መሰላት ደቂ ኣንስትዮን ጾታዊ ማዕርነትን

ናይ መጠረሽታ ዝተሓደሰሉ: 24 11 2023

ብዛዕባ ሽወደን - ሓደ ንልልይ ምስ ሕብረተሰብ ዝኸውን ጽሑፍ።

እዚ ጽሑፍ ብዛዕባ መሰላት ደቂ ኣንስትዮን ብዛዕባ ጾታዊ ማዕርነትን እዩ። ጾታዊ ማዕርንርት ደቂ ኣንስትዮን ደቂ ተባዕትዮን ተመሳሳሊ ዕድላት፡ መሰላትን ግዴታታትን ክህልዎም ኣለዎ ማለት እዩ። እዚ ደቂ ኣንስትዮን ደቂ ተባዕትዮን ማዕረ ስልጣን ክህልዎም፡ ናብ ቤት ትምህርቲ ንኽኸዱ ማዕረ ዕድላት ክህልዎም፡ ከምኡ’ውን ናይ ገዛን ቈልዑን ሓላፍነት ክማቐልዎ ኣለዎም ማለት እዩ። ኣብ ሽወደን ንጾታዊ ማዕርነት ዝምልከት ጽቡቕ እኳ ሰጕምና እንተለና ብዙሓ ክንገብሮ ዘለና ነገራት ግን ተሪፉና ኣሎ። ንኣብነት ብዙሓት ደቂ ኣንስቲ ሓደ ዓይነት ትምህርትን ስራሕን እኳ እንተ’ለወን ካብ ደቂ ተባዕትዮ ዝውሕድ ደሞዝ ይኽፈላ ኣለዋ።

ከም ሓደ ኣብ ክልቲኡ ሸነኽ ሓደ ዓይነት ክብደት ዘለዎም ሰበይትን ሰብኣይን ዘለዎ ሚዛን ዝተሳእለ ጾታዊ ማዕርነት።

ንኣብነት ብዛዕባ ጾታዊ ማዕርነትን ናይ ደቂ ተባዕትዮ ዓመጽ ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮን ከተንብብ ክትክእል ኢኻ። ባይቶ ሽወደን ንሽወደን ብዝያዳ ጾታዊ ማዕርነት ዘለዋ ንምግባር እንታይ ይገብር ከም ዘሎ እውን ከተንብብ ክትክእል ኢኻ።

ኣንስትነት፡ ማዕርነት ጾታን ማዕርነትን

ኣንስትነት ንሕብረተ ሰብ ማዕረ ንምግባር ዝጽዕር ምንቅስቓስ እዩ። ኣንስትነት፡ ደቂ ተባዕትዮን ደቂንስትዮን ማዕረ ኣተሓሕዛ ክህልዎምን ከምኡ'ውን ሕደ መሰላትን ዕድላትን ክህልዎምን እዩ ዚደሊ ማለት እዩ።

ካብ ጾታ ንላዕሊ ንዅነታት ሓደ ሰብ ዝጸልዉ ብዙሓት ረቛሒታት ኣለዉ። ኵለን ደቂንስትዮ፡ ደቂንስትዮ ስለ ዝኾና ጥራይ ማዕረ ደረጃ ናብራ ከም ካልኦት የብለንን። ኵሎም ደቂ ተባዕትዮ እውን የብሎምን። ንኣብነት ከም ዓሌት፡ ዕድመ፡ ጾታዊ ዝንባሌ፡ ሃይማኖት ወይ ስንክልና ዝኣመሰሉ ረቛሒታት ነቲ ሰባት ኣብ ሕብረተሰብ ዘለዎም ኵነትን ዕድላትን እውን ክጸልውዎ ይኽእሉ እዮም።

ማዕርነት ማለት፡ ኵሎም ሰባት ማዕረ ክብሪ ኣለዎም፡ መሰላቶም ድማ ክማልኣሎም ኣለዎ ማለት እዩ። ማዕርነት ካብ ጾታዊ ማዕርነት ዝሰፍሐ ኣምር እዩ።

ደርጃ መነባብሮ ምስ ቍጠባን ትምህርትን እውን ክተሓሓዝ ይኽእል እዩ። ሓንቲ ጓለንስተይቲ መዓስ ካብ ካልእ ጓለንስተይቲ ንላዕሊ ዝሓሸ ደረጃ መነባብሮ ከም ዘለዋ ኣብነታት ክትህብ ትኽእል'ዶ?

ከምኡ ዝኾነሉ ምኽንያት እንታይ እዩ?

ውዕል ደቂ ኣንስትዮ

ሰብኣዊ መሰላት፡ ደቂ ኣንስትዮን ደቂ ተባዕትዮን ሕደ መሰላት ክህልዎም ከም ዘለዎ የረጋግጹ። ይዅን'ምበር መብዛሕትኡ ግዜ ደቂ ኣንስትዮ ብዝሓመቐ ኣተሓሕዛ እየን ዝተሓዛ። ንኣብነት ብዙሓት ደቂ ኣንስትዮ ናይ ምምሃርን ንማዕረ ስራሕ ማዕረ ደሞዝ ናይ ምርካብ መሰለን ይኽልከላ እየን።

ስለዚ'ዩ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ንመሰላት ደቂ ኣንስትዮ ዘውሕስን ንዅሉ ዓይነት ኣድልዎ ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ደው ዘብልን ሓደ ውዕል ዘውጸኣ ። እዚ ውዕል ደቂ ኣንስትዮ ተባሂሉ ይጽዋዕ። ዳርጋ ኵለን ኣባላት ሃገራት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ነዚ ውዕል ደቂ ኣንስትዮ ፈሪመናሉ እየን። እዚ ኵለን ሃገራት ነቲ ኣብ ልዕሊ ኣዋልድን ኣንስትን ዝወርድ ኣድልዎ ደው ንምባል ዝከኣለን ክገብራ ግዴታ ኣለወን ማለት እዩ። ሽወደን ብ1980 ነቲ ውዕል ደቂ ኣንስትዮ ፈሪማትሉ ።

ዕላማ ናይቲ ውዕል፡ ሃገራት ኣብ ሕብረተ ሰብ ማዕርነት ጾታ ንኽህሉ ንኽጽዕራ እዩ። ማዕርነት ጾታ ምርግጋጽ ካልእ ገዲፍካ ኣዋልድን ኣንስትን ናይ ትምህርትን ዝለዓለ ትምህርትን መሰል ምሃብ እዩ። ብዘይካዚ ብዛዕባ ደቂ ኣንስትዮ ብሞያ ንኽሰርሓ፡ ኣብ ልዕሊ ህይወተንን ንመን ክምርዓዋ ከም ዝደልያን ባዕለን ንኽውስና ዕድል ክህልወን እውን እዩ። ካብ ሰብኡተን ወይ ካብ ካልኦት መቕርበን ንዝፍጸም ዓመጽ እውን ክጻወራ የብለንን። ኵለን ኣንስትን ኣዋልድን እዚ መሰላት እዚ ክህልወንን ኣብ ልዕሊ ህይወተን እውን ባዕለን ክውስና ክኽእላ ኣለወን።

ኣብነት ናይ ኣብ ልዕሊ ኣዋልድን ኣንስትን ዘጋጥም ኣድልዎ ክትህብ ትኽእል'ዶ ?

ናይ ሽወደን ፖሊሲ ጾታዊ ማዕርነት

ሕብረተ ሰብ ጾታዊ ማዕርነት ከም ዘይብሉ ዘርኢ ብዙሕ ኣብነታት ኣሎ። ገለ ኣብነታት እንሆ፡

  • ደቂ ኣንስትዮ ሓደ ዓይነት ስራሕ እኳ እንተ ሰርሓ ግን መብዛሕትኡ ግዜ ካብ ደቂ ተባዕትዮ ዝወሓደ ደሞዝ እየን ዝረኽባ።
  • ደቂ ኣንስትዮ ከም ዕዮ ቤትን ቈልዑ ምክንኻንን ዝኣመሰለ ደሞዝ ዘይክፈሎ ስራሕ ዝያዳ ስራሕ ይሰርሓ።
  • ካብ ደቂ ተባዕትዮ ንላዕሊ ኣዝየን ዝበዝሓ ደቂ ኣንስትዮ ብጾታዊ መጥቃዕቲ ይጥቅዓ።

ኣብ ሃገራዊ ባይቶ ሽወደን ብዝያዳ ጾታዊ ማዕርነት ምእንቲ ክህሉ፡ ሽወደን ሓደ ፖሊሲ ማዕርነት ጾታ ንኽህልዋ ወሲኑ። ዕላማ ናይቲ ፖሊሲ ማዕርነት ጾታ፡ ደቂ ኣንስስትዮን ደቂ ተባዕትዮን ንማሕበረ ሰብን ንህይወቶምን ንምቕራጽ ማዕረ ስልጣን ንኽህልዎም እዩ። ኣብ ሽወደን ክልተ ሕጋዊ ጾታ ኣሎ፣ ጓለነስተይትን ወዲ ተባዕታይን። እቲ ፖሊሲ ማዕርነት ጾታ ካብዚኦም እዩ ዝብገስ። ብዘይካዚ ንገዛእ ርእሶም ከም ደቂ ኣንስትዮ ኮነ ከም ደቂ ተባዕትዮ ገይሮም ዘይርእይዋ ወይ ከኣ ካብቲ ክውለዱ ከለዉ እተመደበሎም ጾታ ካልእ ጾታ ዝኾኑ ሰባት ኣለዉ።

መንግስቲ፡ ብዓል መዝታት፡ ዞባታትን ኮሙናትን ነቲ ኣብ ሽወደን ዘሎ ናይ ጾታ ማዕርነት ፖሊሲ ሸቶኡ ንኽወቅዕ ክሰርሑ ኣለዎም። ፖሊሲ ማዕርነት ጾታ ሽዱሽተ ንኡስ ዕላማ ኣለዎ። እቲ ንኡስ ዕላማታት ኣብቲ ኣብ ሽወደን ኣብ መንጎ ደቂ ኣንስትዮን ደቂ ተባዕትዮን ዘሎ ፍልልይ ዓብዪ ዝዀነሉ መዳያት ዘተኰረ ኢዩ።

1. ማዕረ ምምቅራሕ ስልጣንን ጽልዋን

ሎሚ ኣብ መንጎ ሰብኡትን ኣንስትን ዘሎ ስልጣን ኣብ እተፈላለየ ክፍልታት ሕብረተ ሰብ ማዕረ ኣይኮነን። ካብ ደቂ ኣንስትዮ ንላዕሊ ኣብ ኮለጅን ዩኒቨርሲቲታትን ዝለዓለ ቦታ ዘለዎም ደቂ ተባዕትዮ ይበዝሑ፡ ከምኡ’ውን ከም ኣካየድቲ ትካላት ዝሰርሑ ዝበዝሑ ደቂ ተባዕትዮ እዮም። ከምኡ’ውን ካብ ደቂ ኣንስትዮ ንላዕሊ ብዙሓት ሰብኡት ብዙሕ ስልጣን ዘለዎ ደረጃ ኣለዎም። ንኣብነት ሽወደን ሓንቲ ጓል ኣንስተይቲ ጥራይ እያ ቀዳማይ ሚኒስተር ሃልይዋ። ቅድሚ ማግዳሌና ኣንደርሰን ዓመተ 2021 ቀዳማይ ሚኒስተር ምዃና፡ ኵሎም ቀዳማይ ሚንስተራት ዝነበሩ ደቂ ተባዕትዮ እዮም። እቲ ናይ መጀመርታ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብ ሽወደን ብ1876 እዩ ስርሑ ጀሚሩ።

2. ቍጠባዊ ጾታዊ ማዕርነት

ዕዳጋ ስራሕ ንደቂ ኣንስትዮን ደቂ ተባዕትዮን እተፈላለየ እዩ። ንኣብነት ብዙሓት ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ክንክን ጥዕና፡ ማሕበራዊ ሓልዮትን ኣብያተ ትምህርትን ክሰርሓ ከለዋ ብዙሓት ደቂ ተባዕትዮ ከኣ ኣብ ኢንዱስትርን ተክኒካዊ ሞያን ይሰርሑ። መብዛሕትኡ ግዜ ኣብቲ ብዙሓት ደቂ ተባዕትዮ ዝሰርሑሉ ስራሕ ምስቲ ብዙሓት ደቂ ኣንስትዮ ዝሰርሓሉ ስራሕ ክወዳደር ከሎ ኣብቲ ደቂ ተባዕትዮ ዝሰርሕሉ ስራሕ ዘሎ ደሞዝ ዝለዓለ እዩ። ደቂ ኣንስትዮን ደቂ ተባዕትዮን ሓደ ዓይነት ስራሕ እኳ እንተሃለዎም፡ ደቂ ተባዕትዮ ዝያዳ ኣታዊ ክረኽቡ ይኽእሉ እዮም። ካብ ደቂ ተባዕትዮ ንላዕሊ ዝበዝሓ ደቂ ኣንስትዮ ናይ ክፍለ-ግዜ ስራሕ ይሰርሓ፡ ዝነውሐ ናይ ወለዲ ዕረፍቲ ይወስዳን መብዛሕትኡ ግዜ ብዝያዳ ንዝሓመሙ ቈልዑ ይከናኸናን። ስለዚ ኣብ መንጎ ናይ ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ደሞዝን ጥሮታን ዘሎ ፍልልይ መብዛሕትኡ ግዜ ዓብዪ እዩ።

3. ጾታዊ ማዕርነት ዘለዎ ትምህርቲ

ንደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ብመሰረት ደንቢ እንታይ ቅቡል ምዃኑ፡ ነቲ ዝገብርዎ ምርጫ ናይ ትምህርትን ሞያን ክጸልዎ ይኽእል እዩ። እዚ ነቲ ናይ ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ዕዳጋ ስራሕ እተፈላለየ ንኽኸውን የበርክት። ውጽኢት መጽናዕቲ ከም ዘርእዮ፡ ኣወዳት ኣብ ቤት ትምህርቲ ዝተሓተ ኣድማዕነት ከም ዘለዎምን፣ ካብ ኣዋልድ ንላዕሊ ዝተሓተ ነጥቢ ከም ከምጽኡን እዩ። ኣዋልድ መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ቤት ትምህርቲ ዝያዳ ውጥረት ስለ ዝስምዐን ከምቶም ኣወዳት ጽቡቕ ኣይስምዐንን እዩ።

4. ማዕረ ምክፍፋል ናይቲ ዘይክፈሎ ናይ ቤትን ክንክንን ስራሕ

ደቂ ኣንስትዮ ካብ ደቂ ተባዕትዮ ንላዕሊ ንኣብነት ከም ጽሬት፡ ምግቢ ምኽሻንን ቈልዑ ምክንኻንን ዝኣመሰለ ስራሕ ኣብ ቤተን ይሰርሓ። ከምኡ'ውን ደቂ ኣንስትዮ ነኣዝማድ እንተላይ ነኣዝማድ መጻምድተን ብዝያዳ ይከናኸንኦም። ስለዚ እየን ብዙሓት ደቂ ኣንስትዮ ናይ ክፍለ-ግዜ ስራሕ ዝሰርሓ። ስለዚ እዩ መብዛሕትኡ ግዜ ደቂ ኣንስትዮ ካብ ደቂ ተባዕትዮ ዝወሓደ ደሞዝ ዝረኽባ።

5. ጾታዊ ማዕርነት ዘለዎ ጥዕና

ደቂ ኣንስትዮን ደቂ ተባዕትዮን ብማዕረ ኵነት ኣይኮኑን ክንክን ጥዕና ዝረኽቡ። ኣብ መንጎ ደቂ ኣንስትዮ ካብ ደቂ ተባዕትዮ ንላዕሊ ነጸርታ ናይ ኣእምሮኣዊ ሕማም ክግበረለን ብዝያዳ ዝውቱር እዩ። ናይ ደቂ ኣንስትዮ ብኵራት ብምኽንያት ሕማም ካብ ናይ ደቂ ተባዕትዮ ብዕጽፊ ይበዝሕ። ካብ ደቂ ኣንስትዮ ንላዕሊ ብዙሓት ደቂ ተባዕትዮ ናይ ኣልኮላዊ መስተ ወይ ናርኮቲካ ጸገም ኣለዎም። ካብ ደቂ ኣንስትዮ ንላዕሊ ብዙሓት ደቂ ተባዕትዮ ርእሰ ቕትለት ይፍጽሙ።

6. ደቂ ተባዕትዮ ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ዝፍጽምዎ ዓመጽ ከብቅዕ ኣለዎ

መብዛሕትኡ እቲ ኣብ ልዕሊ ኣዋልድን ኣንስትን ዝፍጸም ዓመጽ ኣብ ውሽጢ ስድራ ቤት እዩ ዝፍጸም። መብዛሕትኡ ግዜ ደቂ ተባዕትዮ እዮም ነቲ ዓመጽ ዝፍጽምዎ። ካብ ደቂ ተባዕትዮ ንላዕሊ ዝበዝሓ ደቂ ኣንስትዮ ብጾታዊ መጥቃዕቲ ይጥቅዓ። ኣብ ነፍስ ወከፍ ዓመት ብዙሓት ደቂ ኣንስትዮ በቶም ምስኦን ዝምድና ዘለዎም ወይ ዝምድና ዝነበሮም ደቂ ተባዕትዮ ይቕተላ።

ናይ ጾታ ማዕርነት ፖሊሲ ክውንነት ንኽህልዎ፡ ካልእ ገዲፍካ ፖለቲካዊ ውሳነታትን ምቅይያራት ሕግን የድሊ። ገለ ኣብነታት ካብቶም ሽወደን ብዝያዳ ማዕርነት ጾታ ንኽህልዋ ዝገበሩ ምቅይያራት ሕጊ እንሆ -

  • ብዙሓት ሰባት ነቲ ናይ ወለዲ ዕረፍቲ ብማዕረ ምእንቲ ኽካፈልዎ ንነፍሲ ወከፍ ወላዲ ሰለስተ ወርሒ ካብቲ ናይ ወለዲ ዕረፍቲ ዝተሓዝኣ እዩ።
  • ወሃብቲ ስራሕ ነቲ ኣብ መንጎ ደቂ ኣንስትዮን ደቂ ተባዕትዮን ዘሎ ዘይፍትሓዊ ናይ ደሞዝ ፍልልይ ንምውጋድ ኣብ ዓዓመት ደሞዝ ደቂ ኣንስትዮን ደቂ ተባዕትዮንን ናይ ምንጽጻር ግዴታ ኣለዎም።
  • ሽወደን ሓደ ናይ ስምምዕ ሕጊ ኣተኣታትያ እላ። እዚ ሕጊ ዝኾነ ምስ ሓደ ሰብ ጾታዊ ርክብ ክፍጽም ዝደሊ ሰብ እቲ ካልእ ሰብ ጾታዊ ርክብ ክፍጽም ከም ዚደሊ ወትሩ ከረጋግጽ ኣለዎ ማለት እዩ ። እዚ ሕጊ ጾታዊ መጥቃዕቲ ከወግድ ኣለዎ።

ናይ ደቂ ተባዕትዮ ዓመጽ ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ

ኣብ መላእ ዓለም ዘቤታዊ ዓመጽን ምስ ክብሪ እተተሓሓዘ ዓመጽን ጭቈናን ይፍጸም እዩ። ንዓመጻ ምቅላስ ኣብ ከም ውዕል ደቂ ኣንስትዮን ውዕል መሰላት ቈልዑን ዝኣመሰለ እተፈላለየ ውዕላት እተመርኰሰ ኣህጉራዊ ጻዕሪ እዩ። ሽወደን ንዅሉ ዓይነት ዓመጻ ኣብ ልዕሊ ኣዋልድን ኣንስትን ጥራይ ዘይኰነስ ኣብ ልዕሊ ኣወዳትን ሰብኡትን እውን ዘይሕጋዊ ንምግባር እተፈላለየ ሕግታት ኣውጺኣ እያ።

ዓመጻ ዝውቱር ኮይኑ እተፈላለየ መልክዕ ዘለዎ ክኸውን ይኽእል እዩ። እዚ፡ ክትህረም፡ ብሕማቕ ቃላት ክትጽዋዕ ወይ ኣንጻር ድልየትካ ጾታዊ ርክብ ንኽትፍጽም ክትግደድ ክኸውን ይኽእል እዩ።

ዘቤታዊ ዓመጽ

ብመቕርብካ ሕማቕ ኣተሓሕዛ ክግበረልካ ኸሎ ዘቤታዊ ዓመጽ ይብሃል። እዚ ንኣብነት ሓንቲ/ሓደ ሰብ ብሰብኣያ፡ ብሰበይቱ፡ ምስኡ ብፍቕራዊ ዝምድና ምስ ዝነብር ሰብ፡ብመጻምድቱ፡ ብወላዲኡ ወይ ብኻልእ ዘመዱ ዓመጽ ክወርዶ ከሎ ክኸውን ይኽእል እዩ።

ዘቤታዊ ዓመጽ መብዛሕትኡ ግዜ ናይ ስነ ኣእምሮኣዊ፡ ጾታውን ኣካላውን ሕውስዋስ ዓመጽ እዩ። እዚ ከም ዘይትጠቕሚ፡ ዘማዊት ወይ ደንቈሮ ብዝኣመሰሉ ገሃስቲ ቃላት ክትጽዋዒ ከለኺ ክኸውን ይኽእል እዩ። ንብረትካ ክበላሸወልካ ከሎ፡ ናይ ገዛእ ርእስኻ ገንዘብ ከም ዘይህልወካ ክግበር ከሎን ንናይ ዲጂታላዊ ሕሳብ (ከም ናይ ኢ-መይልን ናይ ሞቢልት ባንክኢደን ዝኣመሰሉ) ናይ ገዛእ ርእስኻ ምስጢራዊ ኮድ ክህልወካ ዘይምፍቃድን ክኸውን ይኽእል እዩ። ከምኡ'ውን ንጾታዊ ዓመጽ፡ ከበድቲ ምፍርራሕን መጥቃዕትን ክትቃላዕ ከለኻ እውን ክኸውን ይኽእል እዩ።

ብዛዕባ ስነ-ኣእምሮኣዊ ዓመጽ ኣብነታት ክትህብ ትኽእል'ዶ?

ሕውስዋስ ናይ ስነ ኣእምሮኣዊ፡ ጾታውን ኣካላውን ዓመጽ እንታይ ማለት እዩ?

ምስ ክብሪ እተተሓሓዘ ዓመጽ ወይ ጭቈና

ኣብ ሓደ ሓደ ስድራ ቤታትን ኣዝማድን ኣንስትን ኣዋልድን እንታይ ዓይነት ባህሪ ከርእያ ከም ዘለወን ሓያል ርድኢታት ኣለዎም። እዚ ምስ መን ግዚኤን ከሕልፉ ከም ዝኽእላ፡ እንታይ ዓይነት ክዳውንቲ ክኽደና ከም ዝፍቀደለንን ክሳብ ዚምርዓዋ ደናግል ክኾና ከም ዘለወን ዝብሉ ናይ ስድራቤት ሕግታት ክኾኑ ይኽእሉ እዮም። ስድራ ቤትን ኣዝማድን እንታይ ዓይነት ጾታዊ ዝምባሌ ከም ዘፍቅዱ ዝገልጽ ሕግታት እውን ክኸውን ይኽእል እዩ። ሓደ ሓደ ግዜ ገለ ነገር ከም እተፈጸመ ጥርጣረ ምህላው ጥራይ እኹል ክኸውን ይኽእል እዩ። ሓደ ሰብ ንሕግታት ስድራ ቤቱ ወይ ኣዝማዱ ብምጥሓሱ እንተ ተቐጺዑ፡ ምስ ክብሪ እተተሓሓዘ ዓመጽ ወይ ጭቈና ተባሂሉ ይጽዋዕ።

ምስ ክብሪ እተተሓሓዘ ዓመጽን ጭቈናን ሓደ ዓይነት ካብቲ ደቂ ተባዕትዮ ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ዝፍጽምዎ ዓመጽ እዩ። መብዛሕትኡ ግዜ ነቲ ዓመጽ ወይ ጭቈና ዝፍጽሙ ብዙሓት ሰባት ብሓባር ኮይኖም እዮም። እቶም ገበነኛታት ናይ ግድን መጸምድቲ ክኾኑ የብሎምን። ኣብ ክንዳኡ ወለዲ፡ ኣሕዋት፡ ኣዝማድ ወይ ስድራ ቤት ዝፈልጥዎም ክኾኑ ይኽእሉ እዮም። እቶም ስድራ ቤት ወይ ኣዝማድ ነቲ ዝጠፍኦም ኾይኑ እተሰምዖም ክብሪ ንምምላስ እዮም ዓመጽ ዝጥቀሙ። እቶም ንጭቈና ኣበርክቶ ዝገብሩ ከም ኣዴታትን መንእሰያትን ዝኣመሰሉ ንነብሶም ግዳያት እውን ክኾኑ ይኽእሉ እዮም። ምስ ክብሪ እተተሓሓዘ ዓመጽን ጭቈናን ዝወርደን ንኣንስትን ኣዋልድን ጥራይ ኣይኮነን ዝወርደን፡ ንኣወዳትን ሰብኡትን ሆበትይክዩ- ሰባትን እውን ግዳያት ይኾኑ እዮም።

እቲ ዓመጽ ዝተፈላለየ መልክዕ ክህልዎ ይኽእል እዩ። እዚ፡ ኣካላዊ ዓመጽ፡ ኣካላዊ ዓመጽ ንምውራድ ከቢድ ምፍርራሕን ከምኡውን ኣብ ሕሉፍ ኵነታት ክሳብ ንሞት ዘቃልዕ ዓመጽ ክኸውን ይኽእል እዩ። እቲ ዓመጻ ብጽኑዕ ምቍጽጻርን ምክትታልን እውን ክኸውን ይኽእል እዩ። እዚ፡ ንኣብነት ዋላ ኣይትድለዪ ንኽትምርዓዊ ምግዳድ ኽኸውን እውን ይኽእል እዩ። ኣብ ሽወደን ንሓደ ሰብ ኣንጻር ድልየቱ ንኽምርዖ ምግዳዱን፡ ንትሕቲ 18 ዓመት ዝዕድሚኡ ሰብ ከተመርዑን ዘይሕጋዊ እዩ። እዞም ገበናት እዚኦም ገበን ብግዲ ዝፍጸም መውስቦን ገበን መርዓ ትሕቲ ዕድመን (tvångsäktenskapsbrott och barnäktenskapsbrott) ተባሂሎም ይጽውዑ። ከምኡ’ውን ንኣዋልድ ወይ ኣንስቲ ግዳይ ግዝረት ወይ ምኽንሻብ ምግባራ ወይ ንሓንቲ ሰብ ንኽትምርዖን ክትግረዝን ናብ ወጻኢ ሃገር ክትኸይድ ምግዳድ ገበን እዩ። ቤት ጽሕፈት ማሕበራዊ ኣገልግሎት፡ ንመርዓን ምኽንሻብን ወይ ንሓዲኡ ስግኣት ምስ ዝህሉ ናይ መገሻ ኣገዳ ክውስን ይኽእል እዩ።

Hedersförtryck.se ብዛዕባ ምኽንሻብ ብልዕቲ ኣዋልድን ኣንስትን ሓደ ፊልም ኣዳልዩ ኣሎ። ንወለድን ሞግጕዚን ዝኸውን ናይ ሓበሬታ ፊልም እዩ። እዚ ፊልም ኣብ ክንዲ መበቆላዊ ቋንቁኡ ናብ ብዙሕ ቋንቋታት ተደሪቡ ተዳልዩ ኣሎ።

ሃገራዊ ማእከል ኣንጻር ምስ ክብሪ ዝተተሓሓዘ ዓመጽን ጭቈናን፡ ብዛዕባ ኣብ ልዕሊ ኣዋልድን ኣንስትን ዘጋጥም ምኽንሻብ ዝገልጽ ሓደ ብሮሹር ኣዳልዩ ኣሎ። እቲ ብሮሹር ብብዙሕ ቋንቋታት ተዳልዩ ኣሎ።

ነቲ ምስ ክብሪ እተተሓሓዘ ዓመጽ ካብቲ ካልእ ኣብ ዘቤታዊ ዓመጽ ዝፍጸም ዓመጽ ዝፈልዮ እንታይ እዩ?

ክትረኽብዮ ትኽእሊ ሓገዝ ኣሎ

ንስኻ ወይ እትፈልጦ ሰብ ግዳይ ዓመጽ እንተ ዄንኩም ናብ 114 14 ደዊልካ ናብ ፖሊስ ከተመልክት ትኽእል ኢኻ። ህጹጽ ኵነታት እንተ ኣጋጢሙ ናብ 911 ደውል። ኣብቲ እትነብረሉ ምስ ዝርከብ መደበር ፖሊስ እውን ክትራኸብ ትኽእል ኢኻ።

ኮሙን ነቶም ግዳያት ዓመጽ ዝኾኑ ናይ ምክልኻል ሓላፍነት ኣለዎ። እዚ፡ ንኣብነት ቀረብ ናይ ሓደ ስቱር መንበሪ (skyddat boende) ክኸውን ይኽእል እዩ። ቤት ጽሕፈት ማሕበራዊ ኣገልግሎት ኣብ ዘቤታዊ ዓመጽን ምስ ክብሪ እተተሓሓዘ ዓመጽን ጭቈናን ኣብ ዘለዎ ህይወት ንዝነብሩ ቘልዑ፡ ኣንስትን ሰብኡትን ሓገዝን ደገፍን ይህቦም ኢዩ።

መዕቈቢ ደቂ ኣንስትዮ (kvinnojour) ነቶም ኣብ ዘቤታዊ ዓመጽ ወይ ምስ ክብሪ ብእተተሓሓዘ ዓመጽን ጭቈናን ዓመጽ ዝወረዶም ኣንስትን ቈልዑን ደገፍን ዕቝባን ዝህብ ማሕበር እዩ። ንመንእሰያት ዝኸውን መዕቈቢ ኣዋልድ (tjejjourer) እውን ኣሎ። መብዛሕትኡ መዕቈቢ ደቂ ኣንስትዮን መዕቈቢ ኣዋልድንን ረብሓ ብዘይድልባ ማሕበራት እዩ ዝካየድ። ኣብ ምልእቲ እዛ ሃገር መዕቈቢ ደቂ ኣንስትዮን መዕቈቢ ኣዋልድንን ኣሎ።

ኣብ ሓያሎ ኮሙናት ንኣንስትን ንቘልዑን ዝኸውን ናይ ሓደገኛ ኵነት ክሊኒካታት ( krismottagningar)ኣሎ። ናይ ሓደገኛ ኵነት ክሊኒካታት ነቶም ግዳያት ዓመጽ ዝዀኑ ሰባት እዩ ዝሕግዝ። ብዘይካዚ ንሰብኡት ሓይሊ ምጥቃም ንኸቋርጹ ዝሕግዝ ፍሉይ ናይ ሓደገኛ ኵነት ክሊኒካት እውን ኣሎ። ግዳያት ዓመጽ ዝዀኑ ደቂ ተባዕትዮ እውን ሓገዝ ክረኽቡ ይኽእሉ እዮም።

ግዳይ ምፍርራሕን ዓመጽን እንተ ዄንኪ ናብ ክቪኖፍሪድስሊንየን (Kvinnofridslinjen) ክትድውሊ ትኽእሊ ኢኺ። ክቪኖፍሪድስሊንየን (Kvinnofridslinjen) ኵሉ ግዜ ክፉት እዩ። ናብኡ ምድዋል ብናጻ እዩ። ክትድውሊ ከለኺ ስምኪ ምንጋር ኣየድልየክን እዩ። ቍጽሪ ተለፎን 020-50 50 50 እዩ።

ንዓኺ ትሕቲ 20 ዓመትኪ ungarelationer.se ኣሎ። ንዓኺ ኣብ ዝምድናኺ ግዳይ ዓመጽ ዝኾንኪ፡ መሓዛ ናይ ሓንቲ ግዳይ ዓመጽ ዝኾንኪ ወይ ንዓኻ ንዓመጽ ተቃልዕ ዝኾንካ፡ ደገፍን ሓበሬታን ይህቡኻ እዮም። ኣብዚ እዋን ዘጋጥም ዘሎ ወይ ቅድሚ ሕጂ ዘጋጠመ ክኸውን ይኽእል እዩ። ምስ ሓደ ሰብ ክትዘራረቢ እንተ ደሊኺ ካብ ኮምፕዩተርኪ ወይ ሞባይልኪ ብጽሑፍ ክትዘራረቢ(chatt) ትኽእሊ ኢኺ።