Mullsjö

ናይ መጠረሽታ ዝተሓደሰሉ: 12 10 2022

ነቶም ህዱእ ቦታ ዚደልዩ ግን ድማ ጥቓ ዓቢ ከተማ ኪኾኑ ዚደልዩ፡ እዚ ኮምዩንዚ ኣዚዩ ብቑዕ እዩ። ኩሉ ዘድሊ ኣገልግሎትን መዘናግዒ ንጥፈታትን ስለ ዘለዎ፡ ነቲ ኮምዩን ገዲፍካ ክትወጻእ ኣየድልን።

ሓበሬታ ብዛዕባ ምምሕዳር ከተማ

መንበሪ-ገዛ

ኣብ ከተማታት ሙልሾን ሳንድሀምን ነፍስወከፍ ሰብ ኣብ ጃርዲን ዘለዎ ቪላታት እዩ ዚቕመጥ፡ ግሩም ትርኢት ዘለዎ። ግን እተን ከተማታት ጥራይ ኣይኮናን ሰሓብቲ፡ መብዛሕትኡ ተቐማጣይ ኣብ ገጠር እዩ ዚነብር። እቲ ሙልሾ ቡስተደር ዚብሃል ትካል ክራይ ኣባይቲ፡ ኣብ ሙልሾን ኣብ ሳንድሀምን ዚካረ ኣፓትማ ኣለዎ። ኣብቲ ኮምዩን ገዛ ዘካርዩ ኣካረይቲ ኣለዉ።

ሙልሾ ካብ ናይ ማይ ሸነኽ ምስ ዝተፈላለየ ዓይነት መንበሪ ህንጻታት።

ካልእ ቋንቋታት ዝዛረቡ ተቐማጦ መን ኣለዉ ኣብቲ ቦታ

ብብዝሒ ዚዝረብ ፋርስን/ዳሪን ዓረብን እዩ። ናይ ወጻኢ ቋንቋ ተዛረብቲ ብመጠን ዚኣትዉን ዚወጹን ይበዝሑን ይውሕዱን ኢዮም። ብዛዕባ እዋናዊ ሓበሬታ ጉጀለታት ቋንቋ፡ ነቲ ናይ ኮምዩን ኣተሓባባሪ ተወከሶ።

ማሕበራትን ምትእኻባትን

ኣብቲ ኮምዩን ኣስታት 100 እተፈላለያ ማሕበራትን ውድባትን ኣለዋ። ንኣብነት ከም ማሕበራት ዓይነስዉራን፡ ስፖርት ማሕበራትን እተፈላለያ ናይ ኣብያተክርስትያን ማሕበራትን።

ኣብቲ ከባቢ ብቐረባ እንታይ ይርከብ

ኣብቲ ናይ ሙልሾ ሰንትሩም ክልተ ግሮሰሪታት፡ ነኣሽቱ ድኳናት፡ ቤትንባብ፡ ቤትጽሕፈት ዕዮ፡ ፋርማሲን ማሕበራዊ ቤትጽሕፈትን ኣለዋ። ሰከንድሃንድ ድኳናትውን ኣለዋ። ግን ምርጫታት ንዝደልዩ እቶም ነበርቲ ናይቲ ኮምዩን ናብ ዮንሾፒን እዮም ዚኸዱ፡ እታ ዓባይ ከተማና።

ኣብ ሓደ ናይ ብሽክለታ መንገዲ ሓደ ብሽክለታ ዝሓዘ ሰብኣይ፡ ብድሕሪት ሓደ ፕረስብይሮ።

ኣገልጎት ክንክን ወይ ሕብሐባ ቆልዑ

ሙልሾ ኮምዩን ናይ ህጻናት ክንክንን ቤትትምህትን ተቕርብ፡ ንሳተን ድማ ከም ምልክት ቅሳነት፡ ብቕዓት፡ ምህሮን ምዕባሌን ኮይነን ነቲ ነባሪ ትምህርቲ መሰረት ይኾና።

ኣብቲ ኮምዩን ሽድሽተ ኮሙናዊ ቤትትምህርቲ ህጻናትን ሰለስተ ብሕታውያንን ኣለዋ። ብዛዕባ ነፍስወከፈን ኣብቲ ናይቲ ኮምዩን መርበብ ኢንተርነት ከተንብብ ትኽእል።

ናይ ሙልሾ ኮምዩን ክፉት ናይ ህጻናት ቤትትምህርቲ ኣየካይድን፡ ግን ናይ ሽወደን ቤትክርስትያንን ናይ ፐንተኮስት ቤትክርስትያንን ክፉት ናይ ህጻናት ቤትትምህርቲ ኣለወን።

መባእታ ኣብያተ ትምህርትን ካልኣይ ደረጃ ኣብያተ ትምህርትን

ኣብቲ ኮምዩን ንደቂ 6-15 ዝኸውን ኣርባዕተ መባእታ ኣብያተትምህርቲ ኣለዋ። ኣብ ክልተ ቦታታት እየን ተመቒለን።

ነቶም ካብ 16 ዓመት ንላዕሊ ዝኾኑ ተመሃሮ ኣብ ዮንሾፒን ወይ ኣብ ከባቢ ሙልሾ ካልኣይ ደረጃ ኣብያተትምህርቲ ኣለዋ።

ዕድላት ትምህርቲ

ከም ኤስኤፍኢን ምልላይ ምስ ሕብረተሰብን ዝኣመሰሉ ናይ ዓበይቲ ትምህርቲ ብቐንዱ ኣብ ዮንሾፒን እዮም ዚካየዱ። ኣብቲ ኮምዩን ኮለጅ ኣሎ።

ዝቐረበ ኮለጅ ዘለዎ ከተማ ዮንሾፒን እዩ።

ብዛዕባ ኣብዚ ኮሙን ዘሎ ትምህርቲ ኣባጽሕ ብዝያዳ ኣንብብ።

ኣገልጎት ጥዕና

ኣብ ሙልሾ ማእከል ጥዕና ኣሎ። ኣብዚ፡ ናይ ደቀንስትዮን ህጻናትን ከምኡውን ናይ ስኒ ሕክምናን እውን ኣሎ። እቲ ዝቐረበ ሆስፒታል ወይ ናይ ህጹጽ ረድኤት ክሊኒክ ኣብ ዮንሾፒን እዩ ዘሎ።

ህንጻ ኮሙን፡ ሓደ ዓቢ ቀይሕ ናይ ሕጡብ ህንጻ። ብደገ ዘለዉ ምልክታት ህንጻ ኮሙን፡ ማእከል ክንክን ጥዕናን ህዝባዊ ክንክን ስኒን ኣብዚ ህንጻ ምህላዎም ይሕብሩ።

ናይ ቋንቋ ድግፍ-ተርጓሚ ምርካብ

ሙልሾ ኮምዩን ንኹሉ ምስ ተርጎምቲ ዚግበር ውዕል ምስ ዮንሾፒን ናይ ትርጁማንን ትርጉምን ኣገልግሎት ኢዩ ዚገብሮ።

ኣገልግሎት መጎዓዝያ

ኣብ መንጎ ሙልሾን ካልእ ናይ ሽወደን ከባቢታት ናይ ኣውቶቡስን ባቡርን ግሩም መራኸቢታት ኣሎ። ንዮንሾፒን ንምኻድ ኣብነታዊ ሰሌዳ ሰዓት

  • ካብ ማእከል ሰንትሩም ብባቡር፡ 21 ደቓይቕ ወይ 35 ብኣውቶቡስ
  • ካብ ሳንድሀም ብባቡር፡ 32 ደቓይቕ

ካብ ሙልሾ ሰንትሩም ንየተቦርይ ብባቡር 1 ሰዓትን 40 ደቓይቕን ይወስድ። ንማልመ 3 ሰዓትን 10 ደቓይቕን። ናብ ስቶክሆልም 3 ሰዓትን 20 ደቓይቕን።

ስራሕን ትካላት ናይ ምምስራት ተኽእሎታትን

ኣብ ሙልሾ ንግዳዊ ህይወት ሱር ዝሰደደ እዩ። ናይ ንግድን ኢንዱስትርን መንፈስ ኣብቲ ኮምዩን ኣብዛ ዝሓለፈት ዘመን ዓቢ እዩ ነይሩ፡ ስለዚ ናይ ሙልሾ መንፈስ ኢልና ንጠቕሶ። ኣብቲ ኮምዩን ሓያሎ ፋብሪካታት ኣለዋ።

ሓያሎ ተቐማጦ ሙልሾ ንኺሰርሑ ናብተን በጺሕካ እትምለሰን ከተማታት እዮም ዚኸዱ፡ ንኣብነት ናብ ዮንሾፒን።