Ockelbo

ናይ መጠረሽታ ዝተሓደሰሉ: 12 10 2022

ኦከልቡ ብብዝሒ ህዝብን ብስፍሓትን ንእሽቶ ኮሙን እዩ። ኩሉ ሰብ ስለ ዚፋለጥ እቲ ኣብቲ ማሕበረሰብ ዝካየድ ኣገልግሎታት ምቕሉልነት ዘለዎ እዩ።

ሓበሬታ ብዛዕባ ምምሕዳር ከተማ

ኣብ ሓደ ናይ ክረምቲ መዓልቲ ካብ ነፋሪት ዝተሳእለ ናይ ኦከልቡ ናይ መንበሪ ከባቢ ስእሊ።

ንተፈጥሮን ንኣከባቢን ንሓልየሉ፡ ምትሕብባርን ብሓደ ኴንካ ውሑስ ማሕበረሰብ ምህናጽን ንፈቱ። ኣብዚ ምንባር ደስ ይብለና ግን ንግዜኡ ካብ ኦከልቡ ከነልግስ ምስ እንደሊ ናብ ካልእ ከተማታት ዚወስዳ ኣውቶቡስን ባቡርን ወይ ማኪናን ምውሳድ ቀሊል እዩ።

ኦከልቡ ነቶም መንበሪ ፍቓድ ዘለዎም ስደተኛታት ንኽትቅበል ምስ ሚግረሽን ስምምዕ ኣለዋ። እቲ ናይ ውህደት ኣሃዱ ዕማም፡ ነቶም ሓደስቲ መጻእቲ፡ ምኽርን ደገፍን ሓበሬታን ምሃብ እዩ። ንሕና ነቶም ሓደስቲ መጻእቲ ነቲ ኩነታት ብግቡእ ንኺሕዙዎ ንሕግዞም። ዕላማና፡ ሞያውነትን ምቕሉልነትን ንምርኣይ እዩ። ንሕና ንነፍስወከፍ ሰብ ብገዛእ ርእሱ ኪነብርን ኪሰርሕን ኪምሃርን ምቹእ ኩነታት ክንፈጥረሉ ኢና።

እቲ ናይ ስደተኛታትን ካልኦት ተቐማጦ ኦከልቡን መኣከቢ ቦታ፡ ግለንታን ይብሃል። ኣብኡ ድማ ካፈን መጻወቲ ቢልያርዶን ንንጥፈታት ዚምልከት ናይ ሰባት ግሩም ሓሳባት ዚቕበሉን ሰራሕተኛታትን ኣለዉ።

ነቶም ሓደስቲ ተቐማጦ ግሩም ኣቀባብላ ንገብረሎም ኣብ ኦከልቡ ድማ ብጽቡቕ ኪጅምሩ ንደሊ። እቶም ናብዚ ዝመጹ ኣብቲ ማሕበረሰብ ብምሉእ ልቢ ኪሳተፉን ሰሪሖም ነብሶም ኪኽእሉን ንጽበዮም። ናብቲ ኮሙን ንምምጻእ፡ ጥርሑ ገዛን ኣብቲ ናይ ልልይ ፕሮግራም ድማ ቦታ ምህላው የድሊ።

መንበሪ-ገዛ

እቲ ኣብ ኦከልቡ ኣባይቲ ዘካሪ ወኪል ኣባይቲ Ockelbogårdar. ይብሃል። በቶም መራኸብቲ ኣባይቲ ጌርካ እውን ብዙሕ ኣባይቲ ኪርከብ ይከኣል።

ካልእ ቋንቋታት ዝዛረቡ ተቐማጦ መን ኣለዉ ኣብቲ ቦታ

ሽሕኳ ኦከልቡ ንእሽቶ እንተ ኾነት፡ ካብ ኩሉ ኩርናዓት ዓለም ዝመጹ ሰባት ኣብኡ ይቕመጡ፣ ካብ ፊንላንድ፡ ኦስትረልያ፡ ታይላንድ፡ ሆላንድ፡ ኤርትራ፡ ኣፍጋኒስታን፡ ኢራቅ፡ ኢራን፡ ሶማልያ ወዘተ.። ኣብቲ ናይ ውህደት ኣሃዱ ናይዘን ዚስዕባ ቋንቋታት ኣስተርጎምቲ ኣለዉ፡ ዓረብ፡ ዳሪ፡ ፋርስ፡ ትግርኛ፡ ዓፋርን ኩርድን።

ማሕበራትን ምትእኻባትን

ኣብዚ ንባህልን ተፈጥሮን ጃርዲንን ስፖርትን ተያትርን ካልእ ብዙሕ ንጥፈታትን ዝጠርነፈ ሃብታም ማሕበራዊ ህይወት ኣሎ

እታ ናይ ኦከልቡ ሽወደናዊት ቤትክርስትያን ብናይ ኦከልቡ ማሕበር ትውከል። ኣብዚ፡ ናይ ኦከልቡ ሚስዮናዊት ቤትክርስትያንን ተምፐልሸላን ሚስዮንን ኣለዋ።

ኣብቲ ከባቢ ብቐረባ እንታይ ይርከብ

ኣብቲ ኮሙን ኩሉ ዓይነት ኣገልግሎት ኣሎ። ኣብኡ ሓያሎ ካፈታትን ኣብያተመግብን ናይ መግብን ክዳንን ሳእንን ዕምባባታትን ሽቶን መሳርሕን ሕብርታትን ናይ ህንጻ መሳርሕን ሰከንድሃንድ ኣቕሑትን ዚሸጣ ቡቲካትን ኣለዋ። ከምኡውን ሓያሎ እንዳ ቀምቃማይ፡ መነጽር ዓይኒ፡ ጋራጃትን ከምኡውን ናይ ኢደጥበብ ሓገዝን ካልእ ኣገልግሎትን ዚህባ ብዙሓት ዋኒናት ኣለዋ። እቲ ናይ ገዛ ኣቕሑ ዚሸይጥ ኢከያ ካብ ኦከልቡ ብባቡር ወይ ብኣውቶቡስ መገዲ 45 ደቓይቕ እዩ። ኣብቲ ከባቢ ድማ ናይ ሚስዮን ቤትክርስትያንን ናይ ክሽነ ኣቕሑን ኣቕሑ ገዛን ዚሸይጥ ሰከንድሃንድ ድኳን ኣሎ።

ኣብዚ፡ ስባት ትርፊ ግዜኦም ኣብ ባህላውን ስፖርታውን ንጥፈታት የሕልፉዎ። እቲ ዝዓበየ ስፖርት፡ ኵዕሶ እግርን ባስከትን፡ ናይ ገዛ ኵዕሶን ምንሽርታትን ናይ በረኻ ዙረትን እዩ። ኣብዚ፡ ናይ መሐምበሲ ኣደራሽ ኣሎ። ኣብ ሰሙን ብዙሕ ፊልምታትን ዘርእይ ሲነማን ንኹሉ ዕድመ ዘስትናግድ ቤትንባብን ኣሎና። ኣብኡ ጋዜጣ ምንባብን ብናጻ ኮምፑተር ምጥቃምን ይከኣል።

እቲ ማእከል መንእሰያት፡ ኣንደርግራውንድ ይብሃል፡ ኣብቲ ማእከል ከኣ ገለ መሳርሒ ሙዚቃ ኪወቕዑ ንዚደልዩ ህጻናት ናይ ባህሊ ቤትትምህርቲ ኣሎ። እቲ ቤትትምህርቲ ባህሊ ኣብ መላእ ሽወደን ዝለዓለ ደረጃ ረኺቡ ኣሎ።

መብዛሕቶም እቶም ኣብዚ ዚነብሩ፡ ሃድንን ምግፋፍ ዓሳን ይፈትዉ። ኣብኡ ብዙሕ ዱራትን ቀላያትን ኣሎ። ኣብ ክረምቲ ብዙሕ ውርጪ ይወድቕ፡ ሰባት ከኣ ናይ እግርን ማኪና ምንሽርታት ይጻወቱ።

ዘይተተንከፈ በረድ ዘለዎ ሓደ ናይ ሓጋይ መዓልቲ። ኣብ ማእከል ስእሊ፡ ኣብ ልዕሊ ላምብረታ ሓደ ናይ ሓጋይ ክዳውንቲ ዝተኸድነ፡ ናይ መንሻተቲ በረድ መነጽርን መከላኸሊ ቆቢዕን ዝገበረ ሰብ ኣሎ።

ንበጻሕቲ ሃገር ድማ ዊጅ ዚብሃል ጃርዲን፡ ዓጋዜን ዘለዎ መናፈሻ፡ ብሃፋ ዝኸዳ ባቡራት ዘለዎ ናይ መገዲ ባቡር ቤተመዝክርን ካልእ ናይ መዛወሪ ቦታታትን ኣሎ። ኣብ ኦከልቡ ኣብ ዓመት ክልተ ግዜ ሰፊሕ ዕዳጋ ወይ ባዛር ይካየድ፡ ብዙሓት ሰባት ድማ ይስሕብ።

ሓደ ሰብኣይ ኣብ ናይ ኦከልቡ ተፈጥሮን ሙስን (ኤልይ) ፓርክ ሓንቲ ውላድ ሙስ ከም መሰነይታ ሒዙ ተመቻችኡ ኣብ ጫካ ኣብ መሬት ጎቦ ኾይኑ ኣሎ።

ኣገልጎት ክንክን ወይ ሕብሐባ ቆልዑ

ኣብ ኦከልቡ ህጻን ንምክንኻን ቀሊል እዩ። እቲ ትምህርቲ ኣስታት ክልተ ሰሙናት ይወስድ ኣብኡ ድማ ተርጓማይ ኣሎ። ቅድመ-ኣብያተትምህርቲ ካብ 1-6 ዝዕድመኦም ህጻናት ይቕበላ፡ ብቐዳምነት ከኣ ነቶም ወለዶም ዝሰርሑ ወይ ዝመሃሩ እየን። እቶም ወለዶም ዘይሰርሑ ህጻናት ኣብቲ ቅድመ-ቤትትምህርቲ ኣብ ሰሙን ን15 ሰዓታት እዩ ዚፍቀደሎም።

ኦከልቡ ኣብ ሰላም ዝመልኦን ውሑስን ከባቢ ኣብ ማእከላይ ኦከልቡ ከምኡውን ኣብ ቁሸታት የድራኦስ፡ ኦሙትን ሊንግቡን ነኣሽቱ ቅድመ-ኣብያተትምህርቲ ኣለዋ። ን ካብ 1-6 ዝዕድመኦም ህጻናት ኣብ ገዛውቶም ዘውዕሉ ተከናኸንቲ ህጻናት እውን ኣለዉ።

ንሕና ኣብቲ ማእከል መራኸቢ ስድራቤት፡ ክፉት ኣጸደ ህጻናት ኣሎና፡ ንሱ ድማ ነቶም ናብ ኣጸደ ህጻናት ዘይከዱ ህጻናትን ንወለዶምን መራኸቢ ቦታ እዩ።

መባእታ ኣብያተ ትምህርትን ካልኣይ ደረጃ ኣብያተ ትምህርትን

ኣብ ኦከልቡ ንደቂ 6-12 ዝቕበላ ክልተ ኣብያተትምሀቲ ህጻናት ኣለዋ፡ ከምኡውን ንደቂ 13-16 ዝቕበላ። ኣብዚ እዋንዚ ሓድሽን ዘመናውን ላዕለዋይ ደረጃ ቤትትምህርቲ ንሰርሕ ኣሎና፡ ንሱ ድማ ኣብ ጽድያ 2015 ኪውዳእ እዩ።

ናይ ኦከልቡ ዝቐረበ ካልኣይ ደረጃ ቤትትምህርቲ ኣብ የቭለን ኣብ ሳንድቪከንን ይርከብ። እቶም ናይ ኦከልቡ ናይ መደበኛ ትምህርትን ናይ ሞያዊ ትምህርትን ኣማኸርቲ ብዛዕባ ናይቲ ካልኣይ ደረጃ ቤትትምህርቲ እተፈላለየ ስልጠናታት ሓበሬታ ኪህቡ ይኽእሉ እዮም።

ዕድላት ትምህርቲ

ነፍስወከፍ ሓድሽ መጻኢ ስደተኛ ስራሕ ቅድሚ ምርካቡ ብዛዕባ ብቕዓቱን ድሌቱን ኪዛረብ ይኽእል እዩ። ብድሕርዚ ናብቲ ሽወደናዊ ማሕበረሰብ ንኺጽምበር ትልሚ ነውጽእ። ትምህርቲ ሽወደን ንኣባጽሕ (sfi) ኣገዳሲ ክፋል ናይቲ መተኣታተዊ መደብ እዩ።

ኣገልጎት ጥዕና

ኣብ ኦከልቡ ምስ ሓመምካ እትኸዶ ማእከል ጥዕና ኣሎ። ኣብዚ ድማ ሓኪም ስንን ኣምቡላንስን ናይ ረድኤት ኣገልግሎትን ኣሎ። ኣብ የቭለ ዓቢ ሆስፒታል ኣሎ፡ ኣብኡ ድማ ናይ ህጹጽ ረድኤት፡ ፍሉይ ክፍሊ ክኢላታት ከምኡውን ናይ ሕርሲ ክፍሊ ኣሎ።

ኣብቲ ኮሙን ናብቶም በይኖም ኣብ ቤቶም ኪመሓደሩ ዘይክእሉ ኣረጋውያን ዚኸውን ሓድሽ እተሰርሐ ናብ ባሕሪ ዚጥምት፡ ቢሾስትራንድ መንበሪ ኣባይቲ ኣሎ።

ናይ ቋንቋ ድግፍ-ተርጓሚ ምርካብ

ቋንቋ ሽወደን ዘይትዛረብ ወይ ዘይርድኣካ ምስ እትኸውን ኣብ ኩሉ ምስ ሰበስልጣንን ኮሙንን ሕክምናን ንእትገብሮ ርክብ ተርጓማይ ኪህልወካ መሰል ኣሎካ። እቲ ቆጸራ በቶም ዚምልከቶም ሰባት ኣቐዲሙ ይተሓዝ።

ኣገልግሎት መጎዓዝያ

ካብ ኦከልቡ ክሳብ እተፈላለየ ቦታታትን ከተማታትን ብባቡር ወይ ብኣውቶቡስ ምኻድ ቀሊል እዩ። እታ ባቡር ናብ የቭለ 25 ደቓይቕ ይወስደላ፡ ናብ ቦልነስ ድማ 35 ደቓይቕ። ናብ ሳንድቪከን ብኣውቶቡስ 40 ደቓይቕ ይወስድ።

መዓርፎ ነፈርቲ ኡፕሳላን ኣርላንዳን ኣስታት 1.5 ሰዓታት ርሒቐን ይርከባ፡ ስቶክሆልም ድማ 2 ሰዓታት

ኣብቲ ብባቡርን ኣውቶቡስን ኣስታት ሓደ ሰዓት ዚወስድ ኣብ መንጎ የቭለን ሳንድቪክን ዘሎ ቦታ ቫልቦ እተባህለ ማእከል ዕዳጋ ኣሎ፡ ኣብኡ ኸኣ ናይ ኢከያ ሞል ወይ ዓቢ ድኳን ኣሎ።

ኣብ መንጎ ገጠራት ኦከልቡ ዘሎ ናይ ኣውቶቡስ መጎዓዝያ ኣይክፈሎን እዩ፡ እቲ ጕዕዞታት ድማ ምስ ባቡራትን ኣውቶቡሳትን ንምርኻብ ምቹእ እዩ። ኣብ ማእከል ኦከልቡ ዘሎ ርሕቀታት ሓጺር እዩ ስለዚ ብእግሪ ወይ ብብሺክለታ ናብዝን ናብትን ምባል ቀሊል እዩ።

ስራሕን ትካላት ናይ ምምስራት ተኽእሎታትን

እቲ ኣብ ኦከልቡ ዚርከብ ናይ ውህደት ኣሃዱ ምስ ቤትጽሕፈት መራኸቢ ስራሕ ጥቡቕን ዕዉትን ምትሕብባር ይገብር። በቲ ናትና ዎክ ኦን "Walk on" ዚብሃል ፕሮጀክትና ነቶም ስደተኛታት ብእተኻእለ መጠን ናብቲ ስራሕ ዚለማመዱሉ ዋኒናት ንሰዶም። ናይቲ ከባቢ ዝዓበዩ ወሃብቲ ስራሕ ናይ ኦከልቡ ኮሙን፡ Opass AB ፡ Atlas Copco፡ Berendsen ከምኡውን Atlings እዮም። ኣብ ኦከልቡ ሓያሎ ዋኒናትውን ኣለዋ። ብዙሓት ንስራሕ ናብ የቭለን ሳንድቪከንን ይመላለሱ።