መሰላት ሆበተክዩ- ሰባት (hbtqi-personer)

ናይ መጠረሽታ ዝተሓደሰሉ: 20 12 2022

ብዛዕባ ሽወደን - ሓደ ንልልይ ምስ ሕብረተሰብ ዝኸውን ጽሑፍ።

እዚ ጽሑፍ ብዛዕባ ጾታዊ ዝንባሌን መሰላት ሆበተክዩ- ሰባትን (hbtqi-personer) እዩ። ኣብ ሽወደን ንዝደለኻዮ ሰብ ናይ ምፍቃርን ምስ ዝደለኻዮ ሰብ ናይ ምዃንን መሰል ኣለካ። ምስ ሓደ ከም ናትካ ዓይነት ጾታ ዘለዎ ሰብ ወይ ምስ ከምቲ ናትካ ዘይኮነ ካልእ ዓይነት ጾታ ዘለዎ ሰብ ክትምርዖ ትኽእል ኢኻ። ንዝደለኻዮ ሰብ ንኸተፍቅር ዘሎካ መሰል ዝከላኸሉልካ ሕግታት ኣለዉ።

ስእሊ ኮላዥ ናይ ሓደ ጕጅለ ሆበተክዩ- ሰባት።

ንብኣነት ብዛዕባ ሆበተክዩ (LGBTQI) እንታይ ምዃኑ ከተንብብ ክትክእል ኢኻ። ብዛዕባ እቲ ኣብ ልዕሊ ሆበተክዩ- ሰባት (hbtqi-personer) ዘሎ ኣድልዎን ኣብ ሽወደን እቲ ዅነታትን ከመይ ምዃኑን እውን ከተንብብ ክትክእል ኢኻ።

ሆበተክዩ (hbtqi) እንታይ እዩ?

ሆበተክዩ ኣሕጽሮ ቃል ናይ ግብረ ሶዶማውያን (homosexuella)፡ ድርብ ጾታውያን (bisexuella)፡ ስግረ ጾታውያን (transpersoner)፡ ብሓፈሻ ሶዶመኛ መግለጽን መንነትን ዘለዎም ሰባትን ሓዲግ ጾታዊ ሰባትን (queer och intersexpersoner) እዩ። ሓደ ህቡብ ምልክት ናይ ሆበተክዩ- ሰባት እቲ ብሰንደቕ ዕላማ ኵርዓት (Prideflaggan) ዝፍለጥ እዩ። እዚ ንኵርዓት፡ ብዙሕነት፡ ተጻዋርነትን ምኽባር ንኸማኻ ፍጡር ሰብን የመልክት። ብዙሓት ሰባት እውን ንሆበተክዩ- ሰባት ንምድጋፍ ይጥቀሙሉ እዮም። ነታ ሰንደቕ ዕላማ ኣለሊኻያ'ዶ ኣለኻ?

ጾታዊ ዝንባሌ፡ በየናይ ጾታ ወይ ጾታታት ከም ትሰሓብ ወይ ከም ተፍቅር ይገልጽ። ሓደ ግብረ ሶዶማዊ ሰብ ናብ ከም ናቱ ወይ ናታ ዓይነት ጾታ ዘለዎ ሰብ ይሰሓብ ወይ የፍቅር። ሓደ ድርብ ጾታዊ ሰብ ናብ ሰብኡትን ኣንስትን ይሰሓብ ወይ የፍቅር። ሓደ ፍሉየ-ጾተኛ ሰብ ምስ ኣንጻር ጾታ ዘለዎ ሰብ ይሰሓብ ወይ የፍቅር።

ኵሎም ሰባት ሓደ ጾታዊ መንነት እውን ኣለዎም። ጾታዊ መንነትካ ብእተፈላለየ መገዲ ክትገልጾ ትኽእል ኢኻ። ስግረ ጾታዊ ሰብ ካብቲ ክውለድ ከሎ ዝተዋህቦ መንነት ከም ካልእ ጾታ ኮይኑ ዝስምዖ ወይ ብኻልእ ጾታ ንነብሱ ክገልጻ ዝደሊ ሰብ እዩ። ገሊኦም ስግረ ጾታዊ ሰባት ኣካላቶም ወይ ሕጋዊ ጾታኦም ክቕይሩ ክደልዩ እውን ይኽእሉ እዮም። ንኣብነት ሓንቲ ክትውለድ ከላ ናይ ጓለንስተይቲ ጾታ ዝተዋህባ ሰብ፡ እሞ እዚ ቅኑዕ ኮይኑ እንተ ዘይተሰሚዕዋ፡ ናይ ሰብኣይ ኣካላት ክግበረላ ትደሊ ትኸውን።

ንነብስኻ ብግብረ ሶዶመኛ፡ ድርብ ጾተኛ ፍሉየ ጾተኛ ወይ ካልእ ኢልካ ክትጽውዓ ትደሊ እተ ዄንካ፡ ባዕልኻ ኢኻ እትውስን። ገሊኦም ጾታኦም ወይ ጾታውነቶም ክገልጹ ዘይደልዩ ሰባት ንነብሶም ኵየር ኢሎም ይጽውዕዋ።

ሓደ ሓዲግ ጾታዊ ሰብ፡ ብመሰረት ሕብረተ ሰብ ዘውጽኦ ናይ ጾታ ደንቢ፡ ጾቱኡ ከምዚ እዩ ኢልካ ንምውሳን ቀሊል ዘይገብሮ ኣካላዊ ባህርያት ኣለዎ። እዞም ደንብታት እዚኦም፡ ናይ ጓለንስተይቲ ኣካላት ወይ ናይ ወዲ ተባዕታይ ኣካላት ኣየኖት ባህርያት ክህልዎም ከም ዘለዎ ውሱን ርድኢት ከም ዘሎ ዝሕብሩ እዮም።

ሰንደቕ ዕላማ ፕራይድ ኣብ ዓንዲ ሰንደቕ ዕላማ ተንጠልጢላ ብንፋስ ትንቀሳቐስ ኣላ።

ስእሊ: Ida Edgren

ሆበተክዩ-ዓለምለኻዊ ጕዳያት

ው. ሕ. ሃ. ሰባት ብምኽንያት ጾታዊ ዝምባሌኦም ወይ ጾታዊ መንነቶም ኣድልዎ ከጋጥሞም ከም ዘይብሉ ወሲኑ ኣሎ። ኣድማሳዊ ኣዋጅ ሰብኣዊ መሰላት ው. ሕ. ሃ. ኵሎም ሰባት ብክብርን መሰላትን ማዕረ እዮም ይብል።

ሕብረት ኤውሮጳ (ሕ.ኤ.) እውን ዝዀነ ይኾን ሰብ ኣድልዎ ከጋጥሞ ከም ዘይብሉ ወሲኑ እዩ። ቻርተር መሰረታዊ መሰላት ሕብረት ኤውሮጳ ብምኽንያት ጾታዊ ዝንባሌ ኣድልዎ ከየጋጥም ይኽልክል እዩ። እዚ ሆበተክዩ- ሰባት ኣብ ሆስፒታላት፡ ኣብያተ ትምህርትን ናይ ስራሕ ቦታን ወይ ኣብ ካልእ ኣብ ማሕበረ ሰብ ካብ ካልኦት ሰባት ንላዕሊ ዝሓመቐ ኣተሓሕዛ ክግበረሎም የብሉን ማለት እዩ።

ኣብ ልዕሊ ሆበተክዩ- ሰባት ዘጋጥም ኣድልዎ

ኣብ መላእ ዓለም ዝነብሩ ሆበተክዩ- ሰባት ብዙሕ ኣድልዎ፡ ምሽጋርን ሃስያን የጋጥሞም እዩ። ዋላ ኣብ ሽወደን እውን ሆበተክዩ- ሰባት ካብ ካልኦት ኣብዚ ሕብረተ ሰብ ዝነብሩ ሰባት ንላዕሊ ንምድሃል፡ ምፍርራህን ዓመጽን እተቓልዑ እዮም። ዓመጽን ኣድልዎን ብእተፈላለየ መልክዕ ክህልዎ ይኽእል እዩ። እዚ ንኣብነት ሓደ ወዲ ምስ ካልእ ወዲ ፍቕራዊ ዝምድና ስለ ዘለዎ እንተ ተገፊዑ ክኸውን ይኽእል እዩ። ወይ ሓደ ስግረ ጾታዊ ሰብ ብምኽንያት ጾታዊ መንነቱ ስራሕ ክእበ ኸሎ እዩ።

ኣብ ብዙሓት ሃገራት ግብረ ሶዶም ክልኩል እዩ፣ ኣብ ገሊኣን ናይዘን ሃገራት ድማ ብሞት ከቕጽዕ ይኽእል እዩ። ኣብ ሽወደን ግን ከምኡ ኣይኰነን። ኣብ ሽወደን ብምኽንያት ጾታዊ ዝንባሌ፡ ጾታዊ መንነትን ጾታዊ መግለጺን ኣብ ሰባት ዝግበር ኣድልዎ ክልኩል እዩ። ኣብ ሕጊ ኣንጻር ኣድልዎ ሰፊሩ ኣሎ።

ኣብ ሽወደን እቲ ኵነት ተመሓይሹ ኣሎ

ኣብ ሽወደን ንሆበተክዩ- ሰባት ዝምልከት ኵነታት ተመሓይሹ እዩ። ናይ ሆበተክዩ- ሰባት መሰላት ድሩት ዝነበረሉ ግዜ ግን ነዊሕ ኣይገበረን። ክሳብ 1944 ኣብ ሽወደን ግብረ-ሶዶም ገበን እዩ ነይሩ። ቤት ምኽሪ ጥዕናን ድሕንነትን ንግብረ ሶዶም ካብ ዝርዝር ሕማማት ዘልገሶ ቅድሚ 1979 ኣይኮነን።

ካብ 1972 ክሳዕ 2013 መንግስቲ ነቶም ኣካላቶም ክቕይሩ ዝደልዩ ስግረ ጾታውያን ሰባት ክመኽኑ፡ ማለት ቈልዓ ከም ዘይወልዱ ክኾኑ ክኽእሉ ይሓቶም ነይሩ። ልዕሊ 600 ዝኾኑ ሰባት ከም ዝመኽኑ ተገይሩ። ብ2018 ዓ.ም መንግስቲ ነቶም ኣንጻር ድልየቶም ክመኽኑ እተገደዱ ሰባት፡ ነቲ መንግስቲ ንሕማቕ ኣተሓሕዛ ዘቃልዖም ካሕሳ ክኽፈሉ ወሲኑ።

ብ2003 ዓ.ም ግብረ ሶዶማውያን ጽምዲ ቈልዓ ናይ ምርዓም መሰል ረኺቦም። ብ2009 ዓ.ም ግብረ ሶዶማውያን ኣብ ቤተ ክርስትያን ሽወደን ክምርዓዉ ተፈቒድሎም።

ሽሕ'ዃ ሕግታትን ኣረኣእያታትን እንተ ተመሓየሹ፡ ብዙሓት ሆበተክዩ-ሰባት ግን ገና ኣድልዎ የጋጥሞም ከም ዘሎ ኾይኑ እዩ ዝስምዖም ዘሎ። ስለዚ ኸኣ እዩ እቲ ንመሰላት ሆበተክዩ-ሰባት ዝግበር ቃልሲ ዝቕጽል ዘሎ። ኣብ ሽወደን ኣብ ዓዓመት "ፕሪድ-ፓራድ" ማለት ናይ "ኵርዓት-ሰልፊ" ይግበር እዩ። እቲ ዝዓበየ ናይ ኵርዓት-ሰልፊ ኣብ ስቶክሆልም እዩ ዝግበር። ናጽነት፡ ማዕርነትን ኵሉ ሰብ ንዝደለዮ ንኸፍቅርን መሰል ንምርካብ ንዝግበር ቃልሲ ንምብዓል ዝግበር ጽምብል እዩ። ኣብ ልዕሊ ሆበተክዩ-ሰባት ንዘጋጥም ኣድልዎ ኣቓልቦ ንምሃብ እውን ዝግበር ሰልፊ እዩ።

ማሕበር ኣር. ኤፍ. ኤስ. ኤል. እዚ ሕብረተ ሰብ ንሆበተክዩ-ሰባት ዝሓሸ ንኽኸውን ኣብ ምግባር ይሰርሕ። ኣር. ኤፍ. ኤስ. ኤል. ኣብ መላእ ሽወደን ኣብ ብዙሕ ቦታታት ኣሎ፣ ንሓደስቲ መጻእቲ ዝኸውን ፕሮጀክትታት እውን ኣለዎ ።