Härjedalen

ናይ መጠረሽታ ዝተሓደሰሉ: 12 10 2022

ሀርየዳለን 11 934 ትርብዒ ኪሎመትር ዝምስፋሑ ንኹሉ ተቐማጢ ሰፊሕ ቦታ ዘለዎ ኣብ ሽወደን ዝዓበየ ኮምዩን እዩ። ኣብኡ ኣኽራናትን ቀላይትን ዱርን ይርከብ: ብሓጋይ ኮነ ብክረምቲ ድማ ንዚግደሱ መዘናግዒ ቦታ እዩ።

ሓበሬታ ብዛዕባ ምምሕዳር ከተማ

ኣብ "ምጭውቲ ሃየርዳለን" ናይ ህይወት ድራኸን: ቕንዕናን ሕውነትን ኣሎ። እዚ እዩ ኣብ ሃየርዳለን ኮምዩን ከም ንጥፈትን ባህርይን ኮይኑ ዚነብር ዘሎ።

መንበሪ-ገዛ

ኣብ ሃየርዳለን ኩሉ ዓይነት መንበሪ ገዛውቲ ኣሎ። ሰብ እንተ ደልዩ ኣብቲ ከተማ ወይ ካብኡ ወጻኢ ገዛ ኪዕድግ ይኽእል። እቲ ኮምዩን ገዛ ዘካሪ ትካል ኣለዎ: ግን ካልኦት ብሕታውያን ኣካረይቲ ድማ ኣለዉ።

ካልእ ቋንቋታት ዝዛረቡ ተቐማጦ መን ኣለዉ ኣብቲ ቦታ

ኣብዚ ግዜዚ ኣብ ሃየርዳለን ካብዘን ዚስዕባ ሃገራት ዚመጹ ኣለዉ፤ ሲርያ: ኣፍሪቃ: ኤርትራ: በርማ: ኣፍጋኒስታን: ኢራንን ኢራቅን። ዚዝረብ ቋንቋታት ድማ: ዓረብ: ትግርኛ: ትግረ: ሶማሊ: ፋርስ: በርማ: ደቡብ ሰሚስካ። ኣብ ሃየርዳለን ደቀባት ዝኾነ ሳመር ዝብሃሉ ሳሚስካ ዚዛረቡ ሰባት ኣለዉ።

ማሕበራትን ምትእኻባትን

ኣብ ሃየርዳለን ክሳዕ ሕጂ ናይ ሽወደናዊት ቤትክርስትያን ማሕበር ኣሎ። ሽወደናዊት ቤትክርስትያንን ካልኦት ማሕበራትን ናብቶም ሓደስቲ መጻእቲ ዝዓለመን ሃይማኖት ብዘየገድስ ሓያሎ ንጥፈታት የካይዳ።

ኣብ ሄርየዳለን ብዙሓት ዝተፈላለያ ዓይነት ማሕበራት ኣለዋ። ኣብ ናይዛ ኮሙን መርበብ ሓበሬታ፡ መላግቦ ናብ ኵለን ማሕበራት ኣሎ።

ኣብቲ ከባቢ ብቐረባ እንታይ ይርከብ

ሃየርዳለን ዓቢ ኮምዩን እዩ። ኣብኡ ብዙሕ ነኣሽቱ ከተማታት ኣለዋ። ርእሲ ከተማ ስቨግ ትብሃል። ካልኦት ነኣሽቱ ከተማታት፤ ሊልሃርዳል: ኢተርሆግዳል: ሀደ: ሎፍስዳለን: ቨምዳለንን ፉነስዳለን። ኣብቲ ኮምዩን ብዙሕ ኣብያተጽሕፈት ኣሎ። ቀንዲ ቤትጽሕፈት ኣብ ስቨግ እዩ። ናይ ከባቢ ኣብያተጽሕፈት ድማ ኣብ ፉነስዳለን: ሀደን ኢተርሆግዳለንን ኣሎ። ኣብዘን ቦታታት መባእታ ቤትትምህርቲ: ድኳናት: መሐምበሲ: እተገልገለ ኣቕሑ መሸጢ ወዘተ..ይርከብ።

ኣገልጎት ክንክን ወይ ሕብሐባ ቆልዑ

ቤትትህምርቲ ህጻናት ኣብቲ ናይ ትምህርቲ ሲስተም ናይ ዕደመ ምሉ እ ዚወስድ ምህሮ ቀዳማይ ስጕሚ እዩ። በዚ ከኣ ደቅና ብጽቡቕን ድሕነት ዝመልኦን ኣገባብ ይምዕብሉ።

ናይ ሃየርዳለን ኮሙናዊ ኣብያተተምህርቲ ህጻናት ነቶም ዕድመኦም ኣብ መንጎ ሓደን ሓምሽተን ዝኾኑ ቆልዑ ብቕዓቱ ልዑል ዝኾነ ክንክን ጥዕና ይህብ። በቶም ምሁራን ሰራሕተኛታት ዚምራሕ ናይ ፐዳጎጂ ንጥፈታት ኣሎ። ንሱ ድማ ኣብ ትምህርትን ክንክንን ምዕባይ ቆልዑን ይነጠፍ።

ኣብ ሃየርዳለን ኣርባዕተ ናይ ኮኦፕራቲቭ ኣብያተትመህርቲ ኣለዋ። ኣብ ኩላተን እቶም ወለዲ ኣብቲ ንጥፈታት ናይቲ ቤትትምህርቲ ይሳተፉ፡ ነቶም መምህራንን ኣለይቲ ቆልዑን ድማ ባዕላቶም ይመርጹዎም። ወለዲ ኣብ መዓልታዊ ስራሕ ናይቲ ትምህርቲ እውን ይሳተፉ እዮም፡ ማለት መግቢ ብምኽሻንን ካልእ ምምሕዳርን።

ናይ ወለዲ ምስታፍ፡ ምትእምማን ምርድዳእን ሓላፍነት ምህልውን ይፈጥር። ኣብ ወለድን ቆልዑን ድማ ቅሳነትን ሕውነትን ይፈጥር።

መባእታ ኣብያተ ትምህርትን ካልኣይ ደረጃ ኣብያተ ትምህርትን

ኣብቲ ኮምዩን ኤፍ 6 ዘለወን ኣብያተትምህርቲ ብዙሓት እየን። እዚ ድማ ነቶም ነኣሽቱ ተመሃሮ ሓጺር ጕዕዞ ማለት እዩ። ከምዚአን ዝበላ ኣብያተትምህርቲ ኣብ ስቨግ፡ ሊልሀርዳን፡ ሎፍስዳለን፡ ሀደ፡ ቨምዳለን፡ ፉነስዳለን፡ ብሩክስቫላርናን ኢተርጎርዳልን ይርከባ።

ካብ 7-9 ዓመተትምህርቲ ዘለወን ኣብያተትምህርቲ ኣብ ስቨግ፡ ፉነስዳለንን ኢተርሆግዳልን ይርከባ።

ናይ ሄርየዳለን ካልኣይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ፡ ሓደ ሰፊሕ ቀረብ ናይ ፕሮግርማት ዘለዎ ሓደ ንእሽተይ ቤት ትምህርቲ እዩ። እዚ ናይ ቤት ትምህርትና ሃዋሁው፡ ንተምሃሮና ይሰማምዖምን ውሕስነት ከም ዝስምዖም ይገብርን እዩ፣ ልዕሊ ዅሉ ግን ናይ ካልኣይ ደረጃ ተምሃሮና ኣብ ትምህርቶም ይዕወቱ እዮም።

ናይ ካልኣይ ደርጃ ትምህርቶም ዝውድኡ ክፋል ተምሃሮ ናይ ሄርየዳለን ቤት ትምህርቲ ካልኣይ ደረጃ፡ ካብቲ ሃገራዊ ማእከላይ ገምጋም ዝለዓለ እዩ፣ ከምኡ'ውን ተምሃሮና ኣብ መብዛሕትኦም ናትና ናይ ካልኣይ ደረጃ ትምህርቲ መደባት፡ ካብቲ ሃገራዊ ማእከላይ ገምጋምን ምሳና ክመዛዘና ዝኽእላ ናይ ካልኣይ ደረጃ ኣብያተ ትምህርቲ ንልዕሊ ብኣዚዩ ዝለዓለ ነጥቢ ትምህርቶም ይውድኡ። ስለዚ፡ ተምሃሮና ነቲ ዝምነይዎ መጻኢ ዝተዳለዉ ንኽኾኑ ራኢና ክኸውን ባህርያዊ እዩ።

ምናልባት እቲ ናትና ካፈተርያ፡ ናትና ባህርያዊ መራኸቢ ቦታ፡ ምናልባት ግዱሳት ሰራሕተኛታትና ይኸውን ንተምሃሮና ውሕስነት ከም ዝስምዖምን ክሳብ ክንድዚ ብሰፊሑ ኣብ ትምህርቶም ከም ዝዕወቱ ዝገብር ዘሎ። ምኽንያቱ ብዘየገድስ ንዓኻ ዝሰማምዓካ ሓደ ናይ ካልኣይ ደረጃ ትምህርቲ መደብ ክትረክብን፡ ኣብታ ካብ ናይ ሄርየዳለን ቤት ትምህርቲ ካልኣይ ደረጃ ትምህርትኻ ትውድኣላ መዓልቲ፣ ቀጥታ ድሕሪ ትምህርቲ፡ ትምህርትኻ ንምቕጻል ዲኻ ወይስ ስራሕ ንምድላይ ኢኻ ትመርጽ ብዘየገድስ ጽቡቕ ገርካ ተቐሪብካ ንኽትጸንሕ እዩ ተስፋና።

ዕድላት ትምህርቲ

ኣብ ሃየርዳለን ኤስኤፍኢ ወይ ትምህርቲ ንዓበይቲ ኣሎ፡ ከምኡውን ምስ ሕብረተሰብ ምልላይ፡ መሰረታዊ ናይ ዓበይቲ ቤትትምህርቲ፡ ካልኣይ ደረጃ ትምህርቲ ንዓበይቲ ከምኡውን ናይ ኮለጅ ናይ ርሑቕ ትምህርቲ። ኣብ ስቨግ ህዝባዊ ኮለጁ ኣሎ፡ ባከዳልስ ህዝባዊ ኮለጅ።

ኣገልጎት ጥዕና

ኣብ ሄርየዳለን ኣብዘን ዝስዕባ ከተማታት ማእከላት ጥዕና ኣሎ፤ ፉኔስዳለን፡ ሀደን ስቨግን። ኣብ ይተርሆግዳል ብቖጸራ ዝርኢ ክሊኒክ ኣሎ።

ቤት መድሃኒት ኣብ ፉኔስዳለን፡ ሀደን ስቨግን ኣሎ። ብዙሓት ከተማታት ወኪል ናይ ቤት መድሃኒት ኣለወን። ከምኡ'ውን ብዙሓት ድኳናት ትእዛዝ ሓኪም ዘየድልዮ ናይ ቤት መድሃኒት ኣቑሑት ይሸጣ እየን።

ሓኪም ስኒ ኣብ ፉኔስዳለን፡ ሀደን ስቨግን ኣሎ።

ናይ ቋንቋ ድግፍ-ተርጓሚ ምርካብ

ናይ ትርጉም ሓገዝ ኣብ መንግስታውን ኮሙናውን ትካላት ይርከብ። ቆጸራ ክትገብር ከሎኻ ናይ ትርጉም ሓገዝ ከም ዘድልየካ ንገር። ኣብቲ ኮምዩን ኢንተግራኹን ሰርቪስ ዚብሃል ኣሃዱ ኣሎ፡ ኣብኡ ድማ ነቶም ኣብ ሃየርዳለን እተመደቡ ሓደስቲ መጻእቲ ናይ ትርጉም ሓገዝ ኣሎ። እቶም ናይቲ ኣሃዱ ሰራሕተኛታት ነዚ ብዚምልከት ዝያዳ ሓበሬታ ኪህቡ ይኽእሉ እዮም።

ኣገልግሎት መጎዓዝያ

ሓደ ሰብ ናብ ሃየርዳለን ብእተፈላለየ መገዲ ኪጎዓዝ ይኽእል እዩ። ነፋሪት፡ ማኪና፡ ኣውቶቡስን ባቡርን። ኣብቲ ናይ ኮምዩን ወብሳይት ሓበረታን ሰለዳ ሰዓትትን ኣንብብ።

ስራሕን ትካላት ናይ ምምስራት ተኽእሎታትን

ናይ ሃየርዳለን ኮምዩን ኣብቲ ኮምዩን እቲ ዝዓበየ ወሃብ ስራሕ እዩ። ሓደ ሰብ ከም ነርስ ወይ ሓላዊ ወይ ኤች ኣር ኣማኻሪ ወይ ናይ ሓደ ዋኒን ሓላፊ ኮይኑ ይስራሕ፡ ኣብ ሃየርዳለን ኮምዩን ዓቢ ተራ እዩ ዚጻወት። ኩላትና ብሓባር ኮምዩንና ኪነጥፍ ኢና እንደሊ፡ እዚ ከኣ ንኣና ክብሪ እዩ። 

SYKES ናይ 35 ዓመት ተመክሮ፡ ዝያዳ 75 ማእከል ልዕሊ 46000 ሰራሕተኛታት ዘለዎ ኣህጉራዊ ትካል እዩ። ሲከስ ምስ ቢፒኦ (ቢዚነስ ፕሮሰስ ኣውትሶርሲን) ኮይኑ ይሰርሕ፡ ናይ ዓሚል ኣገልግሎት፡ ንነኣሽቱ ዋኒናትን ዓበይቲ ኣህጉራዊ ዋኒናትን ናይ ዓሚል ኣገልግሎት፡ ተክኒካዊ ድጋፍን መሸጣን ይህብ።

ኣብ ሃየርዳለን ብዙሓት ሰባት ንቫከሽን ወይ ኣብ ናይ ስራሕ ዕረፍቲ ይመጹ። ስለዚ ናይ ቱሪዝም ስራሕ ይርከብ እዩ። እቲ ዝዓበየ ናይ ሃየርዳለን ቦታ ቱሪዝም ቨምዳለን፡ ሎፍስዳለንን ፉነስዳለንን እዩ።