Nässjö

ናይ መጠረሽታ ዝተሓደሰሉ: 12 10 2022

እንቋዕ ናብቲ ኣብ ስሞላንዳዊ ደጋ ዘሎ ነሾ ኮምዩን ብደሓን መጻእኩ። ከተማ ነሾ 17 000 ተቐማጦ ኣለዋ። ኣነበርይ፡ ቡዳፎሽ፡ ማልምበክን ፎሸሩምን ዓበይቲ ናይዚ ከባቢ ከተማታት እየን።

ሓበሬታ ብዛዕባ ምምሕዳር ከተማ

ኮሙንና ብሓደ ሃብታምን ንጡፍን ናይ ንግድን ማሕበራዊን ሂወት እያ ትፍለጥ። ኣብዚ፡ ክልቲኡ ከተማን ገጠርን ይርከብ። ኣብዚ ንኹሉ ዝኸውን ገለ ነገር ኣሎ።

መንበሪ-ገዛ

እቲ ዝዓበየ ናይቲ ኮምዩን ገዛውቲ ኣመሓዳሪ እቲ ኮሙናዊ ትካል ኪራይ ኣባይቲ ሊንደን እዩ። ሊንደን ኣብ ዙርያ ነሾ ኮምዩን 1750 ኣባይቲ ይወንን። ካብ ሊንደን ገዛ ክትካረ እንተ ደሊኻ ኣብቲ ፍሉይ ናይ ኪራይ ኣባይቲ መስርዕ ክትምዝገብ ይግባእ።

ኣብኡ ዳርጋ ሰላሳ ዝኾኑ ኣብ ውሽጢ ናይ ነሾ ኮምዩን ገዛ ዘካርዩ ናይ ብሕቲ ወነንቲ ገዛውቲ ኣለዉ።

ካልእ ቋንቋታት ዝዛረቡ ተቐማጦ መን ኣለዉ ኣብቲ ቦታ

ንብዙሕ ዓመታት ሓደስቲ መጻእቲ፡ ናብ ነሾ ኮምዩን ኪግዕዙ መሪጾም እዮም። ስለዚ ኣብቲ ኮምዩንና ብዙሓት እተፈላለዩ ዜጋታትን ቋንቋታትን ኣለዉ። ኣብዚ እዋንዚ እቲ ኣብ ኮምዩንና ብዝለዓለ መገዲ ዚዝረብ ቋንቋ፡ ሽወደን፡ እንግሊዝ፡ ዓረብ፡ ሶማሊን፡ ከምኡውን ኣብ ዩጎዝላቭያ ዚዝረቡ ቋንቋታት ከም ቦስንያን ሰርብያን።

ማሕበራትን ምትእኻባትን

ነሾ ኮምዩን 300 ንጡፋት ማሕበራት ዘለዎ ብኣኡ ድማ ሃብታም ማሕበራዊ ህይወት ዘለዎ ኮምዩን እዩ። ኣብዚ ኩሉ ካብ ስፖርት ጀሚርካ ክሳዕ ናይ እምነትን ባህልን ማሕበራት ኣሎ።

ብዙሓት ማሕበራት መኣከቢ ቦታታት ኣለወን፡ ኣብኡ ድማ ናይ ቋንቋ ካፈ፡ ናይ መጽናዕቲ ሓገዝን ናይ ሕብረተሰብ ሓበሬታን ኣሎ። ኣብ ናይ ማሕበራት ህይወት ምስታፍ ማለት ብዛዕባ ሽወደን ምፍላጥን ሓደስቲ ብጾት ምኽዕባትን ማለት እዩ።

ኣብቲ ከባቢ ብቐረባ እንታይ ይርከብ

ኣብ ውሽጢ ከተማ ነሾ፡ ኣብቲ ሮድሁስጋታን 20፡ ምምሕዳር ከተማ ምስ ቤትጽሕፈት ዕዮ፡ ቤትጽሕፈት መድህን፡ ቤትጽሕፈት ቀረጽን ናይቲ ኮምዩን ምምሕዳር ቤትጽሕፈትን፡ ቤትጽሕፈት ቱሪስን ናይ ምውህሃድ መምርሒ ኣሃዱን ይርከብ። ኩሉ ኣብ ሓደ ህንጻ።

ኣብ ነሾ ኮምዩን ብዙሕ ኣብያተንባብ ኣሎ። ናይ ነሾ ናይ ከተማ ቤትንባብ ኣብ ማእከል ነሾ ይርከብ።

ኣብ ነሾብዙሕ ናይ ሰከንድሃንድ ድኳናት ኣሎ። ኣብኡ ሕሱር ኣቕሑ ገዛን ክሽነን ይርከብ። ኣብ ነሾ ናይ ኣቕሑ ገዛ ድኳን Jysk och MIO ዝበሃል ኣሎ። ኣብ ነሾ ውሽጢ ከተማ፡ ብዙሕ ድኳናትን ኣብያተመግብን ኣሎ።ከምኡውን ኣብቲ ናይ ቀደም ናይ ንግዲ ቦታ ዝነበረ ቦታ ከም RUSTA ከምኡውን ÖoB ናይ ህንጻ መሳርሒታት ኣሎ። ካብ ኢከያ IKEA ምግዛእ ምስ ዘድሊ፡ ኣብቲ ናይ ወረዳ ቀንዲ ከተማ፡ማለት ናብ ዮንሾፒን ምኻድ የድሊ።

ኣገልጎት ክንክን ወይ ሕብሐባ ቆልዑ

ኣብ ነሾ ንደቂ 1-5 ዝኸውን ቤትትምህርቲ ህጻናት ኣሎ። ብዛዕባ ንቦታ ዚምልከት ሓበሬታን ማመልከቻን ነቲ ናይ ኮምዩን ወብሳይት ተወከስ ወይ ናብቲ ክፍሊ ምምሕዳር ክተማ ኪድ።

መባእታ ኣብያተ ትምህርትን ካልኣይ ደረጃ ኣብያተ ትምህርትን

ኣብ ነሾ ኮምዩን ካብ ናይ ህጻናት ቤትትምህርቲ ጀሚሩ ክሳዕ ታሽዓይ ክፍሊ ብዙሕ መባእታ ኣብያተትምህርቲ ኣሎ፡ ከምኡውን ፍሉይ መባእታ ቤትትምህርቲ ኣሎ።

ናይ ነሾ ካልኣይ ደረጃ ቤትትምህርቲ ተዮሪያውን ሞያውን ከምኡውን ብፍላይ እተቐየሰ መደባት ኣለዎ።

ዕድላት ትምህርቲ

ኣብ ነሾንኽትመሃር ብዙሕ ዕድላት ኣሎ። ኣብኡ ኤስኤፍኢ፡ ምልላይ ምስ ሕብረተሰብ ንሓደስቲ መጻእቲ፡ እተፈላለየ ትምህርቲ ንዓበይቲ፡ ኮምቩክስን ናይ ሞያ ቤትትምህርትን። ንትምህርቲ ዚምልከት መምርሕን ደገፍን ንምርካብ ነቲ ናይቲ ኮምዩን ናይ ምውህሃድ መምርሒ ኣሃዱ ተወከስ።

ብዛዕባ ኣብዚ ኮሙን ዘሎ ትምህርቲ ኣባጽሕ ብዝያዳ ኣንብብ።

ኣገልጎት ጥዕና

ኣብ ነሾ ኮምዩን ብዙሕ ማእከል ጥዕና ኣሎ።

እቲ ዝቐረበ ሆስፒታልና እቲ ኣብ ኤክሾ ዚርከብ ሆግላንድ ሆስፒታል እዩ።

ኣብ ነሾ ንህጻናትን ስድራቤትን ዘገልግል ፋሚልየሰንትራል ኣሎ። ንሱ ንናይ ኣደታትን ህጻናትን ጥዕና፡ ንናይ መንእሰያት ክሊኒክን ንክፉት ቤትትምህርቲ ህጻናትን የመሓድር። ኣብዚ ኩሉ ህጻንን ወላድን ኪመጽእ ዕዱም እዩ።

ናይ ቋንቋ ድግፍ-ተርጓሚ ምርካብ

ምስ ሰበስልጣንን ትካላትን ኣብ ዚግበር ርክብ ተርጓማይ ናይ ምርካብ ተኽእሎ ኣሎ።

ኣገልግሎት መጎዓዝያ

ነሾ ናይ መገዲ ባቡር መተኣሳሰሪት እያ፡ ብዙሓት ባቡራት ድማ ብኸተማና ይሓልፋ። እታ ቅልጥፍቲ ባቡር፡ ናብ ስቶክሆልምን ኮፐንሃገንን ኣስታት 2-3 ሰዓት እዩ ዚወስደላ። ናብ ዮንሾፒን እትኸይድ ባቡር ኣብ ፈፍርቂ ሰዓት እያ እትኸይድ፡ 30 ደቓይቕ ድማ ይወስደላ።

ኣብ ውሽጢ ናይ ነሾ ኮምዩን ናይቲ ዓዲ ኣውቶቡሳት ኣለዋ።

JLT
SJ

ስራሕን ትካላት ናይ ምምስራት ተኽእሎታትን

እቲ ናይቲ ኮምዩን እተፈላለየ ምምሕዳር እቲ ዝዓበየ ወሃብ ስራሕ እዩ። ብዘይካኡ ኣብ ውሽጢ እቲ ኮምዩንን ኣብ በጺሕካ እትምለሶ ርሕቀት ዘለዎ ከተማታትን ነኣሽቱን ዓበይትን ዋኒናት ኣለዋ።

ብዛዕባ ናይ ግልኻ ዋኒን ንምጅማር ይኹን ናይ ዋኒናት መግለጺታትን ብዛዕባ ቁጠባዊ ህይወት ኣብ ነሾ፡ ኣብቲ ናይቲ ኮምዩን ናይ ዋኒን ገጻት ኣንብብ።