Mönsterås

ናይ መጠረሽታ ዝተሓደሰሉ: 12 10 2022

መንስተሮስ ኣብ ገምገም ባሕሪ ዚርከብ ኣርኪፐላጎ ዘለዎ ኮምዩን እዩ።ኣልስተሮንን አማንን ብማእከል እቲ ኮምዩን ብምሕላፉ ነቲ ከባቢ የጸብቖ።

ሓበሬታ ብዛዕባ ምምሕዳር ከተማ

ብመሰረት ናይ ሽወደን ናይ ቍጠባ ጸብጻብ ሞስተሮስ ኮምዩን ኣብቲ ቦታ ዝበለጸ ናይ ንግድን ኢንዱስትርን ሃዋህው ይርከቦ። ኣብቲ ኮምዩን ሓምሽተ ከተማታት ኣለዋ፡ ኣብአን ድማ ንድሌታት ህጽናት ዘማልእ ናይ ህጻናት ክንክንን ቤትትምህርትን ኣሎ። ኣብ ሞንስተሮስ ኣብ ክንክን ህጻናት ብዙሕ ምጽባይ የለን ከምኡውን ኣብ ምርካብ መንበሪ ኣባይቲ። ናብ ካልማን ኦስካርስሃምን ጽቡቕ ናይ ኣውቶቡስ ኣገልግሎት ኣሎ ናብ ስቶክሆልምውን ቀጥታ ኣውቶቡስ ኣሎ።

መንበሪ-ገዛ

እቲ ናይ ሞስተሮስ ትካል ክራይ ኣባይቲ እቲ ዝዓበየ ናይ ገዛውቲ ኣከፋፋሊ እዩ።ንሱ 1350 ገዛውቲ የካሪ። እቲ ገዛውቲ ኣብ ፍሊስየርድ፡ ኦለ፡ ሞንስተሮስ፡ ቲመርናበን ብሉምሰተርሞላ ይርከብ።

መታን ንኤስኤፍኢን ክንክን ህጻናትን ቤትጽሕፈት ዕዮን ኪቐርቦም፡ ንስደተኛታት ኣብ ማእከል ከተማ ኢና ገዛ እንደልየሎም።

ካልእ ቋንቋታት ዝዛረቡ ተቐማጦ መን ኣለዉ ኣብቲ ቦታ

ዓረብ፡ ካረን (በርማ)፡ ዳሪ፡ ሶራኒ፡ ኣልባንያ፡ ሶማሊ

ማሕበራትን ምትእኻባትን

ኣብ ሞንስተሮስ ሓያሎ ናይ ክርስትያን ማሕበራት ከምኡውን ሽወደናዊት ቤትክርስትያን ኣሎ። ናይ እስላም ማሕበርው ኣሎ።

ኣብ ሞስተሮስ ብዙሓት እተፈላለያ ማሕበራት ኣለዋ።

ኣብቲ ከባቢ ብቐረባ እንታይ ይርከብ

ኣብኡ እተፈላለየ ናይ መግቢ ድኳናት፡ ኔቶ፡ ኩፕ/ኮንሱምን ኢካን ኣሎ። ከምኡውን ኣብቲ ኮምዩን ናይ ዘገልገለ ኣቕሑ ድኳን ኣሎ። ኣብኡ ናይ ስደተኛታት መቐበሊ ዝኾነ ናይ ሕብረተሰብ ቤትጽሕፈት፡ ቤትጽሕፈት ዕዮን ክልተ ባንክን ኣሎ። ኣብ ኩለን እተን ሓሙሽተ ከተማታት ቤትንባብ ኣሎ። እቲ ናይ ሞስተሮስ ግን ሓዲስ እዩ። ኣብ ሞስተሮስ ብዙሕ ናይ ክዳውንቲ ድኳናት ኣሎ። ኣብ ካልማር ኢከያ ኣሎ። ካልማር ካብ ሞስተሮስ ኣስታት 45 ኪሎመተር ንደቡብ እዩ።

ኣብ ሓደ ምዉቕ ናይ ክረምቲ መዓልቲ፡ ዝሕምብሱን ካብ መዝለሊ ንታሕቲ ናብቲ ማይ ዝዘሉን ብዙሓት መንእሰያት ዘለውዎ ሓደ መሓምበሲ ቦታ።

ኣገልጎት ክንክን ወይ ሕብሐባ ቆልዑ

ኣብተን ሓሙሽተ ከተማታት ናይቲ ኮምዩን ክንክን ህጻናት ኣሎ። እቶም ህጻናት ቅድሚ ትምህርቲ ኮነ ድሕሪኡ ወለዶም ኪሰርሑ ከለዉ ዚዘናግዑሉ ቦታ ኣለዎም። ናብ ክንክን ህጻናትን ናብ ቤትትምህርቲ ህጻናትን ንምእታው ብዙሕ ምጽባይ የለን።

መባእታ ኣብያተ ትምህርትን ካልኣይ ደረጃ ኣብያተ ትምህርትን

ናይ ሞንስትሮስ ኮምዩን ነቶም ህጻናት ብውሕስነት ዘለዎ መገድን ብሩህ ተስፋን ከምኡውን ኣብ ደሞክራስያዊ ሃውህው ብድሆታ ንኺምክቱን ይጽዕር።

ራኢና ከምዚ ዚስዕብ እዩ፣

  • እቶም ህጻናትን ተመሃሮን ብድሌቶምን ዝሓለፈ ተመክሮኦምን ምኻድ
  • ኩሉ ህጻንን ተመሃራይን ዕላማኡ ኪወቅዕ፡ ንትምህቱ ኪጸልዎን ሓላፍነት ኪወስደሉን
  • እቶም ህጻናትን ተመሃሮን በቲ ድሌታቶም ኪምዕብሉ ብማለት ብቑዓት መምህራን ብቑዕ ናይ ትምህርቲ ሃውህውን ምፍጣር

መባእታ ኣብያተትምህርቲ ኣብ ኦለም፡ ቲመርናበን፡ ፍሊሰሪድ፡ ብሉምስተርሞላን ሞስተሮስን ይርከብ። ላዕለዋይ ደረጃ ኣብ ብሉምስተርሞላን ሞንስተሮስን ይርከብ፡ ዪምናስዩም ድማ ኣብ ሞስተሮስ።

ዕድላት ትምህርቲ

ኣብቲ ኮምዩን ውልቃዊ ናይ ትምህርቲ መደባት እተውጽኣሉ ኮምቩክስ ኣሎ። ኣብኡ ኤስኤፍኢ ከምኡውን ኣብቲ ናይ ሞስተሮስ ላዕለዋይ ቤትትምህርቲ ናይ ርሑቕ ትምህርቲ ኣሎ። ኣብቲ ኮምዩን፡ ሰርቩክስ እውን ኣሎ።

ኣብ ካልማር ካብ ሞስትሮስ በጺሕካ እትምለሰሉ ሊነ ዩኒቨርሲቲ ኣሎ።

ኣገልጎት ጥዕና

ኣብ ሞስተሮስን ብሉምስተርሞላን ማእከል ጥዕና ኣሎ። ኣብ ሞስተሮስ ድማ ናይ ኣደታት ክሊኒክ፡ ናይ ናይ ህጻናት ክሊኒክ ከምኡውን ህዝባዊ ናይ ስኒ ሕክምና ኣሎ። ኣብ ኦስካርሃምንን ካልማርን ሆስፒታል ኣሎ።

ናይ ቋንቋ ድግፍ-ተርጓሚ ምርካብ

ምስ ሰበስልጣናትን ክንክን ህጻናትን ኣብያተትምህርትን ኣብ እትራኸበሉ ግዜ ተርጓማይ ናይ ምርካብ ተኽእሎ ኣሎ።

ኣገልግሎት መጎዓዝያ

ኣብ መንጎ ካልማርን ብሉምስተርሞላን መደበኛ ናይ ባቡር ኣገልግሎት ኣሎ። ካብ ካልማርን ኦስካርሃምንን ናብተን ሓሙሽተ ከተማታት ዝኸዳ ኣውቶቡሳት ኣለዋ። ካብ ሞንስተሮስ ናብ ስቶክሆልም ቀጥታ ናይ ኣውቶቡስ ኣገልግሎት ኣሎ። ካብ ናይ ካልማር ሰንትራል ስተሽን ናብ ማልመ፡ የተቦርይን ካልእ ዓበይቲ ከተማታትን ናይ ባቡር ኣገልግሎት ኣሎ።

ስራሕን ትካላት ናይ ምምስራት ተኽእሎታትን

ብመሰረት ናይ ሽወደን ቁጠባዊ ጸብጻብ ሞስትሮስ ኮምዩን ብሉጽ ናይ ዋኒናት ሃዋህው ኣለዋ።

ነዚ ድማ እቲ ኣብ መንጎ ኮምዩንን ቁጠባዊ ህይወትን፡ ከምኡውን ኣብ መንጎ እተን ዋኒናት ዘሎ ምትሕብባር እዩ። ናይ ዋኒን ዓወት ናይ ምዕባለን ብልጽግናን ቅድመኩነት እዩ።

ናይ ዋኒን ሃዋህው ኪብሃል ከሎ እቲ በዓል ዋኒንን እቲ ተበሓላታይን ኣብቲ ሕብረተሰ ዚጓነፎ ናይ ኣመለኻኽታን መምርሕን ትካልን ፍልጠትን ድምር እዩ።

ኣብቲ ኮምዩን ቁጠባዊ ህይወት ንምድንፋዕ ንጽዕር።

ራኢና፤ ሞንስተሮስ ብትካላትን ውልቀ ሰባትን፡ ንጥፈታት ንኸተካይደላን ንኽትነብራን ከም ኣዚያ ሰሓቢት ኮሙን ኮይና ክትርዳእ ኣለዋ። ናይዚ ከባቢ ዓበይቲ ወሃብቲ ስራሕ፡ ኣብ ካልማርን ኦስካርሃምን ሆስፒታልን ማእከል ጥዕናን ዘለዎ ናይ ካልማር ዞባ እዩ። ኣብ ኦስካሽሃምን ዝርከብ ስካኒያ (ፋብሪካ ማኪና) ዓቢ ወሃብ ስራሕ እዩ፣ ከምኡ'ውን ሶድራ ሰል ኣበ (ናይ ዱርን ውጽኢት ዕንጸይትን ፋብሪካ)። ሞስተሮስ ኮምዩን ኵሉ ካብ ምስ ክንክን ጥዕናን ሓልዮትን ክሳብ ናይ ህጻናት ሓልዮትንን ቤት ትምህርትን እቲ ዝዓበየ ወሃብ ስራሕ እዩ።

ናይ ውልቅኻ ትካል ምኽፋት

ናይ ሞስተሮስ ኮምዩን ኣብቲ እትገብሮ ጻዕሪ ኪሕግዘካ እዩ። ብዛዕባ ቁጠባ፡ ዕዳጋ፡ ኣውዲትን ቀረጽን ኣድላዪ ሓበሬታ ኪህበካ እዩ። እቲ ኮምዩን ምስ ኣልሚ ፎረታግ ፓርትነር ALMI Företagspartner AB ኮይኑ እዩ ዝተሓባበረካ።

ናይ ሞስተሮስ ኡትቨክሊን፡ ሙኣብ፡ Mönsterås Utvecklings AB, Muab ጽኑዕን ሓያልን ዋኒን ንምፍጣር ዝተሓባበሩ ናይቲ ኮምዩን ትካላት እዮም።