ኩነታት መንበሪ-ኣባይቲ
ኣብ ጎትላንድ ዝተፈላለየ ዓይነት መቐመጢ ኣሎ፡ ኣብ ገጠር ከምኡ'ውን ኣብ'ቲ ዝዓበየ ቦታ ቪስቢ። ብዙሓት እዮም ኣብ ቪስቢ ክቕመጡ ዝደልዩ፡ ስለ'ዚ ናይ ምሉእ ዓመት መንበሪ ገዛ ንምርካብ ኣብ ካልኦት ቦታ ናይ'ቲ ኣውራጃ ዓብይ ዕድላት ኣሎ። እቶም መብዛሕትኦም ናይ ክራይ ገዛዉቲ ኣብቲ ናይ ኮሙን ናይ ገዛውቲ ትካል ጎትላንድስሀም እዮም ዝርከቡ፣ ኣብ ምሉእ ከባቢ ጎትላንድ ኣባይቲ ኣለዎም። ኣብ'ቲ ናይ ገዛውቶም መስርዕ ምምዝጋብ ካብ ክፍሊት ናጻ እዩ።
መንበሪ ገዛውቲ ዘካርዩ ግላውያን ወነንቲ ገዛውቲ እውን ኣለዉ። ሓደ ዝርዝር ናይ እዚኣቶም ንኣብነት ኣብ ናይ ጎትላንድን ማእከል ሓበሬታ ቱሪስት መርበብ ሓበሬታ ትረኽቦ። ኣብኡ ፡ብዛዕባ ናብ ጎትላንድ ምግዓዝ ብሓበሬታ ክሕግዘካ ዝኽእል ናይ ጎትላንድ ቤት ጽሕፈት ምግዓዝ (Inflyttarbyrån) ናይ ርክብ ሓበሬታ ኣሎ። እቲ ናይ ምግዓዝ ቤት ጽሕፈት ሓደሽቲ ዝጋዓዙ ክራኸብሉ ዝኽእሉ ዝተፈላለየ ፍጻመታት ብስሩዕ የዳሉ እዩ።