Älvsbyn

ናይ መጠረሽታ ዝተሓደሰሉ: 12 10 2022

ደቂ ኣልቭስቢ ከም ተባላሓትቲ ፍሉጣት እዮም። ኣብቲ ኮምዩን 400 ንጡፋት ዋኒናት ኣለዋ። ናይቲ ኮምዩን ህዝቢ ድማ 8000 እዩ። ኣልቭስቢ ብመሰረት ሽወደናዊ ዋኒናት ናይ ኖርቦተን ዝበለጸ ናይ ንግድን ኢንዱስትርን ቦታ እያ፡ ደቅንስትዮ ሰብ ዋኒን ድማ ብብዝሒ ይርከባ።

ሓበሬታ ብዛዕባ ምምሕዳር ከተማ

ከተማ ኤልቭስብይን ካብ ኣየር ክትርኣ ከላ። እዛ ከተማ ብኣግራብ ትኸቢባን ኣብ ጥቓ ሓደ ፈለግ ተደኵናን ትርከብ።

ኣብ ኣልቭስቢ ኮምዩን ካብ ስፖርት ጀሚርካ ክሳዕ ባህሊ ብዙሓት ማሕበራት ኣለዋ። ኣልቭስቢ ከም "ናይ ኖርቦተን ሉል" ተባሂላ እያ እትጽዋዕ። ኣብ ጥቓ ፒተኣልቨን ኣብ ማእከል ብዱር እተሸፈነ ቦታ እያ ተቐሚጣ ዘላ። ኣብ ኣልቨን እቲ ካብ ኤውሮጳ ዝዓበየ መንጫዕጫዕታ ይርከብ።

መንበሪ-ገዛ

እቲ ህዝቢ ኮምዩን መብዛሕትኡ ኣብ ኣልቭስቢ እዩ ዚነበር፡ ኣብኡ ድማ ጥቓ ተፈጥሮን መሐምበሲ ቦታን መንሸራተትን ወዘተን እዩ። Älvsbyns fastigheter ናይቲ ኮምዩን ናይ ዝካረ ገዝውቲ ቤትጽሕፈት እዩ። ኣብ ማእከል ከተማ ዝካረ መንበሪ ኣባይቲ የቕርብ።

ነቶም ኣካረይቲ ንምርካብ ናይ ኣልቭስቢ ኮምዩን መርበብ ሓበሬታ ተወከስ። ዝካረዩ ቪላታት፡ ናይ መዘናግዒ ኣባይቲ ወይ ኮምዶሚንዩም ኣብቲ ናይ ኣልቭስቢ Fastighetsbyrån ይርከብ።

እቶም ብዛዕብ ኣልቭስቢ ካብ ሚግራሹንቨርከት ወይ ቤትጽሕፈት ዕዮ መምርሒ ዝደልዩ ሓደስቲ መጻእቲ ኣባይቲ ንምዕዳግ ኪሕገዙ ይኽእሉ።

ካልእ ቋንቋታት ዝዛረቡ ተቐማጦ መን ኣለዉ ኣብቲ ቦታ

ኣብዚ እዋንዚ ፋርስ/ዳሪ፡ ሶማሊ፡ ትግርኛ፡ ዓረብን ታይላንድን ይዝረብ።

ማሕበራትን ምትእኻባትን

ናይ ምሕዝነት ማሕበር በቶም ኣብ ቀረባ ሽወደናውያን ዝኾኑን ኣብ ኣልቭስቢ ዚነብሩን ዝቖመ እዩ። ናይቶም ብደገ ዝመጹን ናይቶም ነባሮን መራኸቢ ቦታ እዩ። ማሕበር ምሕዝነት፡ ሕውነት ንምፍጣር ኣስተዋጽኦ ይገብር። ሰባት ካብቲ ስግረ ዶብ ከይተረፉ ንምዕዳም ካፈ ወይ ቢልያርድ ይዳሎ። እተፈላለያ ኣብያተክርስትያን እውን ናይ ምርኻብ ንጥፈታት የካይዳ። ኣብ ኣልቭስቢ ኮርሽርካን፡ ኢኤፍኤስ ሺርካን ከምኡውን ስቨንስካ ሺርካን ይርከባ።

ናይ ጉያ ውድድር ንቈልዑ። እቶም ቈልዑ ይጎዩ ኣለዉ፡ ወለዲ ድማ ኣብ ወሰን ኮይኖም የተባብዕዎም ኣለዉ።

ኣብቲ ከባቢ ብቐረባ እንታይ ይርከብ

ኣብኡ ናይ መግብን ክድንን ድኳናት፡ ቤትንባብ፡ ቤትጽሕፈት ዕዮ፡ ንሓደስቲ መጻእቲ ዚቕበል ናይቲ ኮምዩን ቤትጽሕፈት ከምኡውን ማሕበራዊ ኣገልግሎት። ዘገልገለ ኣቕሑ ዚሽየጦ ድኳን፡ ኣብያተመግቢ፡ ናይ ስፖርት ኣደራሽ፡ መሐምበሲ ኣሎ። ኣብ ካኒስበርየት ናይ መንሸራተቲ ቦታ ኣሎ፡ ከምኡውን ናይ ሓጋይን ክረምትን ስፖርት ከም ናይ በረድ ሻኲ፡ ኵዕሶ እግሪ፡ ባስከት፡ ቮሊቦል።

እኹብ ህዝቢ ኣብ ሓደ ናይ ኣጋር ጐደና። ሰባት ኣብ ኮፍ መበሊ ኮፍ ኢሎም ይበልዑ ኣለዉ።

ኣገልጎት ክንክን ወይ ሕብሐባ ቆልዑ

ኣብ ኣልቭስቪ 21 ክፍልታት ዝሓዛ 8 ናይቲ ኮምዩን ኣብያተትምህርቲ ህጻናት ኣለዋ። ብገምጋም17 ህጻናት ንሓደ ክፍሊ። ዕላማ ናይቲ ቤትትምህርቲ ህጻናት፡ ብቕዓት ንምዕቃብን ነቶም ህጻናት ድማ ቅሱንን ውሑስን ሃዋህው ንምፍጣር እዩ። ንውላድካ ናብቲ ቤትትምህርቲ ንኸተእትዎ ኣርባዕተ ኣዋርሕ ይወስድ።

ሸውዓተ ኣብ መውዓሊ ህጻናት ዝኸዱ ቈልዑን ክልተ መማህራንን ኣብ ሓደ ክፍሊ ኣብ መሬት ብዙርያ ኮፍ ኢሎም ኣለዉ።

መባእታ ኣብያተ ትምህርትን ካልኣይ ደረጃ ኣብያተ ትምህርትን

ኣልቭስቢ ሽድሽተ መባእታ ኣብያተትምህርቲ ኣለዎ፡ እቲ ትምህርታዊ ዓመት ከኣ 1-9 እዩ። እተፈላለየ መደባት ዘለዎ ካልኣይ ደረጃ ቤትትምህርቲ ድማ ኣሎ። ንተወሳኺ ሓበሬታ ብዛዕባ ስልጠና ኣብ ናይቲ ኮምዩን መርበብ ሓበሬታ ተወከስ።

ከም ባህሌላ (ክላውን) ዝተኸደኑ ሓሙሽተ ቈልዑ።

ዕድላት ትምህርቲ

ኣብ መለስተኛን ካልኣይ ደረጃን ቤትትምህርቲ ንዓበይቲ ጽቡቕ ዕድላት ኣሎ። ኣብ ናይ ኣልቭስቢ ኮለጅ ኤስኤፍኢ ፡ ሰርቩክስ፡ ናይ ሞያ ስልጠናን ምስ ናይ ሉለዮን ኡመዮን ዚግበር ናይ ርሕቕ ትምህርትን ኣሎ። እቲ ምስ ሕብረተሰብ ምጽምባር ዚብል ፕሮግራም ኣብ ሉለዮ ብቛንቋ ኣደ እዩ ዚካየድ። ናብ ኤስኤፍኢ ንምእታው ምጽባይ ኣየድልን። ንተወሳኺ ሓበሬታ ብዛዕባ እተፈላለየ ትምህርቲ ኣብ ናይ ኣልቭስቢ ናይቲ ኮምዩን መርበብ ተወከስ።

ብዛዕባ ኣብዚ ኮሙን ዘሎ ትምህርቲ ኣባጽሕ ብዝያዳ ኣንብብ።

ኣገልጎት ጥዕና

ኣብ ኣልቭስቢ ማእከል ጥዕና ኣሎ፡ ኣብኡ ድማ ናይ ህጻናትን ናይ ኣደታትን ክሊኒክ፡ ናይ ምውስዋስ ሕክምና፡ ናይ ስራሕ ሕክምና ከምኡውን ናይ መንእሰያት ክሊኒክ ኣሎ። ናይ ስፐሽያሊስት ክፍሊ ኣብ ፒተዮ (50 ኪ.መ)ን ኣብ ሱንደርብይን (65 ኪ.መ) ይርከብ። ናይ ስኒ ሕክምና ኣብቲ ቦታ ኣሎ።

ናይ ቋንቋ ድግፍ-ተርጓሚ ምርካብ

ኣብ ኩሉ ትካላትን ኣብያተጽሕፈትን ተርጓማይ ኪርከብ ይኽእል። ዝበዝሕ ግዜ ብተለፎን ኮይኑ ንገለ ቋንቋታት ጥራይ ዘገልግል ኣብቲ ቦታ ኣሎ።

ኣገልግሎት መጎዓዝያ

መራኸቢታት ካብን ናብን ኣልቭስቢ ጽቡቕ እዩ። ኣብ መንጎ ቡደንን ሉለዮን ፒተዮን ጽቡቕ ናይ ኣውቶቡስ ኣገልግሎት ኣሎ። ኣብ ኣልቭስቢ ናብ ቡደንን ሉለዮን ከምእውን ናብ ስቶክሆልም ዚወስደካ ናይ ባቡር መደበር ኣሎ። ኣብ ሉለዮ መዓርፎ ነፈርቲ ኣሎ። ካብ ሉለዮ ናብ ስቶክሆልም ብኣየር ሓደ ሰዓት ይወስድ።

ስራሕን ትካላት ናይ ምምስራት ተኽእሎታትን

ኣልቭስቢ ብመሰረት ሽወደናዊ ዋኒናት ናይ ኖርቦተን ዝበለጸ ናይ ንግድን ኢንዱስትርን ቦታ እያ፡ ደቅንስትዮ ሰብ ዋኒን ድማ ብብዝሒ ይርከባ ኣዚየንውን ንፉዓት እየን። ኣብ ኣልቭስቢ ኣዚዩ እተፈላለየ 800 ንጡፍ ዋኒናት ዘለዎ ናይ ንግድን ኢንዱስትርን ንጥፈታት ኣሎ።

ናይ ዕደና ትካል ቦሊደን ኣብ 2020 ኣብቲ ምዕራባዊ ክፍሊ ናይቲ ኮምዩን ናይ ኮፐር ወይ ኣስራዚ ዕደና ኪኸፍት መደብ ኣለዎ። ምስ ተኸፍተ 700 ሰባት ከስርሕ እዩ።

እተን ቀዳሞት ዋኒናት ኣልቭስቢ፡ ፖላርብረድን ኣልቭስቢሁስን እየን። ንተሽከርከርቲ ኣብ ቆራሪ ቦታ ንምፍታን ዝዓለመ ትካልውን ኣሎ። ኣርክቲክ ፋልስ ንጎማታት መኻይን ኣብ ቁሪ ግዜ ዚፍትን ቀዋሚ ናይ መፈተኒ መገዲ ኣለዎ።

ኣዝዩ ርሑቕ ዘይኮነ ወሃብ ስራሕ ድማ እቲ ኣብ ሉለዮ ዚርከብ ናይ ሳብ ናይ ሓጺን ፋብሪካ እዩ። ከምኡውን ናይ ፒተዮ ስሙርፊት ካፓ ክራፍትሊነር እተባህለ ናይ ወረቐት ፋብሪካ ኣሎ።

ብዛዕባ ንግድን ኢንዱስትርን ተወሳኺ ሓበሬታ ኣብ ናይ ኣልቭስቢ ናይቲ ኮምዩን መርበብ ሓበሬታ ተወከስ።

ኣብ ዝተፈላለየ ዱኳናት ዘለዎ ሓደ ጐደና ሰባት ይኸዱ ኣለዉ። በረድ ነቲ መሬት ሸፊንዎ ኣሎ፡ ጸልማት እዩ ድማ ዘሎ።