Nybro

ናይ መጠረሽታ ዝተሓደሰሉ: 12 10 2022

ኒብሮ ኮምዩን ኣብ ናይ ካልማር ወረዳ ዚርከብ ኮምዩን እዩ። ርእሰ ከተማኡ ኒብሮ ይብሃል። እቲ ኮምዩን ምስ ኤማቡዳ፡ ካልማር፡ ለሰቡ፡ መንስተሮስ፡ ሀግስቢን ኡፕቪዲንገን ይዳወብ።

ሓበሬታ ብዛዕባ ምምሕዳር ከተማ

ብዝሒ-ህዝቢ

20314

ስፍሓት መሬት

1202 ኪሜ²

መንበሪ-ገዛ

ኣብዚ ከተማ'ዚ፡ ብርክት ዝበላ ናይ መንበሪ-ኣባይቲ ኣማራጺታት ኣለኩም። ብርክት ዝበላ ኣባይቲ ዘካርያ ትካላት ኣለዋ። መንበሪ-ገዛ ክትዕድጉ ምስ እትደልዩ ውን ኣሎ። ኣብ መርበብ-ሓበሬታ ምምሕዳር ከተማ ብምእታው፡ ነጻ ዘሎ መንበሪ-ገዛን ትካላት ክራይ-ኣባይትን ዝምልከት፡ ተወሳኺ ሓበሬታ ክትረኽቡ ትኽእሉ።

ካልእ ቋንቋታት ዝዛረቡ ተቐማጦ መን ኣለዉ ኣብቲ ቦታ

ሶማሊ፡ ዓረብ፡ ዳሪ

ማሕበራትን ምትእኻባትን

ኣብ'ዚ ከተማ'ዚ፡ ኣብ ዝተፈላለየ መዳያት ዝነጥፋ ብርክት ዝበላ ማሕበራት ይርከባ። ንኣብነት፡ ማሕበራት ስፖርታዊ-ንጥፈታት፡ ባህላዊ ማሕበራት፡ ኣብያተ-ክርስትያናት ምትእሳሳራተንን። ኣብቲ ኣብ መርበብ-ሓበሬታ ምምሕዳር ከተማ ዝርከብ መዝገብ-ማሕበራት ብምእታው ምስ ዝምባሌታትኩም ዝሳነያ ማሕበራት ክትደልዩ ትኽእሉ።

ኣብቲ ከባቢ ብቐረባ እንታይ ይርከብ

ናይ ምውህሃድ ኣሃዱ፡ ቤትጽሕፈት ዕዮ፡ ማሕበራዊ ኣገልግሎት፡ 3 ግሮሰሪ፡ ናይ ክዳን ድኳናት፡ ናይ ገዛ ኣቕሑ ድኳናት፡ ኣብያተመግቢ/እንዳ ፒሳ

ኣገልጎት ክንክን ወይ ሕብሐባ ቆልዑ

ኣብዚ ከተማ'ዚ፡ ነቶም ቆልዑ ዘለዎም ኣገልግሎት መዋዓሊ-ህጻናት ኣሎ። ምምሕዳር ከተማ፡ ነቶም ካብ 1 ክሳብ 5 ዓመት ዝዕድሚኦም ህጻናት ዝዓለመ፡ ትምህርታዊ ንጥፈታት ውን ኣለዎ። ንተወሳኺ ዝርዝር ብዛዕባ'ዚ፡ መርበብ-ሓበሬታ ምምሕዳር ከተማ ብምእታው ከተንብቡ ትኽእሉ።

መባእታ ኣብያተ ትምህርትን ካልኣይ ደረጃ ኣብያተ ትምህርትን

ምምሕዳር-ከተማ፡ ካብ ኣዚለ ክሳብ 9ይ ክፍሊ ዘጠቓልል ናይ መባእታዊ ደረጃ-ትምህርቲ ኣለዎ። ንመባእታውን ናይ ካልኣይ-ደረጃን ቤት-ትምርህቲ ብዝምልከት፡ ኣብ መርበብ-ሓበሬታ ምምሕዳር ከተማ ብምእታው ከተንብቡ ትኽእሉ።

ዕድላት ትምህርቲ

ኮምቩክስ፡ ኤስኤፍኢ፡ ትምህርቲ ንዓበይቲ

ኣገልጎት ጥዕና

3 ማእከል ጥዕና፡ ናይ ካልማር ሆስፒታል፡ ናይ ህጻናት ክሊኒክ።

ናይ ቋንቋ ድግፍ-ተርጓሚ ምርካብ

ምስ ዘድሊ እቲ ኮምዩን ተርጓማይ የዳሉ።

ኣገልግሎት መጎዓዝያ

ባቡርን ኣውቶቡሳትን

ስራሕን ትካላት ናይ ምምስራት ተኽእሎታትን

ኢከያ፡ ባውሃውስ፡ መድያ ማርከት፡ ኤልዪጋንተን፡ ቢልተማ።