መሰላትን ግቡኣትን ውልቀ ሰብ

ናይ መጠረሽታ ዝተሓደሰሉ: 15 2 2023

ብዛዕባ ሽወደን - ሓደ ንልልይ ምስ ሕብረተሰብ ዝኸውን ጽሑፍ።
ጾታዊ ማዕርነት፡ መሰላት ቈልዑን ሕጊ ኣድልዎ ዝውክሉ ጕጅለ ሰባት ዝተሳእልዎ ኮላዥ።

እዚ ኣርእስቲ ብዛዕባ መሰላትን ግዴታታትን ናይቲ ውልቀ ሰብ እዩ።

ብዛዕባ ሰብኣዊ መሰላትን እዞም መሰላት ንሕግታት ሽወደን ብኸመይ ከም ዝጸልውዎን ከተንብብ ክትክእል ኢኻ። ብዛዕባ እቶም ፍሉያት መሰላት ናይ ንኣብነት ደቂ ኣንስትዮ፡ ቈልዑ፡ ስንኩልና ዘለዎም ሰባትን ውሑዳን ጕጅለታትን እውን ከተንብብ ክትክእል ኢኻ።

እዚ ኣርእስቲ ብዛዕባ ኣድልዎ እውን እዩ። ብዛዕባ ንኣብነት ግዳይ ኣድልዎ እንተ ዄንካ እንታይ ክትገብር ከም እትኽእል ከተንብብ ክትክእል ኢኻ። ብዛዕባ ደንብታትን ደንብታት ንዓኻን ንኻልኦት ሰባትን ኣብ መዓልታዊ ህይወት ብኸመይ ከም ዝጸልውኹም ክትሓስብ ክትክእል ኢኻ።