Berg

ናይ መጠረሽታ ዝተሓደሰሉ: 12 10 2022

ባርይ ኣብ ወረዳ የምትላንድ ትርከብ። ስቬንስታቪክ ርእሲ ከተማ ናይቲ ከባቢ ኮይና ኣስታት 1000 ተቐማጦ ኣለዉዋ።

ሓበሬታ ብዛዕባ ምምሕዳር ከተማ

ኣብ ስቨንስታቪክን ካልኦት ንእስ ዝበላ ከባቢታት ኩሉ ንርሁው ህይወት ዘገልግል ነገራት ኣሎ። ንኣብነት: ኣብያተትምህርቲ: ድኳናት: መዋእለ ህጻናት ማእከላት ጥዕና ወዘተ. ናይቲ ወረዳ ሆስፒታልን ዕዳጋን ኣብ ኦስተርሹንድ ይርከብ። ናይ ደገ ህይወት ንጥፈታትት ንዝደልዩ ብዙሕ ተኽእሎ ኣሎ። ናይ ባርይ ኮምዩን ማሕበራውን ባህላውን ዋኒናውን ህይወት ይርከቦ።

መንበሪ-ገዛ

ኣብቲ ኮምዩን ክልተ መደቀስን ካብኡ ዚበዝሕ ናይ ስድራቢት ናይ ኪራይ ኣፓርትመንት ኣሎ። እቲ ናይቲ ኮምዩን ናይ መንበሪ ኣባይቲ ቤትጽሕፈት ባርይስ ሂረስሁስ ይብሃል፣ ከምኡ ውን ናይ ብሕቲ ትካል ኣባይቲ ኑርድሩስ ፋስቲግሀተር ዝውንኖም መንበሪ ኣባይቲ እውን ይርከቡ።

ካልእ ቋንቋታት ዝዛረቡ ተቐማጦ መን ኣለዉ ኣብቲ ቦታ

ብብዝሒ ዚዝረብ ቋንቋ: ዓረብ: ሶማሊ: ትግርኛ: ፋርስ: ታይላድን ሩስያን እዩ።

ማሕበራትን ምትእኻባትን

ሃድን ኣብ ዓበይቲ ጫካታት፣ ሰብ ኣብ ዘይነብሮ ከባቢታት ጎቦታትን። መራኽብ፣ እግሪ ጉዕዞ ጫካ፣ ኣብ ጎላጉልን ጎቦታትን፣ ንጥፈታት በረድ፣ ፈረስን እንስሳን ባህልታት ምምሕዳር ባርይ እዮም። ኣብ ሓጋይ ይኹን ክረምቲ ካብ ጫካ ናብ ርሑቕ ሰብ ዘይነብሮም ከባቢታት ዝወስድ መንገዲ። ኣብ ተፈጥሮ ዝርከቡ ወሓዝቲ፣ ቀላያትን እኩባት ማያትን ቀጥታ ካብቲ ምንጪ ዝስተዩ ማያት እዮም።

ሓንቲ ብጫ ዕምባባታት ዝሓዘት ጓል ኣብ ሻኻ። ብድሕሪት ወሓዚ ማይ፡ መንበሪ ህንጻ፡ ሕርሻታትን ብርሑቕ ድማ ሓደ ዓቢ ጎቦን።

ንምምሕዳር ባርይ ማሕበራዊ ሂወት ኣገዳሲ እዩ ስለዚ ከኣ ኣብዘን ነጻ/ኣታዊ ዘይብለን ማሕበራት ምትብባዕ ኣገዳሲ ዝኸውን። ማሕበራዊ ሂወትን ኣብ ደገ ዝግበር ንጥፈታትን ኣብ ስሩዕ ጥዕና ሕብረተሰብ ኣዎንታዊ ጽልዋ ኣለዎ። ኣብ ባርይ ዝርከባ መብዛሕትአን ኣብ ደገ ዝግበሩ ንጥፈታት ስዋሰኣ እየን። ምምሕዳር ባርይ ሃብታም ተፈጥሮ ዓሳ ዝርከብዎ ማያት፣ ንኣሽቱ እኩባት ማያትን ወሓዝቲ ማያትን ይርከብዎ።

ካብ ብዮርክስኩገን ተበጊሱ ብሜዳ ኣቢሉ ናብ ሓንቲ ብድሕሪት ትርኣ ቁሸት ዘምርሕ ሓደ ናይ በረድ መንሸታትሒ ኣሰር ዘርኢ ናይ እዋን ሓጋይ ስእሊ።

ባህላውን ማሕበራውን ሂወት ሓደ ኣገዳሲ ጉዳይ ሕብረተሰብና እዩ ኣብ ኩሉ ከባቢና ከኣ ይንጸባረቕ። ኩሉ ክነጥፈለን ዝኽእል 300 ምዝጉባት ማሕበራት ከኣ ኣለዋ።

ኣብዚ ኮሙን ምስ ቤተ ክርስትያን ሽወደን ዝተኣሳሰራ ብዙሓት ዝተፈላለያ ሰበኻታት ኣለዋ።

ኣብያተ ክርስትያን ኣብ ብዙሕ ዝተፈላለየ ከባቢታት ናይዚ ኮሙን ኣሎ። ኣብ ስቨንስታቪክ ናይ ሽወደን ሚስዮናዊ ቤተ ክርስትያን ዝኾነት ሓንቲ ቤተ ክርስትያን ኣላ። እቲ ዝቐረበ መስጊድ ኣብ ኦስተርሱንድ እዩ ዝርከብ።

ኣብቲ ከባቢ ብቐረባ እንታይ ይርከብ

ኣብ ማእከል ከተማ: ኢካ: ቤትንባብ: ቤትጽሕፈት ዕዮ: ማሕበራዊ ቤትጽሕፈት: ናይ እተዘውተረ ክዳውንቲ ድኳን ኣሎ። ኣብ ነኣሽቱ ከተማታት ድማ ናይ መግቢ ድኳናትን ኣብያተንባብን ይርከብ።

 

ኣገልጎት ክንክን ወይ ሕብሐባ ቆልዑ

ኣብቲ ኮምዩን ብዙሕ ናይ ህጻናት ቤትትምህርቲ ኣሎ። ንኣብነት፤ ኣብ ስቨንስታቪክ: ሃኮስ: ሚርቪከን: ኦሳርና: ረታንን ስቱርሸ/ዩንግዳለን። ኣብ ስቨንስታቪክ ናይ ፍየልዪምናስየት ወይ ካልኣይ ደረጃ ቤትትምህርቲ ኣሎ: ኣብኡ ድማ እተፈላለየ ትምህርቲ ኪምረጽ ይከኣል።

መባእታ ኣብያተ ትምህርትን ካልኣይ ደረጃ ኣብያተ ትምህርትን

መባእታ ኣብያተትምህርቲ ኣብ ስቨንስታቪክ፡ ህኮስ፡ሚርቪከን፡ ኦሳርና፡ ሮታንን ስቱርሾ/ዩንግዳለን ይርከብ። ኣብ ስቨንስታቪክ እተፈላለየ ኣካይዳ ዘለዎ ፍየልዪምናስየት እውን ኣሎ።

ዕድላት ትምህርቲ

ኣብ ስቨንስታቪክ: ኤስኤፍኢ: ምልላይ ምስ ሕብረተሰብ: ትምህርቲ ንዓበይቲ: ካልኣይ ደረጃ ቤትትምህርቲ: ኮምቩክስ ይርከብ። ብዛዕባ ናይ ዓበይቲ ቤትትምህርቲ ኣብ ናይቲ ኮምዩን መርበብ ኢንተርነት ተወከስ።

ኣገልጎት ጥዕና

ኣብቲ ኮምዩን ክልተ እንዳ ስኒ ኣሎ: ሓደ ኣብ ስቨንታቪክ ሓደ ድማ ኣብ ሚርቪከን። ኣብዚ ቦታዚውን ሓኪምን ነርስን BVC, MVC ናይ ምውስዋስ ኣካላት ዘለዎ ማእከል ጥዕና ኣሎ።

ናይ ቋንቋ ድግፍ-ተርጓሚ ምርካብ

ኣድላዪ ኮይኑ ምስ ዚርከብ እቲ ኮምዩን ብተለፎንን ብኣካልን ዚትርጉም ተርጓማይ ይጥቀም እዩ።

ኣገልግሎት መጎዓዝያ

ትራፊክ ወረዳ ንመብዛሕትኡ ቦታታት ናይቲ ኮምዩን የገልግል። ካብ ረታን ኦርሳና: ስቨንስታቪክን ሃኮስን ናይቲ ከባቢ ባቡር ምጕዓዝ ይከኣል። ብናይ ከባቢ ባቡር መዓልታዊ ብሞራ ጌርካ ናብ ስቶክሆልም ምኻድ ይከኣል።

ስራሕን ትካላት ናይ ምምስራት ተኽእሎታትን

ኣብ ምምሕዳር ባርይ ዝርከቡ መብዛሕትኦም ስራሓት ብርክት ዝበሉ ዓውደ ስራሓት ዝርከብዎም ኣብ ንእስ ዝበሉ ናይ ብሕቲ ትካላት እዮም። ካልኦት ዕብይ ዝበሉ ትካላት ቱሪዝም፣ ዕንጨይቲ፣ ፋብሪካን ንግድን እውን ኣለዉ። ቁጽሪ ኣብ ሕርሻን ዕንጨይትን/ኣግራብን ዝነጥፉ ምስ ዝተረፈ ሃገረ ሽወደን ክወዳደር ከሎ ልዑል እዩ። ቁጽሪ በጻሕቲ ምምሕዳር እናወሰኸ ስለዝመጸ ቁጽሪ ምስ ቱሪዝም ዝተሓሓዝ ናይ ስራሕ ዕድላት እውን ይውስኽ እዩ። 25 ሚእታዊት ዕድላት ስራሕ ናይ ምምሕዳር እዩ መብዛሕቶም ሰራሕተኛታት ድማ ኣብ ሕክምና፣ ክንክን፣ ኣብያተ ትምህርትን ክንክን ህጻናትን ይነጥፉ። ኣብ ቱሪዝም ቀጻሊ ምቹእ ምዕባለት ኣሎ ቁጽሪ በጻሕቲ ምምሕዳርና ውን ዓቢ እዩ።