Gnosjö

ናይ መጠረሽታ ዝተሓደሰሉ: 12 10 2022

ግኖሸ ኮምዩን ኣብ ምዕራብ ክፍሊ ስሞላንድ ይርከብ።እቲ ኮምዩን ሕምብርቲ ናይቲ ኣብ ሽወደን ሓያል ናይ ኢንዱስትሪ ዞባ ዝኾነ ግኖርሸ እዩ።

ሓበሬታ ብዛዕባ ምምሕዳር ከተማ

ናይቲ ከባቢ ከተማ ግኖሸይ ብሃል፡ ኣስታት 4500 ነባሮ ከኣ ኣለዉዎ። ብዘይ ካግኖሸ፡ሽድሽተ ነኣሽቱ ከተማታት ኣለዋ። 2000 ካብቶም ነበርቲ ናይቲኮምዩን ኣብገጠር ይቕመጡ።እቲ ገጠር ብቐላይን ዱርን ዝመልአ እዩ።ኣብቲ ደቡባዊ ምብራቕ ክፍሊናይቲ ኮምዩን ስቱረሞሰ ዚብሃል ሃገራዊመናፈሻ ኣሎ፡ ኣብኡ ኣብ ሽወደን ዝዓበያ ናይ ባሕሪ ኣዕዋፍንኣለዋ።

መንበሪ-ገዛ

እቲ ዝዓበየ ናይቲ ኮምዩን ኣካራዪ ገዛ የርንበራረንፋስቲግሀት ይብሃል።ኣብዚ ትካልዚ ሪጋ ክትሕዝ እንተደ ሊኻን ብዛዕባ ዝካረገዛውቲ ሓበሬታ እንተደሊኻን ኣብቲ የርንበራረን መርበብ ክትድሊ ትኽእል ኢኻ።

ኣብ ግኖሸ ኮምዩን ብዙሓት ገዛ ዘካርዩ ናይ ብሕቲ ወነንቲ ገዛውቲ ኣለዉ።

ካልእ ቋንቋታት ዝዛረቡ ተቐማጦ መን ኣለዉ ኣብቲ ቦታ

ኣብኡ እተፈላዩ ጉጅለታት ቋንቋ ኣለዉ። እቲኮምዩን ካብ ነዊሕጀሚሩ ካብ ምሉእ ዓለምዝመጹ ስደተኛታት ኣለዉዎ። ካብቶም ብብዝሒ ዚዝረቡ ቋንቋታትእዞም ዚስዕቡእዮም፣ቪየትናም፡ቻይና፡ ሰርቦክሮዋት፡ ቦስንያ፡ ፊንላንድ፡ቺለ፡ ፖላንድ፡ ሩመንያ፡ዳንማርክ፡ሶማሊንዓረብን።

ማሕበራትን ምትእኻባትን

ኣብ ግኖሸ ዓቢናይ ማሕበራት ንጥፈት ኣሎ።ዝበዝሓ ግን ናይ ሃይማኖትን ስፖርትን ማሕበራት እየን፡ግን ናይ ረብሓ ማሕበራት እውን ኣለዋ።

ኣብቲ ከባቢ ብቐረባ እንታይ ይርከብ

ኣብ ግኖሸ እተፈላለየናይ ኣገልግሎት ትካላት ኣለዋ፡ ከም ማእከል ጥዕና፡ ቤትጽሕፈት ዕዮ፡ ሕክምና ስኒ፡ መሸጣ መስተ፡ ግሮሰሪ፡ ፋርማሲ፡ናይ ክዳውንቲ ድኳናት፡ናይ መጸባበቕን ገጸበረከትን ድኳናት፡ ሰከንድሃንድ ድኳን፡ ባንካ፡ ቤትንባብ፡ ሲነማ፡ መዘናግዒቦታ፡ እንዳበንዚና፡ እንዳኬክን ቤትመግብን።

ኣብ ሓደ ደስ ዝብል ናይ ጽድያ መዓልቲ፡ ናእሽቱ ጀላቡ ጥቓ መድረኽ ወደብ ብድሕሪት ድማ መሓምበሲ ኣብ ገማግም ባሕሪ።

ኣብዚ፡ናይ መሐምበስን ስፖርትን ኣደራሽ ምስ መዘናግዒኡ፡ናይ ስፖርት መሳርሒታት ወዘተ ኣሎ።ኣብ ጥቃ ቀላያት ብዙሕ ናይ መሐም በሲቦታታት ኣሎ።እቲ ስቱረሞሰ እተባህለ ሃገራዊ መናፈሻን እቲ ሃይሻፓራል እተባህለ ፓርክን ዓበይቲ ናይ ቱሪስት መስሕብ እዮም።

ኣገልጎት ክንክን ወይ ሕብሐባ ቆልዑ

ኣብተን እተፈላለያ ናይቲ ኮምዩን ዞናታት ንደቂ 1-5 ዝዕድመኦም ዘገልግላ ኩሉኩሉ16 ኣብያተትምህርቲ ህጻናት ኣለዋ።ሰለስተ ካባታተንብኻልእ ኣካል ዝካየዳፍሉያት ኣብያተትምህርቲ ህጻናት እየን።ነቶም ካብ 6-12 ዝዕድመኦምን ወለዶምዚሰርሑንንሳቶም ድማ ኣላዪነት ዚደልዩን ህጻናትናይ ዕረፍቲ ገዛ ኣሎ።

መባእታ ኣብያተ ትምህርትን ካልኣይ ደረጃ ኣብያተ ትምህርትን

ኣብቲ ኮምዩን ሽድሽተ መባእታን ሓደ ካልኣይ ደረጃ ኣብያተትምህርትን (16-18 ዕድመ) ኣሎ። እቶም ኣብ ገዝኦም ሽወደን ዘይዛረቡ ህጻናት ብቛንቋ ኣደኦም ትምህርቲ ይወሃቦም እዩ።እዚ ንኣታቶም ንቛንቋኦም ከማዕብሉን ብዛዕባ ባህሎም ኪፈልጡን ይሕግዞም።

ዕድላት ትምህርቲ

ኣብ ግኖሸ ኮምዩን ትምህርቲ ንዓበይቲ ዚብል ፕሮግራም ኣሎ።ንሱ ብመገዲ መሰረታውንካልኣይደረጃውን ከምኡውን ብሽወደን ንወጻእተኛታት ዚብል መልክዕ ይወሃብ።

ነቶም ኣብዚ ዘይተወልዱን መሰረታዊ ኣፍልጦ ቋንቋ ሽወደን ኪህሉዎም ዝደልዩን ተቐማጦ ኮምዩንና ኣብቲ ሓፈሻውን ሞያውን ዝኾነ ናይ ኤስኤፍኢ ስልጠና ኪሳተፉ ንዕድም።ድሕሪ ኤስኤፍኢ ቅሩብጸኒሑ እቲ ናይ ቋንቋ ትምህርቲ ገለ ሳብጀክት እውን ይሕወሶ እዩ፡ከም ማተማቲክ፡ ማሕበራዊ ፍልጠት፡ከምኡውን ኣብ ውሽጢ መሰረታዊ ናይ ዓበይቲ ትምህርቲ ዚካየድ ናይ ምድላው ኮርሳት፡ከም ንኣብነት ምድላው ምዝዋር ማኪና፡ሞያን ናይ ስራሕ ባህልን ምልላይ ምስ ሕብረተሰብን።እቲ ትምህርቲ መብዛሕትኡ ግዜ ብመዓልቲ እዩ ዚወሃብ፡ግን እቲ ኤስኢፍኢ ምሸት እውን ይወሃብ እዩ።

እቲ ዝቐረበ ኮለጅ ኣብ ዮንሾፒንግን ቡሩስን እዩ ዘሎ።

ኣገልጎት ጥዕና

ኣብ ግኖሸ ማእከል ጥዕና፡ ናይ ኣደታትን ህጻናትን ማእከላት ጥዕና ኣሎ። እቲ ዝቐረበ ሆስፒታል ኣብ ቨርናሞ (30 ኪ/መ) ይርከብ። ንክንክን ስኒ ብዚምልከት ናይቲ ወረዳ 'ህዝባዊ ሕክምና ስንን' ብሕታዊ ሕክምና ስንን ኣሎ።

ናይ ቋንቋ ድግፍ-ተርጓሚ ምርካብ

ኣብ ግኖሸ ኮምዩን ን50 ቋንቋታት ዚትርጉም ኣገልግሎት ትርጉም ኣሎ።

ኣገልግሎት መጎዓዝያ

ኣብቲ ኮምዩን ብባስን ብባቡርን ምጕዓዝ ቀሊል እዩ። እተን ናብ ኩስት ዝኸዳ ባቡራት ብመንጎ ዮተቦሪን ካልማር/ካርስክሩናን ይሓልፋ። ንሳተን ኣብ ግኖሸ ደው ይብላ። ኣብ ኣልቨስታ ናብ ስቶክሆልምን ማልመ/ሾፐንሃም ዘላግብ መራኸቢታት ኣሎ። እተን ናይቲ ወረዳ ኣውቶቡሳት ነቲ ኮምዩን የገልግላ። እቲ ዝዓበየ መስመር ኣውቶቡስ 201 እዩ። ንሱ ንዪስላቨድ-ግኖሸ-ሂለርስቶርፕ-ቨርናሞ የራኽብ።

JLT
SJ

ስራሕን ትካላት ናይ ምምስራት ተኽእሎታትን

ግኖሸ ኮምዩን ዋኒናት ዝመልኦ ኮምዩን እዩ። ዝበዝሓ ዋኒናት ነኣሽቱን ናይ ስድራቤትን እየን። ግን ዓበይቲ ከኣ ኣለዋ። እታ ዝዓበየት ወሃቢት ስራሕ ባዕላ እታ ናይ ግኖሸ ኮምዩን እያ። ንሳ ኣስታት 900 ሰራሕተኛታት ኣለውዋ። ካልኦት ዓበይቲ ዋኒናት ከኣ እዘን ዚስዕባ እየን፣ Brännehylte Handels AB, Thule Sweden AB, Garo AB, Troax AB ከምኡውን Hillerstorps Trä AB.