Söderhamn

ናይ መጠረሽታ ዝተሓደሰሉ: 12 10 2022

ሰደርሃምን ሃብታም ባህላዊ ሂወትን ተቐበልቲ ኣጋይሽ ዝኾኑ ነበርትን ዝቕመጥዋ ብተፈጥሮ ውቅብትን ቦታ እያ። ኣብ ሴንትሩም ብዙሓት ድኳናት፣ ኣብያተ ምግብን ካፌተርያታትን ይርከቡ። እታ ከተማ ንባሕሪ፣ ኣግራብን ገጠራትን ቅርበት ዘለዋ ኮይኑ ብዙሓት መዘናግዒ ሜዳታት ይርከብዋ።

ሓበሬታ ብዛዕባ ምምሕዳር ከተማ

ሰደርሃምን ሃብታም ትሕዝቶ ትምህርትን ብቑዕ መርበብ መጓዓዝያን ኣለዋ። ናብ ምምሕዳርና ብደሓን ምጹ!

መንበሪ-ገዛ

ኣብ ምምሕዳር ክራይ ኣባይቲ፣ ዝሽየጡ ናይ ማሕበር ኣባይትን ካልኦት ዓይነት መንበርን ዝርከብዎም ትካላት ኣባይቲ ኣለዉ። ኣብ መርበብ ሓበሬታ ምምሕዳር ብዛዕባ ነጻ ዝኾኑ ኣባይትን ኣካረይቲ ትካላትን ከተንብብ ትኽእል።

ካልእ ቋንቋታት ዝዛረቡ ተቐማጦ መን ኣለዉ ኣብቲ ቦታ

ኣብ ምምሕዳር ብርክት ዝበሉ ዝተፈላለዩ ቋንቋታት ይዝረቡ። ብብዝሒ ዝዝረቡ ቋንቋታት ሶማልኛ፣ ትግርኛ፣ ዓረብኛ፣ ዳሪን ፋርሲን እዮም። ንኣሽቱን መንእሰያትን ካብ ቋንቋ ሽወደን ዝተፈልየ ቋንቋ ኣደ ዘለዎም ኣብ ቤት ትምህርቲ ትምህርቲ ቋንቋ ኣደ ክረኽቡ ይኽእሉ።

ማሕበራትን ምትእኻባትን

ኣብ ምምሕዳር ኣብ ዝተፈላለዩ ዓውድታት ዝነጥፋ ብርክት ዝበላ ማሕበራት ኣለዋ። ከም ኣብነት ናይ ስፖርት ማሕበራት፣ ናይ ባህሊ ማሕበራት፣ ኣብያተ ክርስትያንን ዝተፈላለዩ ናይ እምነት ማሕበራትን። ኣብ መርበብ ሓበሬታ ምምሕዳር ምስ ዝምባለታትካ ዝሳነያ ማሕበራት ኣብ መዝገብ ማሕበራት ክትረክብ ይከኣል እዩ።

ዝተፈላለየ ዓሌት ዘለዎም ሰብኡት ኣብ ዘደስት ብርሃን ጸሓይ ኵዕሶ ይለማመዱ ኣለዉ።

ኣብቲ ከባቢ ብቐረባ እንታይ ይርከብ

ኣብ ምምሕዳር ካብቶም ትጽቢት ትገብረሎም መብዛሕቲኦም ይርከቡ። ኣብዚ ምምሕዳር ቤት ንባብ፣ ድኳናት መግብን ዝተፈላለዩ ዓይነት ኣገልግሎትን ድኳናትን ኣለዉ። ቤት ጽሕፈት ዕዮ፣ ቤት ጽሕፈት ማሕበራዊ ኣገልግሎት፣ ካስሳ ውሕስነትን ኣታዊ ውሽጢ ሃገርን ብቐሊሉ ይርከቡ።

ኣብ ዝተፈላለየ ክሊ ዕድመ ዘለዉ ሰባት ኣብ ናይ ኣጋር ጐደና ኣብ ሶደርሃምን። ዝተፈላለያ ዱኳናት ነቲ ጐደና ኣኽቢበሞ ኣለዉ።

ብተወሳኺ ኣዳራሻት ስፖርትን ብርክት ዝበለ ትሕዝቶ ዘለዎም ዝተፈላለዩ ናይ ትርፊ ግዜን ባህላዊ ንጥፈታትን ኣለዉ።

ናውቲ ስፖርት ንዘይብሉ ካብ ስፖርቶቴከት ንውሱን ግዜ ሓደስቲ ዘይኮኑ ናውቲ ስፖርት ክልቓሕ ይኽእል እዩ።

ብርክት ዝበሉ ሕሱራት ክዳውንቲ፣ ናይ ክሽነን ናይ ገዛ ኣቑሑትን ክትገዝኣሎም እትኽእል ድኳናት ሓራጅ እውን ኣለዉ።

ኣብ መርበብ ሓበሬታ ምምሕዳር ዝያዳ ሓበሬታ ብዛዕባ እንታይ ከምዝርከብን ዝካየዱ ንጥፈታትን ክትረክብ ትኽእል።

ምምሕዳር ሶደርሃመን ኣብ ምክንኻን ሓደሽቲ መጻእቲ ናብ ሶደርሃመን ዓቢ ተመኩሮ ኣለዎ ከምኡዉን እዚ ምምሕዳር ንሓደሽቲ መጻእቲ ናብ ሶደርሃመን ብፍሉይ ዘገልግል ሓድሽ ወብሳይት ኣዳልዩ ኣሎ።

ክትበጽሑና ምስ ትደልዩ ብ www.informationsoderhamn.se/ti

ኣገልጎት ክንክን ወይ ሕብሐባ ቆልዑ

ምምሕዳር ዕድመኦም ካብ 1-5 ዝኾኑ ትምህርታዊ ንጥፈታት መዋእለ ህጻናትን ኣብ መንበር ኣባይቲ ውልቀ ሰባት ዝወሃብ መዋእለ ህጻናትን ኣለዎ። ኣብ ምምሕዳር ብናይ ብሕቲ ትካላትን ብምምሕዳርን ዝመሓደሩ 20 ዝኾኑ መዋእለ ህጻናት ኣለዉ። ኣብ ዝኾነ ንጥፈታት መዋእለ ህጻናት ዝነጥፉ ቆልዑ ዘይብልኩም ወለዲ፣ ናብ ኣካል ማእከል ስድራ ቤት ዝኾነ ክፉት መዋእለ ህጻናት ክትከዱ ትኽእሉ።

ሰለስተ ኣብ ናይ መውዓሊ ህጻናት ክሊ ዕድመ ዘለዉ ቈልዑ፡ ኣብ ሓደ ከቢብ ጣውላ ብኽቢ ኮፍ ኢሎም ሓደ ጸወታ ይጻወቱ ኣለዉ።

መባእታ ኣብያተ ትምህርትን ካልኣይ ደረጃ ኣብያተ ትምህርትን

ምምሕዳር ክሳብ 9ይ ክፍሊ ንዝኸዱ ተመሃሮ ኣገልግሎት ናይ መባእታ ቤት ትምህርቲ ይህብ። ኣብ መዝገብ ሓበሬታ ምምሕዳር ዝያዳ ሓበሬታ ብዛዕባ መባእታ ቤት ትምህርትን ብዛዕባ ካልኣይ ደረጃ ቤት ትምህርትን ክትረክብ ትኽእል።

ቤት ትምህርቲ ባህሊ ብወለንታ ዝግበር ንጥፈታት ኮይኑ ኣስተምህሮ ዳንስ፣ ምርኢት፣ ትያትር፣ ህርመትን ሙዚቃን ይህብ።

ዕድላት ትምህርቲ

ምምሕዳር ብዙሕ ዓይነት ናይ ዓበይቲ ትምህርትን ቋንቋ ሽወደን ንወጻእተኛታት፣ sfi የእንግድ። ናይ ዓበይቲ ትምህርቲ ካብ ናይ መባእታ ትምህርቲ ክሳብ ናይ ላዕለዋይ ትምህርቲ መደባት የጠቓልል።

ኣገልጎት ጥዕና

ኣብ ውሽጢ ምምሕዳር ኣገልግሎት ናይ ዝተፈላለዩ ዓይነት ሕክምና ኣብ ዕጹው ሕክምና፣ ናብ ሕክምና ብምምልላስን ናይ ገዛ ሕክምናን ከምኡ ውን ማእከላት ጥዕናን ክትረክብ ትኽእል ኢኻ።

ናይ ሰደርሃምን ማእከል ስድራ ቤት ናይ ነፍሰጾራትን ካብ 0-5 ዓመት ዝዕድመኦም ህጻናት ዘለዎም ስድራ ቤታት መራኸቢ ቦታ እዩ። ኣብዚ ናይ ኣሕረስቲ መቐበሊ ቦታ፣ ክንክን ጥዕና ህጻናት (BVC), ሰራሕተኛታት ስነኣእምራውን ማሕበራዊ ሕቶታትን ክፉት መዋእለ ህጻናትን ይርከብ።

ኣውራጃ ዬቭለቦርይ ኣብ ሰደርሃምን ንሓተቲ ዑቕባ ክንክን ጥዕናን ሕክምናን ከምኡ ውን ዝርርብ ጥዕናን ዘአንግድ ዑቕባን ጥዕና ስደተኛን ዝበሃል ፍልይ ዝበለ ማእከል ጥዕና ኣለዎ።

ናይ ቋንቋ ድግፍ-ተርጓሚ ምርካብ

ምስ ትካላት መንግስቲ፣ ምምሕዳርን ሕክምናን ኣብ እትገብሮም ኩሎም ርክባት ቋንቋ ሽወደን ዘይትዛረብን ዘይርደኣካን እንተኾይኑ ሓገዝ ቶርጓማይናይ ምርካብ መሰል ኣሎካ። እዚ ከኣ ኣብታ መዓልቲ ትምልከቶ ሕብረተሰባዊ ትካል ኣቐዲምካ ቆጸራ ይተሓዝ።

ኣገልግሎት መጎዓዝያ

ኣብ ምምሕዳር መርበብ ህዝባዊ መጓዓዝያ ኣሎ። ድሌት ምምሕዳር ሰደርሃምን ዝበዝሑ ብህዝባዊ መጓዓዝያ ንኽገሹ እዩ። በዚ ምኽንያት ከኣ ኣብ ምምሕዳር ምዝጉባት ኮይኖም ዕድመኦም ኣብ ሞንጎ 7-19 ዝኾኑ ነበርቲ ነጻ ናይ ኣውቶቡስ ካርድ ንህብ። ቀጻሊ መስመር ኣውቶቡስን ትራፊክ ባቡርን ካብ ኣብ ማእከላይ ቦታ ከተማ ዝርከብ ማእከል መገሻ/መናሃርያ ይብገስ።

ናይ X-ትራፊክ ናይ ቀረባን ርሑቕን ኣገልግሎት ኣውቶቡስ ናብ ኩሉ ከባብታት ምምሕዳር ዝበጽሕ ኣዝዩ ሰፊሕ እዩ። ኣብ ማእከል መገሻ/መናሃርያ Y-ኣውቶቡስ ኣብ ቀዳመ ሰምበትን ናይ ነዊሕ ጉዕዞ ኣውቶቡሳትን ይርከባ።

ብድሕሪት ሓንቲ ናብ ማእከል ከተማ ትኸይድ ኣውቶቡስ፡ ብቕድሚኣ ድማ ብናጻ ትጓዓዘሉ ናይ ኣውቶቡስ ካርድ ኣብ ቅድሚ እታ ኣውቶቡስ ዝሓዘት ሓንቲ ኢድ።

ስራሕን ትካላት ናይ ምምስራት ተኽእሎታትን

ኣብ ምምሕዳር ወይ ከኣ ኣብ ብመጓዓዝያ ክኽየድ ዝከኣል ቦታታን ዓበይትን ነኣሽቱን ወሃብቲ ስራሕ ይርከቡ። ኣብዚ ከባቢ ክትረኽቦም እትኽእል ስራሕ ኣብ መርበብ ሓበሬታ ኣብ መእተዊ ሌላ ስራሓት ክፉት ናይ ስራሕ ዕድል ኣብ ዝብል ሳንዱቕ ብምእታው ይኸውን። ንሓደስቲ ሰብ ትካል እንህቦ ትምህርቲ ናትካ ትካል ክትገብር ዘኽእለካ እገዳሲ ኣፍልጦ ክትረክብ የኽእለካ እዩ።