Avesta

ናይ መጠረሽታ ዝተሓደሰሉ: 12 10 2022

ኣቨስታ ኣብ ንውሓት ናይ ፈለግ ዳላ (Dalälven) ኣብ ደቡብ ዳላና ትርከብ። ናብ ተፈጥሮን ዓበይቲ ከተማታትን ድማ ቀረባ እዩ። ኣብ ቈልዑን መንእሰያትን ዓቢ ወፍሪ እዩ ዝግበር።

ሓበሬታ ብዛዕባ ምምሕዳር ከተማ

ኣብ ኣቨስታ እቲ ካልእ ገዲፍካ ናይ ዳላርና ማእከል ስእሊ ቈልዑ (barnbildcentrum) ዝኾነ ቨርከት/ስነጥበብ ኣቨስታ (Verket/Avesta Art) ኣሎ። እቲ ምስ እቲ ደስ ዝብል ናይ ስድራ መሓምበሲ ኣዳራሽ መትሮፑለን ኣቨስታ (Metropoolen Avesta) ተላጊቡ ዝርከብ ናይ ስፖርት ክሊ፡ ሓደ ሓድሽ ብዘይ መደብ ስፖርት ዝግበሮ ቦታ እዩ። ኣብ ክፋላት ናይዛ ኮሙን እውን ብዘይ መደብ ስፖርት ትገብርሉ ናእሽቱ ናይ ስፖርት ቦታታት ኣሎ።

መንበሪ-ገዛ

ኣብ ኣቨስታ ኮምዩን እተፈላለየ መንበሪ ኣባይቲ ኣሎ። ኣብኡ ኣፓርትማ፡ ኮንዶሚንዩም፡ ቪላታትን ኣጸደታትን ትረክብ። ኣብቲ ናይቲ ኮምዩን ወብሳይት ብዛዕባ እተፈላለየ መንበሪ ኣባይትን ናይ ኣካረይትን ደላሎን ሓበሬታን ትረክብ።

ካልእ ቋንቋታት ዝዛረቡ ተቐማጦ መን ኣለዉ ኣብቲ ቦታ

ኣብቲ ኮምዩን እተን ብብዝሒ ዚዝረባ ቋንቋታት፡ ዓረብ፡ ትግርኛን ፋርስን/ዳሪን እየን። ግን ፈረንሳ፡ ኩርድ፡ ኡጉሪስካ፡ ሩስያ፡ ታይላንድን ሶማሊንውን ኣብ ይዝረብ እዩ።

ማሕበራትን ምትእኻባትን

እቲ ኮምዩን እተፈላለያ ማሕበራት ኣለዎ። ብዛዕባአን ኣብቲ ናይቲ ኮምዩን ደብተር ማሕበራት ክትረክብ ትኽእል። መብዛሕትኡ ናይቲ ኮምዩን ንጥፈታት ኣብቲ Evenemangskalendern ይንገር።

ኣብቲ ከባቢ ብቐረባ እንታይ ይርከብ

ኣብቲ ኮምዩን ብዙሕ ዓይነታት ድኳናት ኣሎ። ከምኡውን ብዙሕ ቅርንጫፍ ዘለዎ ቤትንባብ። እቲ ናይ ምውህሃድ ኣሃዱ ኣብ ናይ ኣቨስታ ቤትንባብ ይርከብ። ኣብያተጽሕፈት መድህንን ቀረጽን ሓባራዊ ቤትጽሕፈት ኣለዎም። ነቶም ሓደስቲ መጻእቲ ፍሉይ መቐበሊ ቤትጽሕፈት ኣለዎም።

ኣገልጎት ክንክን ወይ ሕብሐባ ቆልዑ

ኣቨስታ ኮምዩን ግሩም ክንክን ህጻናት ኣለዎ። ከምተን ውሑዳት ኮምዩናት ዚገብራኦ ምሸትን ለይትን እውን ይሰርሕ እዩ። ብዘይካ ኣብያተትምህርቲ ህጻናት፡ ከም መእለዪ ህጻናት ኮይኑ ዚስርሕውን መውዓሊ ስድራቤት ኣሎ።

መባእታ ኣብያተ ትምህርትን ካልኣይ ደረጃ ኣብያተ ትምህርትን

ናይ ኩለን ኮምዩናት መባእታ ኣብያተትምህርቲ ኣብቲ ናይቲ ኮምዩን ወብሳይት ትረኽቦ። ኣብቲ ኮምዩን ብሕታዊ ቤትትምህርቲ ህጻናት ኣሎ። እቲ ናይቲ ኮምዩን ካልኣይ ደረጃ ቤትትምህርቲ ካርልፈልትዪምናስየት ይብሃል። ንሱ መብዛሕትኡ ብኮለጅ ደረጃ ዝኾነ ሰፊሕ ትምህርቲ የቕርብ።

ዕድላት ትምህርቲ

ኣብን ጥቓን ኣቨስታ ግሩም ዝኾነ ናይ ትምህርቲ ዕድላት ኣሎ።

ኣገልጎት ጥዕና

"ኣብ ኣቨስታ ኮሙን ለይትን መዓልትን ዘገልግል ናይ ህጹጽ ረድኤት መቐበሊ ዘለዎ ናይ ከባቢ ሆስፒታል ኣሎ። ብዞባ ዝእለያ ማእከላት ክንክን ጥዕናን መባእታ ክንክን ጥዕና ዝህባ ብሕታውያንን ማእከላት ክንክን ጥዕናን ኣለዋ። ኣበይ ክትሕከም ከም እትደሊ ባዕልኻ ኢኻ እትመርጽ። ኣብቲ ማእከላት ክንክን ጥዕና፡ ናይ ኣደታት ክንክን ጥዕና፡ ናይ ህጻናት ክንክን ጥዕና፡ ናይ ዳግመ-ሕውየትን ፊዝዮተራፒን ቀረብ ኣሎ።"

እቲ ዞባ ሕክምና ስኒ ይህብ፣ እተን ናይ ግሊ ወሃብቲ ኣገልግሎት እውን። ናይ መንእሰያት ክሊኒክ እውን ኣሎ።

ናይ ቋንቋ ድግፍ-ተርጓሚ ምርካብ

ምስ ሰበስልጣን ኣብ እትራኸበሉ ግዜ ናይ ትርጉም ኣገልግሎት ብኣካል ወይ ብተለፎን ንኽትረክብ ተኽእሎ ኣሎ።

ኣገልግሎት መጎዓዝያ

ኣብ'ዚ ከተማ'ዚ ስሉጥ ኣግልጎሎት መጎዓዝያ ኣሎ። ንሰዓታት ንቕሎን ናይ መጎዓዝያ ኣማራጺታትን ብዝምልከት፡ ኣብ መርበብ-ሓበሬታ ምምሕዳር ከተማ ብምእታው ክትረኽብዎ ትኽእሉ።

ስራሕን ትካላት ናይ ምምስራት ተኽእሎታትን

ኣብ ኣቨስታ ነቶም ሰብ ዋኒን ኪኾኑ ዚደልዩ ዓቢ ሓገዝ ኣሎ። ንኣብነት ናይ ሓድሽ ዋኒን ሰንትሩም፡ ናይ ቢዝነስ ስልጠና፡ ናይ ቁጠባ ኣሃዱ ከምኡውን ነቲ ዘድሊ ነገራት ብጽፉፍ መገዲ ንኺኸይድ ዘማኽሩ ናይ ተሓጋገዝቲ ጉጅለ ኣለዉ። ሓያሎ ናይ ሰብ ዋኒን ማሕበራትውን ኣሎ።

ኣብዚ ኮምዩን እቶም ዝዓበዩ ወሃብቲ ስራሕ ንኣብነት ኣውቶኩምፑ፡ ስቱራ ኤንሶ ፎሽ፡ ኣቨስታ ኮሙንን ዞባ ዳላርናን እዮም። ይኹን እምበር ኣብ ብዙሕ ዝተፈላለየ ዓውዲ ዝነጥፋ ብዙሓት ዝተፈላላያ ናእሽቱን ማእከሎትን ትካላት እውን ኣለዋ። ኣብዘን ቀረባ ዓመታት ኣብ ብዙሕ ስራሓት ንኣብነት ኣብ ክንክንን ጥዕናን ሓልዮትን ዚሰርሑ ዝነበሩ ሰባት ጥሮታ ኪወጹ እዮም። እዚ ኣድላይነት ናይ ሓደሽቲ ሰራሕተኛታት ክህሉ እዩ ማለት እዩ።