Bräcke

ናይ መጠረሽታ ዝተሓደሰሉ: 12 10 2022

ብሬከ ኮምዩን ኣብ ማእከል ሽወደን ኣብ ዞባ የምትላንድ ትርከብ። እዚ ኮሙን በቲ ጽቡቕ ዓሳ ዝግፈፎ ማያቱን በቲ ሽልማት ዝተዋህቦ ናይ መግቢ ኢደ-ጥበብን ከምኡ’ውን በቲ ናይ ሽወደን ዝነውሐ መንሻተቲ በረድ ገለርያን እዩ ዝፍለጥ። እዚ ኮሙን ብዙሕ ማሕበራትን ትካላትንን ዘለወን ህያውያን ገጠራት ኣለዎ።

ሓበሬታ ብዛዕባ ምምሕዳር ከተማ

መግፈፊ ዘንጊ ዝሓዘ ሓደ ናይ ግዳም ክዳውንቲ ዝገበረ ሰብኣይ ንሓደ ንእሽተይ ኣብ ዱር ዝርከብ ውሑጅ ቁልቁል የቋርጽ ኣሎ።

መንበሪ-ገዛ

ኣብ ብሬከ ኮምዩን ብዙሕ እተፈላለየ ዓይነት ዝካረ ኣፓርተማታት ኣሎ። ኵሉ ካብ ናይ ሓደ ክፍሊ ምስ ክሽነ ኣፓርተማታት ክሳብ ዓበይቲ ናይ ኣርባዕተ ክፍሊ ምስ ክሽነ ዘለዎ ኣፓርተማታት ኣሎ። እዚ ኣፓርተማታት ኣብ ከተማታት ብሬከ፡ የልኦ፡ ፒልግሪምስታድን ሸላርነን ኣሎ። ኣብ ብሬከ ኮሙን ገዛ ክትካረ ወይ ክትገዝእ ትደሊ እንተ ዄንካ: እቲ ዋጋ ካብቲ ኣብ ዓበይቲ ከተማታት ዘሎ ኣዚዩ ዝሓሰረ እዩ።

ካልእ ቋንቋታት ዝዛረቡ ተቐማጦ መን ኣለዉ ኣብቲ ቦታ

ኣብ ርእሲ ሽወደንኛ፣ እንግሊዝኛ፡ ዓረብኛ፡ ትግርኛን ሶማልኛን እቶም ቀንዲ ቋንቋታት እዮም።

ማሕበራትን ምትእኻባትን

ኣብ'ዚ ከተማ'ዚ፡ ኣብ ዝተፈላለየ መዳያት ዝነጥፋ ብርክት ዝበላ ማሕበራት ይርከባ። ንኣብነት፡ ማሕበራት ስፖርታዊ-ንጥፈታት፡ ባህላዊ ማሕበራት፡ ኣብያተ-ክርስትያናት ምትእሳሳራተንን። ኣብቲ ኣብ መርበብ-ሓበሬታ ምምሕዳር ከተማ ዝርከብ መዝገብ-ማሕበራት ብምእታው ምስ ዝምባሌታትኩም ዝሳነያ ማሕበራት ክትደልዩ ትኽእሉ።

 

ኣብ ሓደ ናይ ሓጋይ መዓልቲ ሓደ ኣብ ናይ ኾተቴ ክሊ ዕድመ ዘሎ ወዲ ኣብ ጥቓ ሓደ ናይ ካምፖ ሓዊ ኾይኑ ይጸርብ ኣሎ። ብድሕሪት ክልተ ሰባት ኣብቲ ብውርጪ ዝተሸፈነ ዝረግኣ ማይ ይኸዱ ኣለዉ።

ኣብቲ ከባቢ ብቐረባ እንታይ ይርከብ

ኣብ ብሬከ: ማእከል ጥዕና: ማእከል ክንክን ጥዕና ቈልዑን ሕክምና ስንን ኣሎ። ሆስፒታል ኣብ ኦስተርሱንድ እዩ ዝርከብ። ኣብ ከተማ ብሬከ ንኣሽቱ እኳ እንተኾና ሰፊሕ ቀረባት ዘለወንን ሓያሎ ድኳናት ኣለዋ። ኣብኡ ካልእ ገዲፍካ ናይ ምግቢ ድኳናት: ሆቴላት፡ ኣብያተ ምግቢ፡ ናይ ጀላቶ ባራት፡ ኣብያተ መድሃኒታት፡ ኣልኮላዊ መስተ ጥራይ ዝሸጣ ዱኳናት (ስይስተምቡላገት)፡ ናይ ስፖርትን መዘናግዕን ድኳናትን ናይ ሓጻውንትን ቀለማትን ድኳናትን ኣለዋ። ከምኡ'ውን ኣብ ብሬከ ናይ ኢድ ዝጠዓመ ድኳን ዘለዎም ቀይሕ መስቀል፡ ሬዳ ቦርነን፡ ኣበኤፍ፡ ከምኡ'ውን ዝተፈላለየ ሃይማኖታውያን ማሕበራት እውን ኣለዋ። ኣብያተ ክርስትያን ሽወደን ኣብ መብዛሕትኣን ገጠራት ኣለዋ። ኣብ ብሬከ ሰበኻ ባፕቲስት ከምኡ'ውን ቤተ ክርስትያን ኤሊም ኣሎ። ካብ ብሬከ ናይ ኣስታት ሓደ ሰዓት መገዲ ብማኪና ማለት ኣብ ኦስተርሱንድ መስጊድ እውን ኣሎ።ኣብ ኦስተርሱንድ ብዙሕ ዓበይቲ ድኳናት እውን ኣሎ።

ኣብ ከባቢ እታ ኮሙን ኣብ ዝርከባ ገጠራት መዕረፍን መግብን ዝህባ ብዙሓት ትካላት ኣለዋ።

ሸላርነ ከምኡ'ውን የልኦ ካልኦት ዕብይ ዝበላ ከተማታት እየን። ኣብዚ ናይ ምግቢ ድኳናትን ካልእን ኣሎ። ኣብ የልኦ ኣብ ውሽጢ ጎቦ ዝርከብ ዓመት ምሉእ ክትጥቀመሉ እትኽእል ኣብ ሽወደን ዝነውሓ ናይ በረድ መንሻተቲ፡ታንኳታት፡ መሳጢ መናፈሻ፡ ናይ ምሳሕ ቤት መግቢ መሕደሪ.ወዘተ ኣሎ።

ክልተ ሰባት ኣብ ጥቓ ሓደ ሓጹር ጠጠው ኢሎም ነቲ ናይ ተፈጥሮ ኣከባቢ ይርእይዎ ኣለዉ።

ኣገልጎት ክንክን ወይ ሕብሐባ ቆልዑ

ኣብ ብሬከ ኮምዩን ዝርከብ ንካብ 1-5 ዝዕድመኦም ቈልዑ ዝኸውን መውዕሊ ህጻናት ዝሓዘ ሓልዮት ቈልዑን ናይ ወለዲ ምትሕብባርን (föräldrakooperativ) ብጽቡቕ ዝተወደበ እዩ። ኣብዚ ኮምዩን ብኮሙን ዝመሓደራ ኣርባዕተ መውዓሊ ህጻናት ከምኡ'ውን ክልተ ብግሊ ዝመሓደራ ናይ ናይ ወለዲ ምትሕብባር ኣለዋ። እተን ኮሙናላውያን መውዓሊ ህጻናት ኣብ የልኦ፡ ፒልግሪምስታድ፡ ብሬከን ሸላርንን ይርከባ። እቲ ናይ ወለዲ ምትሕብባር ኣብ ሪስናን ሸላርን እዩ ዝርከብ።

መባእታ ኣብያተ ትምህርትን ካልኣይ ደረጃ ኣብያተ ትምህርትን

እቲ ንካብ 7-16 ዝዕድመኦም ዝኾነ መባእታዊ ቤት ትምህርቲ ግዴታዊ እዩ። ኣብያተ ትምህርትና ንፍልጠትን ማሕበራዊ ዕብየትን ተማሃሮ ጽቡቕ ኵነታት ንምፍጣር ዝጽዕር ብቐጻሊ ኣብ ምምዕባል ዝርከብ ንጥፈታት እዩ። ኣብ ብሬከ ኮምዩን ሰለስተ መባእታ ኣብያተ ትምህርቲ ኣለዋ፣ ኣብ ብሬከ: የልኦን ሸላርነን። እቲ ኣብ ብሬከ ዝርከብ የምትላንድስ ጅምናስዩም (ካልኣይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ የምትላንድ) ክፋል ናይ የምትላንድ ማሕበር ካልኣይ ደረጃ ኣብያተ ትምህርቲ ኮይኑ ናይ ህንጻ ፕሮግራምን ናይ መላለዪ ፕሮግራምን ዕድል ትምህርቲ ይህብ።

ኣብ ናይ መባእታዊ ቤት ትምህርቲ ዕድመ ዘለዉ ቈልዑ ብዛዕባ ብሬከ ብዝተፈላለየ ማተርያል ዝሰርሕዎ ኢደ-ጥበብ ኣብ ሓደ መንደቕ ተሰቒሉ ኣሎ።

ዕድላት ትምህርቲ

ንስኻ ካብ 20-64 ዝዕድመኻ: ብመገዲ ናይቲ ኮምዩን ትምህርቲ ንዓበይቲ: ኣብ መባእታን ካልኣይ ደረጃን ኣቲኻ ክትምሃር ትኽእል። ናይ ሞያ ትምህርቲውን ክትወስድ ትኽእል። ኣብ ናይ ብራከ ለርሰንትሩም እተፈላለየ ዓይነት ትምህርቲ ኣሎ። ብትርፊ ግዜ ወይ ቀዋሚ ወይ ድማ ስራሕን ትምህርትን ሓዊስካ ክትመሃር ትኽእል። ብዛዕባ ትምህርታዊ ሓገዝ እትደልዮ መምርሕን ምኽርን ን ተወከስ። ኣብቲ ካብ ብራከ 7 ኪሎመትር ርሒቑ ዚርከብ ኦስተርሱንድ እቲ ኣዚዩ ቀረባ ዝኾነ ዩኒቨርሲቲ Mittuniversitetet ይርከብ።

ኣገልጎት ጥዕና

እቲ ኮምዩን ነቶም ብምኽንያት ናብቲ ማእከል ጥዕና ብውሑዱ ንሰለስተ ወርሒ ዚኣክል ኪመጹ ብዘይምኽኣሎም ኣብ ገዝኦም ዚሕከሙ ሰባት ሓላፍነት ይወስድ። ማእከል ጥዕና: ናይ ህጻናት ማእከል ጥዕናን ሕክምና ስንን ኣብቲ ኮምዩን ኣሎ። ኣብ ብራከን ሸላርነን ክልተ ማእከል ጥዕና ኣሎ። ኣብ ነፍስወከፍ ማእከል ጥዕና እቶም ሰራሕተኛታት ኣብ እተፈላለየ ናይ ክንክን ጉጅለ ይሳተፉ። ኣብቲ ጉጅለ: ሓከምቲ: ነርስታት: ኣዋለድቲ: BVC: ናይ ምውስዋስ ክንክንን ማሕበራዊ ስነኣእምሮኣዊ ምንጭን ኣሎ። ብተወሳኺ Bräcke hälsocentral. ኣንብብ።

ናይ ቋንቋ ድግፍ-ተርጓሚ ምርካብ

ምስ መንግስታዊ ወይ ውን ምምሕዳራዊ ትካላት ናይቲ ከተማ ኣብ እትገብርዎ ርኽክባት፡ ንኣብነት ኣብ ምምሕዳር ከተማ፡ ሕክምና ወዘተ..ናይ ቋንቋ ሽወደን ሕጽረት ምስ ዝህልወኩም፡ ተርጓሚ ክቍጸረልኩም ይኽእል። ተርጓሚ ኣቐዲሙ በቲ ዝምልከቶ መግስታዊ-ኣካል ከም ዝቍጸር ይግበር።

ኣገልግሎት መጎዓዝያ

ኣብዚ ኮሙን ኣውቶቡሳትን ባቡርን ኣለዋ። ሓበሬታ ብዛዕባ ሰሌዳ ግዜን ዋጋታትን፡ ኣብ ሌንስትራፊከን የምትላንድ፡ ኤስዪ ከምኡ'ውን ኖርቶግ ኣለዉ።

ብዛዕባ ኣብዚ ኮሙን ዘሎ ህዝባዊ መጓዓዝያ ብዝያዳ ኣንብብ።

ሓንቲ ናይ ኖርቶግ ባቡር ኣብቲ መደበር ደው ኢላ ኣላ። ብድሕሪት ባቡር ትኸደሉን ትመጸሉን ዝሕብር ሰሌዳ።

ስራሕን ትካላት ናይ ምምስራት ተኽእሎታትን

ኣብ ብሬከ ብዙሓት ንኣሽቱን ማእከሎትን ትካላት ኣለዋ። እተን ዝዓበያ ትካላት ናይ ስርሓት ዕንጨይትን ሓጺንን እየን። ብዙሓት ኣብዚ ኮሙን ዝቕመጡ ሰባት መነባብርኦም ካብ ክንክን ገረብ፡ ምጽንጻል፡ ፋብሪካ መጨንድሕ ኣዕጻውን ቀጻሊ ምምስራሕ ስርሒት ዕንጨይትን እዩ። ከምኡ'ውን እዚ ኮሙን በቶም ንፉዓት ከሸንቲ ምግቢ ፍሉጥ እዩ። ኣብዚ ቀረባ ዓመታት ኣብ ብሬከን ኣብ ከባቢኣ ዘለዋ ኮሙናትን ጠለብ ናይ ኣሰለፍቲ፡ ከሸንቲ፡ ሓካይም፡ ኣለይቲ ሕሙማት፡ ተሓጋገዝቲ ኣለይቲ ሕሙማት፡ መማህራን መውዓሊ ህጻናት፡ ሓጎድቲን ክኢላታት ኤለክትሪክን ክህሉ እዩ። ኣብ ክንክንን ሓልዮትን፡ ክንክን ኣግራብ፡ ምልሓምን ቤት ዕዮን መጓዓዝያን ስራሕ ንምርካብ ጽቡቕ ዕድላት ኣሎ።

እቲ ቤትጽሕፈት ዕዮ ኣብ ቀረባ ኣብ ዚርከብ ቤትትምህርቲ ስልጠና ኪህበካ ይኽእል። ከምዚ ብምግባር ከኣ ነቲ ስራሕ ናይ ምርካብ ዕድልካ ተስፍሖ። እቲ ስልጠና ኣብዘን ዚስዕባ የተኩር፤ ክንክን ጥዕና: ባቲላመራ: ዘዋር ኣውቶቡስ: ሰራሕተኛ መኽዘን: ጋራጂስታ: ረስቶራንት: ሸያጥን ኣገልግሎት ዓማዊልን። ንዝያዳ ሓበሬታ ንቤትጽሕፈት ዕዮ ተወከስ።