Sävsjö

ናይ መጠረሽታ ዝተሓደሰሉ: 12 10 2022

ኣብ ሰቭሾ ኮምዩን ብርኩት ምርጫታት ኣገልግሎት፡ ፈጠራነት ዝመልኦ ቁጠባዊ ህይወትን ግሩም ናይ ተፈጥሮ ጽባቐን ኣሎ። ሰቭሾ እታ ኣብ ሕምብርቲ ስሞላንድ ዘላ ንእሽቶ ኮምዩን እያ።

ሓበሬታ ብዛዕባ ምምሕዳር ከተማ

መንበሪ-ገዛ

ናብ ሰቭሾ ምግዓዝ ቀሊል እዩ። ኣብኡ ኩሉ ዓይነት መንበሪ ኣባይቲ ኣሎ። እታ ኮሙናዊት ትካል ክራይ ኣባይቲ፡ ሳቨቡ Sävebo ፡ ሓንቲ ካብተን ናይቲ ኮምዩን ብዙሓት ትካላት ክራይ ኣባይቲ እያ።

ካልእ ቋንቋታት ዝዛረቡ ተቐማጦ መን ኣለዉ ኣብቲ ቦታ

ኣብ ሰቭሾ ኮምዩን ሽወደን ዘይኮነ ብዙሕ ቋንቋታት ይዝረብ፤ ከም ኣብነት፡ ዓረብ፡ ዳሪ፡ ሶማሊ፡ ትግርኛ፡ ታይላንድ፡ ሆላንድ፡ እንግሊዝን ሩስያን።

ማሕበራትን ምትእኻባትን

ኣብ ሰቭሾ ኮምዩን ሓያሎ ማሕበራት ኣለዋ፡ ኣብቲ ደብተር ማሕበራት 153 ማሕበራት ኣለዋ። ንኣብነት ከም ናይ ፈጣርነት ውድባት፡ ናይ ስፖርት ማሕበራትን ቤትክርስትያናዊ ውድባትን ኣለዋ።

ኣብቲ ከባቢ ብቐረባ እንታይ ይርከብ

ኣብ ሰቭሾ ኮምዩን ህይወት ዝመልኦ ሰንትሩም ኣሎ። ኣብ ከተማ ሰቭሾ ሰለስተ ግሮሰሪታትን፡ ብዙሓት ነእሽቱ ድኳናትን፡ ቤትንባብን፡ ቤትጽሕፈት ዕዮን ይርከብ። ክልተ ሰከንድሃንድ ድኳናት ኣለዋ፤ ኤሪክስየልፐንን ቀዪሕ መስቀልን።

ሰቭሾ ኮምዩን ኣብ ናይ ዮንሾፒንግ ወረዳ እዩ ዚርከብ። ንሱ ኣብ ናይ ምስፋሕ ደረጃ እዩ ዘሎ። ኣዝዩ ሰሓብን ናብ ባሕሪ ዚጥምትን መሬት ስለ ዘሎ፡ ብዙሓት ስድራቤት መሬት ዓዲጎም ናይ ሕልሞም ገዛ ኪሰርሑሉ መስርዕ ሒዞም ኣለዉ።

ንቱሪዝም ብዚምልከት ሰቭሾ ኮምዩን በተን ብ11ክ/ዘመን እተሰርሓ Njudungskyrkorna ዚብሃላ ብርቂ ዝኾና ኣብያተክርስትያና እያ እትፍለጥ። እቲ ብሮንክስ እተባህለ ናይ ኒውዮርክ ክፍለ-ከተማ ድማ በቲ ጀይምስ ብሮንክ እተባህለ ብ 1600 ካብ ሰቭሾ እተሰደደ ሰብ እያ ተመስሪታ። እዚ ድማ በቲ ኮምዩን ፍሉጥ እዩ። ኣብ ስቭሾ ኩሉ ንእሽቶ እዩ። በይንኻ ኴንካ ወይ ምስ ብጾትካ ናብ ተፈጥሮ ምኻድን ምዝንጋዕን ቀሊልን ቀረባን እዩ።

ኣገልጎት ክንክን ወይ ሕብሐባ ቆልዑ

ኣብ ሰቭሾ ኮምዩን ክፉት ቤትትምህርቲ ህጻናት ከምኡውን ብዙሓት ካልኦት ኣብያተትምህርቲ ህጻናት ኣለዋ። ናይቲ ኮምዩን ዕላማ ኩሎም ህጻናት ዝዓብዩሉን ዝምዕብሉሉን ሃዋህው ንምፍጣር እዩ።

መባእታ ኣብያተ ትምህርትን ካልኣይ ደረጃ ኣብያተ ትምህርትን

ኣብ ሰቭሾ ኮምዩን ብዙሓት መባእታ ኣብያተ ትምህርትን ሓንቲ ናይ ካልኣይ ደረጃ ቤት ትምህርትን ኣለዋ። እታ ናይ ካልኣይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ ኣብ ከተማ ሰቭሾ ትርከብ። ናይ ቅድመ ወይ መባእታ ኣብያተ ትምህርቲ ድማ ኣብ ኩሉ'ዚ ኮምዩን ኣሎ። ኣብ ሰቭሾ ኮምዩን ብዙሓት ብሕታውያን ኣብያተ ትምህርቲ (F-9) ኣለዋ። ከምኡ'ውን ብሕታዊ ስነ-ትምህርታዊ ንጥፈታት ኣሎ። ኣብዚ ኮምዩን በዚ ኮምዩን ዚመሓደራ ናይ ዕረፍቲ ግዜ ቦታታትን ብማሕበራት ዝመሓደር ናይ ዕረፍቲ ግዜ ቦታን ኣሎ።

እቶም ኣብ ገዝኦም ብዘይካ ሽወደን ካልእ ቋንቋ ዚዛረቡ ህጻናት ብቛንቋኦም ትምህርቲ ኪወሃቦም ይኽእል፡ እዚ ድማ ብናይ ኣደ ቋንቋ ትምህርቲ ይብሃል። እዚ ነቲ ህጻን ንቋንቋኡ ከማዕብልን ብዛዕባ ናይ ገዛእ ርእሱ ባህሊ ኪፈልጥን የኽእሎ።

ዕድላት ትምህርቲ

ኣብ ሰቭሾ ኮምዩን ከም በጽሒ ኴንካ ንኽትመሃር ግሩም ተኽእሎ ኣሎ። እቲ ኮምዩን ኣብ መንጎ ቨክሾን ዮንሾፒንግን እዩ ዘሎ፡ ኣብኡ ድማ ዩኒቨርሲቲን ኮለጅን ኣሎ።

ኣብ ሰቭሾ ኮምዩን እተፈላለየ መጽናዕቲ ጉጅለ ይነጥፍ እዩ። SFI ከምኡውን Komvux ኣብ Aleholm utbildningscentrum.ይርከብ።

ኣገልጎት ጥዕና

ኣብ ሰቭሾ ኮምዩን ማእከል ጥዕና ኣሎ። ኣብኡ ናይ ደቀንስትዮን ህጻናትን ማእከላት ጥዕና፡ ከምኡውን ናይ ስኒ ሕክምና ኣሎ። እቲ ዝቐረበ ሆስፒታልን ናይ ህጹጽ ረድኤት ኣገልግሎትን ኣብ ኤክሾ ይርከብ።

ናይ ቋንቋ ድግፍ-ተርጓሚ ምርካብ

ሰቭሾ ኮምዩን ኣድላዪ ምስ ዚኸውንን ምስ ዚጥለብን ናይ ትርጉም ኣገልግሎት ኣለዋ።

ኣገልግሎት መጎዓዝያ

ካብን ናብን ሰቭሾ ኮምዩን ብሓባራዊ መጎዓዝያ ክትገይሽ ቀሊል እዩ።

ንሰሌዳ ሰዓታት ኣብ SJ ወይ ከኣ Jönköpings länstrafik (JLT) ተመልከት።

JLT
SJ

ስራሕን ትካላት ናይ ምምስራት ተኽእሎታትን

መሰረት ግሩም ህይወት ፈጠራውነት ዘለዎን ዚሰርሕን ቁጠባዊ ህይወት እዩ። ብዘይ ዋኒናትን ብቑዓት ኢምፕረዛን ሰቭሾ ኮምዩን ደው ኣይምበለትን። እዚኣተን ናይ ብልጽግናና ሕምብርቲ እየን። ስለዚ ሰቭሾ ኮምዩን ምስ ካልኦት ተዋሳእቲ ኮይና ሓያል ናይ ዋኒነት ሃዋህውን ሓደስቲ ሓሳባትን መታን ኪፍጠሩን ኪምዕብሉን ብርቱዕ ጻዕሪ ተካይድ። ግሩም ሓሳባት ምስ ዚህለወካ መታን መጻኢ ናይ ኢምፕረዛ ትልምኻ ኪገሃድ እቲ ኮምዩን ይሕግዘካን ይድግፈካን።

ኣብ ሰቭሾ ኮምዩን ኣብ ናይ ውጽኢት ዕንጸይትን ጽርበትን ህንጻን ዘተኮራ ብዙሓት ዋኒናት ኣለዋ። ናይ ምስናዕን ናይ መታል ፍብሪካን ኣገደስቲ ወሃብቲ ስራሕ እየን።