Aneby

ናይ መጠረሽታ ዝተሓደሰሉ: 12 10 2022

ናብ ከተማ ኦነቢ እንቋዕ ብደሓን መጻእኩም። ምምሕዳር ከተማ ኦነቢ ንእሽቶይ ግን’ከ ኩሉ ዘዋደደን ከተማ እዩ። ኣብ ኣውራጃ ስሞላንድ ዝበለጸት ቤት-ትምህርቲ፡ ንምምስራት ሓደስቲ ትካላ ዘተባብዕ ቅርበት ምስቲ ኣብቲ ከባቢ ዝነብር ህዝብን፡ ገለ ንዕግበት ተቐማጦ ከተማ ኦነቢ ሰማይ ዘዕርጉ ጸጋታት እዮም።

ሓበሬታ ብዛዕባ ምምሕዳር ከተማ

መንበሪ-ገዛ

እቲ ዝዓበየ ትካል ክራይ-ኣባይቲ ኣብ ከተማ ኦነቢ፡ እቲ ብምምሕዳር ከተማ ዝውነን ኦነቢ-ቡስተደር ኮይኑ፡ ካልእ ብርክት ዝበላ ናይ ግሊ ትካላት ክራይ-ኣባይቲ ውን ይርከባ።

ካልእ ቋንቋታት ዝዛረቡ ተቐማጦ መን ኣለዉ ኣብቲ ቦታ

ኣብ ከተማ ኦነቢ ብርክት ዝበሉ ካልእ ቋንቃታት ዝዛረቡ ተቐማጦ ይርከቡ። ብብዝሒ ካብ ዝዝረቡ ቋንቋታት፡ ዓረበኛ፡ ትግርኛ፡ ዳሪ (ቋንቋ ኢራን)፡ ቦስንያ፡ ራሻን ጀርመንን ይርከብዎም።

ማሕበራትን ምትእኻባትን

ኣብ ከተማ ኦነቢ፡ ቤተ-ክርስትያን ሽወደናውያን፡ ብርክት ዝበላ ካልኦ ኣብያተ-ክርስትያንን፡ ይርከባ። ኣብ መላእ ከተማ ኦነቢ ብንጥፈት ዝዋስኣ ኣስታት 80 ማሕበራት ኣለዋ። ኣብ'ዚ ከተማ'ዚ፡ ንምውህሃድ ኣብ ሕብረተ-ሰብ ዝምልከት ብዙሕ ተገዳስነትን ኣስተዋጽኦታትን ይግበር። ንኹሎም ተቐማጦ ከተማ ናይ መራኸቢ መኣዲታት ንምርካብ ውን ምምሕዳር ከተማ ኦነቢ ምስተን ኣብቲ ከተማ ዝርከባ ማሕበራት ተወሃሂዱ ይሰርሕ።

ኣብቲ ከባቢ ብቐረባ እንታይ ይርከብ

ኣብ ከተማ ኦነቢ፡ ኩሉ ነገራት ዳርጋ ብቐረባ ክትርኽቡዎ ትኽእሉ። ማእከል-ዕዳጋ ወይ ሰንትሩም ኣብ ከባቢ ኣደባባይ-ሰላም (ፍሬድስ-ቶርየት)፡ ኣብዚ ዝደባባይ'ዚ፡ ድኳናት መዓልታዊ ኣስቤዛ፡ ፋርማሲ፡ ባንኪ፡ ቤት-መግቢታትን ድኳናት ክዳውንትን ይርከብ። ብዜካ'ዚ ኣብዚ ከተማ'ዚ፡ ዘገልገለ ንብረት፡ ክዳውንቲ ሳእንን ዝሽየጠለን፡ ድኳናት ውን ኣለዋ።

ኣግራብ፡ ዝተተኽለ ዕምባባታትን ኮፍ መበሊ ቦታታትን ዘለዎ ልሙዕ መንገዲ ኣጋር ኣብ ማእከል ኣነብይ።

ህንጻ ምምሕዳር ከተማ ውን እንተኾነ፡ ኣብ ጥቓ ፍሬድስ-ቶርየት ይርከብ። ኣብዚ ህንጻ'ዚ፡ ኣብ ዝተፈላለየ ጽላታት ምምሕዳር ዝሰርሑ ሰባት ይርከቡ። ንኣብነት ኣብ መዳይ ትምህርትን ክንክንን ዝሰርሑ። ንምቕባል ሓደስቲ ስደተኛታት ብዝምልከት ውን፡ ምስ ምምሕዳር ከተማ ኢኹም ክትዘራረቡ ዘለኩም።

መእተዊ ናብ ናይ ኣነብይ ህንጻ ኮሙን ምስ ሓደ ዓቢ ዝተተኽለ ዕምባባ ዝሓዘ ቁራዕ ኣብ ቅድሚ እቲ መእተዊ።

ገለ ሚእቲ ሜትሮ ካብ ናይ ኮሙን ህንጻ ርሒቕካ፡ ቤት ንባብ ናይ ኣነብይ ኣሎ። ኣብዚ፡ ብዝተፈላለዩ ቋንቋታት መጻሕፍቲ፡ ጋዜጣታትን ፊልምታትን ክትልቃሕ ትኽእል ኢኻ። ከምኡ'ውን ናይቲ ቤት ንባብ ኮምፕዩተራት ክትጥቀመለን ተኽእሎ ኣሎ። ናይ ኣነብይ ቤት ንባብ "ብዝያዳ ክፉት" እዩ። እዚ፡ ዋላ'ውን ሰራሕተኛታት ቤት ንባብ ኣብ ዘየለውሉ እዋን፡ ናብቲ ቤት ንባብ ክትከይድ ትኽእል ኢኻ ማለት እዩ።

እዛ ቤት-ንባብ እዚ'ኣ፡ ካብ ሰዓት 7 ንግሆ ክሳብ ሰዓት 10 ምሸት ክፍቲ እያ። ክትልቅሑ ምስ እትደልዩ፡ መለቅሒ ካርድ ወይ ውን ፒንኮድ ክህልወኩምን ኣብቲ ቤት-ንባብ ዝተመዝገብኩምን ውን ክትኮኑ ኣለኩም። ነዚ ንምግባር ሰራሕተኛታት ናይታ ቤት-ንባብ ክሕግዙኹም ይኽእሉ።

ኣገልጎት ክንክን ወይ ሕብሐባ ቆልዑ

ወልዲ ዝመሃሩ ወይ ዝሰርሑ ምስ ዝኾኑ፡ ደቆብ ኣብ መውዓሊ-ህጻናት ክጸንሑ ይኽእሉ። ንውላድኩም ናይ መውዓሊ-ህጻናት ቦታ ንኽወሃቦም ግን ምምልካት ከድልየኩም እዩ። ነዚ ንምግባር እታ ከምዚ ዝስዕብ ዘርእስታ ቅጥዒ ("Ansökan om placering av barn i förskola eller fritidshem") ምምላእ የድልየኩም።

መባእታ ኣብያተ ትምህርትን ካልኣይ ደረጃ ኣብያተ ትምህርትን

ኣብ ኣነብይ፡ ቈልዑ ኣብ ሓደ ውሑስ ኣከባብን ጽቡቕ ቤት ትምህርትን ክዓብዩ ይኽእሉ እዮም። ኣብዚ፡ መውዓሊ ህጻናት፡ ኣዳራሽ ትርፊ ግዜ፡ መባእታዊ ኣብያተ ትምህርትን ፍሉይ ኣብያተ ትምህርትን ኣሎ። ኣብ ኵሉ እቲ ዕላማ ሓደ እዩ፣ ምምሃር ደስ ዝብል ክኸውን ኣለዎ! ኣብ ኣነብይ ዘሎ መባእታዊ ቤት ትምህርቲ፡ ብሓሙሽተ ጕጅለ ኣብያተ ትምህርትታት ዝቖመ እዩ። ኣብ ማእከል ከተማ፡ ፉሩሊድስስኩላን፡ ፓርክስኩላን ከምኡ'ውን ስቫርትኦስኩላን ኣለዋ። ካብ ከተማ ወጻኢ ኣብ ቪረዳን ሱንሁልትን ኣብያተ ትምህርቲ ኣለዋ።

ኣብ ኣነብይ ቤት ትምህርቲ ካልኣይ ደረጃ የለን። ስለዚ እዮም መብዛሕትኦ መንእሰያት ናይ ኣነብይ ኮሙን ናይ ካልኣይ ደረጃ ትምህርቶም ኣብ ካልኦት ኮሙናት ዝወሃብዎ። ብቐዳነት እተን ኣብ ምጅማር ትምህርቲ ካልኣይ ደረጃ ናይ ትምህርቲ ቦታታት ዝኾና፡ናይ ጐዶቦ ኮሙናት ኤክሾ፡ ትራኖስ፡ ኔስሾን ዮንሾፒንን እየን ።

ዕድላት ትምህርቲ

ኣብ ከተማ ኦነቢ፡ ብርክት ዝበለ ዕድላት ትምህርቲ ንዓበይቲ ይርከብ። ኣብዚ ከተማ፡ ንኣብነት ቋንቋ ሽወደን ንሓደስቲ ክትመሃሩ (ኤስ-ኤፍ.ኢ) ትኽእሉ። ትምህርቲ ብሓፈሻ፡ 15 ሰዓታት ኣብ ሰሙን፡ ማለት ሰኑይ-ረቡዕ ወይ ውን ረቡዕ ክሳብ ዓርቢ ይወሃብ። ኣብዚ ናይ ትምህርቲ መደብ ንኽትሳተፉ ኣብ መዝገብ ቆጸራ-ህዝቢ ኣብቲ ከተማ ምዝጉባትን፡ መባእታዊ ደረጃ ቋንቋ ሽወደን (ኮርስ-D) ዘይወዳእኩም ውን ክትኮኑ ኣለኩም።

መደብ-ትምህርቲ፡ ቋንቋ ሽወደን ንሓደስቲ ክትመሃሩ (ኤስ-ኤፍ.ኢ) ፍርቂ መዓልቲ ወይ ውን ምሉእ መዓልቲ ክትመሃሩ ትኽእሉ። ምስ ካልእ ኮርሳት ሓዊስካ ኣብ ዝወሰድ እዋን፡ ንኣብነት፡ ፍርቂ-መዓልቲ ጥራይ ክትመሃርዎ ትኽእሉ። ቋንቋ ሽወደን ንሓደስቲ ክትመሃሩ (ኤስ-ኤፍ.ኢ) ምስ ድሌታትኩም መደብኩም ብዝሳነ ክትመሃርዎ ትኽእሉ። ነዚ ትምርህቲ'ዚ ድሕሪ ምውዳእኩም (E-A ደረጃታት) ዝሓዘ ምስክር-ትምርህቲ ይወሃበኩም። እቶም ኣብዚ ናይ ቋንቋ ትምህርቲ ተጸሚዶም ዝርከቡ መምህራን ካልእ ቋንቋ (ዓረብ፡ ራሻ፡ ኢራን) ዝዛረቡ ኮይኖም እዚ ውን ነቲ መስርሕ ምምሃር ኣብ ምቕላል ሓጋዚ ኮይኑ ንረኽቦ።

ብዜካ ቋንቋ ሽወደን ካልእ ዓይነት-ትምህርታት ክትመሃሩ ምስ እትደልዩ፡ ናብተን ኣብቲ ከባቢ ዝርከባ ከተማታት (ኤክኾ፡ ትራኖስ ወይ ውን ዮንሾፒን) ብምኻድ ኢኹም ክትመሃሩ ትኽእሉ። ትምህርቲ ብዛዕባ ሕብረተ-ሰብ ሽወደን ብቋብቋ ዓረብ ኣብ ኦነቢ ይወሃብ። ብኻልኦት ቋንቋታት ግና፡ ብምትሕብባር ምስን ኣብ ካልኦት ከተማታትን ይወሃብ።

በመንገዲ ሆግላንደት ዩኒቨርስቲ፡ ኣብ ኦነቢ ናይ ላዕለዋይ ደርጃ ትምህርቲ ክትመሃሩ ውን ትኽእሉ። እዚ ናይ ላዕለዋይ ትምህርቲ ትካል'ዚ ብምትሕብባር ምምሕዳር ከተማታት፡ ኦነቢ፡ ኤክኾ፡ ኔኾ፡ ሴቭኾ፡ ቬትላንዳን፡ ይእለን ይመሓደርን። ብመንገዲ ትካል ትምህርቲ ንዓበይቲ ኣቢሉም፡ ኣብ ኦነቢ ኮምፕዩተራትን ኢንተርነትን ዘለዎ መጽንዒ ክፍልታት ወይ ውን ናይ ጉጅለ መጽንዒ ክፍልታት ክትሕዙ ትኽእሉ። ኣብ ገለ-ገለ ኣጋጣሚታት ውን ነቲ ኣብ ካልእ ከተማታት እትመሃርዎ ትምህርቲ ዝምልከት ፈተናታት ኣብ ከተማ ኦነቢ ከም ዝካየድ ይግበር እዩ። ብቐረባ ካብዚ ከተማ ዝርከባ ዩኒቨርሲታት፡ ኣብ ዮንሾፒንግን ከምኡ ውን ሊንሾፒንግ ይርከባ። ኣብ ኦነቢ እትቕመጡ ምስ እትኾኑ ውን ናብዘን ዩንቨርሲታት ንምምልላስ ዘድልየኩም ናይ ጉዕዞ ወጻኢታት ከም ዝኽፈለልኩም ይግበር።

ብዛዕባ ትምህርቲ ኣባጽሕ ኣብዚ ዝስዕብ ኣንብብ፡

ኣገልጎት ጥዕና

ኣብ ከተማ ኦነቢ፡ ሕክምና ከምኡ ውን ህዝባዊ ክሊኒክ-ስኒ (ፎልክ-ታንድቮርደን) ውን ይርከብ። ናይ ግሊ ክሊኒካት-ስኒ ውን ኣለዋ። ብቐረባ ዝርከብ ህጹጽ ሕክምናዊ ኣገልግሎት ዝህብ ሆስፒታ፡ እቲ ብሆግላንድስ-ኹክሁሰት ዝፍለጥ፡ ኣብ ኤክኾ ዝርከብ ሆስፒታል ከምኡ ውን እቲ ብኹክሁሰት-ሪሆቭ ዝፍለጥ ኣብ ዮንሾፒን ዝርከብ ሆስፒታልን እዮም። ብዜካ'ዚ፡ ኣብ ሮነቢ ማእከል-ስድራቤታት ውን ይርከብ። ኣብዚ ማእከል'ዚ፡ ክፉት መውዓሊ-ህጻናትን፡ ክፍሊ ኣገልግሎት ኣዴታትን ህጻናትን ይርከብ።

ናይ ቋንቋ ድግፍ-ተርጓሚ ምርካብ

ምስ መንግስታዊ ትካላት ኣብ ዝግበር ርኽክባት ተርጓሚ ክቍጸረልኩም ይኽእል።

ኣገልግሎት መጎዓዝያ

ኣብ ከተማ ኦነቢ፡ ስሉጥ ናይ መጎዓዝያ ኣገልግሎታት ኣሎ። ብባቡር ካብን ናብን ኦነቢ፡ ኔኾን-ዮንሾፒንን፡ ከምኡ ውን መስመር ትራኖስ-ሊንሾፒን-ኖርሾፒንግ፡ ጥብቕ ዝበለ ስሉጥ ናይ መጎዓዝያ ኣገልግሎታት ኣሎ። ብኣውቶቡስ ይኹን ብባቡር፡ ካብ ኦነቢ ናብ ዮንሾፒን ካብ ሰዓት ዝውሕድ ግዜ ይወስድ። ንከተማ ሊንሾፒን ንምኻድ ውን እንተኾነ፡ ካብ ሰዓት ዝውሕድ ግዜ ይወስድ። ዋጋ ትኬት ከምኡ ውን ሰዓታት ንቕሎ ብዝምልከት ኣብዚ ዝስዕብ መርበብ-ሓበሬታታት (JLT ወይ ውን SJ) ብምእታው ክትረኽብዎ ትኽእሉ።

JLT
SJ

ስራሕን ትካላት ናይ ምምስራት ተኽእሎታትን

ኣብ ከተማ ኦነቢ፡ ብርክት ዝበላ ነኣሽቱን ዓበይትን ትካላት፡ ኣለዋ። መብዛሕትአን ግን ኣብ መዳይ ምስናዕ ዝነጥፋ እየን። ሓደ ካብ ስለስተ ተቐማጦ ከተማ ኦነቢ ኣብተን ኣብ ምስናዕ ዝነጥፋ እንዱስትሪታት ተዎጺሮም፡ ይሰርሑ።