መሰላት ንስንኩላን

ናይ መጠረሽታ ዝተሓደሰሉ: 20 12 2022

ብዛዕባ ሽወደን - ሓደ ንልልይ ምስ ሕብረተሰብ ዝኸውን ጽሑፍ።

እዚ ጽሑፍ ብዛዕባ መሰላት ንስንክልና ዘለዎም ሰባት እዩ። ንሕና ደቂ ሰባት ኵላትና ብእተፈላለየ መገዲ ኢና ንዓዪ። ግን መብዛሕትኡ ግዜ ሕብረተ ሰብ ኵላትና ብተመሳሳሊ መገዲ ኸም እንዓዪ ኾይኑ እዩ ተቐሪጹ። እዚ ገሊኦም ሰባት ሕደ ተኽእሎታት ስለ ዘይብሎም ኣብ ገሊኡ መዳያት ከም ዝንጸሉ ይገብር። ሓደ ብእግሩ ክኸይድ ዘይክእል ሰብ ንዓረብያ ስንኩላን ከም ትሰማማዕ ብዘይተገብረት ኣውቶቡስ ክጐዓዝ ኣይክእልን እዩ። ንኣብነት ሓደ ክሰምዕ ዘይክእል ሰብ ንኣብነት ሓደ ሓኪም እቲ ሓበሬታ ብጽሑፍ ወይ ብተርጓሚ ቋንቋ ምልክት እውን እንተ ዘይሂብዎ እንታይ ከም ዝብል ዘሎ ክርድኦ ከጸግሞ ይኽእል እዩ።

ብድሕሪት ሰንደቕ ዕላማ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝርኣ፡ ናይ ምርኣይ ጸገም ዘለዎ ሰብኣይ ምስ ሓደ መራሒ ኸልቢ ብሓባር ኣብ ኮፍ መበሊ ኮፍ ኢሎም ኣለዉ።

ብዛዕባ እተፈላለየ ዓይነት ስንክልናን ብዛዕባ ናይ ሸወደን ሕግታት ነቶም ስንክልና ዘለዎም ሰባት ከመይ ገይሩ ከም ዝከላኸለሎምን ከተንብብ ክትክእ ኢኻ። ብዛዕባ ንስንኩልና ዘለዎ ሰባት ዝወሃቡ ኣየኖት ደገፋት ከም ዘለዉ እውን ከተንብብ ክትክእል ኢኻ።

እተፈላለየ ዓይነት ስንክልና

ስንክልና ዝደኸመ ዓቕሚ ትግባረ ናይ ኣካላዊ፡ኣእምሮኣዊ ወይ ዓቕሚ ኣእምሮ እዩ ። ኣብ ሽወደን ሓደ ካብ ሓሙሽተ ሰባት፡ ሓደ ወይ ካብኡ ንላዕሊ ስንክልና ኣለዎ። እተፈላለየ ስንክልና ኣሎ። ገሊኡ ዝርኣ ገሊኡ ኸኣ ዘይረኣ እዩ። ገለ ጸገም ካብዞም ዝስዕቡ ክህልወካ ኸሎ፡ ስንክልና ክኸውን ይኽእል እዩ፡

  • ምስማዕ
  • ምርኣይ
  • ሓበሬታ ምርዳእ
  • ምዝራብ ወይ ሓሳብካ ምግላጽ
  • ምንቅስቓስ
  • ተጻወሮ ናይ ሓደ ሓደ ጥረ-ነገራት።

ስንክልና ዘለዎም ሰባት መብዛሕትኡ ግዜ ካብ ካልኦት ዝገደደ ኣተሓሕዛ እዩ ዝግበረሎም። ምስ እቲ ካልእ ህዝቢ ክነጻጸር ከሎ ዝወሓደ ኣቕርቦት ናይ ትምህርቲ ኣለዎም፡ ብዝያዳ ንዓመጽ ዝተቓልዑ እዮም፡ ከምኡ'ውን ካብ ካልኦት ንላዕሊ ስራሕ ናይ ምርካብ ጸገም ኣለዎም። ስንክልና ዘለዎም ቈልዑ መብዛሕትኡ ግዜ ምስቶም ካልኦት ቈልዑ ክወዳደሩ ከለዉ ኣብ ቤት ትምህርቲ ጽቡቕ ኣይስምዖምን፡ ኣብ ናይ ናጻ ግዜ ንጥፈታት ኣይካፈሉን ከምኡ'ውን ዝወሓዱ ኣዕሩኽ ኣለውዎም።

ናይ ዝርአን ዘይርኣን ስንክልና ኣብነታት ክትህብ ትኽእል'ዶ ?

ናይ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ውዕል ብዛዕባ መሰላት ንስንክልና ዘለዎም ሰባት

ውድብ ሕቡራት ሃገራት ሓደ ፍሉይ ውዕል ብዛዕባ መሰላት ንስንክልና ዘለዎም ሰባት ኣለዎም። እቲ ውዕል ኣብ መንጎ እተፈላለያ ሃገራት እተገብረ ስምምዕ እዩ። እተን ነቲ ውዕል ዝፈረማሉ ሃገራት ነቲ ኣብቲ ውዕል ሰፊሩ ዘሎ ክስዕብኦ ግዴታ ኣለወን። ሽወደን ነቲ ውዕላት ፈሪማትሉ እያ።

ኣብቲ ውዕል ንኣብነት ስንክልና ዘለዎም ሰባት ክመሃሩ መሰል ከም ዘለዎም ሰፊሩ ኣሎ። ንኣብነት ሰባት እንተ ኣደልይዎም ቋንቋ ምልክትን ብረይልን (ናይ ዓይነ ስውራን ፊደል) ንኽመሃሩ ሓገዝ ክረኽቡ ኣለዎም።

ከምኡ'ውን ስንክልና ዘለዎም ሰባት ካልእ ሰብ ክምዝምዞም ከም ዘይብሉ፡ ንዓመጻ ወይ መጥቃዕቲ ክቃልዑ ከም ዘይብሎምን ኣብ ፖለቲካዊ ምርጫታት ክሳተፉን ክወዳደሩን መሰል ከም ዘለዎም ኣብቲ ውዕል ሰፊሩ ኣሎ።

ናይ ሸወደን ሕግታት ነቶም ስንክልና ዘለዎም ሰባት ይከላኸለሎም እዩ።

ኣብ ሽወደን ስንክልና ዘለዎም ሰባት ኣድልዎ ንኸይግበሮሎም ዝከላኸለሎም ሕግታት ኣሎ። ከምኡ'ውን ስንክልና ዘለዎም ሰባት ብማዕረ ኵነት ከምቶም ስንክልና ዘይብሎም ሰባት ኣብ ሕብረተ ሰብ ንኽሳተፉ ዕድል ዝህብ ሕግታት ኣሎ።

ሓደ ሓደ ካብቶም ኣብ ሽወደን ዘለዉ ሕግታት ሽወደን ከምዚ ዝስዕብ ይብሉ፡

  • ንኽትንቀሳቐስ ዘጸግመካ እንተ ዀይኑ ኣብ ውሽጢ እቲ ሕብረተ ሰብ ንኽትንቀሳቐስ ዘኽእለካ ሓጋዚ መሳርሒታት ክህሉ ኣለዎ።
  • ናይ ምስማዕ ጸገም እንተ ኣልዩካ፡ ሓጋዚ መሳርሒታት ናይ ምርካብን ቋንቋ ምልክት ናይ ምምሃርን መሰል ኣሎካ። ንኣብነት ናብ ሓኪም ክትከይድ ብጽሑፍ ሓበሬታ ክወሃበካ ወይ ተርጓሚ ብምልክት ክግበረልካ እውን መሰል ኣለካ።
  • ከምኡ'ውን ንዓኻ ዝሰማምዓካ ስራሕ ወይ ንጥፈታት ንምርካብ ፍሉይ ደገፍ ክትረክብ እውን ትኽእል ኢኻ።
  • ቤት ትምህርቲ ንስንክልና ንዘለዎም ተመሃሮ ናይ ምሕጋዝ ሓላፍነት ኣለዎ። እዚ፡ ኣብ ትምህርቲ ምእንቲ ክትሳተፍ ሓጋዚ መሳርሒታት ምርካብ ወይ ንፈተናታትን ዕዮ ገዛን ዝኸውን ተወሳኺ ግዜ ምርካብ ክኸውን ይኽእል እዩ።

ኣብ ሽወደን ዘለዉ ሕግታት፡ ብምኽንያት ስንክልና ኣድልዎ ክግበረላ ከም ዘይብልካ እውን ይገልጹ እዮም። ከምዚ ዓይነት ኣድልዎ ንኣብነት ዓረብያ ስንኩላን ስለ እትጥቀም ስራሕ እንተ ዘይረኺብካ ክኸውን ይኽእል እዩ። ስንክልና ስለ ዘሎካ ናብ ቤት ምግቢ ክትኣቱ እንተ ዘይተፈቕደካ እውን ክኸውን ይኽእል እዩ።

እዚ ሕግታት እዚ እናሃለወ ክንሱ ስንክልና ዘለዎም ሰባት ክኣትውዎ ዘይክእሉ ቦታታት ኣሎ። ሽወደን ብምኽንያት ምቹእ ብኣካል መእተኢ ሕጽረት ስለ ዘለዋ ብውድብ ሕቡራት ሃገራት ተነቒፋ ኣላ። ከምዚ ዝኾነሉ ምኽንያት ገሊኡ ህንጻታትን ኣከባቢታትን ስንክልና ዘለዎም ሰባት ክኣትውዎም ስለ ዘይክእሉ እዩ።

ኣብነታት ናይ ንመሰላት ስንክልና ንዘለዎም ሰባት ዘውሕስን ዘደልድልን ሕግታት ክትህብ ትኽእል'ዶ?

ውልቃዊ ደገፍ

ኣብ ሕብረተሰብ ብማዕረ ኵነት ምስታፍ ምእንቲ ክከኣል፡ ስንክልና ዘለዎም ሰባት ብውልቂ ክረኽብዎ ዝኽእሉ ብዙሕ ደገፋት ኣሎ። እቲ ክትረኽቦ እትኽእል ደገፍ ኣብ ስንክልናኻን ኣብ ዘድልየካ ደገፍን እዩ ዝምርኰስ።

እዚ፡ ንኣብነት ንመዓልታዊ ናብራኻ ዘቃልለልካ ሓደ ሓደ ሓጋዚ መሳርሒታት ክትረክብ ትኽእል ኢኻ ማለት ክኸውን ይኽእል እዩ። ንኣብነት ናይ ምስማዕ ጸገም እንተድኣ ኣልዩካ ናይ መስምዒ መሳርሒታትን ካልእ ሓጋዚ መሳርሒታትን ኣሎ። በይንኻ ክትጐዓዝ ወይ ናብ እተፈላለየ ቦታታት ክትከይድ ዘጸግመካ እንተ ኾይኑ፡ መሰነይታ ሰብ ክግበረልካ ይኽእል እዩ። ብዘይካዚ ቤትካ ምእንቲ ንዓኻ ዝሰማማዕ ክኸውን ቍጠባዊ ክፍሊት ወይ ሓገዝ ክትረክብ ትኽእል ኢኻ።

ካብ ቤት ጽሕፈት ካሳ ውሕስነት (ፎሸክሪንካሳ) ወይ ኣብ ኮሙንካ ዝርከብ ቤት ጽሕፈት ማሕበራዊ ኣገልግሎት ነየናይ ወይ ነየኖት ደገፍ መሰል ከም ዘለካ ብዝያዳ ሓበሬታ ክትረክብ ትኽእል ኢኻ።

ሕጊ ደገፍን ኣገልግሎትን ንገሊኦም ስንኩላን (LSS)።

ከቢድ ስንክልና እንተ ኣልዩካ ብእተኻእለካ መጠን ጽቡቕን ነብስኻ ክኢልካ ትነብረሉን ህይወት ምእንቲ ክትነብር ደገፍ ንምርካብ ከተመልክት መሰል ኣሎካ። እዚ ኣብቲ ሕጊ ደገፍን ኣገልግሎትን ንገሊኦም ስንኩላን (LSS) ዝብሃል ሕጊ ሰፊሩ ኣሎ።።

እቲ ሕጊ ልክዕ ከም ካልኦት ሰባት ምእንቲ ክትነብር ክትክእል ኣብ መዓልታዊ ህይወትካ ደገፍን ኣገልግሎትን ናይ ምርካብ መሰል ከም ዘሎካ ይገልጽ። እዚ ሓገዝ እዚ፡ ብምኽሪን መሰነይታ ምርካብን ክኸውን ይኽእል እዩ። ምስ ድልየታትካ ኣብ ዝሰማማዕ ቤት ክትነብር ንኽትክእል እውን ክኸውን ይኽእል እዩ። ኣብ ምኽሻን ምግቢ፡ ክዳን ምኽዳን ወይ ንጽሬትካ ንኽትሕሉን ዝሕግዘካ ውልቃዊ ሓገዝ (personlig assistans) ክትረክብ እውን ትኽእል ኢኻ።

ነቲ ደገፍ ንምርካብ ናብ ኮሙንካ ከተመልክት ትኽእል ኢኻ። እንታይ ዓይነት ደገፍ ከም ዘድልየካ ምርግጋጽን፡ ነቲ ደገፍ ምቕራብን ናይ ኮሙንካ ሓላፍነት እዩ። እቲ ደገፍ ብኸመይ ከም ዝኸውን ናይ ምጽላው መሰል ኣሎካ። እዚ ንዓኻ ምእንቲ ብጽቡቕ ክሰማማዕ ዓመታዊ ምቕያር የድልዮ ይኸውን። ነቲ ደገፍ ንምርካብ ምኽፋል ኣየድልየካን እዩ።