ሃይማኖታዊ ናጽነት

ናይ መጠረሽታ ዝተሓደሰሉ: 13 12 2022

ብዛዕባ ሽወደን - ሓደ ንልልይ ምስ ሕብረተሰብ ዝኸውን ጽሑፍ።

እዚ ጽሑፍ ብዛዕባ ናጽነት ሃይማኖት እዩ። ኣየናይ ሃይማኖት ወይ እምነት ክህልወካ ከም እትደሊ ባዕልኻ ምምራጽ፡ ሰብኣዊ መሰል እዩ። እዚ ዝኾነ ሃይማኖት ንኸይህልወካ ክትመርጽ እውን መሰል ኣለካ ማለት እዩ። ናጽነት ሃይማኖት፡ ኵሉ ሰብ ሃይማኖቱ ከተግብር መሰል ኣለዎ ማለት እዩ። ክትጽልን ቅዳሰ ከተቐድስን መሰል ኣለካ። ራማዳን፡ ልደት፡ ቻኑካ ወይ ካልእ ሃይማኖታዊ በዓላት ከተብዕል እውን መሰል ኣለካ። ኣብ ዝደለኻዮ ሃይማኖት ወይ እምነት ንኽትኣምን ንዘሎካ መሰል ዝከላኸሉልካ ሕግታት ኣለዉ።

ሃይማኖታዊ ናጽነት እንታይ ማለት ምዃኑ ከተንብብ ክትክእል ኢኻ። ብዛዕባ እቶም ንሃይማኖታዊ ናጽነት ዝሕልዉ ሕግታትን ውዕላትን እውን ከተንብብ ክትክእል ኢኻ።

ኣብ ሽወደን ኵሉ ሰብ ሃይማኖቱ ብተግባር ክጥቀመሉ መሰል ኣለዎ

ክርስትና ኣብ ታሪኽ ሽወደን ዓብዪ ቦታ እዩ ነይርዎ። ቀደም ኵሎም ሽወደናውያን ኣባላት ሓንቲ ክርስትያናዊት ጉባኤ ንኽኾኑ ይግደዱ ነይሮም። ኣብ ካልእ ሃይማኖት ዝኣምኑ ወይ ፈጺሞም ዘይኣምኑ ይንበሩ ብዘየገድስ። ክሳብ 1951 ኣብ ሽወደን ሃይማኖታዊ ናጽነት ሕጊ ኣይነበረን፡ ኣብ'ዚ ግዜ'ዚ ሃይማኖታዊ ናጽነት ሓደ ክፋል ናይ ሽወደን ቅዋም እዩ።

ሃይማኖታዊ ናጽነት ማለት ንኣብነት እዚ ዝስዕብ እዩ፡

  • ኵሉ ሰብ ሃይማኖቱ ብተግባር ክጥቀመሉ መሰል ኣለዎ። እዚ ንኣብነት ክትጽሊ ወይ ሃይማኖታዊ ማሕበራት ምምስራት ክትጅምር ክኸውን ይኽእል እዩ።
  • እቲ ብዛዕባ ሃይማኖቱ ክነግር ዘይደሊ ሰብ፡ ምንጋር ኣየድልዮን እዩ።
  • ቈልዑ ከምቲ ስድራ ቤቶም ዝኣምንዎ ሃይማኖት ከምኡ ናይ ግድን ክመርጹ ኣየድልዮምን እዩ።
  • ኵሉ ሰብ ኣብ ዝደለዮ ግዜ ሃይማኖት ናይ ምቕያር መሰል ኣለዎ።
  • ኵሉ ሰብ ሃይማኖታዊ በዓላት ናይ ምብዓል መሰል ኣለዎ።
  • ወሃብቲ ስራሕ ሰራሕተኛታት ሃይማኖቶም ከተግብሩ ፍቓደኛታት ክዀኑ ኣለዎም። እዚ፡ ንስራሕ ዕንቅፋት ኣብ ዘይኰነሉ እዋን፡ ኣብ እዋን ስራሕ ምጽላይ ፍቑድ እዩ ማለት ክኸውን ይኽእል እዩ። ሃይማኖታዊ ኣርማታት ወይ ክዳውንቲ ምኽዳን እውን ካብዚ እተፈልየ ኣይኮነን።
  • ኵሉ ሰብ ብምርጫ ሃይማኖቱ ወይ ሃይማኖት ንኸይህልዎ ብምምራጹ ቅቡል ክኸውን መሰል ኣለዎ።

እዚ መሰላት እዚ ኣብታ ቅድሚ ሕጂ እትነብረላ ዝነበርካ ሃገር ወይ ሃገራት ከም ዘሎ ትፈልጦ ዲኻ?

ኣብኡ እንታይ ዓይነት መሰላት እዩ ዘሎ?

ኣብኡ እንታይ ዓይነት መሰላት እዩ ዘየሎ?

ው. ሕ. ሃ. ንናጽነት ሃይማኖት የውሕስ እዩ

ናጽነት ሃይማኖት ሰብኣዊ መሰል እዩ። እዚ ኣብ ናይ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ኣድማሳዊ ኣዋጅ ብዛዕባ ሰብኣዊ መሰላት ሰፊሩ ኣሎ። እዚ ኣብ ውዕል ኤውሮጳዊ ሕብረትን ውዕል መሰላት ቈልዑን እውን ሰፊሩ ኣሎ።

ኣድልዎን ሃይማኖታዊ ናጽነትን

ኣብ ብዙሓት ሃገራት ሃይማኖታዊ ናጽነት ቀይድታት ኣለዎ። ኣብ ገሊኡ ሃገራት ሰባት ብሰንኪ እምነቶም ወይ ሃይማኖቶም ግዳያት ምክትታል፡ ምስጐትን ቅተልትን ይኾኑ እዮም። ኣብ ሽወደን እውን ሃይማኖታዊ ናጽነት ይጥሓስ እዩ።

ኣብ ናይ ሽወደን ሕጊ፡ ዝዀነ ይኹን ሰብ ብምኽንያት ሃይማኖቱ ወይ ካልእ እምነቱ ኣድልዎ ክግበረሉ ኣይፍቀድን እዩ ዝብል ሰፊሩ ኣሎ። ንኣብነት ሓደ ሓኪም ብምኽንያት ሃይማኖትካ ሕክምናዊ ክንክን ክኣብየካ ኣይፍቀዶን እዩ። ብተመሳሳሊ ሓደ ወሃብ ስራሕ ከም ናቱ ዓይነት ሃይማኖት ስለ ዘይብልካ ናብ ናይ ስራሕ ቃለ-መጠይቕ ካብ ምጽዋዕካ ክቝጠብ የብሉን።

ኣብ ሽወደን ኣብ ዝኾነ ኣምላኽ ዘይምእማን ዝውቱር እዩ። እዚ ዋላ'ዃ ንዕኡ ዝጻረር ሕጊ እንዳ ሃለወ ከሎ፡ ሓደ ሓደ ግዜ ኣመንቲ ዝኾኑ ሰባት ኣድልዎ ንከጋጥሞም ሳዕቤን ክኸውን ይኽእል እዩ።

ኣብቲ ሕጊ፡ ሃይማኖትን ካልእ እምነታትን ዝብል ኣምር እዩ ዝጥቀም። ሃይማኖት ንኣብነት እምነት-ሂንዱ፡ እምነት-ኣይሁድ፡ ክርስትናን ምስላምናን ማለት እዩ። ካልእ እምነታት ንኣብነት ቡድሂዝም፡ ኢዚሀርነትን ኢፈላጥነትን ክጥቀስ ይኽእል እዩ።