ጥዕና እንታይ እዩ?

ናይ መጠረሽታ ዝተሓደሰሉ: 21 12 2022

ብዛዕባ ሽወደን - ሓደ ንልልይ ምስ ሕብረተሰብ ዝኸውን ጽሑፍ።

እዚ ጽሑፍ ብዛዕባ ጥዕና እዩ። ብዛዕባ ኣካላውን ኣእምሮኣውን ጥዕናን ንጥዕናኻ እንታይ ከም ዝጸልዎን ከተንብብ ክትክእል ኢኻ። ብዛዕባ ናይ ኣልኮላዊ መስተ፡ ናርኮቲካን ትምባኾን ጐዳኢ ሳዕቤናትን ናይ ድቃስ፡ ምውስዋስ ኣካላትን ጽቡቕ ምግቢን ኣወንታዊ ውጽኢትን እውን ከተንብብ ክትክእል ኢኻ።

ብዛዕባ ውጥረትን ዘሰምብድ ፍጻመታትን ከምኡ’ውን ዝሓሸ ጥዕና ንምርካብ እንታይ ክትገብር ከም እትኽእልን እውን ከተንብብ ክትክእል ኢኻ።

ኵሉ ሰብ ብዝተኻእለ ዝበለጸ ኣካላውን ኣእምሮኣውን ጥዕና ክህልዎ መሰል ኣለዎ። መሰል ንጥዕና ነቶም ካልኦት መሰላት ጋህዲ ንኽትገብሮም ንኣብነት ክትሰርሕ ወይ ናብ ቤት ትምህርቲ ክትከይድ ንኽትክእል ኣገዳሲ እዩ። እቶም ካልኦት መሰላት እውን ንመሰል ጥዕና ይጸልውዎ እዮም። ንኣብነት እትነብረሉ ቦታ ዘይብልካ እንተ ዄንካ ወይ ስራሕ ዘይብልካ እንተ ኴንካ ንጥዕናኻ ከመይ ከም ዘለኻ ይጸልዎ እዩ።

ኵሉ ሰብ ኣገልግሎት ሕክምና ክረክብ መሰል ኣለዎ። እቲ ህጹጽ ክንክን ዘድልዮ ሰብ ፈለማ ክንክን ክግበረሉ ኣለዎ። እቶም ኣብ ክንክን ጥዕና ዝሰርሑ ሰባት ነቲ ናይ ኵሎም ሰባት ማዕረ ክብሪ ከኽብርዎ ኣለዎም። ብሰራሕተኛታት ክንክን ጥዕና ዝግበረልካ ኣቀባብላ ሞያዊ ስነ-ምግባርን ኣኽብሮትን ዘለዎ ኣገባብ ክኸውን መሰል ኣለካ። እዚ መሰል’ዚ እንታይ ዓይነት ጾታ፡ ጾታዊ መንነት ዓሌት፡ ቋንቋ፡ ጾታውነት፡ ሃይማኖት፡ ወይ ትምህርቲ ከም ዘለካ ብዘየገድስ። ግን ብሓደ ውሱን ጾታ፡ ዓሌታዊ መበቈል፡ ሃይማኖት ወይ ካልእ ከምኡ ዝኣመሰለ ብዘለዎ ሰራሕተኛ ክንክን ክትረክብ ክትሓትት መሰል የብልካን።

ሓደ ብዛዕባ ጥዕና ዝገልጽ ዓንኬል፡ ቅርጽታትን ጽሑፍን ዘለዎ ሞደል።

እዚ ስእሊ ጥዕናኻ በቶም ወሰንቲ ረቋሒታት ዝብሃሉ እተፈላለየ ነገራት ከም ዝጽሎ የርኢ። ኣብ ማእከሉ ዕድመ፡ ጾታን ውርሻን ኣሎ። እዚኦም ንኽትጸልዎም ኣዝዮም ኣጸገምቲ ወይ ፈጺምካ ጽልዋ ክትገብረሎም ዘይትኽእል ረቛሒታት እዮም። ኣብ ጥቓ እቲ ማእከል ንጥዕናኻ ኣዝዮም ኣገዳስቲ ዝኾኑ ዝምድናታትን መርበብ ርክብ ምስ ሰባትን ኣለዉ። ናብ ጫፍ ርሕቕ ኢሉ፡ ኣገድስቲ እውን ዝኾኑን ባዕልኻ ብቐሊሉ ክትጸልዎም እትኽእልን ከም ልምዲ ኣመጋግባ፡ ልምዲ ምውስዋስ ኣካላትን ልምድታት ትምባኾን ዝኣመሰሉ ረቛሒታት ኣለዉ።

ንጥዕናኻ ብኣወንታዊ መገዲ ዝጸልዎ እንታይ እዩ?

ንጥዕናኻ ብኣሉታዊ መገዲ ዝጸልዎ እንታይ እዩ?

ካብቲ ስእሊ ኣብነታት ርኸብ።

ኣካላውን ኣእምሮኣውን ጥዕና

ጽቡቕ ጥዕና ምህላው ማለት፡ ብኣካላውን ብኣእምሮኣውን መዳይ ጽቡቕ ይስምዓካ ኣሎ ማለት እዩ። ኣካላዊ ጽቡቕ ጥዕና ማለት ኣካላትና ጽቡቕ ይስምዖ ኣሎ ማለት እዩ። ጽቡቕ ምግቢ ትበልዕ፡ ኣዘውቲርካ ምውስዋስ ኣካላት ትገብር፡ እኹል ድቃስ ትድቅስ፡ ትምባኾን ኣልኮላዊ መስተን ድሮጋን ተወግድን እንተ ዄንካ፡ ንስርዓተ ምክልኻልካ ሕማም ተደልድሎ፡ ንሓደጋ ሕማማትን ጸገማትን እውን ትንክዮ።

ኣእምሮኣዊ ጽቡቕ ጥዕና ምህላው ማለት፡ ኣብ መንጎ ኣወንታውን ኣሉታውን ስምዒታትካ ሚዛናውነት ኣለካ ማለት እዩ። ብዘይካ'ዚ ብህይወት ዕግበት ይስምዓካን ምስ ስድራ ቤትካ የዕርኽቱኻ ወይ ምስ ካልኦት እትፈልጦም ሰባት ጽቡቕ ርክብ ኣሎካ ማለት እዩ። ኣእምሮኣውን ኣካላውን ጥዕናኻ ንሓድሕዱ ይጸላሎ እዩ። ኣእምሮኣዊ ሕማቕ እንተ ተሰሚዑካ፡ መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ኣካላትካ እውን ቃንዛ ይገብረልካ እዩ።

ናይ ማይ ብርጭቈ፡ ሓደ ናይ ፍረታት ዘንቢል፡ ብእግሮም ዝኸዱ ሰባት፡ ሓደ ዝተዓመተ፡ ሓደ ዝደቀሰ፡ ሓደ ዝጎይን ክልተ ዝተሓቛቘፉን ዝተሳእሎ ኮላዥ።

ብኸመይ ኢኻ ዝሓሸ ኣካላዊ ጥዕና ክትረክብ ትኽእል?

ኣካላዊ ጥዕናኻ ንምምሕያሽ እንታይ ክትገብር ከም እትኽእል፡ ምኽሪ እንሆ።

እቲ እትበልዖን እትሰትዮን፡ ኣብ ጥዕናኻ ኣዝዩ ዓቢ ኣገዳስነት ኣሎዎ። ጽቡቕ ኣመጋግባን ኣካላዊ ምንቅስቓስን፡ ካብ ብዙሕ ጥዕናዊ ጸገማት ንኣብነት፡ ሕማማት ልብን ሻምብቆታት ደምን (hjärt- och kärlsjukdomar): ሕማም ሽኮር (diabetes): ሕማም መንሽሮን (cancer) ሕማማት ስነ-ኣእምሮን ዝኣመሰሉን ክከላኸሉልካ ይኽእሉ።

ኣካላት ወድሰብ ዝተፈላለዩ ንጥረ ነገራት ይደሊ። ኲላቶም እቶም ዘድልዩ ንጥረ ነገራት ንምርካብ፡ ዝተፈላለዩ ዓይነታት መግብታት ክትምገብ ኣገዳሲ'ዩ። ኣብ ውሱናት ግዜታት፡ ቊርሲ: ምሳሕን ድራርን እንተ በሊዕካ: ብዕቅን ክትበልዕ ይቐለልካ።

ሃገራዊ ወኪል መግቢ (Livsmedelsverket)'፡ ምስ መግቢ ዝተኣሳሰሩ ጒዳያት ኣመልኪቱ ዝሰርሕ መንግስታዊ ትካል'ዩ። ሃገራዊ ወኪል መግቢ፡ ንጥዕናና ብሉጻት ዝኾኑ መግብታት ብዝምልከት ዝተፈላለዩ ምኽርታት ኣለዉዎ። ንኣብነት፦

  • ፍሩታ፡ ኣሕምልትን ጥረምረን ወይ ፍረታትን ብብዝሒ ብልዑ። ገዘፍቲ ኣሕምልቲ፡ ከም ሰራውር ዘለዎም ኣሕምልቲ፡ ካውሎ፡ ካውሎ-ፍዮሪ፡ ብሮኮሊ፡ ባልደንጓ-ኣዳጒራን ሽጉርትን ምብላዕ ኣዘውትሩ።
  • ባኒ፡ ኮርንፍሌክ፡ ግዓት፡ ፓስታን ሩዝን ክትበልዕ ከሎኻ፡ ኣዚዩ ዘይተነፈየ ዓይነት እኽሊ ዘሎዎ ሓርጭ ምረጽ።
  • ኣብ ሰሙን፡ ክልተ ሰለስተ ግዜ፡ ዓሳ ወይ'ውን ፍርያት እንስሳታት ባሕሪ ተመገቡ። ስብሒ ዘሎዎምን ዘይብሎምን እናዛነቕኩም ብልዑ። ንኣከባቢ ዘይሃሲ ዝብል ምልክት (miljömärkt) ዘሎዎም ሃለኽቲ'ውን ኣዘውትሩ።
  • ምግቢ ኣብ ምኽሻን ከም ዘይቲ ራፕስ ወይ ዘይቲ ኣውልዕ ዝኣመሰሉ ጠቐምቲ ዘይቲ ምረጽ።

ቪታሚን ዲ ካብ ምግቢን ኣብ ጸሓይ ብምዃንን እንረኽቦ ኣገዳሲ ቪታሚን እዩ። ኣብ ውሽጢ ገዛ ብዙሕ ኮፍ ዝብሉ ሰባት፡ ጸሊም ቈርበት ዘለዎም ወይ ዓሳ ዘይበልዑ ሰባት፡ ብፍላይ ኣብ ቈራሪ ወርሓት ተወሳኺ ቪታሚን ዲ ከድልዮም ይኽእል እዩ። ትሕቲ ክልተ ዓመት ዝዕድሚኦም ቈልዑን ልዕሊ 75 ዓመት ዝዕድሚኦም ሰባትን እውን መመላእታ ቪታሚን ዲ ክወስዱ ኣለዎም። ካብ ፋርማሲ ክዕደግ ይከኣል እዩ። ክሳዕ ክልተ ዓመት ዝዕድሚኦም ቈልዑ ብናጻ ካ ማእከል ክንክንጥዕና ቈልዑ ይወሃቦም እዩ።

ኣብ ድኳናት-መግቢ፡ ዓይኒ መፍትሕ ዝመስል ስእሊ ዘለዎም ሃለኽቲ መግብታት ኣለዉ። እዞም ዓይነታት ሃለኽቲ መግብታት'ዚኣቶም ንኣካላትና ብሉጻት እዮም። ውሑድ ትሕዝቶ ስብሒ: ሽኮርን ጨውን ድማ ኣለዎም። ካብ'ቶም እዚ ምልክት ስእሊ'ዚ ዘይብሎም ተመሳሰልቲ ሃለኽቲ መግብታት'ውን ዝያዳ ጽሕጎ (fibrer) ኣለዎም። ሃገራዊ ወኪል መግቢ (Livsmedelsverket)፡ ምልክት ዓይኒ-መፍትሕ ዘለዎም መግብታት ክትዕድጉ ይመኽረኩም።

ዝወሓደ ካራሜላ፡ ቺፕስ (ቁልዋ ድንሽ)፡ ምቁር ሕብስቲ፡ ቸኮላታን ካልእ ተመሳሳሊ ምግብን ብላዕ። ከምዚ ዝኣመሰለ ምግቢ ካብ መጠን ንላዕሊ ምብላዕ ክብደት ኣካላት ናይ ምውሳኽ ተኽእሎ ይዛይድ እዩ። ካብ መጠን ንላዕሊ ክብደት ኣካላት እንተ ኣልዩካ ኮይኑ፡ ሕማምት ከስዕበልካ ይኽእል እዩ።

ቆልዑ፡ ኣብ ፍሉጥ ግዜ፡ ንጥዕና ጠቓሚ ዝኾነ መግቢ ክበልዑ ኣለዎም። በዚ ኣገባብ'ዚ ድማ፡ ብግቡእ ክዓብዩን ክምዕብሉን ይኽእሉ።

ንዕሸላት፡ እቲ ዝበለጸ መግቢ፡ ጸባ ጡብ ኣደን ንዕኡ ዝትክእ ብሉጽ መግብን እዮም። ኣብ መቐበሊ ክሊኒክ ቆልዑ (BVC-mottagning)፡ ብዛዕባ ንቖልዑ ዝበቅዕ ጽቡቕ መግቢ፡ ሓበሬታ ክትረክብ ትኽእል ኢኻ።

ኣካላትና ንኽንቀሳቐስ እዩ ተፈጢሩ። እዚ ንዓበይትን ንመንእሰያትን ይምልከቶም እዩ። ዝያዳ ምውስዋስ ኣካላት ምግባርን ዝወሓደ ኮፍ ምባልን ብዙሕ ኣወንታዊ ውጺኢት ኣለዎ። ኣካላዊ ንጡፍ እንተ ዄንካ ጥዕናኻ ዝሓሸ ክኸውን እዩ፣ ዝነውሐ ዕድመ ንኽትነብርን ድማ ዕድልካ ተዛይዶ ኢኻ። ኣካላዊ ምውስዋስ ብምግባር ብዙሕ ሕማማትን ጸገማትንን ክመሓየሽ ይኽእል እዩ። ቃንዛን ቅዛነትን ከህድእ ይኽእል እዩ። ምውስዋስ ኣካልት ንምጅማር ጨሪሽ ግዚኡ ኣይሓልፍን እዩ።

ቈልዑን መንእሰያትን እንተ ወሓደ መዓልታዊ ን60 ደቒቕ ክንቀሳቐሱ ኣለዎም። ዓበይቲ እውን መዓልታዊ ክንቀሳቐሱ ኣለዎም። ንኣብነት ኣብ ሰሙን ሓሙሽተ ሳዕ ን30 ደቓይቕ ቀልጢፍካ ብእግርኻ ምኻድ ጽቡቕ እዩ። ንኣብነት ምስዕሳዕ፡ ምጕያይ ወይ ናብ ናብ ጂም ክትከይድ እውን ጽቡቕ እዩ። እንተ ተኻኢሉ ኣብ ሰሙን ክልተ ሳዕ ንጭዋዳታት ምውስዋስ፡ ንኣካላት ጽቡቕ ከም ዝስምዖ ይገብር እዩ። ብፍላይ ነቶም ልዕሊ 65 ዓመት ዝዕድሚእዎም ሰባት፡ ሚዛን ኣካላት ምልምምድ እውን ኣገዳሲ እዩ።

ንኽትጥዒ፡ ዝኣክል ድቃስ ክትረክብ ኣገዳሲ'ዩ። ሓደ በጽሒ፡ ምዓልታዊ ካብ ሽድሽተ ክሳብ ትሽዓተ ሰዓታት ኣዘውቲሩ ክድቅስ ኣለዎ። ቆልዑን መናእሰይን ግን፡ ዝያዳ ድቃስ የድልዮም።

ምድቃስ ዘጸግመካ እንተ ኾይኑ፡ ምኽንያት ናቱ ንኣብነት ሽጋራ ምትካኽ፡ ኣልኮላዊ መስተ፡ ምሕርናኽ፡ ሕማም፡ ሻቕሎት ወይ ወጥሪ ዝኣመሰለ ዝተፈላለየ ነገራት ክኸውን ይኽእል እዩ።

እታ እትድቅሰላ ክፍሊ ጸልማት፡ ጸጥታ ዘለዋንን ዝሑልትን እንተ ኾይና ዝሓሸ ድቃስ ክትድቅስ ትኽእል ኢኻ። ቅድሚ ምድቃስካ ዘሎ ናይ ቀራባ ግዜ እንተ ዘይበሊዕካ እውን ጽቡቕ ድቃስ ንኽትድቅስ ዝቐለለ ክዀነልካ ይኽእል እዩ። ዳርጋ ኣብ ተመሳሳሊ ግዜ ትድቅስን ትትንስእን እንተ ዄንካ እውን ጽቡቕ ድቃስ ንኽትድቅስ ዝቐለለ ክኾነልካ ይኽእል እዩ። ናይ ምዝናይ ልምምዳት እውን ኣብ እዋን ጸገማት ድቃስ ክሕግዝ ይኽእል እዩ።

ናይ ድቃስ ጸገምካ ንነዊሕ እዋን እንተ ቐጺሉ፡ ሕክምና ክትደሊ ጽቡቕ ክኸውን ይኽእል እዩ።

ሎሚ እንታይ ኢኻ እትበልዕን እትሰትን ዘለኻ?

ጥዕናኻ ንኽመሓየሽ ገለ ነገር ክትቅይር ትኽእል'ዶ ?

ኣልኮላዊ መስተ፡ ድሮጋን ትምባኾን

ኣልኮላዊ መስተ ምስታይን ድሮጋን ትምባኾን ምውሳድን ንኣካላትካ ጐዳኢ እዩ። ብዘይክኡ እዞም ፍርያት እዚኦም ወልፊ ዘትሕዝ እውን እዮም።

ብመሰረት ውዕል መሰላት ቈልዑ፡ ኵሎም ቈልዑ ጽቡቕ ጥዕናን ካብ ድሮጋ ናጻ ዝኾነ ኣተዓባብያ ናይ ምርካብን መሰል ኣለዎም። ቘልዑ ትምባኾ፡ ኣልኮላዊ መስተን ድሮጋንን ኸይጥቀሙን ኣብ ከምኡ ዘለዎ ከባቢ ከይዓብዩን ክከላኸልሎም ናይ ዓበይቲ ሓላፍነት እዩ።

ኣብ ሽወደን ኣልኮላዊ መስተ ክዕድግ ዝደሊ ሰብ፡ 20 ዓመት ዝመልኣ ክኸውን ኣለዎ። ኣልኮላዊ መስተ ኣብታ ብመንግስቲ ሽወደን እትውነን ሲስተምቡላገት እዩ ዝሽየጥ። ቁሩብ ትሕዝቶ ኣልኮል ዘለዎ መስተ ንኣብነት ሓደ ሓደ ዓይነት ቢራን ሲደርን ኣብ ድኳናት እውን ይሽየጥ እዩ። ቁሩብ ትሕዝቶ ኣልኮል ዘለዎ መስተ ንምዕዳግ ወዲ 18 ዓመት ክትከውን ኣለካ። ከምኡ'ውን ኣብ ቤት ምግቢ ኣልኮላዊ መስተ ንኽትእዝዝ ወዲ 18 ዓመት ክትከውን ኣለካ። ነቶም ትሕቲ 20 ዓመት ዝዕድሚኦም ሰባት ኣልኮላዊ መስተ ምዕዳግ ክልኩል እዩ።

ንነዊሕ እዋን መስተ ምስታይ፡ ቅዛነት፡ ጭንቀትን ናይ ድቃስ ጸገምን ከስዕብ ይኽእል'ዩ። ብዙሕ ኣልኮላዊ መስተ ትሰቲ እንተ ዄንካ ወልፊ ክሕዘካ ይኽእል'ዩ። ክትሓምምን መጕዳእቲ ክወርደካን'ውን ይኽእል እዩ።

ኣብ ሽወደን፡ ኩሉ ዓይነት ሓሺሽ ክልኩል'ዩ። ዕጸ ፋርስ ምሻጥን ምግዛእን ካብ ሕጊ ወጻኢ'ዩ። ገበን ሓሺሽ ወይ ዕጸ ፋርስ (narkotikabrott) ጽንክር ዝበለ መቕጻዕቲ፡ ዝበዝሕ እዋን ግን ማእሰርቲ የኸትል።

ናይ ሓሺሽ/ዕጸ ፋርስ ወልፊ ምስ ዝህሉወኩም፡ ባዕልኻትኩም ደው ከተብሉዎ ከቢድ እዩ። ስለዝኾነ ኸኣ፡ ኲላቶም ወልፈኛታት ሓሺሽ፡ ነቲ ወልፊ ደው ከብሉዎ፡ ሓገዝ ሰራሕተኛታት ሕክምና የድልዮም።

ኣብ ሽወደን እቲ ልዕሊ ዅሉ ዝውቱር ዝኾነ ድሮጋ ካናቢስ (ሓሺሽ ማሪዋና) እዩ። ንኣብነት ኮከይን፡ ኢክስታሲ፡ ኣምፈታሚንን ሄሮይንን እውን ኣሎ። ጫት እውን ድሮጋ እዩ።

ሽጋራ

ሽጋራ ምትካኽ ብዙሕ ሕማማት ከስዕብን ሰባት ካብቲ ሽጋራ እንተ ዘየትክኹ ነይሮም ክሞቱሉ ዝነበሮም ኣቐዲሞም ከም ዝሞቱን ክገብር ይኽእል እዩ። መንሽሮ፡ ሕማም ሳንቡእ፡ ሕማም ልብን ሰራውርን ከምኡ'ውን ቁስሊ ከስዐ ካብ ምትካኽ ሽጋራ ክትረኽቦ እትኽእል ገለ ሕማማት እዩ። ምስ ሓደ ሽጋራ ዘትክኽ ሰብ ኣብ ሓደ ክፍሊ ክትህሉ ከለኻ ትኪ ኢኻ ተተንፍስ። እዚ ልኡም ምትካኽ ይበሃል። ልኡም ምትካኽ ልክዕ ከምቲ ባዕልኻ እንተ ተትክኽ ኔርካ ዝሕዘካ ሕማማት ከም ዝሕዘካ ክገብር ይኽእል እዩ።

ሽጋራ፡ ስንቀን (ስኑስ) ከምኡ'ውን ካልኦት ትሕዝቶ ኒኮቲን ዘለዎም ፍርያት ንምዕዳግ ወዲ 18 ዓመት ክትከውን ኣለካ።

ሺሻ

ልክዕ ከም ትኪ ሽጋራ ካብ ሺሻ ዝወጽእ ትኪ እውን መርዛም ንጥረ-ነገራት ዝሓዘ እዩ። እቲ ካብ ሺሻ ዝወጽእ ትኪ ወልፊ ዘትሕዝን መንሽሮን ሕማም ሳንቡእን ከስዕብ ዝኽእልን እዩ። እቲ ኣብ ሺሻ ዝዝውተር ትምባኾ ጥዑም ስለ ዝዀነ ብዙሓት ሰባት ብዙሕ ጐዳኢ ከም ዘይኰነ ገይሮም እዮም ዝሓስቡ እንተዀነ ግን ከምኡ ኣይኰነን።

ስኑስ

ስኑስ፡ ኣብ ትሕቲ ከናፍርካ ዝውተፍ ትምባኾ እዩ። ስኑስ፡ ኣብ ኣፍ፡ ጒድኣትን ሕማምን የስዕብ። መንሽሮ'ውን ከስዕብ ይኽእል'ዩ።

ኤ-ሽጋራ

ኤ-ሽጋራ፡ መውዓል-ኣፍ፡ ባትሪ፡ ኣህፋፊ ከምኡ'ውን ፈሳሲ ትኪ ዝሓዘ ሓደ ኤለክትሮኒካዊ ሽጋራ እዩ። ትምባኾ ከየትክኽካ ኒኮቲን እትረኽበሉ ሓደ መገዲ እዩ። ኤለክትሮኒካዊ ሽጋራ ከም ኒኮቲን ዝኣመሰለ ንጥዕናኻ ክጐድእ ዝኽእል እተፈላለየ ንጥረ ነገራት ዝሓዘ እዩ።

ኤለክትሮኒካዊ ሽጋራ ምትካኽ ንሻምብቆታት ምስትንፋስ ክጸልዎ፡ ሕማቕ ጥዕና ኣፍ ክገብርን ከምኡ'ውን ሕማም ልብን ሰራውርን ከስዕብን ይኽእል እዩ።

ክትረኽቦ ትኽእል ሓገዝ ኣሎ

ወልፊ ኣልኮላዊ መስተ እንተ ኣልዩካ ወይ ድሮጋ ትጥቀም እንተ ዄንካ፡ ሓገዝ ክትረክብ ትኽእል ኢኻ። ውሉፍ ኣልኮላዊ መስተ ወይ ድሮጋ ዝጥቀም ኣባል ስድራ ቤት ዘለካ እውን ሓገዝ ክትረክብ ትኽእል ኢኻ። ካብ ኣገልግሎት ክንክን ጥዕና ወይ ካብ ማሕበራዊ ኣገልግሎት ሓገዝ ክትረክብ ትኽእል ኢኻ። ካብ ገሊአን ወለንታውያን ማሕበራት ወይ ካብ ቤተ-ክርስትያን ሽወደን እውን ሓገዝ ክትረክብ ትኽእል ኢኻ። ናብ 1177 ደዊልካ እውን ምኽሪ ክንክን ጥዕና ክትረክብን ትኽእል ኢኻ።

ሽጋራ ምትካኽ ወይ ስንቀን ምውሳድ ከተቋርጽ እንተ ደሊኻ ምስ ማእከል ክንክን ጥዕናኻ ክትራኸብ ትኽእል ኢኻ። ከምኡ'ውን ካብ ፋርማስን ገሊኤን ዱኳናትን ባዕልኻ ክትገዝኦ ትኽእል ናይ ኖኮቲን ፕላስተርን ካልእ ፍርያትን ተጠቂምካ ከተቋርጾ ትኽእል ኢኻ። ፈለማ ምስ ሓኪምካ ክትዘራረብ ጽቡቕ እዩ።

ውጥረትን ናይ ስምባደ ስምብራት ዘስዕብ ፍጻመታትን

ውጥረት

ናብ ሓንቲ ሓዳስ ሃገር ምግዓዝ ዓብዪ ለውጢ እዩ። ምናልባት ካብ ዓድኻ ኽትሃድም ተገዲድካ ትኸውን። ሻቕሎት፡ ጓሂ ወይ ውጥረት ክስምዓካ ንቡር እዩ።

ግን ኵሉ ዓይነት ውጥረት ሕማቕ ኣይኰነን። ውጥረት ጽቡቕ ክኸውን እውን ይኽእል እዩ። ውጥረት ንኣጸጋሚ ኵነታት ንኽትዋጽኣሉ ዘኽእለካ ተወሳኺ ሓይሊ ክህበካ ይኽእል እዩ። ንነዊሕ እዋን ዝጸንሐን ብዙሕ ውጥረትን ግን ንጥዕናኻ ሓደገኛ ክኸውን ይኽእል እዩ። ውጥረት ከም ዘለካ ኮይኑ እንተ ተሰሚዑካ ስለምንታይ ከምኡ ከም ዝስምዓካ ዘሎ ክትርድኦ ጽቡቕ እዩ። ሽዑ ንዅነታትካ ክትቅይር ክትፍትን ትኽእል ኢኻ።

ብዙሕ ውጥረት ሕማቕ ድቃስ ከም ትድቅስን ከም ትጕህን ክገብረካ ይኽእል እዩ። ከምኡ'ውን ከተተኩር ከጸግመካ፡ ናይ ምዝካር ጸገም፡ ናይ ከስዐ ጸገም፡ ሕማም ርእሲ ወይ ኣብ ካልእ ክፍሊ ኣካላትካ ቃንዛ ክገብረልካ ይኽእል እዩ። ንነዊሕ እዋን ዝጸንሐን ብዙሕ ውጥረትን ናብ ጓሂ ከመርሕ ይኽእል እዩ።

ናይ ስምባደ ስምብራት ዘስዕብ ፍጻመታት

ከም ሓደጋ፡ ውግእን ጾታዊ ወይ ኣካላዊ መጥቃዕቲ ዝኣመሰለ ዘፍርህ ፍጻመታት ኣጋጢሙካ ወይ ርኢኻ እንተ ዄንካ፡ ለይቲ ክትብህርር፡ ከተተኵር ከጸግመካን ብቐሊሉ ድማ ክትሓርቕ ትኽእል ኢኻ። እዚ ኵነት "ሕማም ጭንቀት ድሕሪ ሰምብድ" (posttraumatiskt stressyndrom, PTSD) ተባሂሉ ይጽዋዕ። ሕማም ጭንቀት ድሕሪ ሰምብድ እንተ ኣለካ ኾይኑ፡ እቲ ከም ቕጅልታ (flashbacks) ዝፍለጥ ብርቱዕ ተዘክሮታት ክምለሱኻ ንቡር እዩ። እንደገና ከም ብሓድሽ ኣብቲ ዘፍርህ ኵነታት ከም ዘለኻ ኾይኑ እዩ ዝስምዓኒ። ግቡእ ሕክምና እንተ ረኺቦም ብዙሓት "ሕማም ጭንቀት ድሕሪ ሰምብድ" (posttraumatiskt stressyndrom, PTSD) ዘለዎም ሰባት እንደገና ክጥዕዩ ይኽእሉ እዮም። ሕማቕ ፍጻመታት ኣጋጢሙካ እንተ ነይሩን ጥዕና ጽቡቕ ዘየለ ኾይኑን ምስ ማእከል ክንክን ጥዕና ተራኸብ።

ምቍጽጻር ከበድቲ ተዘክሮታት

ንኣብነት ካብ ውግእ ወይ ስደት ዝተበገሰ ሕማቕ ተዘክሮታት ምህላው ንጥዕናኻ ይጸልዎ እዩ። ከተተኵርን ክትድቅስን ከጸግመካ ይኽእል እዩ። ከቢድ'ዩ፡ ንመዓልታዊ ህይወትካ ድማ ይጸልዎ እዩ። ክትልውጦ ኣጸጋሚ ክኸውን ዝኽእል እኳ እንተ ኾነ ክትገብሮ እትኽእል ነገራት ግን ኣሎ፦

  • ምስ ካልኦት ሰባት ክትራኸብ ፈትን።
  • ንመዓልትታትካ መደብ ከተውጽኣሎም ፈትን። መዓልታዊ ኣብ ተመሳሳሊ ሰዓት ምትሳእን ቍርሲ፡ ምሳሕን ድራር ምብላዕን።
  • ምስ ውግእን ዓመጻን እተተሓሓዘ ፊልምታት ኣይትርአ።
  • ናይ ዓድኻ ዜና ብተደጋጋሚ ብፍላይ ከኣ ምሸት ኣይትርአ።
  • ቅድሚ ምድቃስካ ኮምፕዩተር ኣይትጠቐም ወይ ቲቪ ኣይትርኣ። ከምኡ እንተ ጌርካ ምድቃስ ከጸግመካ እዩ።
  • ምስ ምስማዕ ሞይኡ ዝኾነ ሰብ ንኣብነት ኣማኻሪ ወይ ሓኪም ስነ-ኣእምሮ ብዛዕባ እንታይ ትሓስብ ከም ዘለኻ ተዘራረብ። ሽዑንሽዑ ኣይሕግዝን እዩ፡ ድሕሪ ቁሩብ ግን ክሕግዝ ይኽእል እዩ። ኣይክትርስዖን ኢኻ፣ ነእቶም ሓሳባት ግን ብዙሕ ኣይክትዝክሮምን ኢኻ።

ከመይ ጌርካ ንኣእምሮኣዊ ጥዕናኻ ከተመሓይሾ ትኽእል?

ምእንቲ ክሕሸካ ባዕልኻ ክትገብሮ ትኽእል ብዙሕ ነገራት ኣሎ። ጽቡቕ ድቃስን ተመጣጣኒ መግብን ከምኡ'ውን መዓልታዊ ኣካላዊ ንጡፍ ምዃን ኣገዳሲ እዩ።

ሓደ ሓደ ግዜ ክንክን ከየድለኻ ሕማቕ ክስምዓካ ይኽእል ኢዩ። እንተዀነ ግን ንነዊሕ እዋን ሕማቕ እንተድኣ ተሰሚዑካን ንመዓልታዊ ህይወትካ ክትኣሊ እንተ ድኣ ኣጸጊሙካን፡ ሓገዝ ክትደሊ ኣለካ። ብህይወት ክትነብር ዘይትደሊ ኮይኑ እንተ ተሰሚዑካ እውን ሓገዝ ክትሓትት ኣለካ።

ሕማቕ ክስምዓካ ከሎ ኵሉ ነገር ዘሰልክን ትርጕም ዘይብሉን ኮይኑ ክስምዓካ ይኽእል እዩ። ዋላ'ውን ከቢድ ይኹን ነገራት ምግባርን ምስ ሰባት ምርኻብን ጽቡቕ እዩ። ቅድሚ ሕጂ እትፈትዎ ዝነበርካን ጽቡቕ ከም ዝስምዓካ ዝገብር ዝነበረን ነገራት ግበር።

ጽቡቕ ድቃስ እንተ ድኣ ደቂስካ ንውጥረት ን ጭንቀትን ብዝሓሸ መንገዲ ክትቈጻጸሮ ትኽእል ኢኻ። ኣብ እዋን ቀትሪ ኽትነቅሕን ንጡፍ ክትከውንን፡ ለይቲ ኸኣ ክትድቅስን ፈትን። ቅድሚ ምድቃስካ ንእተወሰነ እዋን ህድእ ክትብል ከም ዘለካ ኣይትረስዕ። ኣብ ዓራትካ ከለኻ ብዛዕባ ዘጨንቐካ ነገራት ከይትሓስብ ጽዓር።

ኣካላዊ ጥዕናኻ ከም ዘለኻ ንኣእምሮኣዊ ጥዕናኻ ይጸልዎ እዩ። ተመጣጣኒ መግቢ ምምጋብን ኣካላዊ ምንቅስቓስ ምዝውታርን ኣገዳሲ እዩ። ክሳብ ህርመት ልብኻ ዝውስኽ ክትንቀሳቐስ ከለኻ፡ ኣብ ኣካላትካ ህድእ ዘብለካን ጽቡቕ ከም ዝስምዓካ ዝገብርን ንጥረ ነገራት ይፍጠር እዩ። እንተ ኽኢልካ ኣብ ግዳም ብርሃን ከሎ ምውስዋስ ኣካላት ግበር። ኣብ እዋን ቀትሪ ኣብ ደገ ምዃን ጽቡቕ ከም ዝስምዓካ ይገብር እዩ። ልማዳትን ነገራት ብስሩዕ ምግባርን ንውጥረትን ጭንቀትን ብዝሓሸ መገዲ ንኽትኣልዮሉ ክሕግዘካ ይኽእል እዩ።

ሕማቕ ክስምዓካ ኸሎ ካብ ካልኦት ሰባት ምርሓቕ ንቡር እዩ። ጽቡቕ ምስ ዘይትህሉ ምስ ካልኦት ሰባት ምርኻብ ከቢድ ኮይኑ ክስምዓካ ይኽእል ኢዩ። ሓደ ሓደ ግዜ ኵላትና በይንና ክንከውን ንደሊ እኳ እንተ ኾንና ክነውሕ ግን የብሉን። ንነዊሕ እዋን በይንኻ እንተ ዄንካ ካልኦት ሰባት ክህቡኻ ዝኽእሉ ደገፍን ሓጐስን ኣይክትረክብን ኢኻ። ምስ ስድራ ቤትካን የዕሩኽትኻን ምቅርራብ፡ኣብ ማሕበራት ወይ ኣብ ናይ ኢንተርነት ጕጅለታት ኣባል ምዃን ክሕግዘካን ክድግፈካን ንህይወት ትርጕም ክፈጥርን ይኽእል እዩ።

ሓገዝ ሕተት

ኣእምሮኣዊ ሕማቕ ከም ዘለኻ ኾይኑ እንተ ተሰሚዑካ ምስ ማእከል ክንክን ጥዕናኻ ተራኸብ። ብምኽሪ፡ ደገፍን ዝርርብን ክሕግዙኻ ይኽእሉ እዮም። ኣድላዪ እንተ ኾይኑ መድሃኒት እውን ክህቡኻ ይኽእሉ እዮም።

ንስኻ ወይ ካልእ ሰብ ድሕሪ ደጊም ብህይወት ክትነብሩ እንተ ዘይደሊኹም ኣርዚንካ ዝርአ እዩ። ብህይወት ክነብር ዘይደሊ ሰብ ሓገዝ ክረክብ ኣለዎ። ንዓበይትን ንቘልዑን ንመንእሰያትን ዝኸውን ናይ ሕክምና ኣእምሮ ናይ ህጹጽ ረድኤት ክሊኒክ፡ (ናይ ቈልዑን መንእሰያትን ሳይክያትሪ BUP)። ናይ ሕክምና ኣእምሮ ናይ ህጹጽ ረድኤት ክሊኒክ ልክዕ ከምቲ ተራ ክሊኒክ ህጹጽ ረድኤት መብዛሕትኡ ግዜ ኵሉ መዓልታት ለይትን መዓልትን ክፉት እዩ።

ውጥረት ጽቡቕ ዝኾነሉ መዓስ ምዃኑ ኣብነታት ክትዝክር ምኸኣልካ'ዶ?

ውጥረት ንጥዕና ጎዳኢ ዝኾነሉ ኣብነታት ምሃብካ'ዶ?

ሓደ ሰብ ካብ ኣገልግሎት ጥዕና ሓገዝ ዝረኽበሉ ኣብነታት ምሃብካ'ዶ?

ሓደ ሰብ ሓገዝ ደልዩ ግን ዘይረኸበሉ ኣብነታት ክትዝክረካ'ዶ ምኸኣልካ?