Mörbylånga

ናይ መጠረሽታ ዝተሓደሰሉ: 12 10 2022

ሞርቢሎንጋ ኮሙን ኣብ ደቡብ ኦላንድ ይርከብ። ንእሽቶ ኮሙን ኮይኑ ጥቓቲ ዓቢ ከተማ ካልማር ይርከብ። ኣብኡ መሐምበስን ግሩም ዝኾነ ገማግም ባሕርን ተፈጥሮን፡ ከም ንኣብነት ስቱራ ኣልቫረት ይርከብ። ኣብኡ ኣብ መንጎ ሳሕቲ ዝረኣዩ ኣታኽልቲ ክትዛወር ትኽእል።

ሓበሬታ ብዛዕባ ምምሕዳር ከተማ

ብዝሒ-ህዝቢ

15132

ስፍሓት መሬት

3038 ኪሜ²

መሓምበሲ ቦታ ናይ ኔስብይ ብላዕሊ ካብ ሓደ ጕላ ሑጻ ብቕድሚት ብጫ ዕምባባን ኣብቲ ናብ ገምገም ባሕሪ ዝወስድ መንገዲ ዝተዓሸጋ ሓደ ክልተ ብሽክለታን።

ናይ ደቡብ ኦላንድ ዓለማዊ ውርሻ ኣብ ሞርቢሎንጋ ኮሙን ይርከብ። ኣብኡ ግሩምን እንኮ ዝኾነን ኣዕዋፍን ህያው ታሪኽን ባህልን ዘለዎ ተፈጥሮ ክትዕዘብ ትኽእል።

መንበሪ-ገዛ

እቲ ዝዓበየ ኣካራዪ ወኪል እቲ ሞርቢሎንጋ ቡስታድ ኦ.ቤ እተባህለ እዩ። ንሱ ኣብ ኩሉቲ ኮሙን ኣባይቲ ኣለዎ። ይኹንምበር ብሕታውያን ኣካረይቲውን ኣለዉ።

ካልእ ቋንቋታት ዝዛረቡ ተቐማጦ መን ኣለዉ ኣብቲ ቦታ

ኣብ ሞርቢሎንጋ ኮሙን ሽወደን ዘይኮነ ካልእ ቋንቋ ዚዛረቡ ብዙሓት እዮም፡ ንኣብነት ከም ቋንቋታት ቦስንያ፡ ዳሪ፡ ፋርስ፡ ዓረብ፡ ሩስያ፡ ታይላንድን እንግሊዝን። እቲ ቤትትምህርቲ ብዙሓት ዚዛረቡዎ ቋንቋ ምስ ዚህሉ ብናይ ኣደ ቋንቋ ትምህርቲ ይህብ እዩ። ምስ ሰበስልጣን ክትራኸብ ከሎኻ ተርጓማይ ንሕዘልካ ኢና፡ ወይ ብተለፎን ወይ ብኣካል ዘስተርጉም።

ማሕበራትን ምትእኻባትን

ሞርቢሎንጋ ኮሙን ኣብ ብዙሕ እተፈላለየ ሸነኻት ሃብታም ማሕበራዊ ህይወት ኣለዎ፡ ከም ስፖርትን ባህልን።

ኣብቲ ከባቢ ብቐረባ እንታይ ይርከብ

ኣብ ሞርቢልንጋን ፈርየስታደንንን ሶድር ሞከልቢን ሰከንድሃንድ ቡቲክ ኣሎ።

ኣብ ፈርየስታደን ናይ ነቶ ሱፐርማርከት ኣሎ። ኩፕ ኣብ ፈርየስታደንን ሞርቢሎንጋን ኣሎ። ኢካ ኣብ ፈርየስታደንን ሞርቢሎንጋን ሰድራ ሞክለቢን ግረንሆገንን ይርከብ።

ቤትጽሕፈት ቀረጽ ኣብ ካልማር ኣሎ።

ኣብ ኖርሊደን፡ ካልማር፡ ናይ እተፈለለየ ሃገራት ባህላዊ መግቢ ኣሎ።

ኣብ ፈርየስታደንን ሞርቢሎንጋን ሰድራ ሞክለቢን ቤት ንባብ ኣሎ።

ኣብ ሓደ ቆራሪ ናይ ጽድያ መዓልቲ እቲ ኣደባባይ ምስ ናይ ጽድያ ዕምባባ ዝሓዘ ቁራዕ፡ ባድም ገረብን ናይ ዕንጨቲ ገዛን ብድሕሪት።

ኣገልጎት ክንክን ወይ ሕብሐባ ቆልዑ

ሞርቢሎንጋ ኮሙን ኣብ መላእ ኮሙን ኣጸደ ህጻናት ኣለዎ።

ኣጸደ ህጻናት ነቲ ኣጸደ ህጻናት ኪበጽሖ ዘለዎ ሽቶ ዚገልጽ ናቱ ካሪኩለም ኣለዎ።

እቲ ኣጸደ ህጻናት ብመሰረት ናይ ነፍስወከፍ ህጻን ድሌት እዩ ዚሰርሕ።

ናብ ሓፈሻዊ ኣጸደ ህጻናት ወይ ድማ ናብ ኣጸደ ህጻናት ትግደስ እንተ ዄንካ ንውላድካ ኣብኡ ንኺኣቱ መስርዕ/ሪጋ ኣትሕዞ።

ሓታቲ ዕቝባ ዄንካ ስራሕ ዘይብልካ ወይ ዘይትምሃር ምስ እትኸውን እቲ ውላድካ ኣብቲ ሓፈሻዊ ቅድመቤትትምህርቲ 15 ኣብ ሰዓት ኪምሃር መሰል ኣሎካ። እቲ ሓፈሻዊ ቅድመትምህርቲ ንደቂ 3-5 ዓመት እዩ።

እትሰርሕ ወይ እትምሃር ምስ እትኸውን ውላድካ ብድሌትካ ኣብቲ ኣጸደ ህጻናት ኪውዕል ይኽእል። ኣጸደ ህጻናት ንደቂ 1-5 ዝዕድመኦም እዩ።

ክፉት ኣጸደ ህጻናት

ኣብቲ ናይ ፈርየስታደን ማእከል ስድራቤት፡ ነቶም ምስቶም ካብ 0-5 ዝዕድመኦም ደቆም ኣብ ገዛ ዚውዕሉ ክፉት ቅድመትምህርቲ ኣሎ። ሽዑ ንስኻን ውላድካን ኣብቲ ውላድካ ዝጻወተሉን ሓድሽ ነገር ዚመሃረሉን ትምህርታዊ ሃዋህው ትህሉ። ምስ ካልኦት ወለዲውን ትራኸብን ትፋለጥን። ንስኻ ከም ወላዲ መጠን ትምህርታውን ማሕበራውን ሓገዝ ክትረክብ ትኽእል ኢኻ።

መባእታ ኣብያተ ትምህርትን ካልኣይ ደረጃ ኣብያተ ትምህርትን

ካብታ ኣብ ሰሜን ዘላ ግሎሚንገ ክሳዕ እታ ኣብ ደቡብ ዘላ ሶድራ ሞከልቢ ሸሞንተ መባእታዊ ኣብያተትምህርቲ ኣለዋ። ንሕና ኩሎም ህጻናት ውሕስነት ኪስምዖምን ጽቡቕ ውጽኢት ኪረኽቡን ንጽዕር።

ነቶም ሓደስቲ መጻእቲ ተምሃሮ ንዚምልከት ግሩም ናይ ምድላው ትምህርቲ ኣሎና።

እቲ ኮሙናዊ 7ይ-9ይ ክፍሊ ቤትትምህርቲ ኣኣብ ሞርቢሎንጋ ኣሎ። ናይ ኦላንድ ናጻ ቤትትምህርቲ ካብ 7ይ-9ይ ክፍሊ ዘለዎ ኣብ ፈርየስታደን ዚርከብ ቤትትምህርቲ እዩ።

ካልኣይ ደረጃ ቤትትምህርቲ

ናይ ሞርቢሎንጋ ኮሙን ተምሃሮ ናብቲ ናይ ካልማር ካልኣይ ደረጃ ቤትትምህርቲ እዮም ዚኸዱ ናይቲ ናይ ካልማርሱንድ ፈደረሽን ዪምናሴት ኣካል ድማ እዮም።

ዕድላት ትምህርቲ

ትምህርቲ ኣባጽሕ

ኣብ ካልማር ብመባእታውን ካልኣይ ደረጃውን ኮለጅን ደረጃ ናይ ኣባጽሕ ትምህርቲ ንምርካብ ጽቡቕ ተኽእሎታት ኣሎ። ኣብዚ፡ ናይ ኣባጽሕን/ኮምቩክስ ናይ ሞያን ስልጠና ኣሎ። ኣብ ካልማር ናይ ሊነዩኒቨርሲቲውን ኣሎ።

SFI- ሽወደን ንስደተኛታት

SFI- ትምህርቲ ኣብ ሞርቢሎንጋ ይርከብ።

ኣገልጎት ጥዕና

ሕክምና ምስ እትደሊ ብቐዳምነት ናብቲ ናይ ጥዕና/ክንክን ማእከል ኪድ። ኣብ ፈርየስታደንን ኣብ ሞርቢሎንጋን ኣሎ።

ናይ ኣደታት ክንክን ጥዕናን ናይ ህጻናት ክንክን ጥዕናን ኣብ ፈርየስታደን ማእከል ስድራቤት ይርከብ።

ናይ ቋንቋ ድግፍ-ተርጓሚ ምርካብ

ኣብ ኣዚዩ ኣገዳሲ ዝርርብ ተርጓማይ ይጽዋዕ

ኣገልግሎት መጎዓዝያ

ናይ ካልማር ወረዳ ትራፊክ (KLT) ኣብ ዝዓበየ ክፋል ናይቲ ኮሙን ናይ ኣውቶቡሳት መስመራት ኣለዎ። ናብ ካልማርን ቦርይሆልምን ብኣውቶቡስ ኢዩ ዚኽየድ።

ካብ ካልማር ትኽ ኢላ እትኸይድ ባቡር ጌርካ ናብ ማልሞ/ኮፐንሃገን ትኸይድ። ናብ ስቶክሆልም ክትከይድ ምስ እትደሊ ኣብ ኣልቨስታ ባቡር ትቕይር።

መዓርፎ ነፈርቲ ካልማር ናይ ወጻእን ውሽጣውን በረራ ኣለዎ።

ታልኡደን፡ ሓንቲ ዓለል ፈለልን ድልድል ኦላንድን ኣብ ድሕሪት።

ስራሕን ትካላት ናይ ምምስራት ተኽእሎታትን

ሞርቢሎንጋ ኮሙን እቲ ዝዓበየ ወሃብ ስራሕ እዩ። ኣብኡ ኣብ ፍርያት መግብን ንግድን ኢንዱስትርን ዚነጥፋ ነኣሽቱን ዓበይትን ዋኒናት ኣለዋ። ቢዚነሳዊ ህይወት ብቱሪዝምን ብናይ ካልማር ቅርበትን ይጽሎ። ናብ ኦላንድ ዓመት ዓመት ብዙሓት በጻሕቲ ሃገር ይመጹ። ስለዚ ኣብቲ ኮሙን እኹል መሸጣን እተፈላለየ ናይ ቱሪዝም መሳለጥያታትን ስነጥበባውያንን ኢደጥበባውያንን ኣለዉ።