Gotlands län

ናይ መጠረሽታ ዝተሓደሰሉ: 12 10 2022

ሽወደን ኣብ 12 ኣውራጃታትን 290 ኮሙናትን እያ ተመቒላ። ኩለን ኣውራጃታት ብጀካ ኣውራጃ ጎትላንድ ብዙሓት ኮሙናት ኣለወአን። ጎትላንድ ሓደ ኮሙን ኣለዋ፡ ዞባ ጎትላንድ ንኣብነት ናይ ትምህርቲ፡ ማሕበረሰኣዊ ኣገልግሎት፡ ናይ ኣረጋውያን ክንክን ከምኡ'ውን ብዛዕባ ናይ ጥዕናን- ክንክን ሕማማን ሕቶታት ሓላፍነት ኣለዎ።

Map of Sweden Created with Highcharts 10.2.1

ኮሙንናት ኣብ

ኮሙንናት ኣብ Gotlands län

ኣብ ታሕቲ እታ ብዛዕብኣ ብዝያዳ ከተንብብ ትደልያ ኮሙን ኣብ Gotlands län ምረጽ

ጎትላንድ ከም ሕምብርቲ ናይ ባሕሪ እያ መብዛሕትኡ ግዜ ትግለጽ፡ ሓንቲ እትእክብን ትጥርንፍን ደሴት። ኣብ ታሪኽ ኮምኡ ነይሩ ገና ሕጂ እውን ከምኡ እዩ ዘሎ። ጎትላንድ ናይ ሽወደን ዝዓበየት ደሴት እያ ከምኡ'ውን ዳርጋ 58 000 ተቐማጦ ኣለውዋ፡ ሓደ ኣብ ዓመታዊ ኣዝዩ ዝባዛሕ ቁጽሪ፣ ብሳላ እቶም ኣማኢታት ኣሽሓት ዕረፍቶም ዘሕልፉን ካልኦት በጻሕትን። ኣብ ጎትላንድ ናብ ከተማን ገጠርን፡ ናብ'ቲ ዘደንቕ ባህርይን ዝዕምብብ ዘሎ ባህልን ዝርዝር-መዘናግዕን፣ ቀረባ እዩ። ካብ'ን ናብ'ታ ደሴትን ብዝቐለለ ብነፋሪትን መርከብን ክትጓዓዝ ትኽእል ኢኻ። ናብ'ዚ ዘግዕዝ ብዙሕ ምኽንያታት ኣሎ፡ እንተወሓደ እቲ ንቖልዑት ጽቡቕ ናይ ምምሃር ሃዋህው፡ ሓደ ንጡፍ ናይ ማሕበር ሂወትን ሓደ ድልዱል ዕዳጋ ስራሕን። ጎትላንድ ሓደ ልዙባት ክረምትታትን ምሹዋት ሓጋይትን ናይ ገምገም ባሕሪ ዋዒ ኣለዋ። ምዉቕ መርሓባ ናብ ጎትላንድ!

ኩነታት መንበሪ-ኣባይቲ

ኣብ ጎትላንድ ዝተፈላለየ ዓይነት መቐመጢ ኣሎ፡ ኣብ ገጠር ከምኡ'ውን ኣብ'ቲ ዝዓበየ ቦታ ቪስቢ። ብዙሓት እዮም ኣብ ቪስቢ ክቕመጡ ዝደልዩ፡ ስለ'ዚ ናይ ምሉእ ዓመት መንበሪ ገዛ ንምርካብ ኣብ ካልኦት ቦታ ናይ'ቲ ኣውራጃ ዓብይ ዕድላት ኣሎ። እቶም መብዛሕትኦም ናይ ክራይ ገዛዉቲ ኣብቲ ናይ ኮሙን ናይ ገዛውቲ ትካል ጎትላንድስሀም እዮም ዝርከቡ፣ ኣብ ምሉእ ከባቢ ጎትላንድ ኣባይቲ ኣለዎም። ኣብ'ቲ ናይ ገዛውቶም መስርዕ ምምዝጋብ ካብ ክፍሊት ናጻ እዩ።

መንበሪ ገዛውቲ ዘካርዩ ግላውያን ወነንቲ ገዛውቲ እውን ኣለዉ። ሓደ ዝርዝር ናይ እዚኣቶም ንኣብነት ኣብ ናይ ጎትላንድን ማእከል ሓበሬታ ቱሪስት መርበብ ሓበሬታ ትረኽቦ። ኣብኡ ፡ብዛዕባ ናብ ጎትላንድ ምግዓዝ ብሓበሬታ ክሕግዘካ ዝኽእል ናይ ጎትላንድ ቤት ጽሕፈት ምግዓዝ (Inflyttarbyrån) ናይ ርክብ ሓበሬታ ኣሎ። እቲ ናይ ምግዓዝ ቤት ጽሕፈት ሓደሽቲ ዝጋዓዙ ክራኸብሉ ዝኽእሉ ዝተፈላለየ ፍጻመታት ብስሩዕ የዳሉ እዩ።

ንግዳዊ-ንጥፈታትን ወሃብቲ-ስራሕን

ኣብ ጎትላንድ ሓደ ሓያል ናይ ትካላት ባህሊ፣ ቀጻሊ ናይ ዝተፈላለየ ናይ ንግዲ ዕዳጋ ኣብ ብዙሕነት ዘጣምር ተደራዳሪ ናይ ንግዲ ጥንሰ-ሓሳባት ዝምህዝን ዘማዕብልን ኣሎ። ነኣሽቱ ዋኒንተኘት ኣብ'ታ ደሴት ዓብይ እዩ፡ ዳርጋ ትቸዓተ ካብ ዓሰርተ ናይ ጎትላንድ ትካላት ካብ ሓሙሽተ ዝውሕዱ ሰራሕተኛታት ኣለውወን።

ሕrሻ፣ ናይ እምኒ ትካላትን ናይ ሃላቒ ትካላትን ካብ ነዊሕ እዋን ሒዙ ኣብ ጎትላንድ ኣገዳሲ ናይ ንግዲ ዕዳጋትት እዩ። እቶም ናይ ጎትላንድ ናይ ሃላቒ ትካላት ብኣብ ዞባዊ ዝቦቐለን ዝተሰርሐን ጥረ-ነገር ስለዝሰርሑ እቲ ናይ መወዳእታ ፍርያት ኣዝዩ ብሉጽ ዓይነት ይኸውን።

ኣብ'ቲ ዝዓብይ ዘሎ ናይ ኣገልግሎት ጽላት እቲ ናይ በጻሕቲ ትካል ሓደ ዓቢ ግደ ኣለዎ። እቲ ዓብይ እጃም ናይ በጻሕቲ ብዙሕ ናይ ስራሕ ኣጋጣሚ ኣስዒቡ እዩ፡ ናይ ሓጋይ ስራሕ ከምኡ'ውን ኣብ'ዚ ንግዲ እዚ ማዕቢሉ እዩ።

ንጥፈታት ሲቪላዊ-ማሕበራት ኣብ መዳይ ምውህሃድ ኣብ ሕብረተ-ሰብ

ኣብ ጎትላንድ ብዝተፈላለየ ኣገባባት ናይ ምውህሃድ ስራሕ ዝሰርሓ ሓያሎ ማሕበራት ኣለዋ። ሓደ ሓደ ካብኣተን፧ Rädda Barnen, Röda korset, Demokrati för Barns Framtid፡ ቤተ ክርስትያናትን ካልኦት ሃይማኖታውያን ማሕበራት፡ ናይ ጎትላንድ ማሕበር ስፖርትን ብዙሓት ናይዛ ደሴት ናይ ስፖርት ማሕበራት፡ ABF, Bilda, Studiefrämjandet, Folkuniversitetet, Studieförbundet Vuxenskolan, Sensus ከምኡ'ውን እቲ መድብለ-ባህላዊ ማሕበር እየን።

ኣብ ብዙሓት ቦታት ወለንተኛ ማሕበራትን መርበባትን ምስሩታት ኣለዋ። ብዙሓት ካብኣተን ዝተፈላለየ ዓይነታት ንጥፈታትን ናይ መራኸቢ ቦታታትን የዳልዋ እየን። ንኣብነት ቀይሕ መስቀል መራኸቢ ቦታ ''ኩፓን'' ኣብ ዝተፈላለየ ቦታታት ኣለዎ።

ኣብያተ-ትምህርታትን ትምህርትን

ኣብ ጎትላንድ ሓደ ዩኒቨርሲቲ ኣሎ፡ ኡፕሳላ ዩኒቨርሲቲ ካምፑስ ጎትላንድ። እቲ ዩኒቨርሲቲ ናይ ዝተፈላለየ ዓውድታትን ብዙሓት ኮርሳትን ትምህርትታትን ኣለዎ፡ ካብኡ ገለ ንምጥቃስ፡ ባይሎጂ፡ ቁጠባን ናይ ኮምፕዩተር ፕሮግራምን ምዳልው እዩ።

እቲ ህዝባዊ ቤት ትምህርትን ኮሙናላዊ ናይ ኣባጽሕ ቤት ትምህርትን ናይ መባእታውን ላዕለዋይ ካልኣይ ደረጃ ትምህርትን ከምኡ'ውን ናይ ፍሉይ ሞያ ኣንፈት ዘለዎ ኮርሳት እዩ ዝህብ። ኮርታ ቬገን ቪስቢ (Korta vägen Visby) ኣብ ጎትላንድ ዝቕመጡ ናይ ወጻእተኛ ድሕረ ባይታ ዘለዎም ኣከደሚኛውያን ዘተኩር ሓደ ናይ ዕዳጋ ስራሕ መቅራረቢ ትምህርቲ እዩ። እቲ ትምህርቲ ብናይ ስቶክሆልም ዩኒቨርሲቲ ይካየድ። መንበሪ ፍቓድ ዝተዋህቦም ከምኡ'ውን ኣብ ጎትላንድ ህዝባዊ መዝገብ ምዝጉባት ዝኾኑ ዓበይቲ ብሓልዮት ዞባ ጎትላንድ ቋንቋ ሽወደንኛ ንወጻእተኛ (SFI) ክመሃሩ ይኽእሉ እዮም።

ኣገልግሎት ጥዕና

ኣብ ምሉእ ጎትላንድ ናይ ክንክን ማእከላት ኣለው። ብዛዕባ ናይ ጥዕና ምኽሪ ናብ'ቶም ናይ ክንክን ማእከላት ኢኻ ኣቐዲምካ ትውከስ። ኣድላይ ምስዝኸውን እቲ ናይ ጥዕና ማእከል ናብ ቤት ሕክምና ከመሓላልፈካ ይኽእል እዩ። ኣብ ቪስቢ ናይ መድሃኒት ብቕዓት ዝሓዘ ሓደ ዘመናዊ ቤት ሕክምና ኣሎ።

ክሊኒካት ክንክን ስኒ ኣብ ጎትላንድ ኣብ ብዙሕ ቦታታት ኣሎዉ።

ኣብ ናይ ቮርድጋይደን መርበብ ሓበሬታ ወይ ብመገዲ ተለፎን 1177 ብዛዕባ ክንክን ምኽሪ ክትወሃብን እቲ ዝቐረበ ናይ ማእከል ክንክን ጥዕና ክትረክብን ትኽእል ኢኻ። ኣብ ህጹጽ ወይ ንሂወት ዘስግእ ኵነታት ናብ ናይ ህጹጽ ቁጽሪ 112 ደውል።

ባህላውን ናይ ምዝንጋዕ ንጥፈታትን

ኣብ ጎትላንድ ኮርሳትን ንጥፈታትን ዘዳልዋ ብዙሓት ናይ ትምህርቲ ማሕበራት ኣለዋ። ኣብ'ዚ እውን ዝተፈላልየ ጥቕሚታት ዘለወን ብዙሓት ንጡፋት ማሕበራት ኣለዋ፡ ንኣብነት ናይ ስፖርትን-ባህልን ማሕበራት። መስረታት ከም ጎትላንድ ሙዚቃን ናይ ኣውራጃ ተዋስኦ ናይ ኣውራጃ ቤተ-መዘክርን እውን ንሓደ ሃብታም ናይ ባህሊ ሂወት ተረኦም ይጻወቱ እዮም።

ኣብ'ቲ ቤት-መጻሕፍቲ፣ መጻሕፍቲ ምልቃሕ፡ ጋዜጣታት ምንባብ፡ ኮምፕዩተር ምልቃሕ፡ ሓበሬታ ምድላይን ሕቶታት ምሕታትን ካብ ክፍሊት ነጻ እዩ። ኣብ'ዚ ናይ ቋንቋ ዘማዕብሉ ንጥፈታት ዕድላት ኣለው፡ ስፕሮክካፈታት፡ ንቖልዑት ብዝተፈላለይ ቋንቋታት ናይ ጽውጽዋይ ግዜ፡ መጻሕፍቲ ብቐሊል ሽወደንኛ ዝንበብን ናይ ቋንቋ ኮርሳትን። በቲ ናይ'ቲ ቤት-መጻሕፍቲ ብዙሕ ንጥፈታት ምስ ብዙሓት ካልኦት ተራኺብካ ምዕላል ዝከኣለሉ ዕድል ኣሎ። ቤት-መጻሕፍቲ እብ ዝተፈላልየ ቦታታት ናይ'ታ ደሴት ኣሎ።

ኣገደስቲ መራኸቢ ቦታታት እዩ ከምኡ'ውን ኣብ'ዚ ንኣብ መንጎ 13ን 19ን ዝዕድመኦም መንእሰያት ካብ ክፍሊት ነጻ ዝኾነ ብዙሕ ዝተፈላላየ ንጥፈታት ይውፈይ እዩ።