ንኸይትሓምም እንታይ ክትገብር ትኽእል?

ናይ መጠረሽታ ዝተሓደሰሉ: 7 6 2023

ብዛዕባ ሽወደን - ሓደ ንልልይ ምስ ሕብረተሰብ ዝኸውን ጽሑፍ።

እዚ ጽሑፍ ብዛዕባ ናይ ሽወደን ኣገልግሎት ሕክምና እዩ። ብዛዕባ ኣብ ሽወደን ክንክን ጥዕና ብኸመይ ከም ዝዓይን ክንክን እንተ ኣድልዩካ እንታይ ክትገብር ከም ዘለካን ከተንብብ ክትክእል ኢኻ። ብዛዕባ እተፈላለየ ዓይነት ክሊኒካትን እንታይ ዓይነት ሓገዝ ክትረክብ ከም እትኽእልን ከተንብብ ክትክእል ኢኻ።

ናይ ሽወደን ክንክን ስኒ ብኸመይ ከም ዝዓይ ከተንብብ ክትክእልን ከምኡ’ውን ኣስናንካ ብኸመይ ከም ትከናኸንን ምኽሪ ክትረክብን ኢኻ።

ኵሉ ሰብ ብዝተኻእለ ዝበለጸ ኣካላውን ኣእምሮኣውን ጥዕና ክህልዎ መሰል ኣለዎ። መሰል ንጥዕና ነቶም ካልኦት መሰላት ጋህዲ ንኽትገብሮም ንኣብነት ክትሰርሕ ወይ ናብ ቤት ትምህርቲ ክትከይድ ንኽትክእል ኣገዳሲ እዩ። እቶም ካልኦት መሰላት እውን ንመሰል ጥዕና ይጸልውዎ እዮም። ንኣብነት እትነብረሉ ቦታ ዘይብልካ እንተ ዄንካ ወይ ስራሕ ዘይብልካ እንተ ኴንካ ንጥዕናኻ ከመይ ከም ዘለኻ ይጸልዎ እዩ።

ኵሉ ሰብ ኣገልግሎት ሕክምና ክረክብ መሰል ኣለዎ። እቲ ህጹጽ ክንክን ዘድልዮ ሰብ ፈለማ ክንክን ክግበረሉ ኣለዎ። እቶም ኣብ ክንክን ጥዕና ዝሰርሑ ሰባት ነቲ ናይ ኵሎም ሰባት ማዕረ ክብሪ ከኽብርዎ ኣለዎም። ብሰራሕተኛታት ክንክን ጥዕና ዝግበረልካ ኣቀባብላ ሞያዊ ስነ-ምግባርን ኣኽብሮትን ዘለዎ ኣገባብ ክኸውን መሰል ኣለካ። እዚ መሰል’ዚ እንታይ ዓይነት ጾታ፡ ጾታዊ መንነት ዓሌት፡ ቋንቋ፡ ጾታውነት፡ ሃይማኖት፡ ወይ ትምህርቲ ከም ዘለካ ብዘየገድስ። ግን ብሓደ ውሱን ጾታ፡ ዓሌታዊ መበቈል፡ ሃይማኖት ወይ ካልእ ከምኡ ዝኣመሰለ ብዘለዎ ሰራሕተኛ ክንክን ክትረክብ ክትሓትት መሰል የብልካን።

ክታበት ንቘልዑን ንዓበይትን

ቈልዑ ን11 ከቢድ ሕማማት ዝኸውን ናይ ምኽታብ ዕድል ይወሃቦም እዩ። እታ ቀዳማይ ክታበት ኣብ ማእከል ክንክን ጥዕና ቈልዑ (በቨሰ) እቲ ቈልዓ ወዲ ሽዱሽተ ሰሙን ከሎ ትወሃቦ። እቲ ቈልዓ ትምህርቲ ቅድሚ ምጅማሩ ማእከል ክንክን ጥዕና ቈልዑ ክታበት ይህብዎ። እቲ ቈልዓ ምስ ዓበየ፡ ክንክን ጥዕና ቤት ትምህርቲ እዩ ናይዞም ክታበት ሓላፍነት ዘለዎ።

ንስኻ 65 ዓመት ዝመላእካ፡ ነፍሰ-ጾር ዝኾንኪ ወይ ሓደ ካብቶም ካልእ ኣብ ሓደጋ ዝርከቡ ጕጅለ እንተ ዄንካ፡ ዓመታዊ ጸረ ኢንፍሉኤንሳ ብናጻ ክትክተብ ትኽእል ኢኻ።

ሓደ ሓደ ግዜ ኣብ ኢንተርነት ብዛዕባ ሓደጋታት ክታበት ግጉይ ሓበሬታ ይዝርጋሕ እዩ። ከምዚኦም ዝኣመሰሉ ጉግያት ሓበሬታ ርኢኻ'ዶ ትፈልጥ?

ንሓደ ሓበሬታ ክትኣምኖን ከይትኣምኖን ንኽትፈልጥ ክትህቦም ትኽእል ኣየኖት ምኽርታ ኣለዉኻ?

ጋይኖኮሎጂካዊ (ማህጸናዊ) ምውሳድ ቅምሶ ዋህዮ

ኵለን ካብ 23 ክሳብ 64 ዓመት ዝዕድሚኣን ደቀንስትዮ ቅምሶ ዋህዮ ንምሃብ ናብ ሕክምና ይጽውዓ እየን። ሓንቲ መሕረሲት ወይ ሓኪም ካብ ማህጸን ቅምሶ ዋህዮ ትወስድ። እቲ ቅምሶ ብርሕሚ ኣቢልካ ይውሰድ። እቶም ኣብ ማህጸንኪ ዘለዉ ዋህዮታት ተቐዪሮም እንተ ኾይኖም ዘርኢ መርመራ እዩ። ንስኺ ናይዞም ዋህዮታት ምቅይያር ክትርእይዮ ወይ ክስምዓኪ ኣይክእልን እዩ፣ መብዛሕትኡ ግዜ ድማ ዝኾነ ጸገማት ኣይገብርን እዩ። እቶም ምቅይያራት ሓደገኛ እኳ እንተ ዘይኮኑ ኣቐዲምካ እንተ ዘይተረኺቦምን ሕክምና እንተ ዘይተገይሩሉሎም ግን ናብ መንሽሮ ክቕየር ይኽእል እዩ። ነቲ ናይ ዋህዮታት ምቅይያራት ክትረኽበሉ ትኽእል እንኮ መገዲ ናይ ዋህዮታት መርመራ ብምግባር ጥራይ እዩ።

ምውሳድ ቅምሶ ዋህዮ ሒደት ደቓይቕ እዩ ዝወስድ። ኣይክፈሎን እዩ። መብዛሕትኡ ግዜ ኣየቘንዙን እዩ፡ ዝኾነ ጕድኣት ከየምጽእ እውን ኣየስግእን እዩ። ካብ ኣገልግሎት ክንክን ጥዕና ጻውዒት እና ክቐርበልኪ መርመራ ናይ ዋህዮ ትገብሪ እንተ ዄንኪ ካብ መንሽሮ ክሳድ ማህጸን ጽቡቕ መከላኸሊ ክትረኽቢ ኢኺ።

ዕድሜኺ ካብ 23 ክሳዕ 49 ዓመት እንተ ኾይኑ ኣብ ነፍስ ወከፍ ሰለስተ ዓመት ቅምሶ ናይ ዋህዮ ንምሃብ መጸዋዕታ ክመጸኪ እዩ። ዕድሜኺ ካብ 50 ክሳዕ 64 ዓመት እንተ ኾይኑ ኣብ ሓሓሙሽተ ዓመት መጸዋዕታ ክመጸኪ እዩ።

ኣብቲ ትነብርሉ ከባቢ መጸዋዕታ ናይ ቅምሶ ዋህዮ ምውሳድ ከመይ ከም ዝመስል ትፈልጥዮ'ዶ?

ከምዚ ዓይነት ሓበሬታ ከየምልጠኪ እንታይ ክትገብሪ ኣለኪ?

ማሞግራፊ

ኵለን ካብ 40 ክሳዕ 74 ዝዕድሚአን ደቂንስትዮ ኣብ ከክልተ ዓመት ማሞግራፊ ክገብራ መጸዋዕታ ይመጸን። ናይ ኣጥባት ራጂ እዩ። ማሞግራፊ መንሽሮ ጡብ ብኣጋ ንምርካብ እዩ ዝግበር። እቲ መርመራ ኣይክፈሎን እዩ።

ናይ ጾታ ዳግመ ምደባ (könsbekräftande) ክንክን ወይ ሕክምና ገርካ እንተ ኔርካ ክትሓስበሉ ዘለካ ነገራት

ጾታዊ ዘይዕጕብነት (Könsdysfori) ሰብነትካ ምስ መንነት ጾታኻ ከም ዘይሰማማዕን ኮይኑ ክስምዓካ ከሎን ብእኡ ትሳቐ እንተ ዄንካን እዩ። ጾታዊ ዘይዕጕብነት (Könsdysfori) እንተ'ለካ ኾይኑ ጽቡቕ ምእንቲ ክስምዓካ ናይ ጾታ ዳግመ ምደባ (könsbekräftande) ክንክን ወይ ሕክምና ክትረክብ ትኽእል ኢኻ፣ ከምኡ'ውን ነቲ ኣብ ህዝባዊ መዝገብ ተመዝጊቡ ዘሎ ጾታኻ ናብቲ ዝሰማምዓካ ጾታዊ መንነት ክትቅይሮን ናቱ ውልቃዊ ቍጽሪ መንነት (personnumret) ክወሃበካን ይኽእል እዩ። እዚ ነቲ ሕጋዊ ጾታኻ ምቕያር ይበሃል።

ሕጋዊ ጾታኻ እንተ ቐዪርካ ንኸም ማሞግራፍን ጋንሎጂካዊ ምውሳድ ቅምሶን ዝኣመሰለ እተወሰነ ናይ ምክልኻል ስጕምትታት ባዕልኻ ቈጸራ ክትገብር ሃላፍነት ክትወስድ ከድልየካ እዩ። ዝያዳ ሓበሬታ ንምርካብ ምስ ማእከል ክንክን ጥዕና ተራኸብ።

ክንክን ስኒ ንቘልዑ

ንቘልዑን ንመንእሰያትን ክሳብ እታ 23 ዓመት ዝመልኡላ ዓመት ክንክን ስኒ ብናጻ እዩ። ቈልዑ ኣብታ 3 ዓመት ዝመልኡላ ዓመት ንመጀመርታ ግዜ መርመራ ክግበረሎም መጸዋዕታ ይመጾም። ድሕሪኡ ኣብ ነፍስ ወከፍ ክልተ ዓመት ክምርመሩ ይጽውዑ። ኣድላዪ እንተ ዀይኑ እቲ ቈልዓ ካብኡ ዝበዝሓ ግዜ ክጽዋዕ ይኽእል'ዩ።

እቶም መርመራታት ናይ ግድን እዮም። እዚ ማለት ከም ወላዲ ወይ ከም መጕዚ መጠን እቲ ቈልዓ ናብቲ መርመራ ከም ዝኸይድ ክትገብር ኣሎካ ማለት እዩ። እቲ ቘልዓ ዋላ ድሕሪ ብዙሕ መጸዋዕታን ናይ ርክብ ፈተነን ናብ እንተ ዘይከይዱ፡ ኣገልግሎት ክንክን ስኒ ናብቲ ትነብረሉ ኮሙን ዘሎ ማሕበራዊ ኣገልግሎት ናይ ሻቕሎት ምልክታ የእትዉ።

መርመራ ጥዕና

ኵሉም ኣብ ሽወደን ዕቝባ ዝሓቱ ሰባት፡ ኣብ ማእከል ክንክን ጥዕና ብናጻ ናይ ጥዕና መርመራ ክገብሩ ዕድል ይወሃቦም እዩ። ገሊአም ካልኦት ጕጅለታት እውን፡ ንኣብነት ኣብ ሽወደን ብዘይ ፍቓድ መንበሪ ዘለዉ ሰባት ካብ ክፍሊት ነጻ ዝኾነ ናይ ጥዕና መርመራ ክግበረሎም ዕድል ክወሃቦም ይኽእል እዩ።

እቲ መርመራ ጥዕና ብፍታው ኮይኑ ተርጓሚ ናይ ምርካብ መሰል ድማ ኣለካ። እቲ ናይ ጥዕና መርመራ፡ ናይ ጥዕና ዝርርብ፡ ምውሳድ ቅምሶን ኣድላዪ እንተ ዀይኑ ቀሊል ኣካላዊ መርመራ ምግባርን ዘጠቓልል እዩ። ኣብቲ እዋን ምብጻሕ ብዛዕባ ናይ ሽወደን ክንክን ጥዕናን ክንክን ስኒን ክትረክብ ዘሎ ተኽእሎታት ክትፈልጥ ኢኻ። ናብቲ ናይ ጥዕና መርመራ ንኽትከይድ ሓደ መጸዋዕታ ዝሓዘ ደብዳቤ ክመጸካ እዩ። ኤልኤምኣ ካርድኻ፡ ፓስፖርት ወይ ካልእ ሰነድ መንነት ሒዝካ ኺድ።

ብዛዕባ መርመራ ጥዕና ሕቶታት ምስ ዝህልወካ ምስ ሓደ ማእከል ክንክን ጥዕና ርክብ ግበር።

ኵሎም እቶም ናብ ሽወደን መጺኦም መንበሪ ፍቓድ ዝሓቱ ስለምንታይ'ዩ ናይ ጥዕና መርመራ ብናጻ ክገብሩ ዕድል ዝወሃቦም ይመስለካ?

ባዕለ ክንክን

ብዙሓት ፈኮስቲ ሕማማትን መጕዳእትን ባዕልኻ ክትከናኸኖም ትኽእል ኢኻ። እዚ ሰዓል፡ ረስኒ ሕማም ከስዐ (ኢንፍሉወንዛ ከስዐ) ወይ ናእሽቱ ቍስሊ ክኸውን ይኽእል እዩ። ኣብዚ ክፋል እዚ ንጥዕናኻ ብኸመይ ክትከናኸኖ ከም ትኽእል ዝያዳ ክትፈልጥ ኢኻ።

ንርእስኻ ብኸመይ ከም ትከናኸን ምኽሪ እንተ ደሊኻ ምስ 1177 ቮርድጋይደን ክትራኸብ ትኽእል ኢኻ። እቲ ቍጽሪ ተለፎን 1177 እዩ። ናብ 1177 እንተ ደዊልካ ምኽሪ ክትህበካ ምስ እትኽእል ሓንቲ ኣላዪት ሕሙማት ክትዛረብ ኢኻ። ናብ 1177 ለይትን መዓልትን ክትድውል ትኽእል ኢኻ። ኣብ ሓደ ሓደ ዞባታት ብጀካ ብሽወደንኛ ብኻልኦት ቋንቋታት ምኽሪ ንኽትረክብ ተኽእሎታት ኣሎ።

ኣብ ሽወደን መብዛሕትኦም ሰባት ረስኒ ዘለዎ ተራ ጉንፋዕ እንተ ሒዝዎም መብዛሕትኡ ግዜ ንነብሶም ባዕሎም እዮም ዝከናኸንዋ። ኣብቲ ቅድሚ ሕጂ ትነብረሉ ዝነበራካ እውን ከምኡ ድዩ?

ወይስ መብዛሕትኦም ሰባት ምስ ሓኪም ይራኸቡ እዮም?

ጉንፋዕን ኢንፍሉወንዛን

ጉንፋዕን ኢንፍሉወንዛን ካብ ቫይረስ ዝመጽእ ረኽሲ እዩ።

ጉንፋዕ ክሕዘካ ከሎ ድኻም ክስምዓካ ይኽእል እዩ። ጸረርታ ካብ ኣፍንጫ፡ ቃንዛ ኣብ ጐረሮን ምስዓልን እውን ልሙድ እዩ። ጉንፋዕ ረስኒ ክገብረልካ ዝኽእል እኳ እንተ ዀነ መብዛሕትኡ ግዜ ግን እቲ ረስኒ ኣዝዩ ልዑል ኣይኰነን።

ኢንፍሉወንዛ ክሕዘካ ኸሎ ብሃንደበት ብርቱዕ ረስኒ፡ ሕማም ርእሲ፡ ቃንዛ ጭዋዳታት፡ ቃንዛ ኣብ ጐረሮኻ ከምኡ' ውን ከስዕለካ ልሙድ እዩ። ቫይረስ ኢንፍሉወንዛ ኣብ ነፍስ ወከፍ ዓመት ናብ ሽወደን ይመጽእ እዩ፣ ኣብ ቈራሪ ወርሓት ከኣ ልሙድ እዩ።

ጉንፋዕ ወይ ኢንፍሉወንዛ ዘለዎም መብዛሕትኦም ሰባት እቲ ረኽሲ ባዕሉ ስለ ዝሓዊ ምስ ኣገልግሎት ክንክን ጥዕና ምርኻብ ኣየድልዮምን እዩ። ጸረ ነፍሳት ንኸም ጉንፋዕ ወይ ኢንፍሉወንዛ ዝኣመሰለ ብቫይረስ ዝመጽእ ሕማም ኣይሕግዝን እዩ።

ምእንቲ ክሕሸካ ክትገብሮ ትኽእል ብዙሕ ነገራት ኣሎ። ከተዕርፍ ጽቡቕ እዩ። ረስኒ እንተ'ለካ ኾይኑ ብዙሕ ማይ ስተ፡ ምኽንያቱ ሽዑ ብዙሕ ስለ ትርህጽ። ብዙሕ ቃንዛ ወይ ብርቱዕ ረስኒ እንተ ኣልዩካ ከም ፓራሰታሞል ወይ ኣይቡፕሮፈን ዝኣመሰለ ትሕዛዝ ናይ ሓኪም ዘየድልዮ መድሃኒት ክትወስድ ትኽእል ኢኻ።

ጉንፋዕን ኢንፍሉወንዛን ብቐሊሉ እዩ ዝተሓላለፍ። ንኻልኦት ምእንቲ ከይትልክሞም፡ ኣእዳውካ ብተደጋጋሚ ክትሕጸብን ኣብ መዓጽፎ ኵርናዕ ኢድካ ክትህንጥስን ኣገዳሲ እዩ።

ነቲ ምልክት ሕማምካ ንኽትግምግሞ ምኽሪ እንተ ደሊኻ ምስ 1177 ቮርድጋይደን ክትራኸብ ትኽእል ኢኻ።

ረስኒ

ረስኒ ናይ ኣካላት ሙቐት ካብ 38 ዲግሪ ሰልስዩስ ንላዕሊ ኣሎ ማለት እዩ። ብእተፈላለየ ምኽንያታት ረስኒ ክገብረልካ ይኽእል እዩ፣ ንኣብነት ካብ ጉንፋዕ። መብዛሕትኡ ግዜ እቲ ረስኒ ብዘይ ሕክምና ባዕሉ ይገድፈካ እዩ።

ረስኒ ክገብረልካ ከሎ ክትደክምን ቍሩብ ከንጸራርወካን ይኽእል እዩ። መብዛሕትኡ ግዜ ሙቐት ሰብነትካ ክውስኽ ከሎ ቁሪ ቁሪ የብለካ ተመሊሱ ሙቐት ሰብነትካ ክንኪ ከሎ ከኣ የርህጸካ እዩ። ነቲ ሙቐት ብተርሞሜተር ካብ ኣፍካ፡ መሃንቱስካ፡ ትሽትሽካ፡ ግምባርካ ወይ እዝንኻ ኽትልክዖ ትኽእል ኢኻ። ናይታ ትጥቀመሉ ዘለኻ ተርሞሜተር መምርሒታት ስዓቦ።

ረስኒ ምስ ዝህልወካ ምእንቲ ኣካላትካ ከዕርፍ ካብ ስራሕ ወይ ካብ ቤት ትምህርቲ ተሪፋክ ኣብ ገዛኻ ክትከውን ኣለካ። ምውስዋስ ኣካላት ኣይትግበር።

ሕማም ከስዐ

ሕማም ከስዐ መብዛሕትኡ ግዜ ቐልጢፉ እዩ ዝሕዘካ። የምልሰካ፡ ውጽኣት ይገብረልካን ዕግርግር ይብለካን። ሕማቕ ክስምዓካ ይኽእል ይኸውን መብዛሕትኡ ግዜ ግን ኣብ ውሽጢ ሒደት መዓልትታት ይሕሸካ እዩ። ምእንቲ ከይትነቅጽ ብዙሕ ፈሳሲ ምስታይን ምዕራፍን ኣገዳሲ እዩ።

ሕማም ከስዐ እንተ ሓሚምካ ምእንቲ ንኻልኦት ከይትልክሞም ካብ ስራሕ ወይ ካብ ቤት ትምህርቲ ተሪፍካ ኣብ ገዛኻ ኮፍ በል። ኣእዳውካ ብተደጋጋሚ ሕጸቦ። ድሕሪ እቲ ናይ መወዳእታ ተምላስ ወይ ውጽኣት ን48 ሰዓታት ኣብ ገዛኻ ጽናሕ።

ቀዳማይ ረድኤት

ቀዳማይ ረድኤት ብዛዕባ ህይወት ሰባት ምድሓን ወይ ንሓደ ጕድኣት ዝወረዶ ንኣብነት ዝቘሰለ ወይ ቁሩብ ዝነደደ ሰብ ምሕጋዝ እዩ።

ህይወት ኣድሓኒ ቀዳማይ ረድኤት ንኣብነት ረድኤት ልብን ሳንቡእን ምሃብ ወይ ሓደ ሰብ ይዕበስ እንተ'ሎ ኾይኑ ሻምብቆታት ትንፋስ ምኽፋት ክኸውን ይኽእል እዩ።

እቲ ኵነታት ህጹጽ እንተ ኾይኑ ወይ ሓደ ሰብ ሃለዋቱ ኣጥፊኡ ኵሉ ግዜ ናብ 112 ደውል።

ረድኤት ልብን ሳንቡእን (ቀዳማይ ረድኤት)

ረድኤት ልብን ሳንቡእን (ቀዳማይ ረድኤት)፡ ንሓደ ደውታ ህርመት ልቢ ዘጋጠሞ ሰብ ህርመት ልብን ምስትንፋስን ንምጅማር ዝጥቀም እዩ። ረድኤት ልብን ሳንቡእን (ቀዳማይ ረድኤት) ምሃብ ቅድሚ ምጅማርካ እቲ ሰብ ሃለዋቱ ዝፈልጥን ዘስተንፍስን እንተ'ሎ ኾይኑ ኣረጋግጽ። እቲ ሰብ ሃለዋቱ ኣጥፊኡን ዘየስተንፍስን እንተ'ሎ ኾይኑ ናብ 112 ደዊልካ ድሕሪኡ ረድኤት ልብን ሳንቡእን (ቀዳማይ ረድኤት) ምሃብ ጀምር።. ኣብ 112 ረድኤት ልብን ሳንቡእን (ቀዳማይ ረድኤት). ብኸመይ ከም እትገብር ክመኽሩኻ ይኽእሉ እዮም።

ረድኤት ልብን ሳንቡእን (ቀዳማይ ረድኤት) ብኸምዚ ኣገባብ ይግበር፡ ነቲ ሃለዋቱ ኣጥፊኡ ዘሎ ሰብ ኣብ ኣፍልቡ 30 ግዜ ኣትሪካ ጽቐጦ፡ ድሕሪኡ 2 ሳዕ ኣየር ናብ ኣፉ ትነፍሕ። ክሳብ ኣምቡላንስ ትመጽእ ነዚ ደጋጊምካ ትገብሮ።

ኣብ ብዙሕ ቦታታት ህርመት ልቢ ጀመርቲ መሳርሒታት ወይ ዲፊብሪለተር ተባሂለን እውን ዝጽወዓ ኣለዋ። ዲፊብሪለተር ነቲ ህይወት ዘይብሉ ኣካላት እንደገና ህርመት ልቢ ንምጅማር ንኣካላቱ ተዘዝታ ብኤለክትሪክ ዝህብ መሳርሒ እዩ። ዝኾነ ሰብ ዲፊብሪለተር ክጥቀም ይኽእል እዩ። ናይ ሕክምና ትምህርቲ ዘለኻ ምዃን ኣየድልየካን እዩ።

ኣስተብህል" እዚ ምኽሪ ንዓበይቲ ዝግበር ረድኤት ልብን ሳንቡእን (ቀዳማይ ረድኤት) ዝምልከት እዩ። ረድኤት ልብን ሳንቡእን (ቀዳማይ ረድኤት) ኣብ ቈልዑ ብተመሳሳሊ ኣገባብ ኣይኮነን ዝግበር። ኣብ መርበብ ሓበሬታ ናይ ቤት ምኽሪ ረድኤት ልብን ሳንቡእን (ቀዳማይ ረድኤት) ተወሳኺ ሓበሬታ ብዛዕባ ረድኤት ልብን ሳንቡእን (ቀዳማይ ረድኤት) ከምኡ'ውን ኣብ ዓበይትን ኣብ እተፈላለየ ኽሊ ዕድመ ንዝርከቡ ቈልዑ ብኸመይ ረድኤት ልብን ሳንቡእን (ቀዳማይ ረድኤት) ከም ዝግበር ዘቊ ፊልምታት ኣሎ።

ሓደ ሰብ ንኻልእ በጥ ዝበለ ሰብ ናይ ልብን ሳንቡእን ህጹጽ ረዲኤት እንዳሃበ።

ረድኤት ልብን ሳንቡእን ኣብ ምሃብ ተኣማንነት ምእንቲ ክስምዓካ፡ ልምምድ ክትገብር ኣለካ። ክትካፈሎ ትኽእል ኮርሳት ኣሎ። ኣብ ኣብ መርበብ ሓበሬታ ናይ ቤት ምኽሪ ረድኤት ልብን ሳንቡእን፡ ኣበይ እቲ ኮርስ ክትወስዶ ከም ትኽእል ክትርኢ ትኽእል ኢኻ።

ገለ ነገር ጐረሮኻ እንተ ዓቢሱካ

ገለ ነገር ጐረሮ ናይ ሓደ ሰብ እንተ ዓቢስዎ፡ ነቲ ዝዓበሶ ነገር ከተልግሶ ክትፍትን ኣለካ። እቲ ሰብ ዋላ ሃለዋቱ የጥፍእ ነቲ ነገር ከተልግሶ ክትፍን ክትቅጽል ኣለካ። እቲ ሰብ ሃለዋቱ እንተ ኣጥፊኡ ናብ 112 ደዊል ረድኤት ልብን ሳንቡእን ምሃብ ክትጅምር ኣለካ።

ንሓደ ነገር ካብ ጐረሮኻ ከተውጽኦ እትኽእለሉ ቐሊል መገዲ ምስዓል እዩ። ስለዚ እቲ ሰብ እስዕል እንተ'ሎ ኾይኑ ምስዓል ክቕጽል ክትሓቶ ኣለካ። እቲ ሰብ ባዕሉ ክስዕል ዘይክእል እንተ ኾይኑ ግን ክትሕግዞ ኣለካ። ነዚ ኣብ ሕቕኡ ብምህራም ወይ ኣብ ከብዱ ምስቃጥ ክትገብሮ ትኽእል።

መጕዳእቲ ሓዊ

ንኣብነት ውዑይ ማይ እንተ ፈሲሱካ ወይ ኣብ እቶን እንተ ነዲድካ መጕዳእቲ ሓዊ ክገብረልካ ይኽእል እዩ። እንተ ነዲድካ ነቲ እተጐድአ ቘርበት ኣብ ልዕሊኡ ብኡንብኡ ዝሑል ማይ ብምፍሳስ ነቲ ቃንዛ ከተህድኦ ትኽእል ኢኻ። ካብ 15 ደቓይቕ ንላዕሊ ማይ ኣይተፍስሰሉ። ዕምቈት ዘይብሉ ንዳድ መብዛሕትኡ ግዜ ባዕሉ እዩ ዝሓዊ፡ ብዙሕ እንተ ነዲድካ ግን ኣብ ሆስፒታል ሕክምና የድልየካ እዩ።

መድሃኒት

መድሃኒት፡ ካብ ቤት መሸጢ መድሃኒት(ፋርማሲ) ኢኻ ትገዝኦ። ገለ ገለ መድሃኒታት ንምግዛእ፡ ናይ ሓኪም መእዘዚ ወረቐት (recept) የድሊ። ከምዚ ክብሃል ከሎ ድማ፡ እቲ መድሃኒት ክትወስዶ ዘድልየካ ምዃኑ፡ ሓካይም'ዮም ዝውስኑ ማለት'ዩ። ንኣብነት ብባክተርያ ዝኽሰቱ ናይ ጎረሮ ወይ ሳምቡእ ነድርታት፡ ኣንቲባዮቲክ መድሃኒት የድልዮም። እዚ ድማ፡ ብሓኪም ክእዘዝ ይግባእ። እቲ ሓኪም፡ ነቲ መድሃኒት፡ ካብ ቤት መሽጢ መድሃኒት ንኽትገዝኦ ወረቐት ትእዛዝ ይህበካ።

እቶም ኣብ ቤት መሸጢ መድሃኒት ዝሰርሑ ሰራሕተኛታት፡ ብዛዕባ ዝተፈላለዩ ሕማማትን መድሃኒታትን ብዙሕ ኣፍልጦ ኣለዎም። ንመብዛሕትኡ ሕቶታትኩም፡ መልሲ ክህቡኹም ይኽእሉ'ዮም። ኣብ ቤት መሸጢ መድሃኒት፡ ብዛዕባ ሕማማት ዝነግር ሓበሬታን ጽሑፋት ሓበሬታ ዝሓዙ ንኣሽቱ ወረቓቕትን ማለት ብሮሹራትን፡ ኣሎዉ።

ዕድመኻ፡ ልዕሊ 18 ዓመት እንተኾይኑ፡ ናይ ሓኪም መእዘዚ ወረቐት ዘይብሎም መድሃኒታት፡ ንኣብነት፡ ፈውሲ ቃንዛ ርእሲ ክትገዝእ ትኽእል ኢኻ።

ንመድሃኒታትኩም ዝምልከቱ ሕቶታት ምስ ዝህልዉኹም፡ ምስ ማእከል ሓበሬታ ኣፋውስ (Läkemedelsupplysningen) ክትዘራረቡ ትኽእሉ ኢኹም። ናብዚ ትካል'ዚ ደዊልኩም ንኣብነት፡ እቲ ትወስዱዎ ዘለኹም መድሃኒት፡ ከመይ የገልግል፡ ኣጠቓቕማኡ ከመይ ክኸውን ኣለዎ፡ ኣበይ ከ ክዕቀብ ይግባእ፡ ዝብሉ ሕቶታት፡ መልሲ ክትረኽቡሎም ትኽእሉ ኢኹም። ቁጽሪ ስልኪ 'ማእከል ሓበሬታ ኣፋውስ (Läkemedelsupplysningen)። 0771-467010 እዩ።

ተጻዋርነት ንጸረ ነፍሳት

ጸረ ነፍሳት ሓደ ካብቲ ኣብ ኣገልግሎት ክንክን ጥዕና ኣዝዩ ኣገዳሲ ዝኾነ መድሃኒት እዩ። ግን ኣብ ሽወደን ኰነ ኣብ ዝተረፈ ክፋል ዓለም ዘሎ ኣገልግሎት ክንክን ጥዕና ንጸረ ነፍሳት ካብ መጠን ንላዕሊ ተጠቂምሉን ሓደ ሓደ ግዜ ድማ ብግጉይ መገዲ ተጠቂምሉ እዩ። ከም ውጽኢት ናይዚ ከኣ ገሊኣቶም ባክተርያ ብጸረ ነፍሳት ዘይትንከፉ ኾይኖም። መብዛሕትኡ ግዜ እቶም ባክተርያ ተጻወርቲ ኮይኖም ይብሃል። እቶም ባክተርያ መሊሶም ብዝያዳ ኣብ ልዕሊ ጸረ ነፍሳት ተጻዋርነት እንተ ኣጥርዮም፡ ንኣብነት ከም ነድሪ ሳምቡእ ዝኣመሰሉ ልሙድ ሕማማት ብሓገዝ ጸረ ነፍሳት ክሓውዩ ጨሪሹ ዘይከኣል ክኸውን እዩ።

ናይ ኣካላትና ስርዓተ ምክልኻል ሕማም ንብዙሕ ባክተርያ ዘምጽኦ ሕማማትን ረኽስታትን ክቃለስ ይኽእል እዩ። ሓደ ሓኪም እዩ ጸረ ነፍሳት ዘድልየካ እንተ ዀይኑ ወይ እንተ ዘይኰይኑ ዝውስን። ብተደጋጋሚ ጸረ ነፍሳት ትጥቀም እንተደኣ ዄንካ፡ ስርዓተ ምክልኻል ሕማምካ እናተዳኸመ ይኸይድ። ስለዚ'ሪ ብሓቂ ዘድልየካ እንተ ኾይኑ ጥራይ ጸረ ነፍሳት ክትጥቀም ዘለካ።

ጸረ ነፍሳት ንኣብነት ከም ጉንፋዕ፡ሕማም ከስዐ፡ ኢንፍሉወንዛን ፍሮማይን ዝኣመሰለ ልሙድ ካብ ቫይረስ መጹ ሕማማት ከሕውይ ኣይክእልን እዩ። ናይ ኣካላትና ስርዓተ ምክልኻል ሕማም ባዕሉ ክተሓሓዞ ኣለዎ። ነቶም ጽንኩራት ብቫይረስ ዝመሓላለፉ ሕማማት መብዛሕት ግዜ ጸረ ናቶም ክታበት ኣሎ።

ብባክተርያ ዝመጹ ረኽስታት ንኸይዝርግሑ ክትሕግዝ ትኽእል ኢኻ፡ ከምኡ'ውን ነቲ ንጸረ ነፍሳት ዘሎ ተጻዋርነት ንኽንኪ ክትሕግዝ ትኽእል ኢኻ፦

  • ኣእዳውካ ብተደጋጋሚ ሕጸቦ።
  • ነቶም ብኣገልግሎት ክንክን ጥዕና ዝቐርቡልካ ክታበታት ንኽትወስዶም ምረጽ። ሽዑ ነቲ ክትሓምም ዘሎ ተኽእሎታት ትቕንሶን ጸረ ነፍሳት ምጥቃም ኣየድልየካን።
  • ኣድላዪ እንተ ኾይኑ ጥራይ ጸረ ነፍሳት ተጠቀም።
  • ቅድሚ ሕጂ ካብ ካልእ ሕማም ንምሕዋይ ካብ ዝተጠቀምካሉ ዝተረፈ ጸረ ነፋስት እንደገና ጨሪሽካ ኣይትጠቀም። ንዋላ ሓደ ካልእ ሰብ ጸረ ነፍሳት ኣይትሃብ። እዚ ንእንስሳታት ዝኸውን ጸረ ነፍሳት እውን ዝምልከት እዩ።
  • ነቲ ዘይተጠቅምካሉ ጸረ ነፍሳት ንፋርማሲ ሃቦም። ኣብ ጐሓፍ ወይ ኣብ ዓይኒ ምድሪ ኣይትደርብዮ። ከምኡ እንተ ጌርካ ኣብ መጨረሻ መዓልብኡ ኣብ ተፈጥሮ እዩ ክኸውን። ብዙሕ ጸረ ነፍሳት ኣብ ተፈጥሮ እንተ ዓሊቡ እቶም ባክተርያ ብቕልጡፍ ተጻወርቲ ክኾኑ ይኽእሉ እዮም።