ኩነታት መንበሪ-ኣባይቲ
ንመንበሪ-ኣባይቲ ኣብ ኣውራጃ ያቭለ ብዝምልከት ብዙሕ ኣማራጺታት ኣሎ። ንኣብነት ኣብ ውሽጢ ከተማ ወይን ኣብ ምሕድግ ዝበለ ዓዲታት ናይ ምንባር ኣማራጺታት ኣሎ። ኣብተን ዝተፈላለያ ነዚ ኣውራጃ ዘቁማ ከተማታት ብምምሕዳር ናይቲ ከተማታት ዝውነና፡ ትካላት ክራይ-ኣባይቲ ይርከባ። ብዜካ'ዚ ናይ ግሊ ትካላት ውን ኣለዋ። ኣበይ ከተማ ገዛ ቀልጢፉ ይርከብ ዝብል ሕቶ ካብ ቦታ ናብ ቦታ ዝተፈላለየ ክኸውን ይኽእል። ንተወሳኺ ሓበሬታ ኣብ ናይ ነፊሲ-ወከፍ ከተማ መላለዪ ሓበሬታ፡ ትረኽብዎ።