Torsås

ናይ መጠረሽታ ዝተሓደሰሉ: 12 10 2022

እዚ ኣገዳሲ ቦታ ዘለዎ ከባቢ ኣብ መንጎ ካልማርን ካርልስክሮናን ግላስሪከትን ይርከብ። እዚ ከኣ ንዋኒንን ቱሪዝምን ንምንባርን ብዙሕ ዕድላት ይፈጥር። ኣብዚ፡ ብዙሓት ሃብታም ሓሳባትን ውፉያት ሰባትን ዘለወን ንጡፋት ማሕበራት ኣለዋ!

ሓበሬታ ብዛዕባ ምምሕዳር ከተማ

ብጋንጽላ ዝንቀሳቐሳ ጀላቡን ናይ ሞቶር ጀላቡን ኣብ ሓደ ባህርያዊ ማርሳ ተዓሺገን ኣለዋ። ሒደት ገዛውትን ናይ ወደብ ቤት ጽሕፈትን እውን ኣብቲ ስእሊ ይርኣዩ ኣለዉ።

መንበሪ-ገዛ

ከም ሓድሽ መጻኢ ናብ ቶርሶስ ኮምዩን ምስ መጻእካ፡ ኣብቲ ናይ ምውህሃድ ኣሃዱ ዚሰማምዓካ መንበሪ ገዛ ንኽትረክብ ንሕግዘካ።

ዕላማና፡ ካብቲ ኣብዚ ኮምዩንዚ ዝኣተኻሉ መዓልቲ ኣብ ቶርሶስን ሰደርኦክራ ወይ በርይክቫራ ብዝቐልጠፈ መገዲ መንበሪ ገዛ ክንቅርበልካ እዩ። ኣብ መንጎ እተን ከባቢታት ግሩም ናይ ኣውቶቡስ ኣገልግሎት ኣሎ።

ሓደ ዘንጸባርቕ ማይ ኣብ ጕሉሕ ቦታ። ኣብ ድሕረ-ምድሪ ሃደ ኦኣቢ ገዛን ቅሩብ ርሕቕ ኢልካ ተር ዝበለ ገዛውትን።

ካልእ ቋንቋታት ዝዛረቡ ተቐማጦ መን ኣለዉ ኣብቲ ቦታ

ኣሃዱ ምውህሃድ (Integrationsenheten) ስደተኛታትን ዳግመ-ዝተጣየሱ ስደተኛታትን (kvotflyktingar) ካብዘን ዝስዕባ ሃገራት ተቐቢሎም ኣለዉ፤ ኢራን፡ ኢራቕ፡ ኣፍጋኒስታን፡ ሶርያ፡ የመን፡ ሊባኖን፡ ኤርትራ፡ ሶማሊያ፡ ኢትዮጵያ፡ ሱዳን፡ ኮንጎ-ብራዛቪልን ኤኳቶርያል ጊኒን። እቶም ኣብ ኮሙይንና ዝቕመጡ ሓደሽቲ መጻእቲ ነዞም ዝስዕቡ ቋንቋታት ይዛረቡ፤ ዓረብኛ፡ ኦሮምኛ፡ ሶማልኛ፡ ኣምሓርኛ፡ ትግርኛ፡ ስጳኝኛ፡ ፈረንሳይኛ፡ ፋርሲን ዳሪን።

ማሕበራትን ምትእኻባትን

እቲ ኮምዩን ሽድሽተ ናይ ኵዕሶ እግሪ ክላባትን ዓቢ ናይ ቮሊቦል ንጠፍት ኣለዎ። ኣብኡ ድማ ሰብኡትን ኣንስትን ኣብ ዓበይቲ ዲቪዚዮን ይጻወቱ። ኣብዚ ናይ ተዅሲ ማሕበር እውን ኣሎ፡ ከምኡውን ግሩም ዝኾነ ናይ ምግላብ ቦታን ናይ ፍሪስኪስን ስቨቲስ ጉጅላታት፡ ናይ ተኒስ፡ ምጅላብ ስካውት ወዘተ ንጥፍታት ኣሎ።

ኣብቲ ከባቢ ብቐረባ እንታይ ይርከብ

ኣብ ቶርሶስ ዳርጋ ኩሉቲ እትደልዮ ነገራት ኣሎ። ኣብቲ ብመንጎ ማእከላይ ከተማ ዚሓልፍ ኣልፋርጋታን፡ ናይ ድኳናት ቦታ ኣሎ። ኣብኡ ቤትንባብ፡ ናይቲ ኮምዩን ቤትጽሕፈት፡ ማሕበራዊ ቤትጽሕፈት፡ ቤትጽሕፈት ዕዮ ወዘተ ኣሎ። ሕሱር ናይ ቤት ወይ ናይ ክሽነ ኣቕሑ እንተ ደሊኻ፡ ኣብ ኮምዩንና ብዙሕ ሰከንድሃንድ ድኳናት ኣለዉ።

ብቕድሚት ሓንቲ ኣረጊት ገዲም መኪናን ብድሕሪት ሓደ ናብ ብጫ ዘበለ ሃሳስ ቀይሕ ዝሕብሩ ኣብ ታሕተዋይ ደርቢ ዱኳናት ዘለዎ ናይ ክራይ ገዛውቲ ዘለዎ ሓደ ህዱእ ጐደና።

ኣገልጎት ክንክን ወይ ሕብሐባ ቆልዑ

ቅርበት፡ ኳሊቲ፡ ሓልዮትን ምጡንነትን። እዘን ቃላትዚኣተን ንቶርሶስ ኮምዩን መሪሕ ከዋኽብቲ እየን፡ ኣብቲ ንመንእሰያት ተቐማጦና እንገብሮ ውጥናት ከይተረፈ።

ኣብ ሑቕፋ ዝደቀሰ ህጻን ዝሓዘት ሓንቲ ብሊላ ጉልባብ ዝተሸፈነት መንእሰይ ኣደ።

ኣብ ቶርሶስ ቤትትምህርቲ ህጻናትን መባእታ ቤትትምህርትን ሓባራዊ ዕላማ ዘለወን ናይቲ ማሕበረሰብ ንጥፈታት እየን። ካብቲ ህጻናት ትምህርቲ ዚጅምሩሉ ክሳዕ ናይ ዓበይቲ ስልጠና፡ መምርሒና ንቐጻሊ ትምህርቲ ወይ ስልጠና ዝዓለመ እዩ።

ናትና ኣብያተትምህርቲ ህጻናትን መደበኛ ኣብያተትምህርትን ነኣሽቱ እየን፡ ዝምዕብል ናይ ትምህርቲ ሃዋህውን እተመስከረሎም ሰራሕተኛታትን ድማ ኣለወን።

መባእታ ኣብያተ ትምህርትን ካልኣይ ደረጃ ኣብያተ ትምህርትን

ኣብ ቶርሶስ ኮምዩን ሓሙሽተ ደስ ዘብላ መባእታ ኣብያተትምህርቲ ከምኡውን ክልተ ካልኣይ ደረጃ ኣብያተትምህርቲ ኣለዋ። እቲ ንእሽቶ ቅርጽን እቲ ዓቢ ናይ መምሃራን ጻዕቅን፡ ብምምሃር ጽቡቕ ነጥቢ ከም እነምጽእ ገይሩና። ኣብዚ፡ ጭርሖኡ 'ገለ ብዙሕ ንኺረኽቡ ብዙሕ ይደልዩ' ዚብል ዝኾነ ፍሉይ ቤትትምህርቲ እውን ኣሎ።

ኣብቲ ናይ ኮረሶፖንደንስ ካልኣይ ደረጃ ቤትትምህርቲ ኣስታት 500 ተመሃሮ ኣለዉ፡ እቲ ቤትትምህርቲ ከኣ ኣብ ሽወደን መሪሕ ናይ ርሕቐት ካልኣይ ደረጃ ቤትትምህርቲ እዩ። ገለ ናይቲ ቤትትምህርቲ ተመሃሮ ብቀዋሚ ወይ ብምዱብ መገዲ እዮም ዚምሃሩ፡ ካልኦት ግን ኣብ ገዛውቶም ኮይኖም ናይ ርሑቕ ትምህርቲ እዮም ዚወስዱ።

ዕድላት ትምህርቲ

እቲ ናይቲ ኮምዩን ትምህርቲ ንዓበይቲ በቲ ናይ ቶርሶስ፡ ካልማርን ሞርቢሎንጋ ኮምዩናት ማእከል ፍልጠት እዩ ዚተሓባበር። ኣብቲ ማእከል ፍልጠት፡ ብዛዕባ ናይ ኩሉ ናይ ዓበይቲ ትምህርቲ ስልጠና መምርሕን ሓበሬታን ትረክብ።

ኣገልጎት ጥዕና

ኣብ ቶርሶስን ሰደርኦክራ ማእከል ጥዕና ኣሎ። በቶም ሰፊሕ ክእለትን ነዊሕ ናይ ሞያ ተመክሮ ዘለዎም ሰራሕተኛታት ናይ ጥዕንና ክንክንንን ኣገልግሎት የቕርብ።

ዕላማና ንኣኻ ከም ውልቀሰብ ክንከናኸንን ኩሉ ግዜ ቀጻሊ ናይ ሕክምና ኣገልግሎት ንምሃብ እዩ። እቲ ትዅረትና ኣብ ጥዕና እዩ፡ ካብኡ ሓሊፉ ድማ ነቲ ናይ ህይወትካ ኣካይዳ ወይ ኣመላት ንኽትልውጥ ምኽሪ ንህብ።

ኣብ ቶርሶስ ናይ ስኒ ሕክምና፡ ናይ ኣደታት ክሊኒክ ከምኡውን ናይ ህጻናት ማእከል ጥዕና ኣሎ።

ሓንቲ ቁሩብ እዋን ይገብር ኣብ ብርካ ሓደ ሰማያዊ ፕሎስተር ዝተገብረላ ጓል ኣብ ሓደ ናይ መንደቕ ዓራት ኮፍ ኢላ ኣላ።

ናይ ቋንቋ ድግፍ-ተርጓሚ ምርካብ

ንዝኾነ ሓበሬታ ብጽሑፍ ይኹን ብዘረባ ብቛንቋኻ ኪትርጎመልካ ምስ እትደሊ ተርጓማይ ኪህልወካ መሰል ኣሎካ። እቲ ኣብቲ ኮምዩን ዘሎ እትበጽሖ ትካል፡ ምስ እትውከሶ ተርጓማይ ኪቋጸረልካ ይኽእል እዩ።

ኣገልግሎት መጎዓዝያ

ኮምዩንና ኣብ መንጎ ካልማርን ካርልስክሩና እዩ ዚርከብ። እዘን ክልተ ከተማታት ናይ ፍርቂ ሰዓት ርሕቀት ኣለወን፡ ብመገዲ E 22፡ ናብ መዓርፎ ነፈርቲ 30 ደቓይቕ ጥራይ ብምውሳድ ድማ ንመብዛሕትኦም ተቐማጦ ዓበይቲ ከተማ ንቕድሞም!

ናብ ካልማርን ካርልስክሩናን ዘራኽብ መስመራት ኣውቶቡስ ግሩም እዩ፡ ኣብ መዓልቲ ድማ ብዙሕ ንቕሎታት ኣሎ።

ካብ ካልማርን ካርስልክሩና ብባቡር ክትገይሽ ትኽእል። ንኣብነት ናብ ማልመ ካብ ሰለስተ ሰዓታት ብዝውሕድ ግዜ ትበጽሕ። ሓንቲ ሰዓት ወሲኽካ ድማ ናብ ሾፐንሃምን ትበጽሕ!

ስራሕን ትካላት ናይ ምምስራት ተኽእሎታትን

ናይ ቱርሾስ ኮሙን ሸቶ ነተን ኣብታ ኮሙን ዘለዋ ትካላት ምብርታዕን ምንቅቓሕን እዩ።

ናብዚ ንምብጻሕ ናይዚ ኮሙን ናይ ኢንዱስትሪን ንግድን ኣማዕበልቲን ናይ ቱሪዝም ሓለፍትን ምስ ናይዚ ኣከባቢ ናይ ኢንዱስትሪን ንግድን ማእከል ምምዕባል (ቱርሾስ ፎረታግስሰንትሩም) ብሓባር ይሰርሑ። እዞም ሰለስተ ወገናት ብሓባር ብምስራሕን ርክባትን ነዚ ኣብዚ ቦታ ዝርከብ ኢንዱስትሪን ንግድን ንኽምዕብልን ክዓብን ይሕግዙ። ንሶም ንዓኻ ኣብ ቱርሾስ ኮሙን ወናኒ ትካል ዝኾንካ ወይ ክትከውን ትደሊ ይሰርሑ።

ናይ ቱርሾስ ፎረታግስሰንትሩም (ማእከል ትካላት) ንዓኻ ትካል ክትከፍት ወይ ንትካልካ ከተማዕብል ትደሊ ዕድል ናይ ምኽሪን ደገፍ ይህብ እዩ።

ክልተ ኢደ-ጥበባውያን ብደገ ናይ ሓደ ዕጹው መሬት ሓጹር ተደጊፎም ኣለዉ ብድሕሪት ሓደ ጻዕዳ ናይ ዕንጨቲ ገዛ ኣሎ።