Uppvidinge

ናይ መጠረሽታ ዝተሓደሰሉ: 12 10 2022

ኡፕቪዲንገ ማለት ላዕለዋይ ናይ ዱር ቦታ ማለት እዩ፡ ኣብቲ ኮምዩን ድማ ብዙሕ ዱርን ቀላያትን ዘለዎ ገጠራት ኣሎ። ኣብ መንጎ ኣባይቲ ርሕቀት ኣሎ፡ ኣብ መንጎ ሰባት ግን ቅርበት እዩ ዘሎ። ኣብቲ ኮምዩን ኣብ ዘሎኻ ትሃሉ ጥቓ መሰረታዊ ኣገልግሎትን ሓያል ማሕበራዊ ናብራን ኢኻ። እዚ ድማ እኹል ናይ ዕረፍቲ ግዜ ንጥፈታት ከም ዚህልወካ ይገብር።

ሓበሬታ ብዛዕባ ምምሕዳር ከተማ

ሓደ ከልቢ ኣብ ጎኒ ሓደ ናይ ገጠር መንገዲ ኣብ ናይ መንገዲ ሓጹር ናይ ቅድሚት ኣጽፋሩ ኣንቢሩ ጠጠው ኢሉ ኣሎ። እቲ ከልቢ ናብ ሓደ ዞባ ክሮኖበርይን ኡፕቪንገ ኮሙንን ዝብል ጽሑፍ ዘለዎ ምልክት መንገዲ ይርኢ ኣሎ።

መንበሪ-ገዛ

ኣብቲ ኮምዩን ብተፈጥሮኣዊ ጽባቐ ዝተኸበበ ብዙሕ ገዛውትን መሬትን ኣሎ። መብዛሕቶም እቶም ኣብ ከተማታት ዚነብሩ ኣብ ቪላታትን ህንጻታትን ይቕመጡ። እቲ ናይ ምምሕዳር ትካል ኣባይቲ AB Uppvidingehus ኣስታት 800 መንበሪ ኣባይቲ ይውንንን የማሓድርን። ብርክት ዝበሉ ናይ ብሕቲ ኣካረይቲ እውን ይርከቡ። ህዝቢ ብብዝሒ ዝነብረለን ከባቢታት ኦሴዳ ከምኡ ውን ሌንሁቭዳ ይበሃላ።

ብዙሓት ምእንቲ መንበሪ ኣባይቲ ክረኽቡ ኡፕቪዲንገሁስ ሓደስቲ ናይ መንበሪ ኣባይቲ ህንጻታት ኣብ ምህናጽ ይርከብ።

ከተማ ኦሰዳ ካብ ኣየር ክትርኣ ከላ። ብድሕሪት ናይ ኦሰዳ ቤተ ክርስትያንን ናይ ኦሰዳ ኣዳራሽ ከተማን

ካልእ ቋንቋታት ዝዛረቡ ተቐማጦ መን ኣለዉ ኣብቲ ቦታ

ኣብቲ ምምሕዳር ዝርከቡ ብዝሒ ቋንቋታት ብምእታውን ምውጻእን ተቐማጦ ይጽሎ እዩ። ቋንቋታት ሽወደንን እንግሊዘኛን ብብዝሒ ይዝረብ። ብዘይካ ቋንቋ ሽወደን ኣብዚ ግዜዚ እተን ብብዝሒ ዚዝረባ ቋንቋታት፡ ዓረብኛን ሶማልኛን እየን። ብዘይካአን ድማ ዳሪ፡ ፋርሲ፡ቋንቋ ሩስያ፡ ቋንቋ ፖላንድ፡ ቋንቋ ሃንጋሪን ጀርመንን ይዝረብ።

ቋንቋ ሽወደን ንምዝራብ ልምምድ ክትገብር ምስ እትድሊ ኣብ ኦሴዳ፣ ሌንሁቭዳን ኤልይሁልት ዝርከቡ መራኸቢ ማእከላት ኣብያተ ክርስትያን ሽወደንን ናይ ቋንቋ ካፌታትን ክትመጽእ ንዕድም።

ማሕበራትን ምትእኻባትን

ምምሕዳር ኡፕቪዲንገ ኣብ ሃብታም ማሕበራዊ ሂወትን ጽቡቕ ሕብረተሰባዊ ጥዕናን የተኩር። ኣብቲ ማሕበራዊ ሂወት ንንጥፈታት ህጻናትን መንእሰያትን ቀዳምነት ይውሃብ።

ኡፕቪዲንገ ኣብ ግሩም ማሕበራዊ ህይወትን ጥዕናን የተኩር። ኣብቲ ማሕበራዊ ህይወት ንህጻናትን መንእሰያትን ቀዳምነት ይውሃብ። ኣብቲ ናይቲ ኮምዩን ደብተር ማሕበራት ነቲ ዚሰማምዓካ ማሕበር ክትመርጽ ትኽእል። ኣብኡ ኣብ ከም ትምህርትን ባህልን ሙዚቃን ተፈጥሮን ናይ ሞቶር ስፖርትን ዘተኩራ ኣስታት 220 እተፈላለያ ማሕበራት ኣለዋ።

ተር ኢለን ዝተሰርዓ ሽዱሽተ ብሽክለታታት ኣብ ሓደ ናይ ብሽክለታ ጠጠው መበሊ።

ኣብቲ ከባቢ ብቐረባ እንታይ ይርከብ

ኣብቲ ኮምዩን ንኹሉ ዕድመ ዘገልግል መጻሕፍቲ ዘለዎ ብዙሕ ኣብያተንባብ ኣሎ። ካብቲ ቤትንባብ ጋዜጣታት ከተንብብ፡ መጽሔታትን ድምጻዊ መጻሕፍቲ ክትልቃሕን ትኽእል። ፊልም ክትካረን ብጥርሑ ኢንተርነት ክትጥቀምን ትኽእል። ካብቲ ቤትንባብ ንምልቃሕ መለቅሒ ካርድ ከድልየካ እዩ። ብናጻ እዩ ዚውሃብ።

ንግዚኡ ብምምሕዳር ኡፕቪዲንገ ዝዳሎ ክልተ ናይ መራኸቢ ማእከላት ምስ ኣገልግሎት ዝህቡ ሰባት ኣለዋ።

  • መራኸቢ ማእከል ኣልስቴርሞ/Alstermo ታልቬገን 1B/Tallvägen 1B ዝኽፈተሉ ግዜ ካብ ሰኑይ ክሳብ ዓርቢ 11.00-19.00።
  • መራኸቢ ማእከል ኦሴዳ/Åseda ሰድራ ኤስፕላናደን 9/Södra Esplanaden 9 ዝኽፈተሉ ግዜ ካብ ሰኑይ ክሳብ ዓርቢ 12.00-19.00

ኣብዚ ሓደስቲ መጻእቲ ተራኺቦም ንዘለዎም ሕቶታትን ንቋንቋ ሽወደንን ሓገዝ ክረኽቡ ይኽእሉ። ዝተፈላለዩ ንጥፈታት ይዳለዉ ኣብ ናይ መጽናዕቲ መኣዲ ክትሳተፍ እውን ትኽእል። ኣብ ዝተፈላለዩ ቦታታት ምምሕዳር ከም መራኸቢ ቦታታት ዘገልግላ ናይ ሓራጅ ድኳናት ኣለዋ። ኣብቶም ናይ ሓራጅ ድኳናት ዘገልገለ ክዳውንትን ኣቕሑ ገዛን ብሕሱር ዋጋ ትረክብ። ኣብ ሌንሁቭዳን ኦሴዳን ናይ ላዮንስ ሓራጅ ኣሎ ኣብ ኤልይሁልት ድማ ቅይሕ መስቀል kupan ኣሎ። ኣብ ኦክቫርን-ብዮርክኦ Emmaus ኣሎ።

ማሕበራዊ ምሕደራ ኣብ ሌንሁቭዳ Storgatan 29 ይርከብ። ናይ ምጥያስ ጉዳይ ዝምልከተካ እንተኾይኑ ካብ ኣብ ክሮኖባርይስጋታን 18 ቬክሸ ዝርከብ ቤት ጽሕፈት ዕዮ ሓገዝ ክትረክብ ትኽእል። ናቶም ናይ ስራሕ ሰዓታት ሰኑይ 9-16 ሰሉስ 10-16 እዩ። ኣብ ነፍሲ ወከፍ ወርሒ እቶም ናይ መጀመርያ ክልተ ናይ ስራሕ መዓልታት ዕጹው እዩ።

ኣብ ሌንሁቭዳ ንበይኖም ዝመጹ ህጻናት፣ መንእሰያትን ካልኦት ሓደስቲ መጻእትን ስድራቤታትን ዚቕበል ናይ ምጥያስ ኣሃዱ ምምሕዳር ኡፕቪዲንገ ኣብ ቪላጋታን 5 ይርከብ። ኣብኡ ሓደ መራሕ ፕሮጀክት፡ ሰለስተ ማሕበራዊ ተሓጋገዝትን ክልተ ኣለይቲ ጉዳያት ሰራሕተኛታት ይርከቡ።

እቲ ኣብ ኦሰዳ ዘሎ ማእከል ስድራቤት ናይ ህጻናትን መንእሰያትን ዓበይትን መራኸቢ ቦታ እዩ።

ኣብ ኩሉ ከተማታት ግሮሰሪ ኣሎ፡ ኣብ ኦሰዳን ለንሁቭዳን ከኣ ፋርማሲ ኣሎ።

ኣብቲ ከባቢ ብቐረባ እንታይ ይርከብ

ሓደ ሰብኣይ ኣብ ቤት ንባብ ኣብ ሓደ ፎቴልይ ኮፍ ኢሉ ጋዜጣ የንብብ ኣሎ። ብድሕሪኡ ሓደ መጻሕፍቲ ዝመልአ ናይ መጻሕፍቲ ከብሒ ኣሎ።

ኣገልጎት ክንክን ወይ ሕብሐባ ቆልዑ

ኣብ ምምሕዳር ኡፕቪዲንገ ዓሰርተ ምምሕዳራዊ መዋእለ ህጻናትን ስለስተ ናይ ብሕቲ መዋእለ ህጻናትን ኣለዋ። መዋእለ ህጻናት ነቶም ካብ 1-5 ዝዕድመኦም ህጻናት ትምህርታውን ሓባራውን ንጥፈታት እዩ። እተን መዋእለ ህጻናት ብሓፈሻ ምሉእ ዓመትን ዝበዝሐ ክፋል ናይ መዓልትን ክፉታት እየን። እዚ ከኣ ምስቲ ናይ ወለዲ ናይ ስራሕ ሰዓታትን ካብን ናብን ስራሕ ዝወስድ ግዜን ወይ ናይቲ ህጻን ጠለብ ዚኸይድ እዩ።

ኣብ ኦሰዳ ክፉት ቤትትምህርቲ ህጻናት ኣሎ። ኣብኡ ኩሉ ደቂ 0-6 ዕድመ ዘለዎም ህጻናት ዘለዎ ስድራቤት ዕዱም እዩ። ኣብኡ ጸወታን መዝሙርን ናይ ዕርክነት ምፍጣር ንጥፈታትን ኣሎ።

ክልተ ቈልዑ ኣብ ጎኒ ሓደ ጣውላ ኣብ ነናቶም ድኳ ኮፍ ኢሎም ኣለዉ። እቲ ሓደ ቈልዓ ሓንቲ ኣይፓድ ሒዙ ኣሎ።

መባእታ ኣብያተ ትምህርትን ካልኣይ ደረጃ ኣብያተ ትምህርትን

ኣብ ኡፕቪዲንገ ኮምዩን ሓሙሽተ መባእታ ኣብያተትምህርትን ሓንቲ ካልኣይ ደረጃን ኣለዋ። ናብ 6-13 ዓመት ዝዕድመኦም ህጻናት ዝዓለመ ናይ ዕረፍቲ ቤትውን ኣሎ። ኣብቲ ናይቲ ኮምዩን ወብሳይት ብዛዕባዚ ብተወሳኺ ከተንብብ ትኽእል።

ኡፕቪዲንገ ናይ ባህሊ ቤትትምህርቲውን ኣለዎ። ኣብኡ በበይኑ ዓይነት ናይ ሙዚቃ መሳርያ ትምሃር፡ ናይ ዳንስን ስእልን ድራማን/ትያትርን ስለጠና ድማ ትውሃብ።

ኣብ ኡፕቪዲንገ ካልኣይ ደረጃ ቤትትምህርቲ ክትመሃሮ እትደሊ ዓይነት ትምህርቲ ባዕልኻ ናይ ምምራጽ ዕድላት ኣሎ፣፡ ካብ ብዙሕ እተፈላለየ ኮርሳትውን ክትመርጽ ትኽእል። እቲ ትምህርቲ ብቐረባ ምትሕብባር ምስ ወከልቲ ሰብ ዋኒንን ትካላትን ይካየድ፡ ኣብ ግዜ ትምህርቲ ድማ ላፕቶፕ ኣላትካ። ኣብ ስፖርት ክትነጥፍ ዓቢ ዕድላት ኣሎ ወላ ውን ኣብ ግዜ ትምህርቲ።

ዕድላት ትምህርቲ

ናይ ኡፕቪዲንገ ካልኣይ ደረጃ ቤትትምህርቲ ትምህርቲ ንዓበይቲውን ኣለዎ እዩ። ኣብቲ ናይ ዓበይቲ ቤትትምህርቲ ናይ ካልኣይ ደረጃ ተምሃሮውን ኣለዉ፡ እዚ ድማ ነቲ ናይ ካልኣይ ደረጃ ፕሮግራም ከም እትሳተፎ ይገብረካ። ናይ ኡፕቪዲንገ ካልኣይ ደረጃ ቤትትምህርቲ ግሩንቩክስውን ኣለዎ፡ ኣብኡ ናይ መባእታዊ ትምህርቲ ክትጭርሾ ትኽእል። ትምህርቲ ንዓበይቲ፡ ንክንክን ጥዕና ብዚምልከት፡ ናይ ርሑቕ ትምህርቲውን ኣለዎ እዩ።

ናይ Sfi-ትምህርቲ ኣብ አልይሁልትን ኦሰዳን ኣሎ። ብዛዕባ ናይ ማሕበረሰብ ምልላይ ዚወሃብ ኮርሳት ድማ ከም ኣድላይነቱ ኣብ ኩሉ ቦታታት ቀጻሊ ይወሃብ።

ኣገልጎት ጥዕና

ኣብ ለንሁቭዳ ነቶም ሓተትቲ ዑቕባ ክንክን ሕክምና ዚገብረሎም flyktinghälsan ዚብሃል ኣሎ። እቲ ንሓኪምን ኣፋውስን ዚኽፈል ገንዘብ ብመሰረት እቲ ዚወሃበካ መሻርፍ እዩ ዚውሰን።

ኣብ ኡፕቪዲንገ ቀዋሚ ናይ መንበሪ ፍቓድ ምስ ረኸብካ ከእንድዳኻ ዝኽእላ ኣብ ሰለስተ ቦታታት ዝርከባ ሰለስተ ማእከላት ጥዕና ኣለዋ። ማእከላት ጥዕና ሌንሁቭዳን ኦሴደን በቲ ናይ ወረዳ ምምሕዳር እየን ዚመሓደራ። ኣብ ኣልሰተርሙ ድማ ማእከል ጥዕና Falken ኣሎ። ኩለን ማእከላት ጥዕና ናይ ማእከል ክንክን ህጻናት እውን ኣለወን።

ኣብቲ ኮምዩን ብዙሓት ናይ ስኒ ክሊኒካት ኣለዋ። ኣብ ለንሁቭዳን ኣልሰተርሞን ህዝባዊ ሕክምና ስኒ ኣሎ።

ናይ ቋንቋ ድግፍ-ተርጓሚ ምርካብ

ቋንቋ ኣደ ናትካ ብዘይካ ሽወደን ካልእ ምስ ዝኸውን ምስ ምምሕዳር ይኹን ምስ መንግስታዊ ትካል ኣብ እትገብሮ ርክባት ቶርጓማይ ክግበረልካ ኣድላዪ ኮይኑ ምስ እትረኽቦ ተርጓማይ ክግበረልካ መሰል ኣሎካ። ኣብዚ ግዜዚ ኣገልግሎት ምትርጓም ብብዙሓት ቋንቋታት ይወሃብ እዩ። ተርጎምቲ ብትካላት ቶርጎምቲ እዮም ዚመጹ፡ ምስጢር ናይ ምሕላው ግዴታ ድማ ኣለዎም። ናይ ምትርጓም ሓገዝ፣ እቲ ሓድሽ መጻኢ ናይ ምጥያስ መደብ ተታሒዙሉ እንተሎ ኮይኑ፣ ብመገዲ ኣገልግሎት ቴለፎን ቤት ጽሕፈት ዕዩ ብዝተፈላለዩ ቋንቋታት ክርከብ ይከኣል እዩ። ናይ ምምሕዳር ክፍሊ ምጥያስ ብቋንቋታት እንግሊዘኛ፣ ዓረብኛን ፈረንሳይን ክረዳዳእ ይኽእል እዩ።

ኣገልግሎት መጎዓዝያ

እቲ ናይቲ ኮምዩን ሓባራዊ ጕዕዞ ብ Länstrafiken Kronoberg እዩ ዚምራሕ። ኣብቲ ናቱ ወብሳይት ድማ ብዛዕባ ሰዓታትን ዋጋ ቲከትን ሓበሬታ ኣሎ።

ካብተን ዓበይቲ ከተማታት ናይቲ ኮምዩን ናብ ቨክሾ ግሩም ናይ ኣውቶቡሳት መራኸቢታት ኣሎ። ካብ ቨክሾ ናብ ውሽጥን ወጻእን ሽወደን ብባቡር ከምኡውን ብነፋሪት ክትቕጽል ትኽእል። ኣብ መንጎ ገለ ናይቲ ኮምዩን ዘለዋ ከተማታት ግን እቲ መራኸቢታት ኣሸጋሪ እዩ፡ ከምዚ ብምዃኑ ድማ እቲ ናይ ጕዕዞ ሰዓታት ይነውሕ።

ሓንቲ ቀጠልያ ኣውቶቡስ ኣብ ሓደ መዓርፎ ኣውቶቡስ ጠጠው ኢላ ኣላ።

ስራሕን ትካላት ናይ ምምስራት ተኽእሎታትን

እቲ ኮምዩን ምስቲ 9,300 ተቐማጦኡ ኣስታት 1,100 ዋኒናት ኣለዎ። ከምዚ ኪብሃል ከሎ፡ ሓደ ስምኒት ናይቲ ኣብ መገዲ እትረኽቦ ሰብ ዋኒን ኣለዎ ማለት እዩ። ናብ ኩሉ ዝዓለሙን ኩሉ ሰክተር ዝሓዙን ዋኒናት ኣለዉ።

ናይ ውልቅኻ ትካል ክትጅምር ምስ እትደሊ ኣብ ኦሴዳ ዝርከብ ቤት ጽሕፈት ማእከል ሓደስቲ ሰብ ትካል ክትውከስ ትኽእል። ኣብኡ ብዘይ ክፍሊት ብነጻ ምኽሪ ክትረክብ ትኽእል ኢኻ። ንምወላ፣ ምኽርን ዕዉት ወናኒ ትካል ክትከውን ተሓጋጋዚ ምስ እትደሊ ALMI ብሉጽ ተሓጋጋዚ እዩ።

ገለ ካብተን ኣብቲ ምምሕዳርዝርከባ ዓበይቲ ወሃብቲ ስራሕ እዘን ዚስዕባ እየን፤ Profilgruppen, Amokabel, GFAB, Inwido ከምኡውን ምምሕዳር ኡፕቪዲንገ።

ኩባንያ ኣብዚ ኮሙን