መሰላት ናይ ሃገራውያን ውሑዳንን ደቀባትን

ናይ መጠረሽታ ዝተሓደሰሉ: 14 12 2022

ብዛዕባ ሽወደን - ሓደ ንልልይ ምስ ሕብረተሰብ ዝኸውን ጽሑፍ።

እዚ ጽሑፍ ብዛዕባ ሃገራውያን ውሑዳንን ደቀባትን እዩ። ኣብ ሽወደን ሳሚ ዝበሃሉ ደቀባት ኣለዉ። ሽወደን ናይ ገዛእ ርእሳ ሃገር ቅድሚ ምዃና ቅድሚ ኣሽሓት ዓመታት ጀሚሮም ኣብዚ ይነብሩ ኣለዉ። ቀደም ህዝቢ ሳሚ ብሃድን፡ ምግፋፍ ዓሳን ብመጓሰ ሸውዓተ ቐርኑን ይናበሩ ነይሮም። ገሊኦም ሳሚ ክሳብ ሕጂ ብኸምኡ እዮም ዝናበሩ ዘለዉ። ሳሚ ናይ ገዛእ ርእሶም ቋንቋ፡ ባህልን ታሪኽን ኣለዎም። ሳሚ ናይ ገዛእ ርእሶም ሰንደቕ ዕላማን ሃገራዊ መዝሙርን እውን ኣለዎም። ምናልባት ኣብታ ዝመጻእካላ ሃገር እውን ደቀባት ይህልዉ ይዀኑ? ምናልባት ንስኻ ኣባል ሓደ ደቀባት ትኸውን?

እቶም ሃገራውያን ውሑዳን መን ምዃኖም ከተንብብ ክትክእል ኢኻ። ብዛዕባ እቲ ኣብ ልዕሊ ሃገራውያን ውሑዳንን ደቀባትን ዝወርድ ኣድልዎ ደው ንምባል እተገብረ ጻዕሪ እውን ከተንብብ ክትክእል ኢኻ።

ኣየኖት እዮም ሃገራውያን ውሑዳን?

ብዙሓት ጕጅለታት ኣብ ሽወደን ንነዊሕ እዋን ተቐሚጦም እዮም። ኣብ ሽወደን ሓሙሽተ ተፈላጥነት ዝረኸባ ሃገራዊ ታሪኻውያን ውሑዳን ኣለዉ። ንሶም ኣይሁድ፡ ሮማኒ፡ላፕላንደታውያን፡ ሽወደናዊ ፊንላንዳውያንን ቶርነዳላውያንን እዮም። ሓደ ሃገራዊ ታሪኻውያን ውሑዳን፡ ናይ ሓባር ቋንቋ፡ ባህልን ታሪኽን ኣለዎ። ነፍሲ ወከፍ ሰብ ኣካል ናይ ውሑዳን እንተ ኾይኑ፡ ባዕሉ እዩ ዝውስኖ።

ኣብ ሽወደን ሓሙሽተ ናይ ሃገራዊ ውሑዳን ቋንቋታት ኣለዋ፡ ይዲሽ ሩማን ቺብ፡ ሳሚ፡ ፊንላንድኛን ሜንኪሊን ይብሃላ። ኵሎም ኣካል ናይ ሃገራዊ ውሑዳን ኣይኮኑን ነቲ ቋንቋ ናይ ውሑዳን ክዛረብዎ ዝኽእሉ።

ኣብ ሽወደን እቶም ሃገራዊ ውሑዳን ንእተወሰነ እዋን ሕማቕ ኣተሓሕዛ ተገይርሎም ነይሩ እዩ። ንኣብነት ገሊአን ጕጅለታት ናብ ካልእ ቦታ ክግዕዛ፡ ቋንቋአን ክዛረባ ተከልኪለን ወይ ደቆም ንኻልእ ሰብ ኣሕሊፎም ክብህቡ ተገዲዶም ነይሮ እዮም።

ኣብ መንጎ እቶም ሓሙሽተ ተፈላጥነት ዝረኸቡ ሃገራዊ ውሑዳንን ካልኦት ናይ ሓባር ቋንቋ፡ ባህልን ታሪኽን ዘለዎም ኣብ ሽወደን ዝርከቡ ናይ ውሑዳን ጕጅለታት እንታይ ፍልልይ ኣሎ?

ሎሚ ኣብ ሽወደን ዝነብሩ ሃገራዊ ውሑዳን ዝሓሸ ናብራ ኣለዎም

ሎሚ ዘሎ ዅነታት ናይ ሃገራዊ ውሑዳን ካብቲ ቐደም ዝነበሮ ዝሓሸ እዩ። እቶም ጕጅለታት ነዚ ለውጢ እዚ ኣበርክቶ ገይሮም እዮም። ምእንቲ መሰሎም ተቓሊሶምን ከምቶም ካልኦት ኣብ ሕብረተ ሰብ ዘለዉ ሰባት ክብሪ ክወሃቦም ጠሊቦምን እዮም። ንኣብነት ሳሚ ቅድሚ ኣስታት ሚእቲ ዓመት ይገብር ንመሰላቶም ንምጥባቕ ክውደቡ ጀሚሮም ነይሮም። ብ1993 ባይቶ ሳሚ ኣብ ሽወደን ተመስሪቱ። ባህሊ ሳሚ ንምዕቃብን ንምምዕባልን እዮም ዝሰርሑ።

ሕጂ እውን እንተ ዀነ ገና ውሑዳን ጕጅለታት ኣድልዎ የጋጥሞም እዩ። ንሶም ንኣብነት ስራሕ ንምርካብ ከጸግሞም፡ ናብ ድኳን ክኣትዉ ከለዉ እተፈልየ ኣተሓሕዛ ክግበረሎም ወይ ኣብ ቤት ትምህርቲ ብሰባት ክድሃሉ ይኽእሉ እዮም። ኣብዚ እዋን እዚ ግን ሽወደን ሃገራዊ ውሑዳን ኣድልዎ ምእንቲ ከይግበረሎምን፡ እዞም ባህላዊ ውርሻታት ኣብ ሃገርና ምእንቲ ምንባር ክቕጽሉን ትጽዕር ኣላ።

ሽወደን ንኣይሁድ፡ ሮማኒ፡ ላፕላንደታውያን፡ ሽወደናዊ ፊንላንዳውያንን ቶርነዳላውያንን ከም ሃገራዊ ውሑዳን ኣፍልጦ ሂባቶም እያ። ሽወደን ነቶም ሃገራዊ ታሪኻውያን ውሑዳን ኣፍልጦ ብምሃብ እዘን ጕጅለታት እዚኣተን ንነዊሕ እዋን ክፍሊ ታሪኽ ናይዛ ሃገር ብምዃን ንባህሊ እዛ ሃገር ኣበርክቶ ስለ ዝገበሩ ዓቢ ክብሪ ከም ዘለወን ኣርእያ እያ።

ኣብ ሽወደን ዘይኾነ ኣብ ካልኦት ሃገራት ዝነብሩ ቋንቋኦም ናይ ምዝራብ ወይ ባህሎም ናይ ምትግባር ናጽነት ዘይረኸቡን ኣድልዎ እተገብረሎምን ናይ ሃገራዊ ውሑዳን ኣብነት ክትህብ ትኽእል'ዶ?

ስምምዓትን መብጽዓታትን

ቤት ምኽሪ ኣውሮጳዊ ሕብረት ንመሰላት ውሑዳን ንምውሓስ ኣብ መንጎ ሃገራት ኣውሮጳ ስምምዓት ኣዳልዩ ኣሎ። ቤት ምኽሪ ኣውሮጳዊ ሕብረት፡ ኣብ ኣውሮጳ ቀንዲ ተጣባቒ ውድብ ሰብኣዊ መሰላት እዩ።

እዚ ዝስዕብ ካብ 2000 ኣትሒዙ ኣብ ሽወደን ዘገልግል ዘሎ ክልተ ስምምዓት እዩ፡

  • ናይ ቤት ምኽሪ ኣውሮጳ ንሃገራዊ ውሑዳን ንምውሓስ እተገብረ መትከል ውዕል። እተን ነዚ ውዕል ዝፈረማ ሃገራት ነቲ ኣብ ልዕሊ ሃገራዊ ውሑዳን ዝወርድ ኣድልዎ ክቃለሳኦ ኣለወን። እተን ነዚ ውዕል እዚ ዝፈረማ ሃገራት ልምድታትን ባህልን ናይ ሃገራዊ ውሑዳን ኣብ ሕብረተሰብ ከም ዝዕቀብን ህያው ከም ዝኸውንን ንምግባር እውን ክጽዕራ ኣለወን። ንኣብነት ሓደ ሮማኒ ምስቶም ኣብ ሽወደን ዘለዉ ሰበ-ስልጣን ብሮማኒ ቺብ ክዛረብን ክጽሕፍን ዕድል ክረክብ ክኽእል ኣለዎ።
  • ናይ ሕብረት ኤውሮጳ ቻርተር ንዞባ- ወይ ናይ ውሑዳን ቋንቋታት ዝምልከት። ዕላማ እቲ ቻርተር ነቶም ክጠፍኡ ኣብ ሓደጋ ዘለዉ ቛንቋታት ንምዕቋብ እዩ።

ንኸም ሳሚ ዝኣመሰሉ ደቀባት ንምዕቋብ ብዛዕባ ሰብኣዊ መሰላት እተገብረ ፍሉይ ስምምዓት እውን ኣሎ፡

  • ኣዋጅ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ንመሰላት ደቀባት። ገለ ካብኡ ደቀባት ርእሰ-ውሳነ ናይ ምርካብ መሰል ከም ዘለዎም ዝገልጽ እዩ። ናይ ደቀባት ርእሰ-ውሳነ፡ ብዛዕባ ነቶም ኣካላት ደቀባት ዝኾኑ ሰባት እንታይ ከም ዝጠቕሞም ባዕሎም ክውስኑ መሰል ኣለዎም ማለት እዩ።
  • ውዕል ናይ ኣህጉራዊ ማሕበር ሰራሕተኛታት(ILO) ብዛዕባ ኣብተን ርእሰ-ውሳነ ዘለወን ሃገራት ዘለዉ ደቀባትን ቀቢላታትን። ሽወደን ነቲ ውዕል ኣይፈረመትሉን፡ እቶምንመሰላት ሳሚ ዝቃለሱ ግን ሽወደን ከምኡ ክትገብር እዮም ዝደልዩ።

ነቲ ሃገራት ቤት ምኽሪ ሕብረት ኣውሮጳን ውድብ ሕቡራት ሃገራትን እተሰማምዓሉ ምእንቲ ክትግበር፡ ኣብ ሽወደን ዘሎ መንግስቲ፡ ሰበ-ስልጣን፡ ዞባታትን ኮሙናትን ናይ ምርግጋጹ ሓላፍነት ኣለዎም። ሓንቲ ሃገር ነቲ ሕግታት እንተ ዘይኣተግቢራቶ፡ ቤት ምኽሪ ሕብረት ኣውሮጳን ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ክነቕፋኣን ከተመሓይሾ ዘለዋ ነገር ክሕብራኣን ይኽእላ እየን። ሽወደን ኣብ ልዕሊ ሳሚን፡ ሮማኒን ካልኦት ውሑዳንን ኣድልዎ ስለ ዘጋጠሞም ተነቒፋ እያ። ሽወደን ኣብ ልዕሊ ሃገራዊ ውሑዳን ዝፍጸም ገበን ሳሕቲ እንተ ዘይኰይኑ ናብ ቤት ፍርዲ ስለ ዘይቀርብ እውን ተነቒፉ እያ።