ኩነታት መንበሪ-ኣባይቲ
ኣብ ገለ ከተማታት ናይዚ ኣውራጃ፡ ሕጽረት መንበሪ-ኣባይቲ ይርከብ። ኣገልግሎት መጎዓዝያ (ብባቡር ይኹን ኣውቶቡሳት) ኣብዚ ኣውራጃ ስሉጥ እዩ ክበሃል ይከኣል። እዚ ኸኣ፡ ነቶም ኣብ ነኣሽቱ ከተማታት ክንብሩ ዝደልዩ ሓጋዚ እዩ። ኣብ ገለ ክፋላት ናይዞ ዞባ ጽቡቕ ዕድላት ስራሕን መንበሪ-ኣባይትን ይርከብ።
ህዝቢ-ተቐማጦ
ኣውራጃ ክሮነበሪ 8 ምምሕዳር-ከባቢታት ወይ ከተማታት ዝሓቁፍ ኮይኑ፡ ንሳተን ከኣ፡ ኣልቨስታ፡ ለሴቦ፡ ዩንግቢ፡ ማርካሪድ፡ ቲንግስሪድ፡ ኡፕቪዲንገ፡ ቬክሾን ኣልምሁልትን እየን። ኣብዞ ዞባ እታ ዝዓበየትን፡ ዝበዝሐ ነባሪ እቲ ዞባን ዝቕመጠላ ከተመ ቬክሾ ኮይና፡ 85000 ተቐማጦ ኣለዉዋ። እታ ዝወሓደ ህዝቢ ዘለዋ ከኣ ብኣንጻሩ ከተማ ለሴቦ ኮይና 8000 ተቐማጦ ኣለዉዋ። ዕብየት ተቐማጦ ናይዚ ኣውራጃ ኣብ ዝሓለፈ ሒደት ዓመታት ብማታዊት ክርአ እንከሎ ከባቢ 1.7% ኣቢሉ ይኸውን።