Tranås

ናይ መጠረሽታ ዝተሓደሰሉ: 12 10 2022

እንቋዕ ናብ ትራኖስ ብደሓን መጻእኩም - ትድለዩ ኢኹም! ናይ ስሞላንድ ትራኖስ ናይ ሽወደን ንእሽቶ ከተማ እያ ግን ከኣ ትዓቢ ዘላ ከተማ እያ። ዕላማና እቲ ቍጽሪ ተቐማጦና ኣብ 2025 ናብ 20,000 ክብ ንምባል እዩ።

ሓበሬታ ብዛዕባ ምምሕዳር ከተማ

ናይ ኢንዱስትሪ ህንጻታት ብቕድሚት፡ ቅሩብ ርሕቕ ኢልካ መንበሪ ከባቢ፡ ከምኡ’ውን ባሕሪ ሶመን ብድሕሪት ዝሓዘ ትርኢት ናይ ታርኖስ።

ንሕና ኣብቲ ቀልጢፉ ዚሰፍሕ ዘሎ ጥቓ ሊንሾፒንግን ዮንሾፒንግን ዘሎ ኣከባቢ ኢና ዘሎና። ኣብዚ፡ ልዑል ደረጃ ህይወትን ሓያል ናይ ቢዚነስ ህይወትን ቀላያትን ተፈጥሮን ኣሎ። ኣብ መንጎ ስራሕን ክንክን ህጻናትን ትምህርትን መዘናግዕን ዘሎ ቅርበት ካልእ ስራሕ ንምስራሕ እኹሉ ግዜ ይህብ።

ሰባት ኣብቲ መሓምበሲ ቦታን መዝለልን ዝመልእዎ ባሕሪ ሶመን ኣብ ሓደ ናይ ክረምቲ መዓልቲ። ኣብቲ ባሕሪ ናይ መዘናግዒ ጀላቡ ይርኣያ ኣለዋ።

መንበሪ-ገዛ

ተኻረ፡ ዓድግ ወይ ገዛ ስራሕ - ኣብ ትራኖስ ብዙሕ ናይ መንበሪ ኣባይቲ ምርጫታት ኣሎ። ንሕና ብዙሓት ዝኪረ ኣባይቲ ዘለዎም ወነንቲ ኣለዉና።

ካልእ ቋንቋታት ዝዛረቡ ተቐማጦ መን ኣለዉ ኣብቲ ቦታ

ኣብ ትራኖስ፡ ዓረብን ዳሪን ካብተን ብብዝሒ ዚዝረባ ቋንቋታት እየን፡ ግን ሶማሊ፡ ሆላንድ፡ ሩመንያ ወዘተ ድማ ይዝረብ እዩ።

ማሕበራትን ምትእኻባትን

ኣብ ትራኖስ ንማሕበራት ብዚምልከት ብዙሕ ምርጫታት ኣሎ። ኣብቲ ናይቲ ኮምዩን ደብተር ማሕበራት፡ ናይተን ማሕበራት ዝርዝር ሓበሬታን ኣስማት ሰባትን ክትረክብ ትኽእል።

መንሻተቲ ፓርክ ኣብ እዋን ምሸት፡ ሒደት መንእሰያት ነቲ ናይ ፓርክ መዕገቲ ይጥቀምሉ ኣለዉ።

ገለ ካብተን ማሕበራት ንምጥቃስ፤

  • ናይ ለባኖን/ሲርያ ባህላዊ ማሕበር
  • ናይ ኣፍጋኒስታን ማሕበር
  • ናይ ትራኖስ ኣፍሪቃዊ ማሕበር
  • ማሕበር ሶማልያውያን
  • ማሕበር ቦስንያ ​

ኣብቲ ከባቢ ብቐረባ እንታይ ይርከብ

Turistbyrån ከምኡውን servicekontoret Tranås Direkt ኣብ ማእከል ሰንትሩም ኣብቲ ዓቢ ጎደና ቍ. 22 ኣብ ሓደ ቦታ ይርከብ። ኣብዚ እቶም ናብቲ ኮምዩን ዚበጽሑን እቶም ተቐማጦን ንእተፈላለየ ጉዳያት ብዚምልከት ክኢላዊ ኣገልግሎትን ሓገዝን ይረኽቡ። ኣብ ትራኖስ ከም ሓዲሽ መጻኢ መጠን ዚሕግዘካ ናይ ዜጋታት ተሓጋጋዚ ኣሎ። ንሱ በቲ Tranås Direkt ኢኻ እትረኽቦ።

ኣብ ሓደ ናይ ሓጋይ መዓልቲ ደስ ብዝብል ጻዕዳ ኣስሓይታ ዝተሸፈነ ገረብ ዘለዎ ብመብራህትን ትራፊክን ዝበርሀ ስቱርጋታን።

ኣብቲ ናይ ትራኖስ ዓቢ ጎደና፡ ግሩም ድኳናትን ቡቲካትን ግሩም ካፈታትን ኣብያተመግብን ኣሎ። ኣብኡ ናይ ከተማና ቤትንባብ ኣሎ።

ናይ ባንድ ሙዚቃዊ ምርኢት ኣብ ስቱርጋታን። ብዙሓት ሰባት ኣብኡ ኾይኖም ይርእዩን ይሰምዑን ኣለዉ።

ኣገልጎት ክንክን ወይ ሕብሐባ ቆልዑ

ክፉት ቤትትምህርቲ ናይቶም ካብ 0-6 ዝዕድመኦም ውላዳት ዘለዎም ዓበይቲ ሰባት፡ መራኸቢ ቦታ እዩ። ኣብኡ ኩሉ ዕዱም እዩ። ኣብቲ ናይቲ ኮምዩን ወብሳይት እዋናዊ ናይ ስራሕ ሰዓታትን ናይ ወርሓት መደባትን ይርከብ። ኣብ ትራኖስ ኮምዩን ሓያሎ ኣብያተትምህርቲ ህጻናት ኣለዋ።

መባእታ ኣብያተ ትምህርትን ካልኣይ ደረጃ ኣብያተ ትምህርትን

ኣብ ትራኖስ ኮምዩን ብዙሓት መባእታ ኣብያተትምህርቲ ኣለዋ። ኣብቲ ናይቲ ኮምዩን ወብሳይት ብዛዕባ ኣብያተትምህርትን ዝርዝር ሓበሬታ ናይ ነፍስወከፍ ቤትትምህርትን ክትረክብ ትኽእል። ሆላቨርድስዪምናሴት ናይ ትራኖስ ካልኣይ ደረጃ ቤትትምህርቲ እዩ። ብዛዕባ እቲ ቤትትምህርትን ዚህቦ ትምህርትን ንምፍላጥ ነቲ ወብሳይቶም ብጽሓዮ።

ዕድላት ትምህርቲ

ኩሉ ልዕሊ 20 ዓመት ዝዕድመኡ ሰብ ኣብ Lärcentrum Västra Vux ኪምሃር ይዕደም ወይ ድማ ኣብቲ ናይቲ ኮምዩን ናይ ዓበይቲ ትምህርቲ ከይዱ፡ ናይ ትምህርቲ መምርሒ ኪሓትት ይኽእል። ብዛዕባ ናይ ትምህርቲ ተኽእሎ ሓበሬታ ክትረክብ ነቲ ናይ Västra Vux ትምህርታዊ መምርሒ ተወከሶ። ብዛዕባ ቤትትምህርቲ ኣብ ብተወሳኺ ኣንብብ። ናይ ሶመንቢግደን ህዝባዊ ኮለጅ ካብ ናይ ትራኖስ መነሃርያ ብእግሪ መገዲ 10 ደቓይቕ ኣብ ማእከል ትራኖስ ይርከብ።

TUC Sweden ናይ ኮለጅ ሞያዊ ትምህርትን ንዋኒን ዚምችእ ኮርሳትን ዚህብ ብሕታዊ ትካል እዩ። ንሱ ኣብ ጽቡቕ ከባቢ ኮይኑ ናይ ኮንፈረንስን ካፈን ኣገልግሎት ዘለዎ እዩ። TUC ሞያዊ ኮለጅ እቲ ኣብ ዞባና ዝዓበየ ናይ YH-ስልጠና እዩ። እቲ ቤትትምህርቲ ኣብ ትራኖስ ይርከብ ብእግሪ ወይ ብሽግለታ ወይ ኣውቶቡስ፡ ባቡር ወይ ማኪናውን ኪኽየድ ይከኣል። ካብ ትራኖስ ኣብ በጺሕካ እትምለሶ ርሕቀት ናይ ሊንሾፒንግን ዩኒቨርሲቲ ከምኡውን ናይ ዮንሾፒንግን ኮለጅ ኣለዋ።

ኣገልጎት ጥዕና

ናይ ትራኖስ ማእከል ጥዕና ነዚ ዚስዕብ ይጥርንፍ፣ ናይ ዞባ ናይ ሓኪም መቐበሊ፡ ናይ ዞባ ናይ ነርስ መቐበሊ፡ ናይ ምሕዳስ ጥዕና ኣሃዱ፡ ላቦራቶሪን ኤክስረይን ኣሃዱ ምስ መቐበሊ። እቲ ማእከል ጥዕና ምስ ናይ ናይ ኤክሾ ሆጋላንድ ሆስፒታልን ናይ ትራኖስ ኮምዩንን ምዕቡል ምትሕብባር ኣለዎ።

Läkarhuset i Tranås AB ምሉእ መሳርሒ ዘለዎ ናይ ትራኖስ ማእከል ጥዕና እዩ። ኣብኡ ብዘይካቲ ሓፈሻዊ ናይ መድሃኒት ኣገልግሎት፡ ናይ ሰርቲፊከት፡ ናይ ምቍጽጻር ጥዕናን ክታበትን ሓገዝ ክትረክብ ትኽእል።

ናይ ትራኖስ ማእከል ስድራ ቤት፡ ናይ ህጻናትን መንእሰያትን ዓበይትን መራኸቢ ቦታ እዩ። ኣብዚ፡ እዚ ኮምዩንን ዞባን፡ ጥዕናን ምዕባለን ንምድንፋዕ ይተሓባበር። ኣብቲ ናይ ስድራ ቤት ማእከል፡ ማእከል ክንክን ቈልዑ፡ ናይ ደቀንስትዮ ክሊኒክ፡ ናይ መንእሰያት ክሊኒክን ናይ ስድራቤት ንጥፈታትን፡ ስመድያን ናይ ተመሃሮ ጥዕና፡ ክፉት መውዓሊ ህጻናትን ናይ ስድራቤት ምኽሪ መውሃብን ኣሎ።

ናይ ቋንቋ ድግፍ-ተርጓሚ ምርካብ

ምስ ሰበስልጣን ኣብ እትራኸበሉ እዋን ናይ ትርጉም ኣገልግሎት ሓገዝ ናይ ምርካብ ተኽእሎ ኣሎ።

ኣገልግሎት መጎዓዝያ

ካብ ትራኖስ ብናይ Jönköpings länstrafik ጌርካ ናብ ዮንሾፒንግን ነሾን ትኸይድ። ብ Östgötatrafiken ጌርካ ናብ ምዮልቢ፡ ሊንሾፒንግን ኣብ መንጎ ዚርከባ መነሃርያታትን ትኸይድ። ዝቐረበ መዓርፎ ነፈርቲ Linköping City Airport. እዩ።

ስራሕን ትካላት ናይ ምምስራት ተኽእሎታትን

ኣብ ትራኖስ እተን ዝዓበያ ወሃብቲ ስራሕ ኣዚኣተን እየን፤ Tranås kommun,Montico, Bosch Thermoteknik,Pastejköket, EGF, Materia, Euroform, Carpenter ወዘተ።