Jönköpings län

ናይ መጠረሽታ ዝተሓደሰሉ: 12 10 2022

ኣውራጃ ዮንሾፒንግ፡ ብብዝሒ ህዝቢ ሻቡዓይ ዝዓበየ ኣውራጃ ኣብ ሽወደን እዩ። እዚ 13 ከተማታት ዝሓቁፍ ኣውራጃ፡ ኣስታት 342000 ተቐማጦ ኣለዎ። ሰለስተ-ርብዒ ናይ’ዚ ዝተጠቕሰ ቁጽሪ ህዝቢ፡ ኣብ ከተማ ዮንሾፒንግ ይቕመጡ። ኣብተን 10 ኣብዚ ኣውራጃ ዝርከባ ከተማታት ቁጽሪ ህዝቢ ብናህሪ እናዛየደ ይመጽእ ምህላዉ ይፍለጥ። ኣውራጃ ዮንሾፒንግ፡ ብጸጋ ስትራተጂካዊ ኣቐማምጥኡ፡ ማእከል-ሎጂስቲክ ሰሜን ኣውሮጳ ክኸውን በቒዑ እዩ።

Map of Sweden Created with Highcharts 10.2.1

ኮሙንናት ኣብ

ኮሙንናት ኣብ Jönköpings län

ኣብ ታሕቲ እታ ብዛዕብኣ ብዝያዳ ከተንብብ ትደልያ ኮሙን ኣብ Jönköpings län ምረጽ

ኩነታት መንበሪ-ኣባይቲ

ኩነታት መንበሪ-ከባቢታት ኣብ ኣውራጃ ዮንሾፒንግ ዝትፈላለየ እዩ። ዉዕዉዕ ከባባቢታት ከተማ ወይ ውን ኣብቲ ርግኣት ዘለዎ ኣብቲ ዞባ ዝርከብ ነኣሽቱ ዓዲታት ናይ ምቕማጥ ዕድላት ይህልወኩም። ሕድሕድ ጅኦግራፊካዊ ምቕርራብ ዓዲታትን ከተማታትን ናይዚ ኣውራጃን፡ መሳጢ ተፈጥሮኣዊ ከባቢ ውን ርሑቕ ብዘይምዃኑ፡ ስራሕን ዕረፍትን ንምውሳብ ከም ዝከኣል ይገብሮ። መብዛሕትአን ኣብዚ ኣውራጃ'ዚ ዝርከባ ከተማታት ዘሰክፍ ሕጽረት መንበሪ-ኣባይቲ ከምዘይብለን እየን ዝጽብጽባ። ይኹን እምበር ኣብተን ዓበይቲ ከተማታት ናይ'ዚ ኣውራጃ ግን መንበሪ-ገዛ ምርካብ ቀሊል ኣይኮነን። ነቲ ኣብ ዓበይቲ ከተማታት ዘጋጥም ዘሎን ከጋጥም ዝኽእልን ሕጽረት መንበሪ-ኣባይቲ ንምግጣም እምበኣር በርክት ዝበለ ፕሮጀክቲታት ምህናጽ ኣባይቲ ኣብ ምስልሳል ይርከብ።

ንግዳዊ-ንጥፈታትን ወሃብቲ-ስራሕን

ንግዳዊ ጽላት ዞባ ዮንሾፒንግ፡ ብኢንዱስትሪታት ምስናዕ፡ ኣብ መሬትን ኣግራብን ዝነጥፋ ትካላት ከምኡ ውን ትካላት ኣገልግሎታት ዝተዓብለለ እዩ። ኣብዚ ዞባ እቲ ዝዓበየ ወሃቢ-ስራሕ፡ ምምሕዳር ዮንሸፒንግ ኮይኑ ኣስታት 11 000 ሰራሕተኛታት ብምቕጻል ምምሕዳር ዞባ 10 000 ሰራሕተኛታት ኣለዎ። ዝዓበዩ ናይ ብሕቲ ወሃብቲ ስራሕ ሁስክቫርና AB, ሳፓን ፍሌክት ዉድስን ይርከብዎም። ኣብዚ ዞባ'ዚ ብርክት ዝበላ ነኣሽቱን ማእከሎትን ትካላት ኣለዋ። እዘን ትካላት እዚኣተን ጨናፍራት ዓበይቲ ሃገራውያንን ኣህጉራውያን ትካላትን እየን። ዝዓበየ ክፋል ናይቲ ካብ ዕንጸይቲ ዝፈሪ ንኣባይቲ ዘድሊ ፍርያት-ዕንጸይቲ ዝኾነ መሳለጥያታት ኣብዚ ኣውራጃ'ዚ ይፈሪ።

ንጥፈታት ሲቪላዊ-ማሕበራት ኣብ መዳይ ምውህሃድ ኣብ ሕብረተ-ሰብ

ንጥፈታት ናይተን ኣብዚ ዞባ ዝርከባ ማሕበራት ዓይነታውን ዝተፈላለየን እዩ። ልዕሊ ኹሉ እቲ ዝተፈላለየ ሰባት (ተሳተፍትን ተዓዘብትን) ዝእክብ ንጥፈት ስፖርት እዩ። ጋንታ ጸወታ ሆኪ-በረድ HV71 ካልእ ጋንታ የአንጊዳ ኣብ ሜዳ ኪናርፕስ ኣብ እትጻወተሉ እዋን፡ ነዚ ጸወታ ንኽዕዘቡ ካብ መላእ ሽወደን ዝውሕዙ ተዓዘብቲ ምርኣይ፡ ልሙድ እዩ። እቲ ኣብ ከተማ ቬትላንዳን ቫገሪድስስትራቨት ዝካየድ ውድድር ስፒድወይ ካልኦት ክጥቀሱ ዝኽእሉ ብዙሕ ህዝቢ ዝእከበሎም ስፖርታዊ ተረኽቦታት እዮም። ኣብያተ-ክርስትያናትን ሃይማኖታዊ ምትእኽኻባት ው እንተኾና ኣብዚ ዞባ ብንጥፈት ይዋስኣ እየን። ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ናይ'ዚ ኣውራጃ፡ ንሓደስትን ነባሮን ዘራኽብ መኣዲታት-ርኽክብ ውን ኣሎ።

ኣብያተ-ትምህርታትን ትምህርትን

ዩኒቨርስቲ ዮንሾፒንግ ብኮሚተ ዝመሓደር ኮይኑ፡ ኣርባዕተ ክፍሊታት ትምህርቲ ኣለዎ። እዘን ኣርባዕተ ክፍልታት ከኣ፡ ዓለምለኻዊ ክፍሊ ንግዳዊ/ቁጠባዊ ትምህርቲ፡ ክፍሊ ጥዕናዊ-ትምህርቲ፡ ክፍሊ ቴክኒካዊ ትምህርቲ፡ ከምኡ ውን ክፍሊ ትምህርትን ርኽክባትን እዮም። ኣብዚ ዩኒቨርስቲ'ዚ፡ ኣስታት 10 000 ተመሃሮ ትምህርቶም ኣብ ምክትትታል ይርከቡ። 1500 ካብዞም ተመሃሮ ካብ ዝተፈላለየ ኩርንዓት ዓለም ዝመጹ እዮም። ኣብዚ ዩኒቨርስቲ'ዚ፡ ብርክት ዝበላ ምስ ካልኦት ዩኒቨርስታት ብዝተበጽሐ ስምምዕ፡ ሰፊሕ ናይ ተመሃሮ ናይ ምልውዋጥ ምትሕብባራት ይካየድ።

ኣገልግሎት ጥዕና

ኣብዚ ዞባ ሰለስተ ሆስፒታላት ይርከባ። ንሳተን ከኣ ናይ ዞባ ሆስፒታል ሪሆቭ፣ ሆስፒታል ሀግላንድ ከምኡ ውን ሆስፒታል ቬርናሞን እየን። ኩለን ሆስፒታላት ምሉእ ጥዕናዊ-ኣገልግሎት ይህባ። ኣብ ገለ-ገለ ኣጋጣሚታት ግን ፍሉይ ምምእካል ናይ ጥዕናዊ ዓቕምታት ክግበር ይኽእል። 31 ናይተን ኣብዚ ዞባ ፋሕ ኢለን ዝርከባ ጥዕናዊ-ማእከላት ብምምሕዳር ዞባ ይእለያ። እተን ብሕታውያን ዝኾና ጥዕናዊ-ማእከላት ከኣ፡ ብብሕቲ ይእለያ። ኣብ ሆስፒታል ሪሆቭ ኣስታት 20 ክፍልታት ሕክምናን 500 መደቀሲ-ሕሙማትን ኣለዋ። እተን ዝተረፋ ክልተ ሆስፒታላት ግን ንእስ ዝበላ እየን።

ባህላውን ናይ ምዝንጋዕ ንጥፈታትን

ኣብ ኣውራጃ ዮንሾፒንግ፡ ብርክት ዝበላ ባህላውን ናይ ዕረፍቲ ንጥፈታትን ኣሎ። ኣብ መዳይ ባህሊ ንኣብነት፡ ማእከል ባህላዊ ንጥፈታት ስፒራ ባህላዊ ኣብያተ-ትምህርታትን ይርከባ። ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ናይ'ዚ ኣውራጃ ብርክት ዝበላ ማእከላት ትያትር ይርከባ። እቲ እናሓደረ ንብዙሓት በጻሕቲ ዝስሕብ ዘሎ እቲ ኣብ ቨርናሞ ዝርከብ ስነጥባባዊ-ገለርያ ቫንዳሎሩም እዩ። ንጥፈታት ዕረፍቲ ብማሕበራት ዝተባሕተ ኮይኑ፡ ስፖርትን ካልእ ሲቪካዊ ንጥፈታትን የጠቓልል። ኣብዚ ኣውራጃ'ዚ ሓደ ካብቶም ሃገራዊ መነፈሻታት ዝኾነ፡ መናፈሻ ስቱረ ሞሰ ምስ ናቱሩም፡ ተባሂሉ ዝጽዋዕ መናፈሻ፡ ይርከብ።

ባህላውን ናይ ዕረፍትን ንጥፈታት ኣብ መስርሕ ምውህሃድ ኣብ ሕብረተ-ሰብ ወሳኒ ግደ ኣለዎ።