Kronobergs län

ናይ መጠረሽታ ዝተሓደሰሉ: 12 10 2022

ኣውራጃ ክሮነበሪ፡ ማለት ማእከላይ ክፋል ስሞላንድ፡ ከም ጎብለል ኣብ መዳይ ኢንዱስትሪ ወይ ምስናዕ ጥርሙዝ ይፍለጥ። ብዜካ’ዚ፡ እቲ ዞባ ውን ሃብታም ባህላዊ ውርሻን ሃብታም ተፈጥሮኣዊ ከባብን ውን ኣለዎ። ኣውራጃ ክሮነበሪ፡ ብባሕሪ፡ ጫካታት ኣግራብን ሃብታም ዝኾነት፡ ምስ ከባቢ ጽቡቕ ናይ መጎዓዝያ ርኽኽብ ዘለወን ከተማታት ዝርከብዋ ኣውራጃ እያ።

Map of Sweden Created with Highcharts 10.2.1

ኮሙንናት ኣብ

ኮሙንናት ኣብ Kronobergs län

ኣብ ታሕቲ እታ ብዛዕብኣ ብዝያዳ ከተንብብ ትደልያ ኮሙን ኣብ Kronobergs län ምረጽ

ኩነታት መንበሪ-ኣባይቲ

ኣብ ገለ ከተማታት ናይዚ ኣውራጃ፡ ሕጽረት መንበሪ-ኣባይቲ ይርከብ። ኣገልግሎት መጎዓዝያ (ብባቡር ይኹን ኣውቶቡሳት) ኣብዚ ኣውራጃ ስሉጥ እዩ ክበሃል ይከኣል። እዚ ኸኣ፡ ነቶም ኣብ ነኣሽቱ ከተማታት ክንብሩ ዝደልዩ ሓጋዚ እዩ። ኣብ ገለ ክፋላት ናይዞ ዞባ ጽቡቕ ዕድላት ስራሕን መንበሪ-ኣባይትን ይርከብ።

ህዝቢ-ተቐማጦ

ኣውራጃ ክሮነበሪ 8 ምምሕዳር-ከባቢታት ወይ ከተማታት ዝሓቁፍ ኮይኑ፡ ንሳተን ከኣ፡ ኣልቨስታ፡ ለሴቦ፡ ዩንግቢ፡ ማርካሪድ፡ ቲንግስሪድ፡ ኡፕቪዲንገ፡ ቬክሾን ኣልምሁልትን እየን። ኣብዞ ዞባ እታ ዝዓበየትን፡ ዝበዝሐ ነባሪ እቲ ዞባን ዝቕመጠላ ከተመ ቬክሾ ኮይና፡ 85000 ተቐማጦ ኣለዉዋ። እታ ዝወሓደ ህዝቢ ዘለዋ ከኣ ብኣንጻሩ ከተማ ለሴቦ ኮይና 8000 ተቐማጦ ኣለዉዋ። ዕብየት ተቐማጦ ናይዚ ኣውራጃ ኣብ ዝሓለፈ ሒደት ዓመታት ብማታዊት ክርአ እንከሎ ከባቢ 1.7% ኣቢሉ ይኸውን።

ንግዳዊ-ንጥፈታትን ወሃብቲ-ስራሕን

ኣብዚ ዞባ'ዚ እቲ ዝዓበየ ህዝባዊ ወሃቢ-ስራሕ ምምሕዳር ቬክሾ ኮይኑ፡ 7575 ሰራሕተኛታት ይርከቦ። ኣብ ብሕታዊ-ጽላት ከኣ፡ እቲ ዝዓበየ ወሃቢ-ስራሕ፡ እቲ ብኢክያ ዝፍለጥ ህቡብ ድኳን ኣቕሑን ንብረት ገዛን ኮይኑ፡ ኣስታት 1075 ሰራሕተኛታት ቆጺሩ ይርከብ። መብዛሕትኦም ኣብዚ ዞባ ዝሰርሑ ዜጋታት፡ ኣብ መዳይ ሕክምናን ክንክንን ከምኡ ውን ማሕበራዊ ስራሓት ይሰርሑ። ብርክት ዝበሉ ውን ኣብ መዳይ መሸጣ፡ ሆቴል፡ ቤት-መግቢ፡ ከምኡ ውን ኣብ ጽላታት ህዝባዊ ኣገልጎታት ይሰርሑ። እዚ ኣውራጃ'ዚ ቅድሚ ሕጂ ብብዝሒ ህላዌ ነኣሽቱ ትካላት፡ ኣብ ቅድሚት ዝስራዕ ኣውራጃ እዩ ኔሩ።

ኣብያተ-ትምህርታትን ትምህርትን

እታ ኣብ 2010፡ ንዩኒቨርሲታት ቬክሾን ካልማርን ናብ ሓደ ብምጽንባር ዝተፈጥረት ሊኔ ዩኒቨርስቲ ኣብዚ ዞባ ትርከብ። እዛ ዩኒቨርስቲ እምበኣር ኣብ ክልቲእን ከተማታት መምሃሪ ቦታታትን ምምሕዳራዊ ማእከልን ኣለዋ። ኣብዛ ዩኒቨርስቲ እዚኣ ኣስታት 40000 ተማሃሮ ትምርህቶም ኣም ምክትታል ይርከቡ። ኣብዚ ዩንቨርስቲ'ዚ ኣስታት 150 ዓውደ-ትምህርታትን 2000 ዝተፈላለየ ኮርሳትን ይወሃብ። ቁጽሪ ናይቶም እዛ ዩኒቨርስቲ ናይ መጀመርያ ምርጭኦም ዝኾኑ ተማህሮ ኣብ 2010 ዓ.መ ብ 32% ወሲኹ።

ኣገልግሎት ጥዕና

ኣብ ኣውራጃ ክሮኖበሪ ክልተ ዓበይቲ ሆስፒታላት ኣለዋ። ንሳተን ከኣ፡ ኣብ ከተማታት ቬክሾን ዩንግቢን ይርከባ። ኣብዚ ዞባ ውን ክልተ ህጹጽ ህክምናዊ ረድኤት ዝህባ፡ ማእከላት-ጥዕና ውን ኣለዋ። ኣብ ምሉእ እቲ ዞባ፡ ኣስታት 32 ነኣሽቱ ሕክምናታት ሃልየን እተን 11 ካብኣተን ብሕታውያን እየን። ኣብ ከተማ ቬክሾ፡ ዞባዊ ስነ-ኣእምሮኣዊ ሕክምና ከምኡ ውን ንዓበይትን፡ ህጻናትን መንእሰያት ዘአንግድ ማእከል ሰነ-ኣእምሮኣዊ ፍወሳ ውን ኣሎ።

ባህላውን ናይ ምዝንጋዕ ንጥፈታትን

ኣብ ከተማ ቬክሾ ንኣብነት፡ ቤት-መዘክር ጥርሙዝ፡ ውዕዉዕ ባህላዊ ንጥፈታትን፡ ዘመናዊ ቤት-ንባብን ይርከብ።

ኣብ ዓመተ 2013 ከተማ ቬክሾ፡ ስፖርታዊት ከተማ ተባሂላ ተሸሊማ እያ። እቲ ብኣስሬና ስታድ ዝፍለጥ ስፖርታዊ ህንጻ ቬክሾ፡ ማእከል ስፖርታዊ ንጥፈታት፡ ትምህርቲ፡ መርሕነትን ዕቱብ ተዋስኦ ኣብ ሕብረተ-ሰብኣዊ መዳያትን እዩ።

ኣውራጃ ክሮነበሪ እምበኣር፡ በቲ ኣብ ሕቝፎኡ ዝርከብ ቤት-መዘክራት ስሞላንድ ከምኡ ውን በቲ ባኡትንቫንድራንናስ ሁስ ዝፍለጥ ታሪኻዊ ቦታታትን፡ ንነባሮ ብርክት ዝበለ ባህላዊ ንጥፈታት ዝአንግድ ዞባ እዩ። ኣብዚ ዞባ'ዚ፡ መሳጢ ተፈጥሮኣዊ ከባቢ፡ ንኣብነት ዝተሓዝአ ተፈጥሮኣዊ ቦታታት፡ መናፈሻታት፡ ከምኡ ውን ሃል ዝበለ ጎላጉልን፡ ይርከቦ። እቲ ኣብዚ ዞባ ዝርከብ ዝተሓዝአ ታሪኻዊ ቦታታት፡ ንኣብነት፡ ሊነያስ ሮስሁልት (ሽወደናዊ ተመራማሪ) ውን ኣብቲ ዞባ ይርከብ። ኣብ ከተማ ዩንግቢ ውን ብተመሳሳሊ ቤት-መዘክር ዩንግበሪ ከምኡ ውን ቤት-መዘክር ሳጉን ይርከባ።