Borgholm

ናይ መጠረሽታ ዝተሓደሰሉ: 12 10 2022

ናይ ቦርይሆልም ኮሙን ኣብታ ጽብቕቲ ደሴት ኦላንድ ትርከብ። ናብዚ ካብ ቀንዲ መሬት ብመንገዲ ድልድል ኦላንድ (Ölandsbron) ጌርካ ትመጽእ። ኦላንድ ዘደንቕ ተፈጥሮ ኣለዋ፣ ከምኡ’ውን ካብተን ኣብ ሽወደን ብብዝሒ ጽሓይ ትበርሃሉ ሰዓታት ዘለወን ቦታታት ሓንቲ እያ። ቦርይሆልም፡ ሾፒንቪክን ሎትቶርፕን እተን ዝዓበያ ከተማታት ኣብዚ ኮሙን እየን።

ሓበሬታ ብዛዕባ ምምሕዳር ከተማ

ብዝሒ-ህዝቢ

10877

ስፍሓት መሬት

3659 ኪሜ²

ኣብቲ ምዉቕ ናይ ክረምቲ ክሊማ ዝሕምብሱ ቱሪስትን ናይቲ ከበቢ ተቐማጦን ዘለዎ ነዊሕ ሑጻዊ ገምገም ባሕሪ።

ናብ ኦላንድ ንተፈጥሮ፡ ባህሊን ነቲ ናትና ደስ ዘብል መሓምበሲ ገማግም ባሕርን ክድሰትሉ ብዙሓት ቱሪስት ይመጹ።

ኣብዚ ብዛዕባ እዚ ዝስዕብ ብዝያዳ ከተንብብ ትኽእል፡

መንበሪ-ገዛ

ኣብ ቦሪሆልም፡ ብምምሕዳር ናይቲ ከተማ እትውነን ትካል ክራይ-ኣባይቲ የላን። ስለዝኾነ ከኣ፡ ኣብቲ ከባቢ ገዛ-ክራይ ብዝምልከት፡ በተን ግላውያን ትካላ ይመሓደር።

ካልእ ቋንቋታት ዝዛረቡ ተቐማጦ መን ኣለዉ ኣብቲ ቦታ

ኣብ ቦርይሆልም ዝዝረቡ፡ ካልእ ገዲፍካ ዓረብኛ፡ ኩርማንጂ፡ ፐርስኛ/ዳሪ፡ ትግርኛ ወዘተ እዮም።

ማሕበራትን ምትእኻባትን

ኣብ ቦሪሆልም ኣስታት 200 ዝኾና ማሕበራት ምትእኽኻባትን ይርከባ። ኣብቲ ኣብ መርበብ-ሓበሬታ ምምሕዳር ከተማ ዝርከብ መዝገብ-ማሕበራት፡ ብምእታው ዝርዝር ናይዘን ማሕበራት ክትረኽቡ ትኽእሉ።

ኣብቲ ከባቢ ብቐረባ እንታይ ይርከብ

ኣብታ ቀንዲ ከተማ ዝኾነት ቦርይሆልም፣ ንኣብነት ቤት መድሃኒት፡ ቤት ንባብ፡ ባንክታት፡ መግቢ ዝሸጣ ድኳናት ፡ እንዳ-ቀምቃማይ፡ ድኳናት ዘገልገለ-ንብረት፡ ከምኡ'ውን ንኣብነት ክዳውንቲ፡ ራድዮ/ቲቪ፡ ዕምባባታት፡ ኣቍሑ-ገዛን መሳለጥያታት ኤለትሪክን ንብረት ገዛን ዝሸታ ድኳናት (ቸርቸርቲ) ኣለዋ። ኣብ ቦርይሆልም መሐንበሲ ኣዳራሽ፡ ኣዳራሽ ስፖርታዊ ንጥፈታት፡ ሜዳ-ኩዕሶን ዝተፈላለየ ናይ ኣካላዊ ምንቅስቓስ ማእከላትን እውን ኣሎ።

ኣብ ናይ ኣደባብይ ዕዳጋን ብዙሓት ናይ ክረምቲ ክዳን ተኸዲኖም ኣብቲ ናይ ኣደባባይ ዕዳጋ ዝንቀሳቐሱ ሰባትን ዝመልኣ ጐደና።

ኣገልጎት ክንክን ወይ ሕብሐባ ቆልዑ

ኣብታ ቀንዲ ከተማ ቦርይሆልምን ኣብተን መብዛሕትኣን ናእሽቱ ከተማታትን መውዓሊ ህጻናት ኣሎ። ኣብ ቦርይሆልም ክፉት መውዓሊ ህጻናት እውን ኣሎ።

መባእታ ኣብያተ ትምህርትን ካልኣይ ደረጃ ኣብያተ ትምህርትን

መባእታዊ ኣብያተ ትምህርቲ ኣብ ብዙሓት ከተማታት ናይዛ ኮሙን ኣሎ።

ትምህርቲ ካልኣይ ደረጃ ኣብ ካልማር ኣሎ፣ ናብኡ ናይዚ ኮሙን ተምሃሮ መዓልታዊ ክጕዓዙ ተኽእሎ ኣሎ።

ዕድላት ትምህርቲ

ጅይማናስየፎርቡንደት ነቲ ኣብ ቦርይሆልም ናይ ኦላንድ ማእከል ትምህርቲ ዘሎ ኮምቩክስ (ትምህርቲ ኣባጽሕ) ፍሉይ ትምህርቲ ኣባጽሕን ትምህርቲ ሽወደንኛ ንወጻእተኛታትን (sfi) ይውድብ።

ኣብዚ ቤት ትምህርቲ እዞም ዝስዕቡ ትምህርትታት እውን ኣለዉ፤

  • ክንክንን ሓልዮትን
  • ክሽነን ቤት መግብን
  • ኣብ ምፍራይ ጸባ ኣላይ እንስሳ (ተልመዴን)
  • ኣላይ ቈልዑ/ተሓጋጋዚ ተምሃራይ

ኣገልጎት ጥዕና

ማእከል ጥዕና ኣብ ቦርይሆልምን ሎቶርፕን ኣሎ። ኣብ ቦርይሆልም ናይ ቈልዑን ኣዴታትን ክሊንክ እውን ኣሎ። ኣብ ቦርይሆልም ልክዕ ከምቲ ብዙሓት ናይ ግሊ ክሊኒካት ክንክን ስኒ ዘለዋ፡ ህዝባዊ ክንክን ስኒ እውን ኣሎ።

ናይ ቋንቋ ድግፍ-ተርጓሚ ምርካብ

ምስ መንግስታዊ ትካላት ኣብ ዝግበር ርኽክባት ተርጓሚ ክቍጸረልኩም ይኽእል።

ኣገልግሎት መጎዓዝያ

ናብ ብዙሓት ከተማታት ናይዚ ኮሙን ዝውስዳ ኣውቶቡሳት ትሰጋገረሉ ናይ ኣውቶቡስ መሰጋገሪ እውን ኣሎ። ሰሌዳ ግዜን ተወሳኺ ሓበሬታን ኣብ ናይ ካልማር ዞባዊ ትራፊክ (Kalmar länstrafiks) መርበብ ሓበሬታ ኣሎ።

ስራሕን ትካላት ናይ ምምስራት ተኽእሎታትን

ዝዓበየ ወሃቢ-ስራሕ ኣብዚ ከባቢ፡ ምምሕዳር ከተማ ቦሪስሆልም እዩ። መብዛሕትኡ ናይ ስራሕ-ዕድላት ከኣ፡ ኣብ ጽላት ክንክንን ምሕብሓብን ይርከብ። ኣብዚ ምምሕዳር ከተማ'ዚ፡ ኣብ ሕርሻን ቱሪስምን ዝነጥፋ፡ ብርክት ዝበላ ነኣሽቱ ትካላት ኣለዋ። ቀንዲ ምንጪ ስራሕ ኣብዚ ቦታ ጽላት ቱሪስም እዩ። እዘን ኣብ ቱሪስም ዝነጥፋ ትካላት፡ ኣብ እዋን ክራማት፡ ብዙሓት ሰባት ስራሕ ይቆጽራ። እዘን ትካላት እዚኣተን፡ ሆቴላት፡ ኣብያተ-መግብሪ ከምኡ ውን ናይ ካሞኢን ትካላት ክኾና ይኽእላ።