Leksand

ናይ መጠረሽታ ዝተሓደሰሉ: 12 10 2022

ለክሳንድ ውርይቲ ናይ በጻሕቲ ቦታ እያ፡ ምስ ስፖርትን ባህልን ዘሕብን ባህልን እተኣሳሰረት ከኣ እያ። ለክሳንድ ብዙሓትን ብርቱዓትን ዋኒናትን ንጡፋት ማሕበራትን ናይ ዕቤት ራእይ ዘለዋን እትሰፍሕ ዘላን ኮምዩን እያ።

ሓበሬታ ብዛዕባ ምምሕዳር ከተማ

ብመሰረት ናይቲ ኮምዩን ራእይ፡ እቲ ሕጂ ዘሎ 15,300 ብዝሒ ተቐማጣይ ኣብ 2025 ናብ 18,000 ኪሰጋገር እዩ። ተቐማጦ ለክሳንድ ክፉታትን ምቕሉላትን ንብዝሒ ባህልታት ድማ ከም ሃብቲ ዝርእዩዎ እዮም። እታ ኮምዩን ናይ ብዙሕ ዓመታት ናይ ስደተኛታት ምቕባልን ምውህሃድን ተመክሮ ዘለዋ እያ። ኣብታ ኮምዩን፡ ብዘይካ ከተማ ለክሳንድ፡ ካልኦት ኢንሾን፡ ሲልያንስነስን ተልበርይን እተባህላ ከተማታት፡ ከምኡውን ኣስታት 90 ነኣሽቱ ቁሸታት ኣለዋ።

መንበሪ-ገዛ

እቲ ኣብ ለክሳንድ ኮምዩን ዘሎ መቐበሊ ስደተኛታት ኣብ መንጎ ተቐማጦ ምፍልላይ ከይህሉ ይጽዕር። ምስቲ ኮሙናዊ ትካል ክራይ ኣባይቲ ለክሳንድ Leksandsbostäder AB ኴንና ነቶም ስደተኛታት ኣብ ከተማ ለክሳንድ መንበሪ ኣባይቲ ንቕርበሎም። ኣብኡ መንበሪ ኣባይቲ ዘካርያ ብዙሓት ብሕታውያን ትካላት ክራይ ኣባይቲውን ኣለዋ።

ካልእ ቋንቋታት ዝዛረቡ ተቐማጦ መን ኣለዉ ኣብቲ ቦታ

ብዘይካቲ መብዛሕትኦም ደቂ ለክሳንድ ዚዛረቡዎ ሽወደንን እንግሊዝን፡ መብዛሕትኡ ተቐማጣይ፡ ዓረብ እዩ ዚዛረብ። ካልእ ልሙድ ቋንቋ ድማ ፋርስ፡ ዳሪን ትግርኛን እዩ። ብምኽንያት ኣብ መንጎ ለክሳንድን እታ ኣብ ጃፓን እትርከብ ከተማ ቶበትሱን ዘሎ ዝምድና፡ ብዙሓት ተቐማጦ ለክሳንድ፡ ተመሃሮ ካልኣይ ደረጃ ከይተረፉ፡ ኣብ ቋንቋ ጃፓን ተገዳስነት ኣለዎም።

ማሕበራትን ምትእኻባትን

ለክሳንድ ከም ናይ ሽወደን ዝበለጸት ናይ ስፖርት ከተማ እያ፡ ኣብኣ ድማ ብዙሓት ዕዉታት ማሕበራት ስፖርት ኣለዋ። ኣብቲ ኮምዩን 200 እተፈላለያ ማሕበራት ኣለዋ። ካብኣተን ቅሩብ ንምጥቃስ፤ ሕብረባህላዊ ማሕበርን ናይ ሳዳካ ባህላዊ ማሕበርን። ኣብቲ ናይቲ ኮምዩን ናይ ማሕበራት ደብተር፡ እንታይ ማሕበራት ከም ዘለዋ ከተንብብ ትኽእል።

ኣብቲ ከባቢ ብቐረባ እንታይ ይርከብ

ለክሳንድ ነቶም ሓደስቲ መጻእቲ ኣድላዪ ኣገልግሎት ትህብ። ኣብታ ከተማ፡ ንኣብነት፡ ናይ ኤስኤፍኢ ስልጠና፡ ማሕበራዊ ቤትጽፈት፡ ቤትጽሕፈት ዕዮ፡ ቤትንባብን ናይ መድህን ቤትጽሕፈትን ኣሎ። ኣብኡ ብዙሕ ናይ ሰከንድሃንድ ድኳናት ኣለዋ፡ ግሩም ማእከል ከተማ፡ ነኣሽቱ ድኳናት ጥቓ ናይ ኢንሾን ዩልቶርየት (ክፋል ናይ ለክሳንድ ኮምዩን እዩ)፡ ከምኡውን ዓበይቲ ድኳናት ከም ናይ ቡርለንገ ኢከያ። ንሱ ካብ ለክሳንድ 45 ደቓይቕ ይወስድ።

ንስኻ ከም ሓድሽ መጻኢ ኣብቲ ሕብረተሰብ ንኽትሕወስ ሽወደናዊ ኣቦ ኪህልወካ ይኽእል። እዚ ተኽእሎዚ ፍሊክቲንጋይድ ዳላርና Flyktingguide Dalarna ይብሃል፡ ብምትሕብባር ለክሳንድ ኮምዩንን ሽወደናዊት ቤትክርስትያንን ድማ እዩ ዚሰርሕ።

ኣገልጎት ክንክን ወይ ሕብሐባ ቆልዑ

ኣብ ለክሳንድ ኮምዩን እተፈለላየ ዝዓይነቱ ኮሙናውን ብሕታውን ኣብያተትምህርቲ ህጻናት ኣሎ። እቶም ክኢላታት ሰራሕተኛታት ንናይ ነፍስወከፍ ህጻን ድሌት የትኩሩሉ፡ ንኹሉ ህጻን፡ ውሕስነትን ፍልጠትን ንመጻኢ ድማ ድልዱል ባይታ ከቕርቡሉ ይሰርሑ።

መባእታ ኣብያተ ትምህርትን ካልኣይ ደረጃ ኣብያተ ትምህርትን

ትሕቲ 16 ዓመት ዝዕድመኦም ህጻና ኣብቲ ናትና መባእታ ኣብያተትምህርቲ ቦታ ይውሃቦም። ኣብ መንጎ 16ን 19ን ዓመት ዘለዉ ኸኣ ናብ ካልኣይ ደረጃ ኪኸዱ ዕድል ኣለዎም። እተን ኣብያተትምህርቲ ብቕዓት ዘለዎ ትምህርቲ እየን ዚህባ። ሽወደን ዘይክእሉ ተመሃሮ ብቛንቋ ኣዲኦም ብሓያሎ ዓይነት ትምህርቲ ሓገዝ ይረኽቡ። እቶም ኣብ ገዝኦም ብዘይካ ሽወደን ካልእ ቋንቋ ዚዛረቡ፡ ብናይ ኣደኦም ቋንቋ ትምህርቲ ይውሃቦም።

ዕድላት ትምህርቲ

ከም በጽሒ፡ ኣብቲ ናይ ኤስኤፍኢ ስልጠና (ሽወደን ንወጻእተኛታት) ክትምሃር ትዕደም። ዕላማኡ መታን ቋንቋ ሽወደን ኣብ መዓልታዊ ናብራን ኣብ ስራሕን ቤትትምህርትን ንክትርዳእን ክትዛረብን እዩ። እቲ ትምህርቲ ምስቲ ዝሓለፈ ተመክሮኻ ዚሰማማዕ ኮይኑ እዩ ዚቐርብ። ካብ ዓዲ ናይ ቀለም ወይ ሞያ ትምህርቲ እንተ ነይሩካ እቲ ብቕዓትካ ኪምዘን እዩ። ቋንቋ ሽወደን ብኹሉ ሸነኹ ምስ እትፈልጦ፡ ከም ካልኦት ትምህርትኻ ክትቅጽል ትኽእል። ሓድሽ መጻኢ ብምዃንካ ብዛዕባ ሽወደናዊ ማሕበረሰብ ንኽትመሃርውን ተኽእሎ ኣሎ።

ተምሃሮን መምህርን ኣብ ሓደ ክፍሊ ኣብ ኮምቩክስ።

ኣገልጎት ጥዕና

ናይ ለክሳንድ ማእከል ጥዕና ነቶም ሓደስቲ መጻእቲ ብዛዕባ ጥዕናኦም ኪመያየጡ ኪምርመሩን እንተ ኣድልዩ ድማ ምስ ክኢላታት ሓከምቲ ኪራኸቡ ይዕድም። ኣብቲ ማእከል ጥዕና ናይ ኣደታትን ህጻናትን ክሊኒክ ኣሎ። ኣብቲ ውሽጢ ህንጻ ሓኪም ስኒውን ኣሎ። ናይ ህጹጽ ሕክምና ኣብ ሞራን ፋሉንን ይርከብ።

ናይ ቋንቋ ድግፍ-ተርጓሚ ምርካብ

ምልከት ቋንቋ ሽወደን እንተዘይብልካ ምስ ኩሎም ትካላት ኣብ እትገብሮም ርክባት ቶርጓማይ ናይ ምርካብ መሰል ኣሎካ። ኣብ እዋን ቆጸራ ቶርጓማይ ናይ ምቕራብ ሓላፍነት ናይቲ ትካል እዩ።

ኣገልግሎት መጎዓዝያ

ኣብ ለክሳንድ ኮምዩን ሰለስተ ባቡር ጣብያታት ኣሎ፡ ከምኡውን ናብ ቀረባ ከተማታት ከም ተልበርይን ረትቪክን ክትከይድ ምስ እትደሊ፡ ናይ ኣውቶቡስን ባቡርን ኣገልግሎት ኣሎ። ብዙሓት ተቐማጦ ለክሳንድ ናብተን ከም ቡላንገ፡ ሙራ ወይ ፋሉን እተባህላ ዓበይቲ ከተማታት መዓልታዊ በጺሖም ይምለሱ። እቲ መስመራት ብ SJ, Tåg i Bergslagen ከምኡውን Dalatrafik.​ እዩ ዚመሓደር።

ብዛዕባ ኣብዚ ኮሙን ዘሎ ህዝባዊ መጓዓዝያ ብዝያዳ ኣንብብ።

ስራሕን ትካላት ናይ ምምስራት ተኽእሎታትን

ለክሳንድ ኮምዩን እቲ ዝዓበየ ወሃብ ስራሕ እዩ፡ ኣብ እተፈላለየ ሞያታት እተዋፈሩ ኣስታት 1500 ሰራሕተኛታት ከኣ ኣለዉዎ። ኣብቲ ናይቲ ኮምዩን ወብሳይት ብዛዕባ ክፉት ቦታታትን ብዛዕባቲ ኮምዩን ከም ወሃብ ስራሕን ከተንብብ ትኽእል።

ብተወሳኺ፡ ኣብ እተፈላለየ ንጥፈታት እተዋፈራ ኣስታት 1000 ዓበይትን ነኣሽቱን ዋኒናት ኣለዋ፡ እዚ ከኣ ብመጠን ናይቲ ኮምዩን ስፍሓት ኣዚዩ ብዙሕ እዩ። ዝዓበያን ፍሉጣትን ዋኒናት እዘን ዝስዕባ እየን፤ ክላስ ኦልሶን፡ በርግክቪስት፡ ኢንሾን፡ ቶሞኩሁስ፡ ለክሳንድስብረድን አየንዳልስን። ኣብ ተልበርይ ብዙሓት ሆተላት ኣለዋ፡ ኣብ ለክሳንድ ድማ ናይ ሽወደን ቀዳመይቲ ናይ ካምፒን ቦታ፡ ለክሳንድ ሶማርላንድ ን elithockeylaget Leksands IF. ይርከብ።