Nordanstig

ናይ መጠረሽታ ዝተሓደሰሉ: 12 10 2022

ኖርዳንስቲግ ኮሙን ኣብ ሰሜን ሃልሲንግላንድ ጥቓ ናይ ሽወደን ሕምብርትን ኣብ መንጎ ሁዲክድቫልን ሱንድስቫልን ይርከብ።

ሓበሬታ ብዛዕባ ምምሕዳር ከተማ

እቲ ኮሙን ካብቲ ብሑጻ ጽመልአ ገማግም ባሕርን መግፈፍ ዓሳን ውቁባት ደሴታትን ክሳዕ ናይቲ ውሽጢ ዓዲ ድንግል መሬትን ዓሳን መንሸራተትን ዘለዎን ዓበይቲ ዱራትን ይዝርጋሕ። እንቋዕ ናብ ኖርዳንስቲግ ብደሓን መጻእኩም።

መንበሪ-ገዛ

ኣብ ኖርዳንስቲግ ኮሙን ሓያሎ ኪራይ ኣባይቲ ዘቕርባ ኩባንያታት ኣለዋ። እቲ ዝዓበየ ኣካራዪ እቲ ኖርዳስቲግ ቡስታደ ኦ.ቤ እተባህለ ትካል እዩ። ንሱ ኣብ መብዛሕትአን ናይቲ ኮሙን ከተማታት፡ ኣባይቲ ኣለዎ። ከምኡውን ገለ ብሕታውያን ኣካረይትን ገዛ ዝሸጡ ኣራኸብትን ኣለዉ።

ካልእ ቋንቋታት ዝዛረቡ ተቐማጦ መን ኣለዉ ኣብቲ ቦታ

ኣብ ኖርዳንስቲግ ኮሙን ካብ እተፈላለያ ሃገራት ዝመጹ ተቐማጦ ኣለዉ። ኣብኡ ብዘይካ ሽወደንን እንግሊዝን፡ ሶማሊን ዓረብን ትግርኛን ፋርስን ይዝረብ።

ማሕበራትን ምትእኻባትን

ኣብ ኖርዳንስቲግ ኮሙን ናይ ስፖርት፡ ባህልን ዝንባለን ማሕበራት ከምኡውን ኣብያተክርስትያንን እተፈላለያ ካልኦት ማሕበራት ኣለዋ። ኣብ ኖርዳንስቲግ እቲ ናይ ማሕበራት ጽላል ውድባት ዝኾነ ኖርዳንስቲግ ቤትምኽሪ ማሕበራት ይርከብ።

ኣብቲ ከባቢ ብቐረባ እንታይ ይርከብ

ኣብ ኖርዳንስቲግ ኮሙን ከም ሓኪም ስኒ፡ ማእከል ጥዕናን ቤትጽሕፈት መራኸቢ ስራሕን ዝኣመሰሉ ኣድለይቲ ኣገልግሎታት ኣለዉ። ኣብዚ፡ ናይ መግቢ ሸቐጥን እንዳ ኣጫርቕን ናይ ስራሕ ክዳውንትን፡ ናይ ጃርዲን ማሺናት፡ ብሺግለታታትን ህያባትን ይርከብ። ኣብቲ ናይ ቱሪዝም ቤትጽሕፈት መርበብ ኢንተርነት ኡፕለቭ ኖርዳንስቲግ Upplev Nordanstig ብዛዕባ ናይቲ ኮሙን እተፈላለየ ንጥፍታትን ፍጻመታን ይርከብ።

ኣብቲ ኮሙን ናይ ሰከንድሃንድ ኣማራጺታት ኣሎ፡ ከምኡውን ኣብ ሁዲክስቫል ክዳውንትን ኣቕሑ ክሽነን ኣቕሑ ገዛን ዝሸጣ ሰከንድሃንድ ቡቲካት ኣለዋ። እቲ ዝቐረበ ኢከያ ኣብ ሱንድስቫል ይርከብ። ኣብ በርይሾ፡ ሲነማ፡ ኣብ በርይሾን ሃሰላን ግናርፕን ሃርሞንገርን ድማ ቤትንባብ ኣሎ።

ኣብ ስታሹንቨገን 2 በርይሾ፡ እቶም ኣብ ወጻኢ እተወልዱ ሓበሬታን ሓፈሻዊ ኣገልግሎትን ዚረኽቡሉ ናይ ስደተኛታት ኣሃዱ ኣሎ። ኣብኡ ድማ ሶማልን ዓረብን ዚዛረቡ ሰራሕተኛታት ኣለዉ።

ኣገልጎት ክንክን ወይ ሕብሐባ ቆልዑ

ኣብ ኖርዳንስቲግ ኮሙን ኣብ ከተማታት በርይሾ፡ ግናርፕ፡ ሃርሞንገር፡ ሃሰላ፡ ኢልስቡን የተንዳልን ብሕታውያን ኣጸደ ህጻናት ኣለዋ

መባእታ ኣብያተ ትምህርትን ካልኣይ ደረጃ ኣብያተ ትምህርትን

እቲ ኮሙን ክሳዕ 9ይ ክፍሊ ዚበጽሕ መባእታዊ ቤትትምህርቲ ኣለዎ። ኣብቲ ናይቲ ኮሙን መርበብ ኢንተርነት ንመባእታዊ ቤትትምህርቲ ዚምልከት ከምኡውን ብዛዕባ ተኽእሎታት ትምህርቲ ካልኣይ ደረጃ ዝያዳ ሓበሬታ ኣሎ።

ዕድላት ትምህርቲ

ኣብቲ ናይ ኖርዳንስቲግ ኮሙን ዚርከብ በርይሾ ዘሎ ትምህርቲ ኣባጽሕ፡ ነዚ ዚስዕብ ስልጠናታት ይህብ፣ መተኣታተዊ መደባት፡ መሰረታዊ ትምህርቲ ኣባጽሕ፡ ካልኣይ ደረጃዊ ትምህርቲ ኣባጽሕ፡ ሽወደን ንወጻእተኛታትን ሰርቩክስን። እቲ ትምህርቲ ኣባጽሕ ኣብ ቀረባ ግዜ ስልጠና ብኮለጅ ደረጃ ጀሚሩ፣ እተመስከረሉ ፖሊተክኒክ ተክኒሻን- ፕሮሰስ 400 Yh-poäng

ኣገልጎት ጥዕና

ኣብ ውሽጢ እዚ ኮሙን ናይ ብዙሕ ዓይነት ክንክን ተኻፋሊ ክትከውን ትኽእል ኢኻ። ኣብዚ ንኣብነት፡ ንሓፈሻዊ ጕዳያት ዝርኢ ሓደ ማእከል ክንክን ጥዕና፡ ከምኡ'ውን ክንክን ቈልዑ፡ ክንክን ኣዴታትን ክንክን ስኒን ናይ ምርካብ ዕድል ኣሎ።

ናይ ቋንቋ ድግፍ-ተርጓሚ ምርካብ

ምስ ኩሉ ሰበስልጣን ወይ ኮሙን ወይ ክንክን ጥዕና ክትራኸብ ከሎኻ ቋንቋ ሽወደን ድማ ዘይትዛረብን ዘይርድኣካን ምስ ዚኸውን ናይ ተርጓማይ ሓገዝ ንምርካብ መሰል ኣሎካ። እዚ ድማ በቲ ዝምልከቶ ኣካል ኣቐዲሙ ይተሓዝ።

ኣገልግሎት መጎዓዝያ

ኖርዳንስቲግ ኮሙን ኣብ መንጎ ከተማታት ሱንድስቫልን ሁዲክስቫልን ይርከብ። ካብን ናብን ግናርፕ ድማ ዞባዊ/ረዩናል ባቡር ኪውሰድ ይከኣል። ኣብኡ፡ ካብን ናብን ሁዲክስቫልን ከምኡውን ካብን ናብን መብዛሕትኡ ናይቲ ኮሙን ከተማታትን ግሩም ናይ ኣውቶቡስ መስመራት ኣሎ። X-trafik መስመራት ኣውቶቡስን ዞባዊ/ረዩናል ዘካይድ ዋኒን እዩ።

ስራሕን ትካላት ናይ ምምስራት ተኽእሎታትን

ኖርዳንስቲግ ኮሙን ነኣሽቱ ዋኒናት ኣለዎ፡ ሓድሽ ዋኒን ክትከፍት ምስ እትደሊ ነቲ ናይቲ ኮሙን ኢንዱስትርያዊ ኣሃዱ ተወከሶ። ንሱ ነቶም ዋኒን ኪጅምሩ ዚደልዩን ነቶም ዛጊት ዘለዎምን ደገፍን ሓገዝን ይህብ።

ኣብቲ ናይ ዋኒናት ደብተር ኣስታት 450 ኣብ ኖርዳንስቲግ ኮሙን እተመዝገባ ዋኒናት ኣለዋ።