Ludvika

ናይ መጠረሽታ ዝተሓደሰሉ: 12 10 2022

ሉድቪካ ኮሙን ኣብ ደቡብ ዳላርና ተደኵና ትርከብ። ኣብዚ ንንጡፍ ናይ ትርፊ ግዜ ንጥፈታት ኣብ ዝዕድም ኣብ ጥቓ ሓደ ዘደንቕ ተፈጥሮ ትቕመጥ። ኣብ ማእከል ሉድቪካ ኵሉ ዘድልየካ ኣገልግሎት ኣብ ቀረባ ኣለካ።

ሓበሬታ ብዛዕባ ምምሕዳር ከተማ

ኣብዚ፡ ኣብ ሓደ ውሑስ ኣከባቢ ትነብር፡ እቶም ቈልዑ ልዑል ደርጃ ናብ ዘለዎ መውዓሊ ህጻናትን ቤት ትምህርትን ይኸዱ። ከምኡ'ውን ኣካል ናይ ሓደ ሃብታም ማሕበራዊ ሂወት ትኾኑ። ሉድቪካ ብዙሓት ንጹር ድልየት ናይ ምዕባይ ዘለወን ድልዱላት ትካላት ዘለውኣ ትሰፍሕ ዘላ ኮሙን እውን እያ። እቲ ኣብ ማእከል ሉድቪካ ዝርከብ ናይ ባቡርን ኣውቶቡስን መደብር፡ ናብ ስቶኮልምን ናብ ካልኦት ዓበይቲ ከተማታትን ጽቡቕ መራኸቢታት ኣለዎ። እዚ ኮሙን ንቕበላ ስደተኛታትን ምውህሃድ ኣብ ሕብረተሰብን ንዝምልከት፡ ኣወንታዊ ዝኾነ ናይ ነዊሕ ዓመታት ተመኩሮ ኣለዎ። ነበርቲ ሉድቪካ፡ ጋህዲ፡ ንሰባት ብታሕጓስ ዝቕበሉን ንሓደ ብዙሐ-ባህሊ ዘለዎ ሕብረተሰብ ከም ሓይሊ ዝርእይዎን እዮም።

መንበሪ-ገዛ

ክፍሊ ምቕባል ስደተኛታት ከተማ ሉድቪካ፡ ናይ መንበሪ-ኣባይቲ ኣፈላለይ ከይፍጠር ዝከኣሎ ጻዕሪ ይገብር። ኣብ ከተማ ሉድቪካ ዝተፈላለየ ዓይነት መንበሪ-ኣባይቲ ይርከብ። ዝካረ፡ ዝሽየጥ፡ ቪላታትን ፍልይ ዝበለ ነኣሽቱ ኣባይትን ትረኽቡ። ኣብ መርበብ-ሓበሬታ ምምሕዳር ከተማ፡ ኣድራሻታት ናይተን ኣባይቲ ዘካርያ ትካላት ክትረኽቡ ትኽእሉ።

ቀይሕ ናይ ዕንጨቲ ህንጻ ኣብ ልሙዕ ጀርዲን፡ ከም ኣብነት ናይ መንበሪ ዓይነት ኣብ ሉድቪካ።

ካልእ ቋንቋታት ዝዛረቡ ተቐማጦ መን ኣለዉ ኣብቲ ቦታ

ብዜካ ቋንቋ ሽወደንን እንግልዝኛን፡ ኣብ ከተማ ሉድቪካ ካልእ ቋንቋታት ዝዛረቡ ነባሮ ኣለዉ። ገለ ካብዘን ቋንቋታት ንምጥቃስ፡ ዓረበኛ፡ ኢራነኛ፡ ዳሪ፡ ትግርኛ፡ ሶማለኛ፡ ታይላንድ፡ ሆላንደኛ፡ ራሻ፡ ክልእን ይርከቡ።

ማሕበራትን ምትእኻባትን

ኣብ ከተማ ሉድቪካ፡ ልክዕ ከምቲ ባሕርን ማይን ናይቲ ከባቢ፡ ብርክት ዝበላ ማሕበራት ይርከባ። ኣብዚ ከተማ'ዚ፡ ኣስታት 370 ማሕበራት ይርከባ። ዝርዝር ኣስማተን ኣብ መዝገብ-ማሕበራት ክትረኽብዎ ትኽእሉ። እዘን ማሕበራት እዚኣተን፡ ካብ ነኣሽቱ ናይ ዓዲታት ክሳብ ዓበይቲ ማሕበራት ይርከብአን።

ሰለስተ ብጋንጽላ ዝንቀሳቐሳ ያውል፡ ብድሕረ-ምድሪ ሉድቪካ

ኣብቲ ከባቢ ብቐረባ እንታይ ይርከብ

እቲ ኣብ ሉድቪካ ዝርከብ ብፊሬንድስካፕስሁሰት (ብህንጻ-ምሕዝነት) ዝፍለጥ ህንጻ መኣዲ-ርክብ ሽወደናውያንን ሓደስቲ ስደተኛታት እዩ። ድሕረ-ባይታ ብዘየገድስ፡ እዚ ንሌላ፡ ባህላዊ ቋንቋኣውን ማሕበራውን ተምርኵሮታት፡ ምልውዋጥ ዝዓለመ መኣዲ፡ ንኹሉ ክፉት እዩ።

ክልተ ሰብኡት ኣብ መእተዊ ናይ ፍሬንድስካፕስሁሰት።

መኣዲ-ርክብ ፊሬንድስካፕስሁሰት ነቲ ኣብ መንጎ ዝተፈላለዩ ሰባት ክህሉ ርሕቀት ብምውጋድ ወይ ውን ንሰባት ብምቕርራብ፡ ርኽክብ ንምቕላል ዝዓለመ እዩ። ኣብዚ ማእከል'ዚ ብርክት ዝበለ ንጥፈታት ይዳሎ። ንኣብነት፡ ርኽክባት ደቂ-ኣንስትዮ፡ ትምህርቲ፡ ባህላዊ ንጥፈታት፡ ኣገልጎታት ንሓደስቲ ስደተኛታት፡ ሕብረተ-ሰብኣዊ ሓበሬታ፡ ኣገልግሎት ምትርጓም፡ ሓበሬታ ብዛዕባ ዝተፈለለያ ማሕበራት፡ ይርከብ።

ኣገልጎት ክንክን ወይ ሕብሐባ ቆልዑ

ኣብዚ ከተማ'ዚ፡ ነቶም ቆልዑ ዘለዎም ኣገልግሎት መዋዓሊ-ህጻናት ኣሎ። ምምሕዳር ከተማ፡ ነቶም ካብ 1 ክሳብ 5 ዓመት ዝዕድሚኦም ህጻናት ዝዓለመ፡ ትምህርታዊ ንጥፈታት ውን ኣለዎ። ንተወሳኺ ዝርዝር ብዛዕባ'ዚ፡ መርበብ-ሓበሬታ ምምሕዳር ከተማ ብምእታው ከተንብቡ ትኽእሉ።

መባእታ ኣብያተ ትምህርትን ካልኣይ ደረጃ ኣብያተ ትምህርትን

ትምህርታዊ ንጥፈታት ኣብ ከተማ ሉድቪካ ኣብ ስለስተ ዝተኸፍለ ኮይኑ፡ ኣዚለ ክፍሊ፡ መባእታዊ-ደረጃ ትምርህቲ (1ይ ክሳብ 9ይ ክፍሊ) ከምኡ ውን ፍሉይ-ትምህርቲ፡ የጠቓልል። ኣብ ከተማ ሊድቪካ፡ ኣስታት 2600 ካብ ኣዚለ ክሳብ 9 ክፍሊ ዝርከብዎም ተማሃሮ ሒዘን ዝርከባ፡ 18 ናይ መባእታ ደረጃ ኣብያተ-ትምህርቲ ይርከባ። ብዜካ'ዚ፡ ካብ 1ይ ክሳብ 10ይ ክፍሊ ዝርከብዎም ኣስታት 33 ተማሃሮ ዝሓዘ ክልተ ፍልይ ኣብያተ-ትምህርታት ውን ኣለዋ።

ኣብ ከተማ ሉድቪካ ክልተ ናይ ማእከላይ-ደረጃ ኣብያተ-ትምህርቲ ይርከባ። ንሳተን ከኣ፡ እታ ብክልተ ምምሕዳር ከተማታት፡ ማለት ሉድቪካን ስመድየባከንን እትምእከል፡ ናይ መንግሰቲ ዝኾነት፡ ቬስትባሪስሎገን ኡትቢልድኒን ሰንትሩም ከምኡ ውን እታ ናይ ግሊ ዝኾነት፡ ኢንዱስትሪ ጂምናስዩም ኦቢቢ።

ዕድላት ትምህርቲ

ኣብ'ዚ ከተማ'ዚ፡ ዝተፈላለየ መደባት ትምህርቲ ንዓበይቲ ከምኡ ውን መደብ ትምህርቲ ቋንቋ ሽወደን ንዓበይቲ ይወሃብ እዩ። ንተወሳኺ፡ ኣብ መርበብ-ሓበሬታ ምምሕዳር ከተማ ብምእታው፡ ብዛዕባ ትምህርታዊ ዕድላት፡ ብዝርዝር ከተንብቡ ትኽእሉ።

ተምሃሮን መምህርን ዘለውዎ ሓደ ክፍሊ ኣብ ኮምቩክስ።

ኣገልጎት ጥዕና

ኣብ ሉድቪካ እቲ ኮሙን ኵሉ ሰብ ክምእምኦን ጥዕንኡ ዝተሓለወን ክኸውን እዩ ዚደሊ። ምስ እትሓምም፡ ማህሰይቲ ምስ ዘጋጥመካ፡ ወይ ምኽሪ ምስ እትደሊ፡ እቲ ትደልዮ ንኽትረክብ ሓገዝ ክትረክብ ትኽእል ኢኻ። እዚ ዞባ ናይ መብዛሕትኡ እትረኽቦ ኣገልግሎት ጥዕናን ሕክምናን ሓላፍነት ኣለዎ። ምስ እትሓምም ምስዚ ዞባ ኢኻ ርክብ ትገብር።

Tolkhjälp

ምምሕዳር ከተማ ሉድቪካ፡ ነቶም ብሰንኪ ሓጽረት ቋንቋ ሽወደን ነገራቶም ባዕሎም ከሳልጡ ዘይክእሉ፡ ምስ መንግስታዊ ትካላት ኣብ ዝገብርዎ ርክባት ተርጓሚ ክቆጽረሎም ድሉው እዩ። ነዚ ንምርጋግጽ ከኣ፡ ምምሕዳር ከተማ ኣገልግሎት ትርጉም ዝህብ ትካል ኣለዎ። እዚ ትካል'ዚ፡ ምትርጓም (ብቓል) ምትጓም (ጽሑፍ) ካልእ ናይ መልእኽታት ኣገልግሎታትን ኣብ ምሃብ ከኣ ይነጥፍ።

ኣገልግሎት መጎዓዝያ

ከተማ ሉድቪካ ካብ ከተማ ስቶክሆልም ናይ ክልተ ሰዓት ጉዕዞ ርሒቓ ትርከብ። ካብ ከተማ ቬስተሮስ 11 ማይል ካብ ኦረብሩ 12 ማይል ርሒቓ እትርከብ ከተማ ሉድቪካ፡ ክትሰርሓሉን ክትነብረሉን ዘብህገካ ቦታ እዩ።

ኣብ ልዕሊ ሓደ ዝተሸፈነ መሳገሪ ድልድል ብሽክለተኦም ዝመርሑ ዘለዉ ክልተ ሰባት።

ስራሕን ትካላት ናይ ምምስራት ተኽእሎታትን

ኣብ ከተማ ሉድቪካ ዝርከብ ትካል ኦቢቢ፡ ኣብቲ ቦታ እቲ ዝዓበየ ወሃቢ-ስራሕ ኮይኑ ኣስታት 2700 ሰራሕተኛታት ኣለዎ። ቀጺሉ ዝዓበየ-ወሃቢ ስራሕ ከኣ፡ ምምሕዳር ከተማ ሉድቪካ እዩ። ኣብ መርበብ-ሓበሬታ ምምሕዳር ከተማ ክፍቲ ናይ ስራሕ ቦታታትን ንወሃብቲ-ስራሕ በቲ ምምሕዳር ዝግበር ድጋፋትን፡ ክትርእዩ ትኽእሉ።

ኣብ ከተማ ሉድቪካ፡ ነቶም ናቶም ትካል ክምስርቱ ዝደልዩ ሰባት ሓገዝ ይግበረሎም እዩ። ኣብ ምምሕዳር ከተማ ነዚ ዘማእክልን ፍቓድ ትካላት ንምውጻእ ዝተሓባበረኩምን፡ ክፍሊ ንግዲ ኣሎ።