Kalmar län

ናይ መጠረሽታ ዝተሓደሰሉ: 12 10 2022

ኣውራጃ ካልማር 12 ምምሕዳራት: ቬስተርቪክ፣ ቪመርቢ፣ ሁልትስፍሬድ፣ ሀግስቢ፣ ኦስካሽሃምን፣ መንስተርኦስ፣ ኒብሩ፣ ኤማቡዳ፣ ቱሽኦስ፣ መርቢሎንጋ፣ ቦርይሆልምን ካልማርን ኣለዋ። ምምሕዳር ሀግስቢ ካብቲ ኣውራጃ ዝነኣሰትን ልዕሊ 5 700 ነበርትን ዝርከብዋ ኮይና ካልማር ከኣ ዝዓበየት ምምሕዳር ኮይና ልዕሊ 64 000 ነበርትን ኣብቲ ኣውራጃ ድማ ብዝሒ ቁጽሪ ነበርታ እናዛየደ ዝኸይድ ምምሕዳር እያ። ብሓፈሻ ክርአ ከሎ እዛ ኣውራጃ ኣብዞም ዝሓለፉ ዓመታት ኣዎንታዊ ዝኾነ ብዝሒ ነበርቲ ተርኢ ኣላ።

Map of Sweden Created with Highcharts 10.2.1

ኮሙንናት ኣብ

ኮሙንናት ኣብ Kalmar län

ኣብ ታሕቲ እታ ብዛዕብኣ ብዝያዳ ከተንብብ ትደልያ ኮሙን ኣብ Kalmar län ምረጽ

ኩነታት መንበሪ-ኣባይቲ

ብሓፈሻ ክርአ እንከሎ ኣብዚ ኣውራጃዚ፡ ብዝሂ ህዝቢ ምስቲ ኣብቲ ቦታ ዝርከብ መንበሪ-ኣባይቲ ዝተመጣጠነ እዩ። እንትይ ንምባል'ዩ፡ ሕጽረት ገዛውቲ ዳርጋ የለን ክበሃል፡ ይከኣል። ዋላ'ኳ ብዙሓት ከተማታት ኣብዚ ዞባ ሕጽረት ዝካረ ኣባይቲ እናኣጋጠመን እንተመጸ፡ ሓደስቲ ናይ ምስራሕ ፕሮጀክቲታት ግን ብሰፊሕ ክስረሓሉ ኣይተራእየን። እቲ እናተቐየረ ዝመጽእ ዘሎ ኩነታት ተቐማጦ ናይቲ ዞባ ንምግጣም፡ ኣብ ገለ ከባቢታት ንዓበይቲ፡ ስንኩላን ካልእን ተባሂሉ ከባቢ ኣብ ግምት የእትዩ ዝስራሕ ኣባይቲ ኣሎ'ዩ። ኣካል ናይ'ዚ ኸኣ፡ ሓድስቲ ገዛውንቲ ንመንእሰያት፡ ስደተኛታት፡ ተመሃሮ፡ ውሑድ እኳ እንተኾነ፡ ይስራሕ ኣሎ ክበሃል ይከኣል። እቲ ዝዓበየ ጸገም ምስራሕ መንበሪ-ኣባይቲ ኣብዚ ኣውራጃ'ዚ፡ ክብረት ዋጋ ናይ ምስራሕ ኣባይትን፡ እቲ ቀዋሚ ዘይኮነ ኩነታት ተቐማጥን እዩ።

ህዝቢ-ተቐማጦ

ዞባ ካልማር ዓሰርተ ክልተ ኮሙናት ኣሎዋ፡ ቬስተርቪክ፡ ቪመርብይ፡ ሁልትስፍረድ፡ ሆግስብይ፡ ኦስካሽሃምን፡ ሞንስተሮስ፡ ንይብሩ፡ ኤማቡዳ፡ ቶሽኦስ፡ ሞርብይሎንጋ፡ ቦርይሆልምን ካልማርን። ኣብዚ ዞባ ሆግስብይ ኮሙን እታ ዝነኣሰት ኮሙን ኾይና ኣስታት 5 700 ተቐማጦ ከምኡ'ውን ካልማር እታ ዝዓበየት ኮሙን ኾይና ኣስታት 64 000 ተቐማጦን ዝበዝሓ ወሰኽ ብዝሒ ህዝቢ ዘሎዋን እየን። ብሓፈሻ እዛ ዞባ ኣውንታዊ ወሰኽ ብዝሒ ህዝቢ ተርኢ ኣላ።

ንግዳዊ-ንጥፈታትን ወሃብቲ-ስራሕን

ኣብዚ ኣውራጃ'ዚ፡ ንግድ ነዊሕ ሰረት ዘለዎ ንጥፈት እዩ። ኣብዚ ዞባ'ዚ ብርክት ዝበላ ኣብ ምስናዕ ዘትኮራ እንዱስትሪታት፡ ነኣሽቱ ትካላትን ኣብ ጽላት መሬትን ኣግራብን ዝነጥፋ ፋብሪካታትን ይርከባ። እቲ ዝዓበየ ወሃቢ-ስራሕ ኣብዚ ዞባ፡ ምምሕዳር ዞባ ካልማር ኮይኑ ኣስታት 6000 ሰራሕተኛታት ኣለዉዎ። ብድሕሪ'ዚ እቶም ዝዓበዩ ወሃብቲ-ስራሕ ምምሕዳራት ናይተን ዝዓበያ ከተማታት ናይቲ ዞባ እየን። ካብ ግላውያን ወሃብቲ-ስራሕ፡ ትካል ስካንያ SV AB እዩ። ምስ ካልኦት ኣውራጃታት ክወዳደር እንከሎ ኣብዚ ዞባ ዝርከብ ህዝቢ ትሑት ቁጽሪ ድሕሪ ካልኣይ ደረጃ ትምህርቲ ዘለዎ እዩ።

ንጥፈታት ሲቪላዊ-ማሕበራት ኣብ መዳይ ምውህሃድ ኣብ ሕብረተ-ሰብ

ኣብ ዓመተ 2013 ኩለን ምምሕዳር ከባቢታት ወይ ከተማታት ናይ'ዚ ኣውራጃ ንምውህሃድ ሓደስቲ ኣብ ሕብረተ-ሰብ ሽወደን ዝምልከት ስምምዕ ከቲመን። እዚ ስምምዕ'ዚ፡ ነቶም ካልእ መበቆል ዘለዎም ስደተኛታት፡ ኣብ'ዚ ኣውራጃ ከም ድላዮም ኣብ ዝመረጽዎ ክነብሩን ክነጥፉን፡ ንምቕላል ዝዓለመ፡ እዩ። እዚ ስምምዕ'ዚ በዘን ዝስዕባ 27 መንግስታውን ናይ ግሊ ትካላትን ዝተኸተመ እዩ፡- ኣልሚ ፎረታግስ ፓርትነር፡ ቤት-ጽሕፈት ዕዮ (ኣርበትስፎርመድሊንገን)፡ፎረቶጋርና፡ ማዕከን ማሕበራዊ-ውሕስነት (ፎርሸክሪንግስ-ካሳን)፡ ሁስሆልኒንግስ-ሴልስኮፐት፡ ላንድስቲንገት፡ ላንትብሩካርናስ ሪክስ ፎርቡንድ፡ ሊነዩ ዩንቨርስቲ፡ ሌን-ስቲረልሰን፡ በዓል-መዚ ኢሚግረሽን፡ ረጅዩን ፎርቡንደት፡ ኩለን ከተማታት ናይዚ ዞባ፡ በዓል-መዚ ቐርጽ (ስካተቨርከት)፡ ስቬንስክት ናሪንግስሊቭ ከምኡ ውን በዓል-መዚ ፖሊስ እዮም። ማሕበራት ቀይሕ-መስቀል፡ ስሞላንድስ ኢድሮተን ከምኡ ውን ስቱድዩፎርቡንደንን ውን ኣብቲ ኣብዚ ዞባ ዝካየድ ንምውህሃድ ሓደስቲ ዝዓለመ ንጥፈታት ይሳተፋ።

ኣብያተ-ትምህርታትን ትምህርትን

ሊኔ ዩኒቨርስቲ ኣብ ከተማታት ካልማርን ቬክሾን መምሃሪ ማእከላት ሃልይዋ፡ 60 ዝኸውን መሉእ መደብ ትምህርትን ኣስታት 50 ዓውደ-ትምህርታት ዝድህስስ 1200 ኮርሳት ውን ኣብ ምሃብ ትነጥፍ። ኣብ ከተማ ካልማር ኣብ መዳይ ተፈጥሮኣዊ ስነ-ፍልጠት ዘትኮረ ማእከል መጽናዕታዊ ምርምር ኣሎ። ኣብዚ ቦታ'ዚ፡ ኣህጉራዊ ተፈላጥነት ዘጥረየት ናይ ባሕሪ ዩኒቨርስቲ ኣላ። ኣብታ ኣብ ከተማ ኒብሮ እትርከብ፡ ፑኬባርይ ተባሂላ እትፍለጥ ማእከል-ትምህርቲ ብሉጽ ናይ ዲዛይን ትምህርቲ ይርከብ።

ኣገልግሎት ጥዕና

ኣብ ኣውራጃ ካልማር፡ ስለስተ ሆስፒታላት ኣለዋ።ሆስፒታል ኣውራጃ ካልማር ዝተፈላለዩ ክኢላታት ዝሓቆፈ 18 ሕክምናዊ-ክፍሊታትን፡ 350 መደቀሲ-ሕሙማትን ኣለዋ። ሆስፒታል ኦስካሽሃምን 5 ሕክምናዊ-ክፍልታትን 80 መደቀሲ-ሕሙማትን ኣለዋ። ሆስፒታል ቬስተርቪክ ከኣ፡ 16 ናይ ሕክምና ክፍልታትን 150 መደቀሲ-ሕሙማትን ኣለዋ። መባእታዊ ሕክምና ብምምሕዳር ዞባ ዝመሓደራ 28 ጥዕናዊ-ማእከላትን 11 ናይ ብሕቲ መቐበሊ ሕሙማትን ኣለዋ።

ባህላውን ናይ ምዝንጋዕ ንጥፈታትን

እዚ ዞባ'ዚ ብምምሕዳር ናይዚ ዞባ ከም ጥዕናዊ ዞባ ተባሂሉ ውዕውዕ ይግበረሉ። ኣብዚ ዞባ'ዚ ብርክት ዝበላ ባህላውን ናይ ዕረፍቲ ንጥፈታትን ኣሎ። መሳጢ ዝኾነ ተፈጥሮኣዊ፡ ባህላውን ታሪኻዊ ቦታታትን ውን ዝሓቆፈ፡ ዞባ እዩ። ዓለም ደራሲት ኣስትሪድ ሊንድግሬን፡ ንግስነት ጥርሙዝ፡ እቲ ብኦተንቢ ዝፍለጥ ኣብ ደቡብ ኦላንድ ዝርከብ ቦታታት ገለ ካብቲ ኣብቲ ዞባ ዝርከብ ህቡብን መስሕብ በጻሕትን ዝኾነ ታሪኻዊ ቦታታት እዩ። ኣብዚ ዞባ'ዚ ዝርከበ ኣብያተ-ንባብ፡ ማእከል ርኽክብ ናይ ዝተፈላለየ መበቆል ዘለዎም ነኣሽቱን ዓበይትን ሰባት እዩ። ቤተ-መዘክር ኣውራጃ ካልማር፡ ቤት-መዘክር ስነ-ጠበብ፡ ማእከል ሄምስሎይደን ምስ ካልኦት ብምትሕብባር፡ንተራ ባህሊ ኣብ ምውህሃድ ሓደስቲ ኣብ ሕብረተ-ሰብ ንምዕዛዝን ሃብታምን ድይናሚካውን ባህላዊ ሰረት ንምፍጣርን፡ ይሰርሑ።