Vimmerby

ናይ መጠረሽታ ዝተሓደሰሉ: 12 10 2022

ቪመርቢ፡ ኣብ ኣውራጃ ካልማር እትርከብ ከተማ እያ። ሃብታም ተፈጥሮ፡ ባህታ ዝህቡ መሐንበሲ ባሕሪታት፡ ንጡፍ ምንቕስቃስ ማሕበራት ባህላዊ ህወትን፡ ገለ ካብ ጸጋታት ናይቲ ከተማ እዩ። እታ ደራሲት መጻሕፍቲ ህጻናት ዝኾነት ኣስትሪድ ሊንድግረን ኣብዚ ከተማ’ዚ እያ ዓብያ። ድርሰታ ከኣ፡ ንምሉእ ከተማ ቪመርቢ ዝነጸባርቕ ምስትያት እዩ።

ሓበሬታ ብዛዕባ ምምሕዳር ከተማ

ብዝሒ-ህዝቢ

15744

ስፍሓት መሬት

1220 ኪሜ²

መንበሪ-ገዛ

እታ፡ ብምምሕዳር ከተማ ቪምርቢ እትውነን ትካል ክራይ ኣባይቲ ቪማርሄም፡ ኣስታት 1300 ዝኸውን ኣብ ዝተፈላለየ ከባኢታት ፋሕ ኢሉ ዝርከብ ዝካረ-ኣባይቲ፡ ትውንን ተመሓድርን። ብዜካ'ዚ፡ ኣብቲ ከባቢ ብርክት ዝበላ ናይ ግሊ ትካላት ክራይ-ኣባይቲ ውን ኣለዋ። ዝርዝር ናይተን ኣብዚ ከባቢ ዝርከባ ትካላት ክራይ-ኣባይቲ ኣብ መርበብ-ሓበሬታ ምምሕዳር ከተማ ቪመርቢ፡ ክትረኽብዎ ትኽእሉ።

ካልእ ቋንቋታት ዝዛረቡ ተቐማጦ መን ኣለዉ ኣብቲ ቦታ

ኣብ ከተማ ቪመርቢ፡ ብብዝሒ ካብ ዝዝረበሎም ቋንቋታት፡ ዓረበኛ፡ ዳሪ፡ ኢራነኛ፡ ሶማለኛ፡ ስጳኛ፡ ኣልባንያ፡ ታይ፡ ቦስንያ፡ ሰርብያ፡ ክሮኦሽያን ራሻይን ይርከቡ።

ማሕበራትን ምትእኻባትን

ኣብ ከተማ ቪመርቢ፡ ኣስታት 180 ንጡፋት ዝተመዝገባ ማሕበራት ይርከባ። ኣብቲ ኣብ መርበብ-ሓበሬታ ምምሕዳር ከተማ ዝርከብ መዝገብ-ማሕበራት ብምእታው፡ ዝርዝር ናይዘን ማሕበራትን ንማሕበራት ዝወሃብ ሓገዛትን ዝምልከት ሓበሬታ፡ ክትረኽቡ ትኽእሉ። ኣብ ዓመተ-2014፡ እታ ኣብ ከተማ ቪመርቢ እትርከብ፡ ባህላዊ ቤት-ትምህርቲ ዝበለጸት ናይቲ ዞባ ተባሂላ ተሸሊማ። ኣብዛ ባህላዊት ቤት-ትምህርቲ፡ ንሳዕስዒት፡ ሙዚቃን ትያትርን ዝምለክት ኮርሳት ወትይ ትምህርቲ ይወሃብ።

ክልተ ኣዋልድን ሓደ ወድን ኵዕሶ እግሪ ይለማመዱ ኣለዉ። እቲ ዓላማይ ምስኦም ኮይኑ ይጻወት ኣሎ።

ኣብቲ ከባቢ ብቐረባ እንታይ ይርከብ

ቪመርቢ፡ ንእሽቶይ ገን ከ ውዕዉዕ ንግዳዊ ምንቕስቓስ ዘለዋ ከተማ እያ። ኣብ ሕምብርቲ ናይታ ከተማ፡ ብርክት ዝበላ ድኳናት፡ ዋላ ውን ኣብተን ኣብቲ ከባቢ ዝርከባ ነኣሽቱ ዓድታት ናይቲ ከተማ ከይተረፈ፡ ድኳናት መዓልታዊ-ሃለኽቲን ኣብያተ-ንባብን ይርከባ። ኣብ ቪመሪቢ፡ ድኳናት ዘገልገለ-ንብረት፡ ከም ኢሪክስሀልፐን ውን ይርከቡ። ቤት-ጽሕፈት ዕዮ (ኣርበትስፎርመድሊንገን) ኣብ ሕምብርቲ ከተማ ቪመቢ ይርከብ። ኣብ ህንጻ ምምሕዳር-ከተማ፡ ቤት-ንባብን ቤት-ጽሕፈት ማሕበራዊ ጉድያት ከተማን ይርከብ። ኣብ ከተማ ቪመርቢ፡ ክሳድ መሬት ናይ ደራሲት ኣስትሪድ ሊንድግሬን ይርከብ። ኣብዚ ቦታ'ዚ፡ ነታ ደራሲት ዝዓበየትሉ ገዛ ከምኡ ውን ኣብቲ ኣብቲ ቦታ ዝተዋደደ ጀራዲን ክትናፈሱን ክትዘናግዑን ትኽእሉ። ናብ ዓበይቲ ናይ ዕድጊ-ማእከላት ክትከዱ ምስ እትደልዩ፡ ዕድመ ንስሉጥ ኣገልጎት መጎዓዝያ፡ ናብ ከተማታት ሊንሾፒንግ፡ ዮንኾፒንግን ካልማርን ብቀሊሉ ክትከዱ ትኽእሉ።

ሓደ ወዲ ካብ ሓደ ድልድል ናብ ሓደ ቀላይ ይዘልል ኣሎ። ክረምትን ብሩህን እዩ ዘሎ።

ኣገልጎት ክንክን ወይ ሕብሐባ ቆልዑ

ኣብ ከተማ ቪመርቢ፡ ብርክት ዝበላ ማእከላት መውዓሊ-ህጻናት ይርከባ። እዘን ማእከላት ህጻናት እዚኣተን፡ መብዛሕትአን ብምምሕዳር ከተማ ዝወነናን ዝእለያን ክኾና እንከለዋ፡ ናይ ግሊ ውን ይርከብአን።

መባእታ ኣብያተ ትምህርትን ካልኣይ ደረጃ ኣብያተ ትምህርትን

ኣብ ከተማ ቪመርቢ፡ ክልተ ናይ ላዕለዋይ ደረጃን፡ ሓንቲ ሾሞንተ ዝተፈላለየ ኣንፈታት-ትምህርቲ እተአንግድ ናይ ማእከላይ ደረጃ ቤት-ትምህርትን ይርከባ። ኣብዚ ከተማ'ዚ፡ ሳዕስዒት ኩዕሶ-እግርን ውን ክትመሃሩ ትኽእሉ። ኣብዚ ከተማ'ዚ፡ 9 ናይ መባእታዊ-ደረጃ ኣብያተ-ትምህርታት ይርከባ። እተን ክልተ ኣብ ቪመርቢ ክርከባ እንከለዋ እተን ዝተረፋ ከኣ፡ ኣብተን ኣካል ናይቲ ምምሕዳር ዝኾና ዓዲታት ይርከባ። ንተወሳኺ ዝርዝር፡ መርበብ-ሓበሬታ ምምሕዳር ከተማ ብምእታው፡ ክተንብቡ ትኽእሉ።

ዕድላት ትምህርቲ

ማእከል ትምህርቲ ቪመርቢ፡ ንመደብ ትምህርቲ ዓበይቲ ዘወሃህድን ዘመሓድርን፡ ማእከላይ ትካል ትምህርቲ ናይቲ ከተማ እዩ። ኣብዚ ማእከል'ዚ፡ ትምህርቲ ቋንቋ ሽወደን ንሓደስቲ (ኤስ.ኤፍ.ኢ)፡ ትምህርቲ ብዛዓባ ሕበረተ-ሰብ ሽወደን፡ ካልእ ናይ ላዕለዋ-ደርጃ ትምህርታት፡ ክትመሃሩ ትኽእሉ። እቶም ኣብ ማእከል ሞያውን ትምህርታውን ምኽሪ ተመዲቦም ዝሰርሑ ክኢላታት፡ ዓይነት ትምህርትን ሞያታትን ኣብ ምምራጽ ክተሓባበሩኹም ይኽእሉ። እቲ፡ ኣብታ ከተማ ዝርከብ፡ ላዕለዋይ ህዝባዊ ዩኒቨርስቲ ቪመርቢ፡ ኣብ መዳያት ስፖርትን፡ ምምሕዳር ምሕብሓብን ክንክንን ዝተኮረ ትምህርታዊ መደባት ኣለዎ።

ኣገልጎት ጥዕና

እታ፡ ኣብ ማእከል ከተማ እትርከብ፡ ሕክምና ወይ ማእከል-ጥዕና ቪመርቢ ሓካይምን ዶክቶራትን ይርከብዋ። ኣብዚ ከተማ'ዚ፡ ጥዕናዊ-ክፍልታት ቆልዑን ኣዴታትን ውን ይርከብ። ዓቢ ሆስፒታል፡ ብቐረባ ኣብታ ኣስታት 3 ማይል ርሒቓ እትርከብ ከተማ ቬስተርቪክ፡ ይርከብ።

ናይ ቋንቋ ድግፍ-ተርጓሚ ምርካብ

ምምሕዳር ከተማ ቪመርቢ፡ ኣድላዪ ኮይኑ ኣብ ዝርከበሉ ተርጓሚ ክቆጽር ይኽእል።

ኣገልግሎት መጎዓዝያ

ኣገልግሎት መጎዓዝያ ኣብ ከተማ ቪመርቢ ስሉጥ'ዩ፡ ክበሃል ይከኣል። ኣገግሎት መጎዓዝያ ካብን ናብን ቪመርቢ ብትካል ኬ.ኤል.ቲ፡ ይመሓደር። ኣብዚ መርበ-ሓበሬታ'ዚ ብምእታው ሰዓታት-ንቕሎ ናብ ዝተፈላለየ ቦታታት ክትርእዩ ትኽእሉ። ኩስትፒለን ዝበሃል ትካል መጎዓዝያ ንኣብነት፡ መዓልታዊ ኣብ መንጎ ሊንሾፒን ካልማርን ዝመላለስ መስምር መጎዓዝያ ሃልይዎ፡ ከተማ ቪመብሪ ከኣ፡ ከም ናይ መወዳእታ መዕረፊት-ኑቕጣ ናይቲ ጉዕዞ እያ።

ስራሕን ትካላት ናይ ምምስራት ተኽእሎታትን

ከተማ ቪመርቢ፡ ንትካላትን ፋብሪካታትን ዝምችእ ሃዋህው፡ ዘለዎ ከተማ እዩ። ኣብ ታሪኽ ናይ'ዛ ከተማ፡ ንግዲ፡ ወስኒ ቦታ ዝሓዘ እዩ። ክፍሊ ንግዳዊ ንጥፈታት፡ ነቶም ትካላት ንምምስራት ዝሓስቡ ወገናት ኣብ ምሕጋዝ፡ ፍቓድን ካልእን ንምስላጥ ውን ተሓባበርቲ ክምድብን ይኽእል። እቲ ዝዓበየ ወሃቢ-ስራሕ ምምሕዳር ናይታ ከተማ ባዕሉ ኮይኑ፡ ኣስታት 1300 ሰራሕተኛታት፡ ቆጺሩ ይርከብ። ንግዳዊ ጽላት ከተማ ቪመርቢ፡ በተን ኣብ መዳይ ምስናዕ ዝነጥፋ ኢንዱስትሪታት ዝተዓብለለ እዩ። እቲ፡ ልዩንግሄልስ ተባሂሉ ዝፍለጥ ኣብቲ ቦታ ዝርከብ፡ ፋብሪካ-ሓጺን ሓደ ካብቶም ግላውያን ወሃብቲ-ስራሕ ዝዓበየ ኮይኑ፡ ኣስታት 500 ሰራሕተኛታት ይርከብዎ። ብዜካ'ዚ ኣብ ቪመርቢ ዓበይቲ መዓልታዊ-ሃለኽቲ ኣብ ምቕራብ ዝነጥፋ ፋብሪካታት ውን ይርከባ። ንኣብነት ገለ ንምጥቃስ፡ ኣርላ ፉድ፡ ፍሮዲንገ መየሪ ከምኡ ውን ኦብሮ ብሪገሪን ይርከባ። ኣብ ዝሓለፈ ናይ ቀረባ ዓመታት፡ ጽላት ቱሪስም ውን ክዓቢ ተራእዩ እዩ። ዓመታዊ ከተማ ቪመርቢ ኣስታት 450000 በጻሕቲ ይዛወርዎ። ነዞም በጻሕቲ ካብ ዝስሕቡ ቦታታት፡ እቲ ዓለም ደራሲት ኣስትሪድ ሊንድግሬን፡ እዩ።