ኩነታት መንበሪ-ኣባይቲ
ናብዚ ክትግዕዝ ትሓስብ ዶ? ከመይ'ከ ክትነብር ትደሊ? ኣብ ዳላርና እዝዮም ብርክት ዝበሉ ኣማራጺታት ኣለዉ። ዳላርና 15 ምምሕዳራት ዝሓቆፈ ኣውራጃ እዩ። እዘን ምምሕዳራት ዝተፈላለየ ምስሊ ኣለወን። ድልየትካ እንታይ እዩ? ኣብ ዘመናዊ ህንጻ ኣብ ከተማ፣ ወይ ከኣ ብፊኒስትራ ኣብዑር ኣብ ሜዳ እትርእየሉ ኣብ ገጠር ዝርከብ ገዛ? ወይ ከኣ ካብ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሱ ፍልይ ዝበለ?
ሂወት ኣብ ዳላርና ኣዝዩ ዝተፈላለየ ክኸውን ይኽእል እዩ። ንጎቦታት ቀረባ፣ ንማያት ቀረባ ንገጠራት ቀረባ ንከተማ እውን ቀረባ። ብዙሓት ጸጋታት ነቕርብ። ናብዚ ክትግዕዝ ምስ እትውስን ኣብታ ክትነብረላ ትደሊ ምምሕዳር ዝርከብ ክፍሊ ሓበሬታ ክትውክውሶም ንሕብረካ። ኣብቲ ምምሕዳር ንክንክን ህጻናት፣ መንበሪ ኣባይትን ኣብያተ ትምህርትን ዝምልከት ናይ ሓበሬታ መርበብ ኣለዎም። ንርክባት ዝምልከት ሓበሬታ ብእኩብ ኣብዚ ይርከብ።