ኩነታት መንበሪ-ኣባይቲ
ኩነታት መንበሪ-ከባቢታት ኣብ ኣውራጃ ዮንሾፒንግ ዝትፈላለየ እዩ። ዉዕዉዕ ከባባቢታት ከተማ ወይ ውን ኣብቲ ርግኣት ዘለዎ ኣብቲ ዞባ ዝርከብ ነኣሽቱ ዓዲታት ናይ ምቕማጥ ዕድላት ይህልወኩም። ሕድሕድ ጅኦግራፊካዊ ምቕርራብ ዓዲታትን ከተማታትን ናይዚ ኣውራጃን፡ መሳጢ ተፈጥሮኣዊ ከባቢ ውን ርሑቕ ብዘይምዃኑ፡ ስራሕን ዕረፍትን ንምውሳብ ከም ዝከኣል ይገብሮ። መብዛሕትአን ኣብዚ ኣውራጃ'ዚ ዝርከባ ከተማታት ዘሰክፍ ሕጽረት መንበሪ-ኣባይቲ ከምዘይብለን እየን ዝጽብጽባ። ይኹን እምበር ኣብተን ዓበይቲ ከተማታት ናይ'ዚ ኣውራጃ ግን መንበሪ-ገዛ ምርካብ ቀሊል ኣይኮነን። ነቲ ኣብ ዓበይቲ ከተማታት ዘጋጥም ዘሎን ከጋጥም ዝኽእልን ሕጽረት መንበሪ-ኣባይቲ ንምግጣም እምበኣር በርክት ዝበለ ፕሮጀክቲታት ምህናጽ ኣባይቲ ኣብ ምስልሳል ይርከብ።