Gävleborgs län

ናይ መጠረሽታ ዝተሓደሰሉ: 12 10 2022

ኣውራጃ ያቭለቦሪ ንዞባታት የስትሪክላንድስ ሄልሲንግስላንድስ ዘጠቓልል ኮይኑ፡ ኣብ ሽወደን ዝሰፍሐ ጫካ ዝርከቦ ኣውራጃ’ዩ። እዚ ኣውራጃ’ዚ ናብ 10 ከተማታት ዝተመቐለ ኮይኑ፡ ኣስታት 280000 ተቐማቶ ይርከብዎ።

Map of Sweden Created with Highcharts 10.2.1

ኮሙንናት ኣብ

ኮሙንናት ኣብ Gävleborgs län

ኣብ ታሕቲ እታ ብዛዕብኣ ብዝያዳ ከተንብብ ትደልያ ኮሙን ኣብ Gävleborgs län ምረጽ

ካብዘን ዝተጠቕሳ ኣካል ናይ'ዚ ዞባ ዝኾና ከተማታት፡ እታ ዝዓበየት ከተማ ያቭለ ኮይና፡ ኣስታት 97000 ተቐማጦ ድማ ኣለዋ። ኣካል ናይዚ ዞባ ዝኾና ከተማታት፡ ሳድቪከን፡ ሁዲክስቫል፡ ቦልናስ፡ ሶደርሃምን፡ ኡቫንኦከር፡ ሆፎሽ፡ ኑርዳንስቲግን ኦከልቦን፡ እየን። ያቭለ ኣብ ሽወደን ማእከላይ ቦታ እትሕዝን ስትራተጂካዊ ኣገዳስነት ዘለዋ ከተማ እያ። ካብ ያቭለ ናብ መዕርፎ-ነፈቲ ስቶክሆልም ሰዓት ናብ ስቶክሆልም ከኣ ሰዓትን ፈረቓን ይወስድ። ንብዙሕ ዓመታት ኣውራጃ ያቭለ፡ ብዙሓት ስደተኛታት ኣብ ምቕባል፡ ዓቢ ተበግሶታት ክወስድን ዝወስድ ዘሎን ዞባ እዩ።

ኩነታት መንበሪ-ኣባይቲ

ንመንበሪ-ኣባይቲ ኣብ ኣውራጃ ያቭለ ብዝምልከት ብዙሕ ኣማራጺታት ኣሎ። ንኣብነት ኣብ ውሽጢ ከተማ ወይን ኣብ ምሕድግ ዝበለ ዓዲታት ናይ ምንባር ኣማራጺታት ኣሎ። ኣብተን ዝተፈላለያ ነዚ ኣውራጃ ዘቁማ ከተማታት ብምምሕዳር ናይቲ ከተማታት ዝውነና፡ ትካላት ክራይ-ኣባይቲ ይርከባ። ብዜካ'ዚ ናይ ግሊ ትካላት ውን ኣለዋ። ኣበይ ከተማ ገዛ ቀልጢፉ ይርከብ ዝብል ሕቶ ካብ ቦታ ናብ ቦታ ዝተፈላለየ ክኸውን ይኽእል። ንተወሳኺ ሓበሬታ ኣብ ናይ ነፊሲ-ወከፍ ከተማ መላለዪ ሓበሬታ፡ ትረኽብዎ።

ንግዳዊ-ንጥፈታትን ወሃብቲ-ስራሕን

ቑጠባዊ ድሕረ-ባይታ ናይዚ ዞባ፡ ሓይሉ ኣብ መዳይ ፍርያት-ነሓስን ካልእ ናይ ምስናዕ ፋብሪካታት ዝዘምበለ እዩ። ገለ ካብተን ኣብዚ ዞባ ዝርከባ ትካላት፡ ሳንድቪክ፡ ኡቫኮ፡ ኮሽኔስን፡ ኢገሱንድን ይርከብአን። ካብ ዝሓለፈ ሒደት ዓመታት ኣትሒዙ ውን ጽላት ህዝባዊ ኣገልግሎታት፡ እናዓበየ ክምጽእ ተራእዩ እዩ። እዚ ጽላት'ዚ ኣብዚ እዋን፡ ቁጽሪ ሰራሕተኛታቱ ብምርኣይ፡ እቲ ቁልጡፍ ምዕባሌ እናርኣየ ዝመጽእ ዘሎ ጽላት ኮይኑ፡ ኣብ መዳያት ጽዓትን ከባብያዊ-ተክኒን ዓበይቲ ትካላት ኣብ ምምስራት ደፋኢ ሓይሊ ክኸውን ትጽቢት ይግበረሉ። ኣብ ዝሓለፈ ሒደት ዓመታት ብዙሓት ኣብ መዳይ ኣይ.ቲ (ሓበሬታዊ-ተክኖሎጂ) ዝተቐልቐላ ትካላት ንኣብነት ከም፡ ጂ.ኣይ.ኤስ፡ ፊይበር-ኦፕቲክ፡ ኢንዱስትርያዊ ኣይ.ቲ ማእከል ኣገልጎታት ዓማዊልን ይርከብአን። እቲ ብናህሪ እናዓበየ ዝመጽእ ዘሎ ጽላት ኣብቲ ዞባ ግን፡ ጽላት ምዝንጋዕን ዙረትን እዩ።

ኣስታት 40% ተቐማጦ ናይ'ዚ ኣውራጃ ኣብ ህዝባዊ ወይ መንግስታዊ ጽላት (ክንክን፡ ቤት-ትምህርቲ፡ ምሕብሓብ ወይ ምእላይን) ይሰርሑ።

ንጥፈታት ሲቪላዊ-ማሕበራት ኣብ መዳይ ምውህሃድ ኣብ ሕብረተ-ሰብ

ንዜጋታት፡ ዕጋበትን ጥጡሕ ባይታን ንምፍጣር ኣብ ኣውራጃ ያቭለቦሪ ኩሎም መንግስታዊ ኣካላት፡ ትካላት፡ ማሕበራትን ምትእኽኻባትን ኢድን ጓንትን ኮይኖም ሓቢሮም ይሰርሑ። ዓላማ ናይዚ ምውህሃድ ጻዕሪታት'ዚ ምቹእ ህወት ዜጋታትን ሓደስቲ ስደተኛታትን ንምጥጣሕን ንኣውፈርቲ ወይ ወይ ወነንቲ ትካላት ዝምእምእ ሃዋህም ንምፍጣርን ዝዓለመ እዩ።

ኣብያተ-ትምህርታትን ትምህርትን

እዛ ኣውራጃ ኣብ የቭለ እትርከብ ዩኒቨርስቲ ይርከባ። እዛ ዩኒቨርስቲ 1977 ዝተመስረተት ኮይና ኣብ መፋርቕ 90ታት እያ ዝያዳ ብናህሪ ክትዓቢ ዝተራእየት። ተራ ናይ'ዛ ዩኒቨርስቲ (ምስ ካልኦት ተዋሳእቲ ብምትሕብባር) ኣብ ምርግጋጽ ዝተፈላለየ ሕብረተ-ሰብኣዊ ዓወታት ኣቓሊልካ ዝርአ ኣይኮነን። ብመንገዲ ናይዛ ዩኒቨርስቲ፡ ምስ ናይ ቀረባ ትካላት ከም በዓል ሳንድቪክን ኮሽኔስን ጽቡቕ ናይ ምትሕብባር ስምምዕ ከም ዝብጻሕ ተጌሩ።

ኣገልግሎት ጥዕና

ኩሎም ነባሮ ዞባ የቭለቦርይ፡ ግቡእ ክንክን ጥዕናን ሕክምን፣ ኣገልግሎታት ክንክን ስኒን ንኽግበረሎም ምርግጋጽ፡ ሓላፍነት ምምሕዳር ዞባ እዩ። ብዘይካዚ ምምሕዳር ዞባ ንበጻሕቲ ህጹጽ ናይ ሕክምና ረድኤትን ክንክንን ክረኽቡ እውን ሓላፍነቱ እዩ። እዞም ዝተጠቕሱ ሰባት፡ ናብ የቭለ ሰብ ክበጽሑ ዝምጸኡ፡ ንኣብነት፡ መሓዙት፡ ቤተሰብ፡ ስደተኛታት ወይ ውን ቱሪስት ክኾኑ ይኽእሉ።

ኣብ ኣውራጃ ያቭለቦሪ፡ ስለስተ ሆስፒታላት ይርከባ። ንሳተን ከኣ፡ ኣብ ያቭለ፡ ሁዲክስቫል፡ ከምኡ ውን ቦልናስ ይርከባ። ብዜካ'ዘን ዝተጠቕሳ ዕብይ-ዝበላ ሆስፒታላት፡ ብርክት ዝበላ መንግስታውን ከምኡ ውን ናይ ግሊ ጥዕናዊ-ማእከላት ውን ይርከባ።

ባህላውን ናይ ምዝንጋዕ ንጥፈታትን

ኣብ ኩሉ ከባቢታ ኣውራጃ ያቭለቦሪ፡ ብርክት ዝበለ ስፖርታዊ፡ ባህላዊ ከምኡ ውን ምዝንጋዓዊ መደባት ኣሎ። ዝተፈላለየ ንጥፈታት ማእከል ብምግባር ዝነጥፋ ብርክት ዝበላ ማሕበራትን ምትእኽኻባትን ውን ኣብቲ ዞባ ይርከባ። ኣብ ኩሉ ከባቢታ ኣውራጃ ያቭለቦሪ፡ ብርክት ዝበለ ስፖርታዊ፡ ባህላዊ ከምኡ ውን ምዝንጋዓዊ መደባት ኣሎ። ዝተፈላለየ ንጥፈታት ማእከል ብምግባር ዝነጥፋ ብርክት ዝበላ ማሕበራትን ምትእኽኻባትን ውን ኣብቲ ዞባ ይርከባ። እዚ ዞባ'ዚ ብጎቦታት፡ ባሕሪ፡ ቀላያት፡ ደሴታት፡ ጫካን ክፉት ጎላጉልን ተኸቢቡ ዝርከብ ብምዃኑ፡ ንነባሮ ዘአንግዶም ተፈጥሮኣዊ ተመስጦታት ቀሊል ኣይኮነን።