Strömsund

ናይ መጠረሽታ ዝተሓደሰሉ: 12 10 2022

ነቶም ንጡፍ ዓይነት ህይወት ዚፈትዉ፡ እታ ኣስታት 12,000 ተቐማጦ ዘለዋ ስትሮምሱንድ ኮምዩን ትሰማምዖም እያ። ግን ከኣ ነቶም ግሩም ኮሙናዊ ኣገልግሎት፡ ጽቡቕ ናይ ኣረጋውያን ክንክንን ጽቡቕ ናይ ትምህርቲ ዕድላት ዚደልዩውን ትሰማምዖም እያ።

ሓበሬታ ብዛዕባ ምምሕዳር ከተማ

ሓንቲ ቀያሕ ማኪና ናብ ስሮምሱንድ ገጻ ትኸይድ፡ ሓደ ስትራኤይምየ ዝብል ብሽወደንኛን ብሳሚኛን ዝተጻሕፎ ናይ መንገዲ ምልክት ትሓልፍ ኣላ።

ኣብዚ ኩሉ ንናይ ህጻናት ምዕባለ ዚጠቕም ኣሎ፡ እተን ከተማታት ነኣሽቱን ኩሉ ዘለወንን እየን። እንቋዕ ብደሓን ተሓወስኩምና!

መንበሪ-ገዛ

ናይ ስትሮምሱንድ ትካል ክራይ ኣባይቲ ኣብተን ሽድሽተ ከተማታት ዝካረ ገዛውቲ ኣለዋ። HSB ከምኡውን Riksbyggen ኣብ ስትሮምሱንድን ሆቲንግን መንበሪ ኣባይቲ ኣለወን። ይኹንምበር፡ ኣብ ውሽጥን ወጻእን ስትሮምሱንድ እውን ብሕታውያን ኣካረይ ኣለዉ።

ሰለስተ ደርቢ ዘለዎ ብጫ ናይ ሕጡብ ገዛ ብኩርናዕ ጻዕዳ ሰገነታት ዘለዎ። ብድሕሪት ሓደ ሻኻ።

ኣብቲ ኮምዩንና ኣብ ገጠራት ብሕሱር ዋጋ መንበሪ ኣባይቲ ኪርከብ ይከኣል። ልዑል ደረጃ ዝሓዙ ቪላታትን ብክልተ ሚእቲ ሽሕ ክሩነር ይርከቡ። ኣብኡ እቶም ብዙሕ እቶት ዘይብሎምውን ገዛ ምስ ዓደጉ ንኻልእ ነገራት ይተርፎም እዩ። ኣብኡ ብመገዲ ነትዎርክን ማሕበራዊ ናብራን ማሕበራዊ ርክባትን ውሕስነትን ሰላምን ይርከብ።

ካልእ ቋንቋታት ዝዛረቡ ተቐማጦ መን ኣለዉ ኣብቲ ቦታ

እተን ብብዝሒ ዚዝረባ ቋንቋታት፡ ዳሪ/ፋርሲ፡ ኡዝበክ፡ ሩስያ፡ ትግርኛ፡ ዓረብ፡ በርማ፡ ሶማልያ፡ ኦሮሞ እየን፡ ግን ከኣ ኣብኡ ታይላንድ፡ ጀርመን፡ እንግሊዝ፡ ስፓኛን ፈረንሳንውን ይዝረብ እዩ።

ማሕበራትን ምትእኻባትን

"ኣብቲ ናይቲ ኮምዩን ሃብታም ማሕበራዊ ህይወት ክትሳተፍ እንተ ደኣ ደሊኻ፡ ብዙሓት ኣብ እተፈላለየ መዳያት እተዋፈራ ማሕበራት ኣለዋ። ኣብቲ ናይ ሽወደን ሕበረተሰብ ኣቲኻ ግሩም ርክባት ንምፍጣርን ቋንቋ ንምምሃርን ኣማራጺ ዘይብሉ መገዲ እዩ። ምናልባት ኣብ ገለ ማሕበራት ከተበርክቶ እትኽእል ነገራት ይህሉዶ ይኸውን?
"

ሓንቲ ምስ ኢኤፍኮ ስትሮምሱንድ ትጻወት ጓል ንኽልተ ሒጃብ ዝተኸድና ኣዋልድ ሓንቲ ጐፍጓፍ ጸላም ማንቲለ ተርእየን ኣላ። እተን ኣዋልድ ነታ ማንቲለ ይደርዝኣ ኣለዋ።

ኣብቲ ከባቢ ብቐረባ እንታይ ይርከብ

እቲ ኮምዩን ሓሙሽተ ከተማታት ኣለዎ፤ ስትሮምሱንድ፡ ሃመርዳል፡ ባከ፡ ሆቲንግን የደደን። ኣብዚኣተን ግሮሰሪታትን ካፈታትን ኣብያተመግብን ፋርማስን ባንክታትን እንዳ ክዳውንትን ካልእ ብደቂቕ ዝሸጡ ድኳናትን ይርከቡ። ቤትንባን ሓራጅን እውን ኣሎ። ኣብተን ዓድታት ናይ ስፖርትን መሐምበስን ኣደራሻት ከምኡውን ኣደራሽ መንሸራተቲ ኣሎ።

ናይ ናእሽቱ መራኽብ ወደብ ዝሓዘ ናይ ክረምቲ ስእሊ። ሓደ መንጫዕጫዕታ ኣብ ማእከል ማይ።

ኣገልጎት ክንክን ወይ ሕብሐባ ቆልዑ

ስትሮምሱንድ ኮምዩን እተፈላለየ ትምህርቲ ንህጻናት ኣለዎ። ኣብኡ ብዙሓት ኣብያተትምህርቲ ህጻናት ኣለዋ፡ መብዛሕትአን ናይቲ ኮምዩን እየን። ኣብታ ብደቡብ ስትሮምሱንድ እትርከብ ሃልቪከን ብናይ ወለዲ ምትሕግጋዝ እትመሓደር ቤትትምህርቲ ህጻናት፡ ኣብ ሮሰን፡ ኣስታት 70 ኪ/መ ካብ ስትሮምሱንድ ድማ ብሕታዊት ቤትትምህርቲ ህጻናት ኣለዋ። ኣብ ስትሮምሱንድ ናይ ኣጸደ ህጻናት ኣላዪነት ኣሎ።

ኣብ ኩለን ናይቲ ኮምዩን ዓበይቲ ዓድታት መእለዪ ህጻናትን ክፉት ቤትትምህርቲ ህጻናትን ኣሎ። ነቶም ዘድልዮም፡ ብምሸትን ለይትን ቀዳመሰንበትን ዚነጥፍ ናይ ምእላይ ህጻናት ተኽእሎታት ኣሎ። ኣብቲ ናይቲ ኮምዩን ወብሳይት ብዛዕባ ክንክን ህጻናት ተወሳኺ ሓበሬታ ኣሎ።

መንሻትሒ፡መሕኮሪን ሰለል መበሊን ዘለዎ መጻወቲ ቦታ፡ ሓንቲ ሮዛ ክዳን ዝተኸድነት ጓል ኣብ ሓደ ዓቢ ከቢብ ሰለል መበሊ ደው ኢላ ሰለል ትብል ኣላ።

ኣብ ስትሮምሱንድ ማእከል ስድራቤት፡ ኣሎ። ንሱ ንወለድን ህጻናትን ዘራኽብን ሓባራዊ ንጥፈታት ዘካይድን ክፉት ቤትትምህርቲ እዩ። ኣብኡ ነቲ ንጥፈታት ዚውጥኑ ናይ ቤትትምህርቲ ህጻናት መምህራን ኣለዉ። ኣብኡ ናይ ኣደታትን ህጻናትን ማእከላት ጥዕናን እተፈላለየ ኮርሳትን ከምኡውን ናይ ህጻናት ማሳጅ ኣሎ። እቲ ማእከል ስድራቤት ብናይ ስኒ ሓከምትን ናይ ህጻናት ቤትንባብ ኣካየድትን ይብጻሕ እዩ።

ናይ ስትሮምሱንድ ሰበኻ ሺርኪስ ኣለዎ። ንሱ ንህጻናትን ወለድን ዝዓለመ ክፉት ንጥፈታት እዩ። እዚ ኣብ ብዙሕ ቦታታት ናይቲ ኮምዩናት እውን ይወሃብ እዩ፡ ከም ኣብ ሆቲንግን ኣብ ሺርክቶሾን።

መባእታ ኣብያተ ትምህርትን ካልኣይ ደረጃ ኣብያተ ትምህርትን

ስፍሒ ናይቲ ኮምዩን ንእሽቶ እዩ ግን ኣብኡ ሽውዓተ ናይ ዲረክተራት ከባቢ ምስ ዓሰርተ መባኣታውን ሓንቲ ብሕታዊትን ኣብያተትምህርትን ኣለዋ። ኣብ ስትሮምሱንድ እታ እተፈላለየ ናይ ካልኣይ ደረጃብ መደባትን ኮምቩክስን ዘለዋ ናይቲ ኮምዩን እንኮ ካልኣይ ደረጃ ቤትትምህርቲ ትርከብ። እታ ቤትትምህርቲ ምስ ቁጠባዊ ህይወትን ክንክን ጥዕናን ናይ ምእላይን ተክኒክን ኮለጅ ጥቡቕ ምትሕብባር ኣለዋ። ናይ ካልኣይ ደረጃ ቤትትምህርቲ ስነ-ቁጠባውያን ምሩቓት እውን ኣብኡ እዮም ዝስልጥኑ። ኣብ ስትሮምሱንድ ናይ ተዅሲ ቤትትምህርቲ ኣሎ፡ ሃገራዊ ናይ ስፖርት ስለጠና።

ኣብ ሩሰን ናይ ሞንተሶሪ መደባት ዘለዋ ናይቲ ኮምዩን እንኮ ብሕታዊት ቤትትምህርቲ ኣላ። ኣብዚ እቶም ካብ ናይ ቤትትምህርቲ ህጻናት ክላስ ክሳዕ ትምህርታዊ ዓመት ሽድሽተ ዘለዉ ተመሃሮ ይመሃሩ። ኣብ ሃመርዳልን ስትሮምሱንድን ዮርምቫትነትን የደደን ሆቲንግን ሺርክቶሾን ባከን ኮሙናውያን መባእታ ኣብያተትምህርቲ ኣለዋ።

ዕድላት ትምህርቲ

"ኣብ ስትሮምሱንድ ኮምዩን ኩሉ በጽሒ ንብቕዓቱ ከስፍሖን ከዕምቖን ይኽእል። ነዚ ድማ ነቲ ዝሓለፈ ትምህርቲ ብምውዳእን ወይ ሓድሽ ትምህርቲ ብምቕሳምን ኪኸውን ይኽእል።

እቲ ተምሃራይ ምስቲ ናይ ትምህርቲ ተሓባባሪኡ ብምዃን ውልቃዊ ናይ ትምህርቲ መደባት ንምውጻእ ሓገዝ ኪረክብ ይኽእል እዩ። ንሕና ነዚ ዚስዕብ ነቕርብ፤"

  • ሽወደን ንወጻእተኛታት sfi
  • ሰርቩክስ
  • መሰረታዊ ናይ ዓበይቲ ትምህርቲ
  • ካልኣይ ደረጃዊ ናይ ዓበይቲ ትምህርቲ
  • ሓይሊ ንፋስ - ናይ ሞያ ኮለጅ ትምህርቲ
  • ናይ ተልእኾ ትምህርቲ
  • ናይ ሞያ ናይ ዓበይቲ ትምህርቲ

ኣገልጎት ጥዕና

ብዞባ ዚምራሕ ማእከላት ክንክን ጥዕና ኣብ ስትሮምሱንድ፡ የደደን ባከን ኣሎ። ኣብኡ ቀረብ ናይ ሓኪም ክንክን፡ ማእከል ክንክን ነፍሰ-ጾርን ሓራሳትን (MVC) ከምኡ'ውን ማእከል ክንክን ቈልዑ (BVC) ኣሎ።

ኣብ ስትሮምሱንድ ናይ ወለድን ህጻናትን መራኸቢ ዝኾነ Familjecentralenኣሎ። ኣብኡ እቶም ዓበይቲ ከም ወለዲ መጠን ሓገዝ ይረኽቡ። ኣብኡ MVCን BVCን ከምኡውን ናይ ህጻናት ክፍልን ናይ ህጻናት ማሳጅን ንእተፈላለየ ዓይነት ትምህርቲ ዚምልከት ንኡሳን ኮርሳትን ኣሎ።

ኣብ ስትሮምሱንድን ሆቲንግን ሃመርዳልን ብሕታዊ ክሊኒክ ኣሎ። ኣብኡ ኣብ ርእሲ ሓከምቲ፡ ናይ ምውስዋስ ክንክንን ኣማኻሪን መሕረሲትን ይርከቡ።

ኣብ ሃመርዳል፡ ስትሮምሱንድ፡ ሆቲንግን የደደን ናይ ስኒ ሕክምና ኣሎ። ኣብ ስትሮምሱንድ ብዙሓት ብሕታውያን ናይ ስኒ ክሊኒካት ኣለዋ።

ናይ ቋንቋ ድግፍ-ተርጓሚ ምርካብ

ምስ መንግስታዊ ወይ ውን ምምሕዳራዊ ትካላት ናይቲ ከተማ ኣብ እትገብርዎ ርኽክባት፡ ንኣብነት ኣብ ምምሕዳር ከተማ፡ ሕክምና ወዘተ..ናይ ቋንቋ ሽወደን ሕጽረት ምስ ዝህልወኩም፡ ተርጓሚ ክቍጸረልኩም ይኽእል። ተርጓሚ ኣቐዲሙ በቲ ዝምልከቶ መግስታዊ-ኣካል ከም ዝቍጸር ይግበር።

ኣገልግሎት መጎዓዝያ

ማኪና

ናብ ስትሮምሱንድ ብማኪና ኪኽየድ ይከኣል። ስትሮምሱንድ ድሕሪ፡ E 45፡ 100 ኪ/መ ብሰሜን ኦስተርሱንድ ትርከብ። እቲ ናይ ማኪና ጕዕዞ ኣስታት ሰዓትን ፈረቓን ይወስድ።

ካብ ስቶክሆልም ንስትሮምሱንድ 600 ኪ/መ እዩ፡ ኣስታት 8 ሰዓትት ከኣ ይወስድ።

ነፋሪት

ኦረ/ኦስተርሱንድ መዓርፎ ነፈርቲ ካብ ኦስተርሱንድ ብማኪና ሓደ ሰዓትን ፈረቓን ይወስድ። ካብ ስቶክሆልም መዓልታዊ በረራ ኣሎ፡ እቲ ናይ ኣየር ጕዕዞ ከኣ ሓደ ሰዓት ይወስድ።

ናይ ኦስተርሱንድን ናይ ኖርቨጃዊ ሮሮስን መዓርፎ ነፈርቲ ንቻርተር እውን ክትጥቀመሉ ይከኣል። ብተወሳኺ ኣብ ክራምፉስን ቪልሀልሚናን ካብ ስትሮምሱንድ 150 ኪ/መ ርሒቑ ዚርከብ መዓርፎ ነፈርቲ ኣሎ።

ባቡር

ኣብ ኦሰተርዱንድ ምስ ስትሮምሱንድ ዘራኽባ ኣውቶቡሳት ዘለዎ መነሃርያ ባቡራት ኣሎ። ኣብ ግዜ ሓጋይ ብኢንላንድባባን ኪግየሽ ይከኣል።

ኣውቶቡስ

ኣብ መንጎ ከተማታት ስትሮምሱንድን ኦስተርሱንድን ኡመዮን ምዕቡል ዝኾነ ናይ ኣውቶቡሳት መስመር መራኸቢ ኣሎ።

ናብ ስቶክሆልም ንምኻድ ካብ ኦስተርሱንድ መዓልታዊ ዝነቕላ ናይ Ybussኣውቶቡሳት ኣለዋ።

ስራሕን ትካላት ናይ ምምስራት ተኽእሎታትን

ዋኒን ኣሎካዶ፡ ወይስ ኪህልወካ ሓሊምካ ትፈልጥዶ? ኣብ ስትሮምሱንድ ኮምዩን ኣስታት 1,100 ዋኒናት ኣለዋ፡ ንካልኦት ብዙሓት ዋኒናትን ኢምፕረዛታትንውን ቦታ ኣሎ። ዋኒን ምስ ዘይህልወካ ምናልባት ባዕልኻ ከተካይዳን ከተማዕብላን እትደሊ ኣብ ስራሕ ዘላ ዋኒን ክትዕድግ ትደሊ ትኸውን።

እቲ ናይቲ ከባቢ ቁጠባዊ ንጥፈታት ሓያልን ኣሳታፍን እዩ፡ ብቑዓት ኣካየድቲ ድማ ኣለዉዎ። ብዙሕ ክፍልታት ኣሎ ግን እቲ ቀንዲ ኣብ ኮንክሪት፡ መካኒክ፡ ዕንጸይትን ቱሪዝምን ዘተኮረ እዩ። መብዛሕተአን ዋኒናት ናይ ሓደ ሰብ እየን፡ ግን ብዙሓት ዓበይትን ኣብቲ ዘምርትኦ ነገራት ድማ ፍሉጣት ዝኾና ዋኒናት ኣሎዋ።

ኣብ ስትሮምሱንድ ኮምዩን ዋኒን ንምክያድ ዚህሉወካ ሓለፋ፡ ግሩም ዝኾነ ናይ ሰራሕተኛታት ምርካብን ትሑት ዋጋ ወጻኢታትን ጭንቀት ዘይብሉ ሃዋህውን እዩ።

እቲ 1200 ሰራሕተኛታት ዘለዉዎ ኮምዩን እቲ ዝዓበየ ወሃብ ስራሕ እዩ፡ ድሕሪኡ እዚ ዞባ ይስራዕ። ናይ ተክኒክ ትካል ኤንግኮን (engcon)፡ ኤስሰኤፍ በቶንግኤለመንት (SCF Betongelement)፡ ከምኡ'ውን ኣገሪስ (Ageris) ካብተን ዝዓበያ ብሕታውያን ወሃብቲ ስራሕ እየን።