መሰላት ቆልዑ

ናይ መጠረሽታ ዝተሓደሰሉ: 24 11 2023

ብዛዕባ ሽወደን - ሓደ ንልልይ ምስ ሕብረተሰብ ዝኸውን ጽሑፍ።

እዚ ጽሑፍ ብዛዕባ መሰላት ቈልዑ እዩ። ኣብ ውግእ ዝዓበዩ ቈልዑ፡ ክሰርሑ ዘለዎም ቈልዑን ናብ ቤት ትምህርቲ ክኸዱ ዘይፍቀደሎምን ቈልዑ ኣለዉ። ከምኡ’ውን ዝግደሱሎም ዓቢ ሰብ ዘይብሎም ቈልዑ፡ ዝውቅዑ ቈልዑን ዝብላዕ ዘይብሎም ቈልዑን ኣለዉ። ው. ሕ. ሃ. ንቘልዑን መሰሎምን ንምሕላው፡ ብዛዕባ ውዕል መሰላት ቈልዑ ስምምዕ ገይሩ። እዚ ውዕል መሰላት ቈልዑ ተባሂሉ ይጽዋዕ።

ሰለስተ ቘልዑ ምስ ሰንደቕ ዕላማ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ብድሕሪኦም ኣብ ኮፍ መበሊ ኮፍ ኢሎም ኣለዉ።

ንኣብነት ብዛዕባ ውዕል መሰላት ቈልዑን ሕጊ ሽወደን ንቘልዑ ብኸመይ ከም ዝከላኸለሎምን ከተንብብ ክትክእል ኢኻ። ከምኡ’ውን ብዛዕባ ንጥቕሚ ቈልዓ ዝዓያ ውድባት ከተንብብ ክትክእል ኢኻ።

ውዕል መሰላት ቈልዑ

ውዕል መሰላት ቈልዑ ንዅሎም ቈልዑ ሰብኣዊ መሰሎም ንኸረጋግጸሎም ተባሂሉ ዘሎ እዩ። ቈልዑ ሰብኣዊ መሰላቶም ንኽኽበር ብፍሉይ ኣብ ዓበይቲ እዮም ዝምርኰሱ። እዚ፡ ኣብ ተነቃፊ ዅነታት እዮም ዝነብሩ ማለት እዩ። ኣብቲ ውዕል ኵሎም ቈልዑ ነብሶም ዝኸኣሉ ውልቀ ሰባትን ናይ ገዛእ ርእሶም መሰላት ዘለዎም ምዃኖምን ሰፊርሩ ኣሎ።

እቲ ውዕል መሰላት ቈልዑ፡ ነቲ ውልቂ ቈልዓ እውን የጕልሖ እዩ። ቈልዑ ውልቀ - ሰባት እዮም፡ ናይ ውልቂ ድሌትን ተገዳስነትን ኣረኣእያን ዘለዎም እዮም።

ውዕል መሰላት ቈልዑ ንዅሎም ቈልዑ ክሳዕ 18 ዓመት ዝመልኡ ዝምልከቶም መሰላት ዝሓዘ እዩ። እዞም መሰላት ንኣብነት ብዛዕባ ንቘልዑ ካብ ውግእን ካብ ንመጥቃዕቲ ምቅላዕን ንኽከላከልሎም እዮም። እዞም መሰላት ብዛዕባ ናይ ቈልዑ ውልቃዊ ህይወት እውን እዮም። እዚ፡ ንኣብነት ቈልዑ ምስ ኣዕሩኽቶም ናይ ገዛእ ርእሶም ምይይጥ ክገብሩ ወይ ዓበይቲ ዘየንብብዎ መዝገበ-ዕለት ክጽሕፉ መሰል ኣለዎም ማለት እዩ።

እቲ ውዕል ሕግታት እውን ዝሓዘ እዩ። እታ ነቲ ውዕል ዝፈረመትሉ ሃገር ነቲ ሕግታት ንኽትስዕቦ ትመባጻዕ እያ። ሽወደንን ዳርጋ ኵለን ኣብ ዓለም ዝርከባ ካልኦት ሃገራትን ነቲ ውዕል መሰላት ቈልዑ ንኽስዕብኦ ተሰማሚዐን እየን። ውዕል መሰላት ቈልዑ ኣብ ሽወደን ሕጊ እውን እዩ።

ውዕል መሰላት ቈልዑ ካብ 1989 ኣትሒዙ ከገልግል ዝጸንሐ እዩ። ሽወደን ብ1990 ነቲ ውዕል ፈሪማትሉ። ይኹን'ምበር ቅድሚኡ እውን ንመሰላት ቈልዑ ትጽዕር ነይራ እያ። ንኣብነት ብ1950 መማህራን ንተመሃሮኦም ከይወቕዕዎም ተኸልከሉ። ብ1979 ወለድን ኣዝማድን ንደቆም ከይወቕዕዎም ተኸልከሉ። ካብቲ ግዜ እቲ ኣትሒዙ ኣብ ልዕሊ ቈልዑ ዝወርድ ኵሉ ዓመጽ ተኸልኪሉ እዩ።

መሰረታውያን ሕግታት ናይ ውዕል መሰላት ቈልዑ

ውዕል መሰላት ቈልዑ 54 ብዓንቀጻት ዝጽውዑ ሕግታት ዝሓዘ እዩ። ኵለን ዓንቀጻት ብማዕረ ኣገዳስነት እኳ እንተሃለወን፡ ነተን ካልኦት ዓንቀጻት ከነንብበ ከለና ክንዝክረንን ቀየስትን ዝኾና ኣርባዕተ ዓንቀጻት ግን ኣለዋ።

እዘን ኣርባዕተ ዓንቀጻት፡ መሰረታውያን ሕግታት ናይ ውዕል መሰላት ቈልዑ እየን።

  • ዓንቀጽ 2 ኵሎም ቈልዑ ማዕረ ክብሪ ከም ዘለዎምን ሓደ ዓይነት መሰላት ከም ዘለዎምን እያ እትገልጽ። ዝኾነ ቈልዓ ኣድልዎ ከጋጥሞ የብሉን።
  • ዓንቀጽ 3 ብዛዕባ ነቲ ቈልዓ ዝጠቅም ወይ ዝበለጸ ነገራት እያ እትገልጽ። ፖለቲከኛታት፡ ብዓል መዝታትን ኣብያተ ፍርድን ንቈልዓ ዝጸሉ ውሳኔ ክውስኑ ከለዉ፡ ኵሉ ግዜ ነቲ ቈልዓ ዝበለጸ እንታይ እዩ ኢሎም ክሓስቡ ኣለዎም።
  • ዓንቀጽ 6 ብዛዕባ ኵሎም ቈልዑ ብህይወት ናይ ምንባርን ምምዕባልን መሰል ከም ዘለዎም እያ እትገልጽ።
  • ዓንቀጽ 12 ብዛዕባ ቈልዑ ርእይትኦም ናይ ምዝራብ መሰል ከም ዘለዎምን፡ ዓበይቲ ድማ ነቶም ቈልዑ ክሰምዕዎም ከም ዘለዎምን እያ እትገልጽ።

ሰበ ስልጣንን ዓበይትን ነቲ መሰላት ቈልዑ ናይ ምውሓስን ከምኡ'ውን ንዕኦም ዝምልከት ውሳኔታት ክውሰን ከሎ ናይቲ ቈልዓ ሓሳባትን ርእይቶታትን ናይ ምስማዕን ሓላፍነት ኣለዎም። እዚ፡ ንኣብነት ቈልዑ ንቤት ትምህርቲ ንናጻ ግዜ ወይ ንስድራ ቤቶም ዝጸሉ ውሳነ ቅድሚ ምውሳኑ ርእይቶኦም ክገልጹ ክፍቀደሎም ኣለዎ ማለት እዩ።

ቈልዓ ኣብ ዝነበርካሉ እዋን እንታይ ውሕስነት ከም ዝነበረካን እንታይ መሰላት ከም ዝነበረካን ሕሰብ።

ቈልዑ ካብ ዓመጻ ክድሕኑ መሰል ኣለዎም

ብመሰረት ውዕል መሰላት ቈልዑን ናይ ሽወደን ሕግን፡ ኵሉ ኣብ ልዕሊ ቈልዑ ዝወርድ ዓመጽ ክልኩል እዩ ። እዚ ንኽልቲኡ ንኣካላውን ስነ-ኣእምሮኣውን ዓመጽ ይምልከት። እቲ ኣብ ልዕሊ ቈልዑ ዝወርድ ዓመጽ፣ ሃስያ፡ ጾታዊ መጥቃዕቲ ወይ ምኽንሻብ ብልዕቲ ጓል ኣንስተይቲ ክኸውን ይኽእል እዩ ።

ክሽቦ ደቂንስትዮ መብዛሕትኡ ግዜ ኣብተን ካብ ኣርባዕተ ክሳብ 14 ክሊ ዕድመ ዘለዋ ቈልዑ እዩ ዝፍጸም። ኣብ ሽወደን ምኽንሻብ ናይ ኣዋልድን ኣንስትን ክልኩል እዩ። ዋላ እታ ሰብ ባዕላ እንተ ተሰማመዓሉ እውን ክልኩል እዩ። ግዝረት ወይ ምኽንሻብ ጓለንስተይቲ ዝገብር ሰብ ንማእሰርቲ ክፍረድ ይኽእል እዩ። እቲ ግዝረት ወይ ምኽንሻብ ጓለንስተይቲ ዋላ ኣብ ካልእ ሃገር ይገበር፡ ኣብ ሽወደን ክትፍረደሉ ትኽእል ኢኻ። ሓንቲ ቈልዓ ንኽትክንሸብ ስግኣት ምስ ዝህሉ ቤት ጽሕፈት ማሕበራዊ ኣገልግሎት ናይ መገሻ ኣገዳ ክውስን ይኽእል እዩ።

ሃገራዊ ማእከል ኣንጻር ምስ ክብሪ ዝተተሓሓዘ ዓመጽን ጭቈናን፡ ብዛዕባ ኣብ ልዕሊ ኣዋልድን ኣንስትን ዘጋጥም ምኽንሻብ ዝገልጽ ሓደ ብሮሹር ኣዳልዩ ኣሎ። እቲ ብሮሹር ብብዙሕ ቋንቋታት ተዳልዩ ኣሎ።

ኣብ ሽወደን መርዓ ትሕቲ ዕድመ ክልኩል እዩ።

መርዓ ትሕቲ ዕድመ ሓንቲ ወይ ሓደ ትሕቲ 18 ዓመት ዝዕድሚኡ ሰብ ምስ ሓደ ወይ ሓንቲ ትሕቲ 18 ዓመት ወይ በጽሒ ሰብ ትምርዖ ወይ ይምርዖ ማለት እዩ። ብመሰረት ውዕል መሰላት ቈልዑን ናይ ሽወደን ሕግን፡ መርዓ ትሕቲ ዕድመ ክልኩል እዩ ። እዚ ኣብ ወጻኢ ሃገር ንዝግበር መርዓ ትሕቲ ዕድመ እውን ዝምልከት እዩ። ኣብ ወጻኢ ሃገር ዝግበር መርዓ ትሕቲ ዕድመ ኣብ ሽወደን ቅቡል ኣይኮነን።

Hedersförtryck.se ብዛዕባ ብዘይ ድልየትካ ምምርዓው ዝገልጽ ፊልም ኣዳልዮም ኣለዉ። እቲ ፊልም ብብዙሕ ቋንቋታት ተዳልዩ ኣሎ።

ንጥቕሚ ቈልዓ ዝዓያ ውድባት

ኣብ ሽወደን ንጥቕሚ ቈልዓ ዝዓያ ሓያሎ ውድባት ኣለዋ። ገሊኣን ቈልዑ ሓገዝ ኣብ ዘድልዮም እዋን ቀጥታዊ ደገፍ ኣብ ምሃብ ይዓያ። ካልኦት ከኣ መሰል ቈልዓ ኣብ ሕብረተሰብ ዝያዳ ቦታ ንኽህልዎ ንምርግጋጽ ይዓያ።

ናይ ቈልዑ ተሓላቕ ፍትሒ (Barnombudsmannen)

ናይ ቈልዑ ተሓላቕ ፍትሒ፡ ሕብረተ ሰብ ንውዕል መሰላት ቈልዑ ከም ዝስዕቦ ዘሎ ዝቈጻጸር መንግስታዊ ብዓል መዚ እዩ። ናይ ቈልዑ ተሓላቕ ፍትሒ፡ ኣብ ሽወደን እንታይ ጕድለታት ከም ዘሎ ንመንግስቲ ጸብጻብ ይህብ። መሰላት ቈልዑ ኣብ ሽወደን ዝሓሸ ምእንቲ ክኸውን ሕግታት ሽወደን ብኸመይ ክቕየር ከም ዝኽእል እውን ርእይቶ ይህቡ።

ብሪስ (Bris)

መሰላት ቈልዑ ኣብ ሕብረተ ሰብ፡ብሪስ (Bris)፡ ነቶም ዝሻቐሉ ወይ ጸገማት ዘለዎም ቈልዑ ዝሕግዝ ማሕበር እዩ። ናብ ብሪስ ምድዋል ብናጻ እዩ፣ ቍጽሪ ተሌፎኖም 116 111 እዩ። ኵሎም ትሕቲ 18 ዓመቶም ናብኡ ደዊሎም ምስ ሓደ በጽሒ ብዛዕባ ዝኾነ ይኹን ነገር ደዊሉ ክዛረቡ ይኽእሉ እዮም። ብሪስ ካበየናይ ቍጽሪ ከም ትድውል ዘለኻ ክርእይዎ ኣይክእሉን እዮም። ሰብ ናብቲ ቍጽሪ ከም ዝደወለ ኣብቲ ናይ ተሌፎን ፋክቱራ እውን ኣይረኣይን እዩ። ብሪስ ነቶም ብዛዕባ ደቆም ዝጭነቑ ዓበይቲ እውን ክሕግዞም ይኽእል እዩ። ዓበይቲ ናብ ናይ ብሪስ ናይ ዓበይቲ ተሌፎን 077-150 50 50 50 ክድውሉ ይኽእሉ እዮም።

ሬዳ ቦነን (Rädda barnen)

ሬዳ ቦነን (Rädda barnen) ኣብ ብዙሓት ሃገራት እትርከብ ዓለምለኻዊት ማሕበር ኮይና ኣብ ሽወደንን ዳርጋ ኣብ ኵለን ኮሙናት ኣላ። ውዕል መሰላት ቈልዑ ኣብ ምሉእ ዓለም ንዘለዉ ቈልዑ ክዉን ንኽኸውን ይዓዩ። ኣብ ሽወደን ሬዳ ቦነን ንፖለቲከኛታት፡ ወሰንቲ ኣካላት፡ ወለድን ንኻልኦት ዓበይትን ኣብ ምምሃር ይነጥፉ። ከምኡ'ውን ጸገም ንዘለዎም ቈልዑ እውን ደገፍን ዕቑባን ይህቡ።