕና ክህልዎ መሰል ኣለዎ። መሰል ንጥዕና ነቶም ካልኦት መሰላት ጋህዲ ንኽትገብሮም ንኣብነት ክትሰርሕ ወይ ናብ ቤት ትምህርቲ ክትከይድ ንኽትክእል ኣገዳሲ እዩ። እቶም ካልኦት መሰላት እውን ንመሰል ጥዕና ይጸልውዎ እዮም። ንኣብነት እትነብረሉ ቦታ ዘይብልካ እንተ ዄንካ ወይ ስራሕ ዘይብልካ እንተ ኴንካ ንጥዕናኻ ከመይ ከም ዘለኻ ይጸልዎ እዩ።

ኵሉ ሰብ ኣገልግሎት ሕክምና ክረክብ መሰል ኣለዎ። እቲ ህጹጽ ክንክን ዘድልዮ ሰብ ፈለማ ክንክን ክግበረሉ ኣለዎ። እቶም ኣብ ክንክን ጥዕና ዝሰርሑ ሰባት ነቲ ናይ ኵሎም ሰባት ማዕረ ክብሪ ከኽብርዎ ኣለዎም። ብሰራሕተኛታት ክንክን ጥዕና ዝግበረልካ ኣቀባብላ ሞያዊ ስነ-ምግባርን ኣኽብሮትን ዘለዎ ኣገባብ ክኸውን መሰል ኣለካ። እዚ መሰል’ዚ እንታይ ዓይነት ጾታ፡ ጾታዊ መንነት ዓሌት፡ ቋንቋ፡ ጾታውነት፡ ሃይማኖት፡ ወይ ትምህርቲ ከም ዘለካ ብዘየገድስ። ግን ብሓደ ውሱን ጾታ፡ ዓሌታዊ መበቈል፡ ሃይማኖት ወይ ካልእ ከምኡ ዝኣመሰለ ብዘለዎ ሰራሕተኛ ክንክን ክትረክብ ክትሓትት መሰል የብልካን።

መሰላትን ምስ ኣገልግሎት ጥዕና ኣብ ዝግበር ርክብ

  • ከም ሕሙም መጠን ብሞያዊ ኣገባብ ክትትተሓዝ መሰል ኣሎካ። ወትሩ ብዛዕባ ጸገማትካ ባዕልኻ ንኽትነግር ዕድል ክወሃበካ ኣለዎ። ንኣካላትካ ጽቡቕ ጌርካ ትፈልጦ ንስኻ ኢኻ።
  • ቅቡል ኣብ ዝኾነ ግዜ ክንክን ክትረክብ መሰል ኣለካ። እዚ ውሕስነት ኣገልግሎት ጥዕና (vårdgaranti) ተባሂሉ ይጽዋዕ።
  • ኣብቲ ትረኽቦ ክንክን ተኻፋሊ ክትከውን መሰል ኣለካ። እቶም ሰራሕተኛታት ብእተኻእሎም መጠን ኣብ ድሌትካን ኣብቲ ዘድልየካ ሕክምናን ተመርኲሶም ምሳኻ ኾይኖም ነቲ ክንክን ክነድፍዎ ኣለዎም።
  • ቈልዑ ኣብ ክንክኖምን ሕክምንኦምን ክካፈሉ መሰል ኣለዎም። ሰራሕተኛታት ኣገልግሎት ጥዕና ነቲ ቈልዓ ርእይትኡ ክሓትዎን ብእተኻእሎም መጠን ነቲ መርመራ ወይ ሕክምና ምስኡ ከም ዝሰማማዕ ክገብርዎን ኣለዎም። ንኣብነት እቲ ቈልዓ ዕረፍቲ ምእንቲ ክወስድ ወይ ካልእ ግዜ እንደገና ምእንቲ ክፍትን ነቲ መርመራ ወይ ሕክምና ከቋርጾ ክኽእል ኣለዎ። ብዘይካዚ እቲ ቈልዓ ብዙሓት ብማዕረ ጽቡቓት ዝኾኑ ኣገባባት ክህልዉ ከለዉ መድሃኒታት ብኸመይ ከም ዝውሰዱ ወይ ሓደ መርመራ ብኸመይ ክግበር ከም ዘለዎ ተሳቲፉ ክውስን ክኽእል ኣለዎ።
  • ኵለን ኣንስትን ነፍሰ ጾራትን፡ ብናጻ ክንክን ጥዕና ነፍሰ ጾራታትን ሓራሳትን ክረኽባ መሰል ኣለወን። ኣብ ክንክን ጥዕና ነፍሰ ጾራትን ሓራሳትን፡ መሕረስቲ ይሰርሓ። ንሰን ኣብ ክንክን ጥዕናን ኣብ እዋን ጥንስቲ መርመራታት ኣብ ምግባርን ይሕግዛ።
  • ነቲ ናይ ሕክምና መዛግብትኺ ከተንብብዮ መሰል ኣለኪ። እተን ሰራሕተኛታት ኣገልግሎት ጥዕና ብዛዕባ ጸገማትክን ክንክን ጥዕናኽን ኵሉ ኣብኡ እየን ዝጽሕፍኦ። ነቲ ናይ ሕክምና መዛግብኪ ንኸተንብብዮ ናብ 1177 ቮርድጋይደን እተዊ።
  • ሰራሕተኛታት ኣገልግሎት ጥዕና ምስጢር ናይ ምዕቃብ ግዴታ ኣለዎም። ምስጢር ናይ ምዕቃብ ግዴታ፡ ዝኾነ ኣብ ኣገልግሎት ጥዕና ዝሰርሕ ሰብ ብዘይ ፍቓድኪ ሓበሬታ ከውጽእ ኣይፍቀዶን እዩ ማለት እዩ። እንተዀነ ግን እዚ ሕጊ ዘይምልከቶም ነገራት ኣለዉ። ንኣብነት ሓደ ሓደ ግዜ ፖሊስ፡ ቤት ጽሕፈት ካሳ ውሕስነት ወይ ቤት ጽሕፈት ማሕበራዊ ኣገልግሎት ብዘይ ፍቓድኪ ብዛዕባኺ ሓበሬታ ክረኽቡ ይኽእሉ እዮም።
  • ናይ ተርጓሚ ምርካብ መሰል ክህልወኪ ይኽእል እዩ። ተርጓሚ ዘድልየኪ እንተ ኾይኑ ምእንቲ እቶም ኣገልግሎት ጥዕና መብዛሕትኡ ግዜ ከዳልዉልኪ ክኽእሉ ቅድሚ ናይ ምብጻሕ ግዜኺ ሓብርዮም። እቲ ተርጓሚ እውን ምስጢር ናይ ምዕቃብ ግዴታ ኣለዎ። ቈልዑን ኣዝማድን ተርጐምቲ ክኾኑልኪ የብሎምን።
  • ኣብ ዝኾነ ኣብዛ ሃገር ዝርከብ ማእከል ክንክን ጥዕና ሕክምና ክትሓቲ መሰል ኣለኪ። ከምኡ'ውን ማእከል ክንክን ጥዕና ክትልውጢ መሰል ኣለኪ። ብዘይካ ኣብ ዞባኺ ኣብ ካልእ ዞባታት እውን ናይ ክኢላታት ክንክን ናይ ምድላይ መሰል ኣለኪ።
  • ብዛዕባ ምንጻል ጥንስን መከላኸሊ ጥንሲን ብናጻ ምኽሪ ክትረኽቢ መሰል ኣለኪ።
  • ዕግበት ዘይብልኪ ወይ ሓደ ሰብ ሕማቕ ገይሩኪ እንተ ኾይኑ፡ ኣብ ልዕሊ እቲ ክንክን ጥዕና ክትጠርዒ መሰል ኣለኪ። ፈለማ ነቶም ኣብቲ ክሊኒክ ወይ ክፍሊ ዘለዉ ሰራሕተኛታት ኣዘራርብዮም። ንጥርዓንካ ሓገዝ ንምርካብ ምስቶም ኣብ ዞባኻ ዝርከቡ ቦርድ ተሓከምቲ (patientnämnden) እውን ክትራኸብ ትኽእል ኢኻ።
  • ዘድልየኪ እንተ ኾይኑ ንኣብነት ከም ዓረብያ ስንኩላንን መስምዒ መሳርሕን ዝኣመሰሉ ሓገዝቲ ናውቲ ናይ ምርካብ መሰል ኣለኪ። ሓደ ናውቲ ሓገዝ ንምርካብ ክንደይ ከም ትኸፍል ኣብ መንጎ ዝተፈላለያ ኮሙናትን ዞባታትን ይፈላለ እዩ። ሓደ ሓደ ግዜ ምሉእ ብምሉእ ብናጻ ክከውን ከሎ ሓደ ሓደ ግዜ ድማ ክፍሊት ክትከፍል የድልየካ እዩ። ብዛዕባ ናውቲ ሓገዝ ብዝያዳ ክትፈልጥ እንተ ደሊኻ ምስ ማእከል ክንክን ጥዕናኻ ተዘራረብ።
  • ከምኡ'ውን ንኣብነት ናብ ሆስፒታል፡ ማእከል ክንክን ጥዕና ወይ ሓኪም ስኒ ንመጕዓዚ ዝኸውን ገንዘብ ክትረክብ መሰል ክህልወካ ይኽእል እዩ። ነየኖት ጕዕዞታት ገንዘብ ክወሃበካ ከም ዝኽእል ዝውስኑ ሕግታት ኣለዉ።

ሰራሕተኛታት ሆስፒታልን ተርጓምን ምስጢር ናይ ምዕቃብ ግዴታ ኣለዎም እንታይ ማለት እዩ? ስለምንታይ እዩ እዚ ኣገዳሲ ዝኾነ?

ምንጻል ጥንስን መከላኸሊ ጥንሲን ንዝምልከት ምኽሪ ብናጻ ክወሃብ ስለምንታይ እዩ ኣገዳሲ ዝኸውን?

ኣዳላዊ ዝኾኑ ጠለባት ከተቕርብ ኣይፍቀደካን እዩ

ከም ተሓካሚ ወይ ከም መቕርብ ተሓካሚ መጠን ንሰራሕተኛታት ክንክን ጥዕና ኣኽብሮት ከተርኢ ኣገዳሲ እዩ። ኣየናይ ሰራሕተኛ ኽንክን ጥዕና ክሕክመካ ከም ዘለዎ ዝውስን ኵነታት ጥዕናኻ እዩ። ብሓደ ውሱን ጾታ፡ ዓሌታዊ መበቈል፡ ሃይማኖት ወይ ካልእ ከምኡ ዝኣመሰለ ብዘለዎ ሰራሕተኛ ክንክን ክትረክብ ክትሓትት መሰል የብልካን። ብሓደ ውሱን ሰራሕተኛ ንዝግበረልካ ሕክምና እንተ ኣቢኻ፡ ነቲ ዝቐረበልካ ሕክምና ትነጽጎ ኣለኻ ማለት እዩ። ይኹን እምበር ካብ ካልእ ወሃብ ክንክን ጥዕና ሕክምና ክትሓትት መሰል ኣሎካ።

ውሕስነት ኣገልግሎት ጥዕናን ውሕስነት ልዑል ዋጋን

ውሕስነት ኣገልግሎት ጥዕና (Vårdgaranti)

ኣብ ሽወደን፡ ሕክምና ንኽትረክብ ንውሕ ዝበለ ግዜ ምጽባይ፡ ሳሕቲ ዘጋጥም ነገር'ዩ። ምእንቲ ከይትጽበ ኸኣ'ዩ 'ውሕስነት ኣገልግሎት ጥዕና' ዝብሃል ነገር ዘሎ። 'ውሕስነት ኣገልግሎት ጥዕና'፡ ኣብቲ ናይ ጥዕናን ክንክንን ሕጊ ሰፊሩ ኣሎ። እዚ ሕጊ'ዚ ድማ፡ ኣብ ውሱንን ምዱብን ግዜ፡ ክንክን ሕክምና ንኽትረክብ መሰል ከም ዘሎካ ዝገልጽ ሕጊ'ዩ።

መባእታዊ ኣገልግሎት ሕክምና (Primärvården)፡- ምስ 'መባእታዊ ኣገልግሎት ሕክምና'፡ ንኣብነት፡ ኣብ ከባቢኻ ዘሎ 'ማእከል ጥዕና'፡ ርክብ ክትገብር እንተ ዳኣ ፈቲንካ፡ ሽዑ መዓልቲ ክረኽቡኻ እዮም። ከምዚ ክብሃል ከሎ፡ ኣብቲ ማእከል ሓለዋ ጥዕና ይረኽቡኻ ወይ ከኣ ብስልኪ ምስ ዝምልከቶ ሰብ ክትዛረብ ትኽእል። ኣብ መባእታዊ ኣገልግሎት ሕክምና፡ ንኣብነት ሓደ ኣላይ ሕሙማን፡ ሓኪም ከም ዘድልየካ ምስ ዝርዳእ፡ ምስ ሓኪም ክትራኸብ ካብ 7 መዓልቲ ንላዕሊ ምጽባይ ኣይከድልየካን'ዩ።

ኣብ ውሽጢ ሰለስተ መዓልታት ካብ ሓደ ብቑዕ ሰራሕተኛ ኣገልግሎት ጥዕና ንኣብነት ሓንቲ ኣላዪት ሕሙማት ወይ ሓደ ሓኪም ሕክምናዊ ግምገማ ክወሃበካ ኣለዎ።

ፍሉይ ኪኢላ ሓኪም (Specialistmottagning)፡- ናብ ፍሉይ ኪኢላ ሓኪም ክትከይድ ረሚስ/ረፈራል ወረቐት እንተዳኣ ሃልዩካ፡ ነቲ ኪኢላ ሓኪም ንምርካብ ካብ 90 መዓልታት ንላዕሊ ምጽባይ ኣይከድልየካን'ዩ። ናብ ኪኢላ ሓኪም፡ ብዘይ ናይ ሪፈር ወረቐት እንተ መጺእካ'ውን ከምኡ'ዩ።

ምሕካም፦ ሓኪምካ፡ 'ምሕካም የድልዮ'ዩ' ኢሉ እንተ ወሲኑ፡ ንኣብነት መጥባሕታዊ ሕክምና ክትገብር እንተ ወሲኑ፡ ካብ 90 መዓልታት ንላዕሊ ምጽባይ ኣይከድልየካን'ዩ።

ከቢድ ሕማም እንተ ሓሚምካ ክትጽበ ኣየድልየካን እዩ። ከቢድ ሕማም ዝሓመመ ሕሙም ብዝተኻእለ መጠን ቀልጢፉ ክንክን ክረክብ ኣለዎ።

ውሕስነት ልዑል ዋጋ (Högkostnadsskydd)

ውሕስነት ልዑል ዋጋ'፡ ካብ ልዑል ወጻኢታት ሕክምናን መድሃኒትን ዘድሕን ውሕስነት'ዩ።

ውሕስነት ልዑል ዋጋ ንሕክምና፡ ኣብ ውሽጢ ዓሰርተ ክልተ ኣዋርሕ ንሕክምና ካብ ሓደ ውሱን መጠን ገንዘብ ንላዕሊ ምኽፋል ኣየድልየካን እዩ ማለት እዩ። እቲ ናይ ዓሰርተ ክልተ ኣዋርሕ እዋን፡ መዓስ ኣብታ ዓመት ምዃኑ ብዘየገድስ ካብ'ታ መጀመርታ ናብ ሕክምና ዝበጻሕካያ ዕለት ክቖጽር ይጅምር። እተወሰነ መጠን ገንዘብ ምስ ከፈልካ፡ ሓደ ናጻ-ካርድ (frikort) ናይ ምርካብ መሰል ኣለካ። ድሕሪኡ እቲ ናጻ-ካርድ ኣብቲ ተሪፉ ዘሎ ናይ ዓሰርተ ክልተ ኣዋርሕ እዋን የገልግል። ኣብቲ እዋን እቲ ንሕክምናኻ ትኸፍሎ ክፍሊት የብልካን።

ውሕስነት ልዑል ዋጋ ንሕክምና፦ 1 400ክሮነር እዩ።

ውሕስነት ልዑል ዋጋ መድሃኒት፡ ኣብ ውሽጢ ዓሰርተ ክልተ ኣዋርሕ ብሓኪም ንዝእዘዙ ብዙሓት መድሃኒታት ካብ ሓደ ውሱን መጠን ገንዘብ ንላዕሊ ምኽፋል ኣየድልየካን እዩ ማለት እዩ። እቲ ናይ ዓሰርተ ክልተ ኣዋርሕ እዋን፡ እታ ናይ መጀመርታ መድሃኒት ምስ ዓደግካያ ክቖጽር ይጅምር። እተወሰነ መጠን ገንዘብ ምስ ከፈልካ፡ ድሕሪኡ ኣብ ውሽጢ ናይ ዓሰርተ ክልተ ኣዋርሕ እዋን ዝያዳ ገንዘብ ምኽፋል ኣይከድልየካን እዩ።

ውሕስነት ልዑል ዋጋ ንመድሃኒት፦ 2 850ክሮነር እዩ።

ኲላቶም ህጻናት ናይታ ስድራቤት፡ ኣብቲ ውሕስነት እቱዋት እዮም። እዚ ድማ ንውሕስነት ልዑል ዋጋን ሕክምናን የገልግል።

ትሕቲ 18 ዓመት ዝዕድሚኦም ቆልዑ፡ መድሃኒት ብናጻ ይውሃቦም።

ሕገ-ምክልኻል ተላባዕቲ ሕማማት (Smittskyddslagen)

ኣብ ሽወደን፡ 'ሕገ ምክልኻል ተላባዕቲ ሕማማት (smittskyddslagen)'፡ ዝብሃል ሕጊ ኣሎ። ዕላማ ናይዚ ሕጊ'ዚ ከኣ፡ ሓደገኛታት ዝኾኑ ተላባዕቲ ሕማማት ከይዝርግሑ ንምክልኻል'ዩ። እዚ ሕጊ'ዚ፡ ብዛዕባ መሰላትን ግቡኣትን ናይ'ቶም ብገለ ካብ'ዞም ሕማማት'ዚኣቶም ንኣብነት፡ ሕማም ኤይድስ፡ ክላሚድያ፡ ዓባይ ስዓል፡ ሕማም ሳልሞኔላ፡ ተላባዒ ወይቦ ወይ ፍንጣጣ ዝተጠቕዑ ሰባት፡ ዝምልከት ሕጊ እዩ።

ኣብቲ 'ሕገ ምክልኻል ተላባዕቲ ሕማማት'፡ ናይ'ዞም ሕማማት'ዚኣቶም ዝርዝር ኣስማት ኣለዉ። ዳርጋ 60 ኣቢሎም ይበጽሑ'ዮም። ብዛዕባ እዞም ሕማማት'ዚኣቶም ናይ ምሕባር ግዴታ (anmälningspliktiga) ኣሎ።

እዚ ማለት ከኣ፡ ብሓደ ካብዞም ሕማማት'ዚኣቶም ተጠቒዕና ኣለና ዝብል ስግኣት ምስ ዝህሉወኩም፡ ናብ ማእከል ጥዕና ኬድኩም ክትዘራረቡ ኣለኩም። እዚ ሕማም'ዚ ካብ መን ከም ዝሓለፈኩም'ውን ክትሕብሩ ኣለኩም። ገለ ካብዞም ኣብ 'ሕገ ምክልኻል ተላባዕቲ ሕማማት' ተጠቒሶም ዘለዉ ሕማማት፡ ብጾታዊ ርክብ ዝማሓላለፉ እዮም።

ብሓደ ካብ'ዞም ዝተጠቕሱ ሕማማት'ዚኣቶም ምስ እትልከፉ፡ ኩሉ ክግበረልኩም ዝኽእል ሕክምናዊ ምርመራ፡ ፍወሳን መድሃኒትን ብናጻ እዩ። ነቶም በዚ ሕማም'ዚ በኪልኩሞም ክትኮኑ እትኽእሉ ሰባት ረኺብኩም ንኽትሕብሩዎም'ውን ደገፍ ይግበረልኩም'ዩ።

ሓደ ሰብ ተመሓላላፊ ሕማም እንተ ኣልይዎ ንምምርማር ገንዘብ ዘይምኽፋሉ ኣገዳሲ ዝኾነ ስለምንታይ እዩ?

ብኩራት ብምኽንያት ሕማም

ሓሚምካ ክትሰርሕን ስራሕ ክትደልን ወይ ንውሉድካ ክትከናኸኖ እንተ ዘይክኢልካ ክፍሊት ክትረክብ መሰል ክህልወካ ይኽእል እዩ። እዚ መተካእታ ደሞዝ ሕማም ይበሃል። እቲ መተካእታ ደሞዝ ሕማም ንኣብነት ትሰርሕ እንተ ኔርካ ኴንካ፡ ስራሕ ትደሊ ኔርካ ወይ ውላድካ ትከናኸን ኔርካ እትረኽቦ ዝነበርካ ገንዘብ ክትክኦ ኣለዎ። ንስኻ መተካእታ ደሞዝ ሕማም ክትወስድ ትደሊ ዘለኻ፡ ናብ ቤት ጽሕፈት ካሳ ውሕስነት ሕማም ክትሕብርን ንመተካእታ ደሞዝ ሕማም ከተመልክትን ኣለካ። ናይ ትምህርቲ ደገፍ እንዳ ወሰድካ ትምሃር ዘለኻ፡ ሓሚምካ ኣብ ዘለካሉ እዋን ነቲ ናይ ትምህርቲ ደገፍካ ክትዕቅቦ ንኽትክእል ናብ ቤት ጽሕፈት ካሳ ውሕስነት ከተመልክት ትኽእል ኢኻ።

ንመተካእታ ደሞዝ ሕማም ዝምልከቱ ሕግታት፣ ስራሕ ኣልቦ፡ ስራሕ ተቖጺርካ ዘለኻ፡ ናይ ባዕልኻ ትካል ዘለካ፡ ናይ ወላዲ ዕረፍቲ ዝወሰድካ ወይ ተመሃራይ እንተ ዄንካ ተመርኵሶም ዝተፈላለዩ እዮም።

ንመተካእታ ደሞዝ ሕማም ከተመልክት ከለኻ ስለምንታይ ክትሰርሕ፡ ስራሕ ክትደሊ ወይ ውላድካ ክትከናኸን ከም ዘይትኽእል ዘርኢ ናይ ሓኪም ወረቐት ምስኽር ከተእቱ ኣለካ። ድሕሪ ናብ ሓኪም ምብጻሕካ እቲ ሓኪም ነቲ ናትካ ወረቐት ምስክር ሓኪም ብኤለክትሮኒካዊ መገዲ ናብ ቤት ጽሕፈት ካሳ ውሕስነት ክሰዶ ልሙድ እዩ ። ንሓኪምካ ኵሉ ግዜ ብኸመይ ከም ዝግበር ክትሓቶ ትኽእል ኢኻ።

መተካእታ ደሞዝ ሕማም ኣብ ናይ ቤት ጽሕፈት ካሳ ውሕስነት መርበብ ሓበሬታ ከተመልክት ትኽእል ኢኻ። ኣብቲ መርበብ ሓበሬታ ብብዙሕ ዝተፈላለየ መገዲ ከተመልክት ትኽእል ኢኻ። ከምኡ'ውን ሓቲምካ ኣውጺእካ ብጶስጣ ናብ ቤት ጽሕፈት ካሳ ውሕስነት ክትሰዶ እትኽእል ቅጥዒ ክትረክብ ትኽእል ኢኻ።

ክፍሊት ሕማም ዘውህብ እቶት (SGI)

ክንደይ መተካእታ ደሞዝ ሕማም ከም ዝወሃበካ፡ ኣብ ናትካ መተካእታ ደሞዝ ሕማም ዘውህብ እቶት (SGI, sjukpenninggrundande inkomst) ዝተመርኮሰ እዩ። ናትካ መተካእታ ደሞዝ ሕማም ዘውህብ እቶት (SGI)፡ ኣብ ተእትዎ ኣታዊ ወይ ዝወሃበካ ቍጠባዊ ሓገዝ እዩ ዝምርኰስ ። መተካእታ ደሞዝ ሕማም ዘውህብ እቶት (SGI) ንኽወሃበካ ምምልካት ኣየድልየካን እዩ። መተካእታ ደሞዝ ሕማም ንኽወሃበካ ከተመልክት ከለኻ ቤት ጽሕፈት ካሳ ውሕስነት ነቲ ናትካ መተካእታ ደሞዝ ሕማም ዘውህብ እቶት (SGI) ይግምግምዎን ይውስንዎን እዮም።

ስራሕ ዝተቖጸርካ እንተ ዄንካ እሞ እንተ ሓሚምካ፡ ናይ ሕማም ምልክታ ናብ ወሃብ ስራሕካ ክትገብር ኣለካ። ኣብተን ናይ መጀመርታ 14 መዓልትታት እቲ መውብ ስራሕካ ናይ ሕማም ደሞዝ ይኸፍለካ። ናይ ሕማም ደሞዝ፡ 80% ናይ ስሩዕ ደሞዝካ እዩ። እቲ ወሃብ ስራሕካ ነቲ ናይ ብቕዓት ተቖራጺ (karensavdrag) ዝብሃል ካብቲ ናይ ሕማም ደሞዝ ተቖራጺ ይገብር። ወሃብ ስራሕካ ስለምንታይ ክትሰርሕ ከም ዘይትኽእል ዘርኢ ወረቐት ምስክር ሓኪም ክሓትት ይኽእል እዩ። መብዛሕትኡ ግዜ ግን ኣብተን ዝሓመምካለን ናይ መጀመርታ ሸውዓተ መዓልቲ ምስክር ወረቐት ኣየድልየካን እዩ።

ድሕሪ መበል 14 መዓልቲ ካብ ቤት ጽሕፈት ካሳ ውሕስነት ንመተካእታ ደሞዝ ሕማም ከተመልክት ትኽእል ኢኻ። ነዚ ብቐሊሉ ኣብ መርበብ ሓበሬታ ናይ ቤት ጽሕፈት ካሳ ውሕስነት ትገብሮ።

ከም ደላዩ ስራሕ መጠን እንተ ሕሚምካን ብሰንኩ ስራሕ ክትደሊ ወይ ክትጅምር ምስ ዘይትኽእልን መሰል መተካእታ ደሞዝ ሕማም (sjukpenning) ክህልወካ እውን ይኽእል እዩ። ከም ደላዩ ስራሕ መሰል መተካእታ ደሞዝ ሕማም ካብ ቐዳመይቲ መዓልቲ ናይ ሕማም እዋን ጀሚሩ ክህልወካ ይኽእል እዩ። ከምዚ ከጋጥም ከሎ ብመንገዲ ናይ ቤት ጽሕፈት ካሳ ውሕስነት ባዕልኻ እትግልገለሉ ኣገልግሎት (självbetjäningstjänst)ናይ ሕማም ምልክታ ክትገብር ኣለካ።

መሰል ክፍሊት ሕማም ንምርካብ ኣብ ቤት ጽሕፈት መራኸብቲ ስራሕ (Arbetsförmedlingen) ከም ደላዩ ስራሕ ተመዝጊብካ ዝጸናሕካ ክትከውን ኣለካ።

እንተ ሓሚምካን ንውሉድካ ክትከናኸኖ ዘይክኢልካን ነቲ ናይ ወለዲ መተካእታ ደሞዝ (föräldrapenning) ደው ኣቢልካ ኣብ ክንድኡ መተካእታ ደሞዝ ሕማም ክትወስድ ትኽእል ኢኻ። ከምዚ ዝስዕብ እንተድኣ ዄንካ ናይ መተካእታ ደሞዝ ሕማም መሰል ክህልወካ ይኽእል እዩ

  • እንተ ሓሚምካ እሞ ካልእ ሰብ ንውላድካ ሒዝዎ ኣሎ ኾይኑ
  • መተካእታ ደሞዝ ሕማም ዘውህብ እቶት (SGI) ኣለካ ኾይኑ።

ናይ 25 ሚእታዊት 50 ሚእታዊት 75 ሚእታዊት ወይ 100 ሚእታዊት መተካእታ ደሞዝ ሕማም ክትረክብ ትኽእል ኢኻ።

ናይ ገዛእ ርእስኻ ትካል እንተ ኣልዩካ እሞ እንተ ሓሚምካ መሰል ናይ መተካእታ ደሞዝ ሕማም እውን ክህልወካ ይኽእል እዩ። እቶም ንመተካእታ ደሞዝ ሕማም ዝምልከቱ ሕግታት ኣብ እንታይ ዓይነት ትካል ከም ዘለካ ንኣብነት ሓላፍነቱ ዝተወሰነ ኩባንያ ወይ ናይ ብሕቲ ትካል ምዃኑ ተመርኵሶም ዝተፈላለዩ እዮም።

ክፍሊት ንጥፈታት ነቶም ብሰንኪ ሕማም፡ ጕድኣት ወይ ስንክልና እንተ ወሓደ ንሓደ ዓመት ምሉእ መዓልቲ ምናልባሽ ክሰርሑ ዘይክእሉ ካብ 19-29 ዓመት ዝዕድሚኦም ሰባት ዝኽፈል ክፍሊት እዩ። ብሰንኪ ሕማም ወይ ስንክልና ግዜ ትምህርትኻ ከተናውሕ እንተ ኣድልዩካ እውን ክፍሊት ንጥፈታት ክወሃበካ ይኽእል እዩ።

ክፍሊት ሕማም ንስኻ ዕድሜኻ ሞንጎ 19 ክሳዕ 64 ዓመት ዝኾነ፡ ብሰንኪ ሕማም ወይ ስንክልና ናብ ናይ ስራሕ ዓለም ሕጂ ወይ እውን ኣብ መጻኢ ክትምለስ ወይ ብፍጹም ክትሰርሕ ምስ ዘይትኽእል ዝወሃብ ሓደ ክፍሊት እዩ።