Dalarnas län

ናይ መጠረሽታ ዝተሓደሰሉ: 12 10 2022

ኣውራጃ ዳላርና ብስፍሓቱ ክንዲ ሃገረ በልጅዩን ኮይኑ፡ ኣስታት 30000 ተቐማጦ ኣለዎ። ኣብታ ተመሳሳሊ ስፍሓት ዘለዋ ሃገረ በልጁም ግና፡ ኣስታት 10።5 ሚልዮን ሰባት ይቕመጡ። እቲ ኣብዚ ዞባ ዝርከብ ባሕሪ ሲልያን፡ ካብ ሰማይ ብዝወረደ ሜትሮይት ቅድሚ 360 ሚልዮን ዓመታት ዝተፈጥረ ባሕሪ እዩ። እቲ ኣብ ሰሜናዊ ክፋል ናይዚ ባሕሪ ዝርከብ ሰመያዊ ጎቦታት እምበር ንትርኢት ናይዚ ባሕሪ ኣብ ምምዕራግ ወሳኒ ተራ ይጻወት። ስለዝኾነ ከኣ፡ እዚ ቦታ’ዚ ምስሕብ ቱሪስት ክኸውን ዝበቕዐ።

Map of Sweden Created with Highcharts 10.2.1

ኮሙንናት ኣብ

ኮሙንናት ኣብ Dalarnas län

ኣብ ታሕቲ እታ ብዛዕብኣ ብዝያዳ ከተንብብ ትደልያ ኮሙን ኣብ Dalarnas län ምረጽ

ሙዚቀኛታትን ባህላዊ ሳዕሳዕትን ናብ ብዓል ንፍቀ-ክራማት ይኸዱ ኣለዉ።

ኩነታት መንበሪ-ኣባይቲ

ናብዚ ክትግዕዝ ትሓስብ ዶ? ከመይ'ከ ክትነብር ትደሊ? ኣብ ዳላርና እዝዮም ብርክት ዝበሉ ኣማራጺታት ኣለዉ። ዳላርና 15 ምምሕዳራት ዝሓቆፈ ኣውራጃ እዩ። እዘን ምምሕዳራት ዝተፈላለየ ምስሊ ኣለወን። ድልየትካ እንታይ እዩ? ኣብ ዘመናዊ ህንጻ ኣብ ከተማ፣ ወይ ከኣ ብፊኒስትራ ኣብዑር ኣብ ሜዳ እትርእየሉ ኣብ ገጠር ዝርከብ ገዛ? ወይ ከኣ ካብ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሱ ፍልይ ዝበለ?

ሂወት ኣብ ዳላርና ኣዝዩ ዝተፈላለየ ክኸውን ይኽእል እዩ። ንጎቦታት ቀረባ፣ ንማያት ቀረባ ንገጠራት ቀረባ ንከተማ እውን ቀረባ። ብዙሓት ጸጋታት ነቕርብ። ናብዚ ክትግዕዝ ምስ እትውስን ኣብታ ክትነብረላ ትደሊ ምምሕዳር ዝርከብ ክፍሊ ሓበሬታ ክትውክውሶም ንሕብረካ። ኣብቲ ምምሕዳር ንክንክን ህጻናት፣ መንበሪ ኣባይትን ኣብያተ ትምህርትን ዝምልከት ናይ ሓበሬታ መርበብ ኣለዎም። ንርክባት ዝምልከት ሓበሬታ ብእኩብ ኣብዚ ይርከብ።

ንግዳዊ-ንጥፈታትን ወሃብቲ-ስራሕን

ንግዳዊ ጽላት ዞባ ዳላርና ዳርጋ ኵሉ ነገር ኣለዎ። ካብ ዓበይቲ ኣህጉራዊ ትካላ፡ ንኣብነት እታ ኣብ ፍርያት ኣቻዮ እትነጥፍ ዓባይ ትካል ኤስኤስኣበ (SSAB) ከምኡ'ውን ኣብ መዳይ ጸዓት እትነጥፍ ትካል ኣ.በ.በ (ABB)፡ ክሳብ ማእከሎትን ናእሽቱን ትካላት ይርከባ። ንኣብነት መራሕቲ-ዋኒን ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ኣብ መዳይ ኣብ'ዚ ከባቢ ዝፈሪ ምግብን ብዙሕ ቍጽሪ ዘሎዎም ኣብ ጽላት ቱሪስምን ዝነጥፉ ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ናይ'ዚ ዞባ'ዚ ኣሎዉና። ካብ ጠቐምቲ ኣቕሑትን ምዕቡል ተክኖሎጂን ክሳብ ጽላታት ኣገልግሎትን ክንክንን። ኣብ ውሽጢ'ዚ ዝመጽእ 10 ዓመታት ሰለስተ-ርብዒ ሰራሕተኛታት ዞባ ዳላርና ጡረታ ክወጹ ስለዝኾኑ፡ ኣብዘን ቀረባ ዓመታት ሓደስቲ ሰራሕተኛታት ናይ ምቍጻር ሰፊሕ ኣድላይነት ክህሉ እዩ። ኣብ ዳላርና፡ ምዕባለ ሞያኻ ምስ ጽቡቕ መነባብሮ ከተሳንዮ ዕድል ኣለካ።

ብመገዲ መርበብ-ሓበሬታ dalarna.se፡ ናብ ብዙሓት ናይ ስራሕ ገጻት፡ ቤት-ጽሕፈት ንግዳዊ ጉዳያት፡ ሓበሬታ ብዛዕባ ትካላትን ናይ ወፍሪ ድጋፋትን ንግዳዊ ማሕበራትን ካልእን ዝመርሓኩም መላግቦታት ኣሎ።

ንጥፈታት ሲቪላዊ-ማሕበራት ኣብ መዳይ ምውህሃድ ኣብ ሕብረተ-ሰብ

እቲ ብማሕበራት ዝተማእከለ ምንቕስቓሳት ኣብ ኣውራጃ ዳላርና፡ ኣዝዩ ብዙሕን ዓይነታውን እዩ። ከም ቀይሕ-መስቀል ሽወደን፡ ማሕበር ምድሓን ቆልዑ፡ ናይ ኣብያተ-ክርስትያናትን ሃይማኖታውን ምትእኽኻባት፡ ኣብ ማሕበራዊ ህወት ናይቲ ዞባ ወሳኒ ተራ ይጻወታ። ኣብ ዝተፈላለያ ከተማታት፡ ነነባሮን ሓደስትን ዝጥርንፍ ዝተፈላለየ ምትእኽኻባት ውን ይርከብ። መብዛሕትአን ናይተን ኣብዚ ቦታ ዝርከባ ከተማታት ናተን መዝገብ-ማሕበራት ኣለወን። እዚ መዝገብ ማሕበራት'ዚ ኣብ መርበብ-ሓበሬታ ናይተን ከተማታት ክትረኽብዎ ትኽእሉ።

ኣብያተ-ትምህርታትን ትምህርትን

እቲ ኣብዚ ኣዋራጃ ዝርከብ ዳላርና-ዩኒቨርስቲ፡ ኣብ 1977 ዝተመስረተ ኮይኑ፡ ኣብ ውሽጢ ሒደት ዓመት ኣብ ጥርዚ ምዕባሌ በጺሑ ዝርከብ ዩኒቨርስቲ እዩ። እዚ ዩኒቨርስቲ'ዚ፡ መምሃሪ ህንጻታት ኣብ ፋሉንን ቡርለንገን ሃልይዎ፡ ኣስታት 60ታት ዝኸውን ዝተፈላለየ ትምህርታዊ መደባትን 1100 ኮርሳትን፡ ኣብ ምእንጋድ ይርከብ። መብዛሕትኡ ኣብዚ ዝወሃብ ትምህርቲ ምስ ጠለብ ዕዳጋ-ስራሕ ዝሳነ እዩ። ኣብዚ ዩኒቨርስቲ ኣስታት 16000 ተማህሮን 800 ሰራሕተኛታትን ይርከቡ። ኣብዚ ኣውራጃ'ዚ፡ ብርክት ዝበላ ናይ መባእታን ካልኣይን ደረጃታት ዕድላት ትምህርቲ ይርከብ። ነዚን ንኣገልግሎታት ክንክንን ሕብሐባ ቆልዑን ዝምልከት ዝርዝር ሓበሬታ፡ ኣብ መርበብ-ሓበሬታ ምምሕዳር ከተማ ኣለኩም።

ኣገልግሎት ጥዕና

ዞባ ዳላርና፡ ንነባሮን በጻሕትን ጥዕናዊ ኣገልጎት፡ እንኮላይ ኣገልግሎት ጥዕናን ክንክን ስኒን ኣፍን፡ ይህብ። ባዕልኹም ወይ መቕርብኩም ምስ ዝሓምም ወይ ውን ጥዕናዊ ምኽሪ ምስ ዘድልየኩም፡ ናብ ሕክምና ክትድውሉ ትኽእሉ። ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ናይ'ዚ ዞባ ዝርከባ ጥዕናዊ ማእከላት፡ ኣብዚ ትረኽብወን። ሓካይም ከባቢ ወይ ውን ተሓገገዝቲ-ሓካይም፡ ንቀለልቲ ሕማማት ምፍዋስ ዘጸግሞም ኣይኮነን። ኣድላዪ ምስ ዝኸውን ከኣ፡ ናብ ዝለዓለ ወይ ፍሉይ ሕክምና ከሕልፉኹም ይኽእሉ። ህጹጽ ሕክምናዊ ኣገልግሎት ምስ ዘድልየኩም፡ ነቲ ኣብ ከባቢኹም ዝርከብ ሓክምና ወይ ናብ 1177 ወይ ኣማኻሪ ጥዕናዊ ክንክን ደውሉ። እቲ ኩነታት ኣዝዩ ተኣፋፊ ምስ ዝኸውን 112 ክትድውሉ ኣለኩም።

ባህላውን ናይ ምዝንጋዕ ንጥፈታትን

ባህሊ፡ ቀንዲ ሞተረ ምዕባሌ ኣህዛብ እዩ። ሓድሽ ነጋርት ክንፈጥርን ሓድሽ ነገራት ክንመሃርን እንከለና፡ ነብሰ-ተኣማመንነት፡ ናይ ግምላጽ ክእለትና፡ ምፍልሳፍን ተበላሓትነትን፡ እናሓየለ እዩ ዝኸይድ። ሰብኣዊ ምዕባሌ ምስ ዝህሉ ከኣ፡ ዲሞክራሲ ይጥጥዕን ይምዕብልን። ቀንዲ ዕላማታት ንጥፈታት ኣውራጃ ዳላርና፡ እቲ ነነባሮን ዜጋታትን ዝወሃብ ኣገልግሎታት ክሰፍሕን ብትሕዝቱኡ ብሉጽ ክኸውንን እዩ። ባህላዊ ምዕባሌ፡ ህንጸት ሰብኣዊ-ዓቕሚ፡ ምንቕስቓስ ማሕበራት፡ ኣብያተ-ትምህርታት ኩሉ ድጋፍ ክግበረሉ ኣለዎ። ምኽንያቱ ኩሎም ነባሮ ንኩነታት ህወቶም ኣብ ምጽላው ወሳኒ ተራ ክጻወቱ ኣለዎም። ኣብ ባህላውን ሰብኣዊ ህንጸትን ዝነጥፉ ማሕበራት ተዋሳእቲ ወገናት ብዝተኻእለ መጠን ክተባብዑን ክበዝሑን ይግባእ። ምብልሓት ዝዓብለለኦ መኣዲታት፡ ኣብ ህንጸት ማሕበራዊ ምትእኽኻብን፡ ዞባዊ ዕብየትን ግስጋሴን፡ ወሳኒ ተራ ይጻወት።

ኣብ መርበብ-ሓበሬታ ቪሲት-ዳላርና፡ ንዝተፈላለዩ ማሕበራዊ ንጥፈታትን ጽምብላትን ዝምልከት፡ ጠቓሚ ሓበሬታ ክትረኽቡ ትኽእሉ።

ሙዚቀኛታትን ባህላዊ ሳዕሳዕትን ናብ ብዓል ንፍቀ-ክራማት ይኸዱ ኣለዉ።