ደንብታት

ናይ መጠረሽታ ዝተሓደሰሉ: 2 2 2023

ብዛዕባ ሽወደን - ሓደ ንልልይ ምስ ሕብረተሰብ ዝኸውን ጽሑፍ።

እዚ ጽሑፍ ብዛዕባ ደንብታት እዩ። ኣብ ኵሉ ሕብረተሰባት ደንብታት ኣሎ። ደንብታት ብዛዕባ እቲ ንሕና ሰባት ከመይ ክንከውን፡ ብኸመይ ክንነብርን ከመይ ክንመስልን ከም ዘለና ዘሎ ይጽቢት ዝገልጽ ሓሳባትን ብጽሑፍ ዘይተጻሕፈ ሕግታትን ኢዩ። እቲ ኣብ ሓደ ኵነታት ወይ ሕብረተ ሰብ ከም "ንቡር" ጌርካ ዝርአ። ደንብታት ነቲ ኣብ ልዕሊ ካልኦት ተርእዮ ጠባይን ካልኦት ኣብ ልዕሌኻ ዘርእይዎ ጠባይን ይጸልዎ እዩ። ደንብታት እዮም ንኣብነት ኣብ ናይ ምግቢ ድኳን ከመይ ኢልና መስዕር ከም ንሕዝን ብኸመይ ሰላም ንብህሃልን ዝጸልዉና።

ብዛዕባ ደንብታት እንታይ ምዃኖም ከተንብብ ክትክእል ኢኻ። ብዛዕባ እቲ ንሰባት ደረት ዝገብረሎምን ደንብታትን እዚኦም ዓይነት ደንብታት ብኸመይ ክቕየሩ ከም ዝኽእሉን እውን ከተንብብ ክትክእል ኢኻ።

ደንቢ እንታይ እዩ?

ኣብ መንጎ ሃገራት ዘሎ ደንብታት ክፈላለ ይኽእል እዩ። ኣብ ሽወደን ንመጀመርታ ግዜ ምስ ሓደ ሰብ ክንፋለጥ ከለና ኣእዳውና ምጭብባጥ ደንቢ እዩ። ንኣብነት ኣብ ናይ ስራሕ ቃለ መጠይቕ ነብስና ከነፋልጥ ከለና። ካልእ ደንቢ ኣብ ውሽጢ ገዛ ጫማና ምውጻእ እዩ፣ ኣብ መብዛሕትኡ ክፋላት ዓለም ግን ከምኡ ኣይገብሩን እዮም። ናብ ሓንቲ ሓዳስ ሃገር እንተ መጺእካ፡ ኣብኡ እንታይ ደንብታት ከም ዘሎ ክትፈልጥ ኣጸጋሚ ክኸውን ይኽእል እዩ።

ደንብታት ይቕየር እዩ፣ ኣብ ባህሊ፡ ግዜ፡ ኣበይ ኣብ ዓለም ከም ዘለኻን ተሞርኵሱ እውን ይፈላለ እዩ። ንድሕሪት ምልስ ኢልና ታሪኽ እንተ ርኢና፡ ደንብታት ብኸመይ ከም እተቐየሩ ክንርኢ ንኽእል ኢና። ንኣብነት ኣብ ሽወደን ሃብታማት ሰባት ኣብ መበል 18 ዘመን ታኮ ዘለዎ ጫማ፡ ሰብ ሰርሖ ጸጉሪ ክወድዩን ሊፕስቲክን (ሕብሪ ከንፈር) ክልከዩን ልሙድ እዩ ነይሩ። ካልእ ኣብነት ከኣ ኣብ መበል 19 ክፍለ ዘመን ሓንቲ ኣብ ሽወደን እትነብር ምርዕውቲ ሰበይቲ ጸጕራ ኸይሸፈነት ናብ ደገ ኽትወጽእ ዘይሕሰብ እዩ ነይሩ ።

ኣብ ኵሉ ሕብረተ ሰባት ደንቢ የድሊ እዩ። ኣብ መብዛሕትኡ መዳያት ከኣ ወግዒ ሓደ ኣወንታዊ ነገር ክኸውን ይኽእል እዩ። ወግዕታት፡ ስርዓት ክፈጥሩን ሰባት ብሓባር ንኽንነብር ዝቐለለ ክገብሩልናን ይኽእሉ እዮም። ኣብ ሽወደን ኣብ ሓደ ናይ ምግቢ ድዃን ኣብ ሪጊ ደው ኢልካ ተራኻ ምጽባይ ደንቢ እዩ። ሓደ ሰብ ነዚ ብጽሑፍ ዘይተጻሕፈ ሕጊ ጥሒሱ ኣብ ሪጋ ቀዲሙ ምስ ዝሓልፍ፡ እቶም ሪጋ ሒዞም ዝጽበዩ ሕንፍሽፍሽ የብሎም። ነዚ ደንቢ እዚ ዝጥሃሰ ሰብ ንምንታይ ምዃኑ ከይተረድኦ፡ ጌጋ ከም ዝገበረ ኮይኑ ክስምዖ ይኽእል እዩ።

ናብ ሽወደን ካብ ዝመጻእካሉ ግዜ ኣትሒዝካ ገለ ደንብታት ፈሊጥካ'ዶ?

ኣብ ሓደ ሪጋ ቀዲምካ እንተ ሓሊፍካ ወይ ካልእ ደንቢ እንተ ጥሒስካ ሰባት እንታይ ዓይነት ተቓውሞ ከም ዘርእዩ ሕሰብ።

ንሰባት ቀይዲ ዝገብርሎም ደንብታት

ደንብታት ንሰባት ብኣሉታዊ መገዲ ክቈጻጸርዎምን ክመርሕዎምን ይኽእሉ እዮም። ደንብታት ንሰባት ገዛእ ርእሶም ከይኰኑ ከም ዝፈርሁ ክገብርዎም ይኽእሉ እዮም። ከምኡ'ውን ነቶም ምስቲ ደንቢ ዘይሰማምዑ መዳለውቲ ክኾኑ ይኽእሉ እዮም። ንሰባት ቀይዲ ዝገብርሎም ብዙሓት ናይ ደንቢ ኣብነታት ኣለዉ። ገለ ካብኣቶም እዞም ዝስዕቡ እዮም፡

  • ብዛዕባ ኵሎም ሰባት ፍሉየ-ጾተኛታት (heterosexuella) እዮም ዝብል ደንቢ። እዚ ደንቢ ደቂ ኣንስትዮ ብሰብኡት ክስሓባን ንሰብኡት ከፍቅራን ትጽቢት ይግበረለን ማለት እዩ። ደቂ ተባዕትዮ ብደቂ ኣንስትዮ ክስሓቡን ምስ ኣንስቲ ከፍቅሩን ትጽቢት ይግበረሎም ማለት እዩ። እዚ ደንቢ እዚ ነቶም ፍሉየ-ጾተኛ ዘይኮኑ ሰባት ኣድልዎ ከጋጥሞም ከም ዝኽእል ክገብር ይኽእል እዩ። ደንቢ ማለት፡ ንኣብነት ሓንቲ ምስ ሰበይቲ ዝተመርዓወት ሰበይቲ ካብ ሓንቲ ንሰብኣይ ዝተመርዓወት ሰበይቲ ንላዕሊ ብዝያዳ ኣሉታዊ ግብረ-መልሲ ከጋጥማ ይኽእል እዩ።
  • ደንቢ ብዛዕባ ተግባራዊ ዓቕሚ። እዚ ደንቢ፡ ኵሉ ሰብ ብተመሳሳሊ መገዲ ክንቀሳቐስ፡ ክርኢ፡ ክሰምዕን ሓበሬታ ክርድኦን ክኽእል ትጽቢት ይግበረሉ ማለት እዩ። እዚ ደንቢ እዚ ስንክልና ዘለዎም ሰባት ምስቲ ሕብረተሰብ ንኽሕወሱ ዘለዎም ተኽእሎ ዝተሓተ ይግብሮ፣ በዚ ምኽንያት እዚ ድማ ድሩትነት ይህልዎም። ንኣብነት ሓደ ሰብ መደያየቢት (ሂስ) ወይ ተርጓሚ ቋንቋ ምልክት ምስ ዘድልዮ፡ እሞ ከምዚ ዓይነት ቀረብ ምስ ዘይህሉ እዩ።

ኵላትና ብጾታ፡ ሕብሪ ቈርበት፡ ስንክልና፡ ጾታውነት፡ ዕድመን ሃይማኖት ዘሎ ደንብታት ንጽሎ ኢና ። ደንቢ መብዛሕትኡ ግዜ ንሓደ ሰብ ኣብ ሓደ ጕጅለ ብዘለዎ ምትእስሳር ተመርኲስና ከመይ ክኸውን ከም ዘለዎ ኣብ ኣእምሮና ከም ንቐርጾ ይግብረና እዩ። ንኣብነት ኣብ መንጎ ሓንቲ ብእግራ ክትከይድ እትኽእል ሰበይትን መንጎ ሓንቲ ዓረብያ ስንኩላን እትጥቀም ሰበይትን ዘሎ ደንቢን ኣረኣእያን ፍልልይ ኣለዎ። ስለዚ ደንብታት ምስ ኣድልዎን ስልጣንን ምትሕሓዝ ኣለዎም። እቶም ምስቲ ደንብታት ዝሰማምዑ ሰባት ቅቡላት ይኾኑ፡ ንማሕበረ ሰብን ንህይወቶምን ንምጽላው ዝያዳ ዕድልን ስልጣንን ይህልዎም ። እቶም ምስ ደንቢ ዘይሰማምዑ ሰባት ብሕማቕ ክርኣዩ ወይ ክተሓዙ፡ ምሽጋርን ኣድልዎን ከጋጥሞምን ተኽእሎ ኣሎ።

ንሕና ሰባትኢና ነቶም ደንብታት ንፈጥሮም ። ነቶም ደረት ዝገብሩልና ደንብታት ምስ እንፈልጦም ብዙሓት ሰባት ምስ ሕብረተሰብ ምእንቲ ክሰማምዑ ክንልውጦም ንኽእል ኢና። ናይ ደንቢ ነቐፌታ፡ እተፈላለየ ደንቢ ንመዓልታዊ ናብራ ሰባትን ናይ ሕብረተ ሰብ ክብርታትን ብኸመይ ከም ዝጸልዎ ንምምርማር ዝዝውተር ሜላ ኢዩ። ብሓገዝ እቲ ናይ ደንቢ ነቐፌታ መን ሓይሊ ከም ዘለዎ መን ሓይሊ ከም ዘይብሉ ወይ ኣብቲ ደንቢ ተመርኲሱ መን ድሩት ከም ዝኸውን ክንርኢ ንኽእል ኢና። ንኣብነት ኣብ ክንዲ "ኣፍቃሪ" ወይ "ኣፍቃሪት" እትብል "ብጻይ ወይ ብጸይቲ" ብምባል ቋንቋኻ ብዛዕባ ምቕያር ክኸውን ይኽእል እዩ። ሽዑ ካብ ናይ ደንቢ ነቐፌታዊ ኣረኣእያ ተበጊስካ ናይ ሓደ ሰብ መጻምድቲ እንታይ ጾታ ከም ዘለዎ ኣቐዲምካ ክትውስን ኣይትኽእልን ኢኻ።

ደንብታት ክቕየሩ ይኽእሉ እዮም

ብ1950ታት ኣብ ሽወደን ዝነበረ ደንቢ ደቂ ኣንስትዮ ንቘልዑን ንስድራ ቤትን ንምክንኻን ኣብ ቤተን ክዀና፡ ሰብኡት ድማ ክሰርሑን ንስድራ ቤቶም ክናብዩን እዩ። እዚ ነታ ሰበይቲ ብቝጠባ ናይ ሰብኣያ ጽግዕተኛ ገይርዋ። ካብቲ ግዜ እቲ ኣትሒዙ እቲ ደንቢ ተቐዪሩ እዩ። ኣብ 1960ታትን 1970ታትን ዝተወሰነ እተፈላለየ ፖለቲካዊ ውሳነታት ንደቂ ኣንስትዮ ናብ ዕዳጋ ስራሕ ንኽኣትዋ ኣበርክቶ ገይሩ እዩ። ሎሚ ዳርጋ ማዕረ ብዝሒ ደቂ ኣንስትዮ ከም ደቂ ተባዕትዮ ኣብ ስራሕ ዓለም ኣለዋ።

ሃገራዊ ባይቶ ሽወደንን መንግስትን ነቲ ንሰባት ዝቕይድን ኣድልዎ ዝፈጥርን ደንብታት ንምቕያር ብእተፈላለየ መገድታት ይጽዕሩ ኣለዉ። ሓደ ኣብነት እቲ ሃገራዊ ባይቶ ሽወደን ዘውጽኦ ፖሊሲ ጾታዊ ማዕርነት እዩ። ሕጊ ኣንጻር ኣድልዎ ካልእ ኣብነት እዩ።

ብዛዕባ ኣብቲ ቅድሚ ሕጂ እትነብረሉ ዝነበርካ ማሕበረ ሰብ እተቐየረ ደንብታትት ሕሰብ።