Åre

ናይ መጠረሽታ ዝተሓደሰሉ: 12 10 2022

ናይ ኦረ ኮሙን ነቶም ንጡፍ ህይወት ዚደልዩ ግን ከኣ ጥቓቲ ምዕቡል ምምሕዳራዊ ኣገልግሎት፡ ግሩም ክንክን ጥዕና፡ ከምኡውን ግሩም ናይ ትምህርቲ ዕድላት ኪኾኑ ዚደልዩ እዩ።

ሓበሬታ ብዛዕባ ምምሕዳር ከተማ

ኣብዚ እቲ ናይ ምዕባይ ኩነታት ንህጻናት ውሑስን ጽቡቕን እዩ። እቲ ማሕበረሰብ ንእሽቶን ደስ ዘብልን ንኹሉ ኣድላዪ ዝኾነ ነገራት ድማ ዚቕርብ እዩ። ኦረ ኮሙን ብዙሕ ሰብ እዩ ዚመጾ፡ ኣብኡ ድማ ካብ ኩላ ሃገርን ካብ ኩሉ ዓለምን ዝመጹ ሰባት ይርከቡ። ተፈጥሮን ደጋዊ ህይወትን ግሩም ዓይነት መነባብሮን ምቕሉላት ሰባትን ንብዙሕ ሰብ ዓመት ዓመት ናብኡ ከም ዚግዕዝ ይገብሩ። ምሳና ክትከውን ትዕደም ኣሎኻ!

ሓንቲ ሰበይቲ ኣብ ጫፍ ናይ ባድሾ ዘገም ትብል፣ ብድሕሪት ድማ ኦረስኩታን ይርኣ ኣሎ።

ኦረ ኮሙን ኣብ ወረዳ የምትላንድ እትርከብ ኮይና 10300 ተቐማጦ ኣለዉዋ። ቀንዲ ከተማ እታ ኣስታት 1550 ተቐማጦ ዘለዋ የርፐን እያ። እታ ኮሙን ብብሩህ ራእይን ግሩም ዝኾነ ተፈጥሮን ትፍለጥ፡ ብዙሓት ድማ ኣብኡ ኪቕመጡ ይደልዩ። ኣብታ ኮሙን ናብ ቱሪዝም ዝዓለመን ብዙሕ ሰራሕተኛታት ዘለዎን ዋኒናት ኣሎ። ካልእ ኣብታ ኮሙን ዝዓበየ ወሃብ ስራሕ እቲ ምስ ክንክንን ጥዕናን ትምህርትን እተተሓሓዘ ስራሓት እዩ።

መንበሪ-ገዛ

ኣብ ኦረ ኮሙን ቪላታትን ናይ ክራይ ገዛውትን ኮንዶሚንዩምን ይርከብ። ኣብታ ኮሙን ብሕታውያንን ናይታ ኮሙንን ኣካረይቲ ዋኒናት ኣለዋ። ንሳተን ድማ ግሩም ኣባይቲ ብቕልል ዝበለ ናይ ምጽባይ ግዜ የቕርባ። እቶም ብሚግረሽን ወይ ብናይ ቤትጽሕፈት መራኸቢ ስራሕ ነቲ ናብ ኦረ ምምዳብ ንምቕባል ዝመረጹ ሓደስቲ መጻእቲ፡ ገዛ ንምጥራይ ካብ ኦረ ኮሙን ሓገዝ ይረኽቡ።

ካልእ ቋንቋታት ዝዛረቡ ተቐማጦ መን ኣለዉ ኣብቲ ቦታ

ኣብ ኦረ ኮሙን ብዙሓት ዜጋታት ኣለዉ፣ ብዘይካ ቋንቋ ሽወደን፡ እንግሊዝ ዚመልኩ እውን ኣለዉ። እተን እተፈላለያ ቋንቋታት፡ ዓረብ፡ ፋርሲ፡ ትግርኛ፡ ትግረ፡ ማንዳሪን፡ ታይላንድ፡ ፋርስ፡ ሶማሊ ወዘተ. እየን።

ኣብ ኦረ ኮሙን ደቡባዊ ሳሚስካ ዚዛረቡ ደቀባት ህዝቢ ኣለዉ።

ማሕበራትን ምትእኻባትን

እተፈላለያ ማሕበራት ኣለዋ፡ ነቶም ናብ ባህሊ ዚዝምብሉ ድማ ብዙሕ ክትሳተፈሉ እትኽእል ንጥፈታት ኣሎ። ኣብቲ ኮሙን ሙዚቃን ሰርክስን ትልሂትን ሲነማን ሓያሎ ኣብያተንባብን ዘመርትን ዝጠርነፈ ናይ ባህሊ ቤትትምህርቲ ኣሎ።

ናይ መዘናግዒ ምርጫታት ብዙሕ እዩ፡ ብፍላይ ነቶም ኣብ ደጋውን ኣብ ጥዕናን ዚግደሱ። ንሕና ናይ መናፈሻን ካልእ ብዙሕ መሐምበሲ ቦታታት ከምኡውን ናይ ስፖርት ኣደራሻት፡ ናይ ኵዕሶ መጻወትን ማእከል መዘናግዕን መጋለብን ናይ መንሸራተቲ ኣደራሽን ናይ ዝጠዋወ መንሸራተቲ፡ መብራህቲ ዘለዎ መጕየዪ መገድን ሓያሎ መግፈፊ ዓሳን ኣሎና።

ኣብ ታሕቲ ብጣውላ መንሸታትሒ በረድ ዝጕዓዙ፡ ሓንቲ መልዓሊት ባጎኒ ናብ ላዕሊ ገጻ ትድይብን ናይ ሓጋይ ቅርጻ-መሬት ከስፋሕፍሕን፡ ካብ ላዕሊ ዓቐበት ናይ መንሸታትሒ በረድ ክርኣ ከሎ።

ብዙሓት ማሕበራት ኣብ ናይ ህጻናትን መንእሰያትን ዕማማት ይነጥፋ፡ እዚ ድማ ነቶም ሓደስቲ መጻእቲ ዝኾኑ ስድራቤት ኣብቲ ናይቲ ኮሙን ማሕበረሰብ ከም ዚወሃሃዱ ይገብር።

ኣብቲ ከባቢ ብቐረባ እንታይ ይርከብ

ኣብቲ ቀንዲ ከተማ ዝኾነ የርፐን ከም ትካል ጥዕና፡ ናይ ምውህሃድ ኣገልግሎት፡ ኣብያተትምህርቲ፡ ክንክን ህጻናት፡ ቤትጽሕፈት ዕዮን ኤስኤፍኢን ከምኡውን ግሮሰሪታትን ኣብያተመግብን ይርከብ።

ኣብ ኦረ እተፈላለየ ዓይነታት ኣብያተመግብን ድኳናትን ከም ምንሽርታት፡ ምሕምባስን፡ ዙረት ብብሽክለታን ወዘተ ዝኣመሰሉ ንጥፈታትን ይርከቡ።

ኣብ ኩፓን ሕሱር ኣቕሑ ገዛ፡ ናይ ቀዪሕ መስቀል ድኳንን ባራትን ይርከብ።

ኣገልግሎት ውህደት

ኣብቲ ናይ የርፐን ከተማ፡ ኣገልግሎት ውህደት ኣሎ፡ ኣብኡ ድማ ከምዚ ዚስዕብ ሓገዛት ትረክብ

  • በቲ እትርድኦን ዘተኣማምነካን ቋንቋ ዚውሃብ ሓብሬታን ደገፍን።
  • ምእንቲ ገዛኻ ባዕልኻ ከተመሓድርን ኣብኡ ድማ ደስ ኪብለካን ዚውሃብ ተግባራዊ ደገፍ።
  • ኣብቲ ክፉት ዝኾነ ናይ ውህደት ኣገልግሎት መቐበሊ ቆጸራ ከይገበርካ ብውሕዱ ኣብ ሰሙን ክልተ ግዜ ክትመጽእ ትኽእል፡ ኣብኡ ድማ ንኣብነት ዕዳ ንምኽፋል፡ ሰበስልጣናት ንምርካብ ደብዳበን ሰነዳትን ንምርዳእ ሓገዝ ትረክብ።
  • ሓንቲ ምሸት ኣብ ሰሙን ናይ ገዛ መጽናዕትን ካልእን ሓገዝ ክትረክብ ትኽእል።
  • ተርጓማይ ኣብ ዘለዎ ቦታ ምስቶም ሰራሕተኛታት ብፍሉይ ነገራት ንምዝርራብ ቆጸራ ክትገብር ትኽእል።

ኣገልጎት ክንክን ወይ ሕብሐባ ቆልዑ

ክንክን ቆልዑ ኣብ መብዛሕትአን ናይቲ ኮሙን ዓበይቲ ቁሸታት ኣሎ። ናብዚ ምስ እትግዕዝ ንውላድካ ኣብቲ ክንክን ከተመዝግቦ ክንሕግዘካ ኢና

መባእታ ኣብያተ ትምህርትን ካልኣይ ደረጃ ኣብያተ ትምህርትን

መባእታዊ ኣብያተትምህርቲ ኣብ ካል፡ ሞሺል፡ የርፐን፡ ኦረ፡ ዱቨድ ፡ ኡንደርሶከርን ሃለንን ኣሎ። ኣብ የርፐን ካልኣይ ደረጃ ቤትትምህርቲ ኣሎ

ዕድላት ትምህርቲ

ኤስኤፍኢ ትምህርቲ ኣባጽሕ መሰረታዊ ትምህርቲ ኣባጽሕ ኣብ የርፐን ይርከብ፡ ከምኡውን ህዝባዊ ኮለጅ ኣሎና፡ ናብ ቤትመግብን ቱሪዝምን ዝቐንዐ ሞያዊ ስልጠና ድማ ኣሎና።

በጺሕካ እትምለሶ ርሕቀት ዘለዎ ኣብ ኦስተርሱንድ እተፈላለየ ናይ ዩኒቨርሲቲ ስልጠናታት ዘለዎ ሚትኡኒቨርሲተት ኣሎ።

ምስ ቤትጽሕፈት መራኸቢ ስራሕ ግሩም ምትሕብባር ኣሎና፡ ናብ ስራሕ ዝቐንዐ ስልጠና እውን ነዳሉ ኢና።

ብዛዕባ ትምህርቲ ኣባጽሕ ኣብዚ ዝስዕብ ኣንብብ፡

ኣገልጎት ጥዕና

ኣብ የርፐን፡ ሀለን፡ ኦረን ሞሺልን ማእከል ጥዕና ኣሎ። ሆስፒታልን ክፍሊ መወልዳንን ድማ ኣብ ኦሰተርሱንድ። ኣብ ኦረን የርፐንን ድማ ክንክን ስኒ

ናይ ቋንቋ ድግፍ-ተርጓሚ ምርካብ

"ናይ ቋንቋ ድግፍ-ተርጓሚ ምርካብ
ኣብ ኦረ ኮሙን ተርጓማይ ንምርካብ ኩሉ ግዜ ተኽእሎ ኣሎ። ንሕና ነቲ ምትርጓም ብኣካል እምበር ብተለፎን ከይከውን ንጽዕር ኢና።"

ኣገልግሎት መጎዓዝያ

ኣብ ኩሉቲ ኮሙን ኣውቡስ ክትወስድ ይከኣል ከምኡውን ኣብ መንጎ ኦሰተርሱንድ ሞሺልን ኡንደርሶከርን ኦረን ዱቨድን ባቡር ክትወስድ ትኽእል

ስራሕን ትካላት ናይ ምምስራት ተኽእሎታትን

ኣብ ኦረ ኮሙን ኣብዘን ቀረባ ዓመታት ንሕክምና፡ መምህር ቅድመትምህርቲ፡ ኣስተናጋዲ፡ ከሻኒ፡ ባቲላመራን ኤለትሪክን ዝቐንዐ ክፉት ናይ ስራሕ ቦታታት ኪህሉ እዩ። ከምኡውን ኣብ ክንክንን ጥዕናን ጽርበት ሓጺንን ምልሓምን መጎዓዝያን ዱርን ናይ ስራሕ ተኽእሎታት ኪህሉ እዩ።