Hedemora

ናይ መጠረሽታ ዝተሓደሰሉ: 12 10 2022

ሄደሙራ ጥንታዊት ከተማ ዳላርናን ናይ ምምሕዳር ርእሰ ከተማን እያ። እታ ምምሕዳር 15 085 ተቐማጦ ኣለዉዋ።

ሓበሬታ ብዛዕባ ምምሕዳር ከተማ

እታ ምምሕዳር 7 ህዝቢ ብብዝሒ ዝቕመጡለን ከተማታት ኣለዉዋ፣ ብጀካ ሄደሙራ ህዝቢ ብብዝሒ ዝቕመጡለን ከተማታት ሎንግስሂታን፣ ጋርፐንባርይ፣ ቪክማንስሂታን፣ሻርንሱንድ፣ ዳላ-ሁስቢ ከም ኡ ውን ቬስተርቢ እየን።

ምምሕዳር ሄደሙራ ህዝብ ብብዝሒ ኣብ ዝነብረሉ ከባቢ ኣብ ማእከላይ ቦታ ደቡባዊ ክፋሊ ዳላርና ኣብ ትርከብ። ትሕተ ቅርጺ ኣዝዩ ምቹእ እዩ። ብሄደሙራ ዝሓልፍ ሃገራዊ መንገዲ 70 ንኣብ ሞንጎ ሜላርዳለንን ዳላርናን ዘሎ ትራፊክ ኣገዳሲ እዩ። ብባቡር ካብን ናብን ስቶክሆልም፣ ኡፕሳላን ንሰሜንን ብዙሕ ግዜ መዓልታዊ ክትጓዓዝ ይከኣል እዩ።

ምምሕዳር ሄደሙራ ንተፈጥሮን ዓበይቲ ከተማታትን ቅርበት ኣለዋ። ሄደሙራ ነብስኻ ከተማሓይሸሉ ትኽእል ዕድላት ምስ ኣብያተ ትምህርትን መዋእለ ህጻናትን ይርከባ። ሄደሙራ ባህላዊ ማእከልን ዝተፈላለየ ኣገልግሎትን ንግድን ዝህብ ማእከል ከተማ ይርከባ።

መንበሪ-ገዛ

ኣብ ምምሕዳር ሄደሙራ ምምሕዳር ዝውንኖ ትካል ኣባይቲ AB ሄደሙራኣባይቲ ይርከብ። ብርክት ዝበሉ ናይ ብሕቲ ትካላት ኣባይቲ እውን ኣለዉ፣ ዝርዝር ኣስማቶም ኣብ መርበብ ሓበሬታ ምምሕዳር ይርከብ።

ካልእ ቋንቋታት ዝዛረቡ ተቐማጦ መን ኣለዉ ኣብቲ ቦታ

ኣብቲ ኮምዩን ብዘይካ ሽወደን ዚዝረቡ ቋንቋታት ኣዚኣቶም እዮም፤ ሶማሊ፡ ትግርኛ፡ ዳሪ፡ እንግሊዝ፡ ኩርድ፡ ፋርስን ሩስያን

ማሕበራትን ምትእኻባትን

ኣብ ምምሕዳር ሄደሙራ ጽቡቕ ዕድላት/ተኽእሎታት ስፖርታውን ባህላውን ከምኡ ውን ኣብ ደገ ዝሰላሰሉ ንጥፈታት ኣብ ትርፊ ግዜ ኣለዉ። ንግዚኡ ዳርጋ 200 ዝኾኑ ማሕበራት ኣለዉ፣ ኣብ መርበብ ሓበሬታ ምምሕዳር ኣብ መዝገብማሕበራት ክትረኽቦም ይከኣል እዩ።

ኣብ ምምሕዳር ዝግበሩ ማብዛሕትኦም ንጥፈታት ኣብ ካለንደርንጥፈታት ይሕበሩ እዮም።

ኣብቲ ከባቢ ብቐረባ እንታይ ይርከብ

ኣብ ሄደሙራ ሴንትሩም ቤት ጽሕፈት ዕዮ፣ ቤት ንባብን፣ ናይ ምምሕዳር መቐበሊ ኣጋይሽ/ሓበሬታ ይርከብ። ኣብ ሴንትሩም ብርክት ዝበሉ ድኳናት እንዳ ሻህን/ካፈተርያን ይርከቡ። ቁሩብ ፍንትት ዝበሉ ግን ከኣ ብእግርኻ ዝኽየዱ 3 ዓበይቲ አንዳ ድኳናት ከም በዓል (ሄምሸፕ፣ ኢካ ከምኡ ውን ሊድል)ይርከቡ።

ቤት ንባብ ናይ ሀደሞራ፡ ሓደ ሓጺር ጻዕዳ ህንጻ

ኣብ ሎንግስሂታን አንዳ ዱኳን ኢካ ዝርከብዎም ድኳናት ኣለዉ። ኣብ ዳላ-ሁስቢ፣ ሻርንሱንድ ከምኡ ውን ቪክማንስሂታን ካብ ከተማ ርሕቕ ዝበሉ ድኳናት ይርከቡ።

ኣገልጎት ክንክን ወይ ሕብሐባ ቆልዑ

"ኣብ ምምሕዳር ብርክት ዝበሉ መዋእለ ህጻናት ይርከቡ ኣብ ናይ ምምሕዳር መርበብ ሓበሬታ ኣበየናይ ክፍሊ ምምሕዳር ከምዝርከቡ ከተንብብ ትኽእል።

ኣብኡ ህጻናትን ዓበይትን ዚራኸቡሉ en familjecentral ፋሚልየሰንትራል ዚብሃል ኣሎ። ከምኡውን ካብቶም ናይ ህጻናት ክሊኒክ ሰራሕተኛታት ክትረክብ ትኽእል። ኣብቲ ፋሚልየሰንትራለን ናይ ቋንቋ ገዛ Språkstugan ኣሎ። ኣብኡ ንስኻ ትሕቲ 5 ዓመት ዝዕድመኡ ውላድ ዘሎካ፡ ናብ ህጻናት ዘተኮረ ኣርእስቲ እናተዛረብካ ንሽወደንካ ከተመሓይሽ ትኽእል።

ስነድሮፐን snödroppen ናይ ብሕቲ መዋእለ ህጻናይ እዩ ክርስትያናዊ መዋእለ ህጻናት ኑዋስ ኣርክ እውን ይርከብ።

ስቨኣፓርከን፡ ሰለል መበሊ ዘለዎ መጻወቲ ቦታ፡ ናይ ሑጻ ሳጹን፡ መሕኮርን ካልእ ኣዚዩ ብዙሕን።

መባእታ ኣብያተ ትምህርትን ካልኣይ ደረጃ ኣብያተ ትምህርትን

ኣብ ምምሕዳር ሄደሙራ ፋሕ ዝበላ ብዙሓት መዋእለ ህጻናትን ናይ መባእታ ኣብያተ ትምህርትን ኣለዋ። ላዕለዋይ መባእታዊ ቤት ትምህርቲ ቫሳ፣ ካልኣይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ ማርቲን ኮኽ እውን ኣለዋ። ክልቲኣተን ኣብያተ ይምህርቲ ኣብ ከተማ ሄደሙራ ይርከባ።

ብተወሳኺ መዋእለ ህጻናትን ክሳብ 9 ክፍልን ዘለወን ክልተ ናይ ብሕቲ ኣብያተ ትምህርቲ ቤት ትምህርቲ ኦሊምፒካ ከምኡ ውን ቤት ትምህርቲ ኣና ኣለዋ።

ዕድላት ትምህርቲ

ምምሕዳር ሄደሙራ ካልእ ብዝሕ ዝበሉ ናይ ትህምህርቲ ዕድል እውን ይህብ እዩ። ገለ ካብቲ ናይ ዓበይቲ ትምህርቲ ዝህቦም ኣገልግሎት ትምህርቲ ንዓበይቲ፣ ቋንቋ ሽወደን ንወጻእተኛታትን ፍልይ ዝበለ ጸገም ንዘለዎም ዓበይቲ ዝወሃብ ትምህርቲ። ብተወሳኺ ትምህርቲ ማእከል ግሩቩርተን ዝበሃል ንኣብ ጎቦታት ዝሰርሑ ቆላሕታ ዝገብር፣ ብመገዲ YH ትምህርቲ ከምኡ ውን ናይ ካልኣይ ደረጃ ትምህርቲ።

ኣገልጎት ጥዕና

ኣብ ምምሕዳር ክልተ ማእከላት ጥዕና ኣለዋ፣ ሓንቲ ኣብ ሄደሙራ፣ ሓንቲ ከኣ ኣብ ሎንግስሂታን (ብመኪና ናይ ኣስታት 30 ደቓይቕ መገዲ ካብ ሀደሙራ፡ ኣውቶቡሳትውን ኣለዋ)። ኣብ ሄደሙራ ሓኪም ስኒ ኣሎ። ንህጹጽ ረድኤት ኣብ ከተማ ኣቨስታ 20 ደቓይቕ ብማኪና ንደቡብ ሆስፒታል ኣሎ። ኣብ ግዜ ሓደጋ ወይ ከኣ ኣብ ሂወት ዝመጽእ ምፍርራሕን 112 ደውል።

ናይ ቋንቋ ድግፍ-ተርጓሚ ምርካብ

ሀደሙራ ኮምዩን ናቱ ናይ ትርጉም ኣገልግሎት የብሉን። ካብ ካልእ ውድባት ወይ ናይ ቋንቋ መምህራን ኢና እነምጽእ። ሓገዝ ከከም ኣድላይነቱ።

ኣገልግሎት መጎዓዝያ

ሓደ ካብ ናይ ምምሕዳር ሄደሙራ ሓያል ጎድኒ፡ ካብ ዓበይቲ ከተማታት ርሕቕቲ ዘይምዃና እዩ። ንኣብነት ብባቡር ንስቶክሆልም፣ ኡፕሳላን ከባቢ ሜላርዳል ካብ 2 ሰዓትት ዚውሕድ እዩ ዚወስድ። ንማእከል ኣውራጃ ፋሉን/ቦርሌኘ ብመኪና ናይ 40 ደቓይቕ መንገዲ እዩ ምቹእ ዝኾነ ህዝባዊ መጓዓዝያ እውን ይርከብ። ካብ ሄደሙራ 35 ኪሎ ሜተር ዳላ ኤየር ፖርት፣ መዓርፎ ነፈርቲ ቦርሌኘ ይርከብ።

ንዝያዳ ሓበሬታ ብዛዕባ ኣውቶቡስ፣ ባቡርን ካል ኦት መራኸብታትን ዳላትራፊክ ከምኡ ውን ኤስ ጀይ ተመልከት።

SJ

ስራሕን ትካላት ናይ ምምስራት ተኽእሎታትን

ሄደሙራ ብውልቂ ይኹን ከም ትካል ዝተዋህቦም ዕማም ዝዓሙን ብነኣሽቱ ትካላትን ትልለ። ብዙሓት ኣብታ ከተማ ዝነብሩን ዝነጥፉን ንናቶምን ካልኦትን ምህዞ ብዝጥዕም መገዲ ናይ ገዛእ ርእሶም ቦታ ስራሕ ፈጢሮም ይርከቡ። ሄደሙራ ቁጠባን/ትካላትን AB ትካል ክገብር፣ ክምዕብልን ንትካሉ ከፋልጣ ንዝደልን ካብ ክፍሊት ነጻ ዝኾነ ሓበሬታን ምኽርን ይልግስ።

እቶም ዝዓበቱ ዓውደ ስራሓት ምምሕዳር ሕክምና፣ ትካላት ማዕድናት፣ ኢንዱስትሪታት ከምኡ ውን ትሕዝቶ መሬትን ኣግራብን እዮም። ኣብ ቴክኒክ፣ ህንጻን ኢደጥበብ ምንጻፍን ብሉጽ ስራሓት ዝሰርሑ ትካላት ኣካል ቁጠባን/ትካላትን ምምሕዳር እዮም።