Arjeplog

ናይ መጠረሽታ ዝተሓደሰሉ: 12 10 2022

ኣርየፕሎግ ኮምዩን ኣብ ጥቓቲ ናይ ላፕላንድ ሆርናቫን እተባህለ ኣዚዩ ዝዓመቘ ቀላይ ሽወደን ኣብ ላፕላንድ ይርከብ። እቲ ከባቢ ብተፈጥራዊ ጽባቐ ዝመልአን ጥዕና ዝመልኦን ኢዩ። ኣብኡ 8727 ቀላያትን ወሓዝታትን ይርከብ: ንሽወደን ድማ ብማያት ዝሃብተመት ይገብራ: ማለት ንሓደ ተቐማጣይ 2.5 ቀላያትን 3 ኪሎመተር ገምገም ቀላያትን ኣለዎ ማለት እዩ።

ሓበሬታ ብዛዕባ ምምሕዳር ከተማ

ሓንቲ መኺና ኣብቲ ብበረድ ዝተሸፈነ መሬት ክሳብ ከም ናይ በረድ ደበና ተጠዋውዩ ንላዕሊ ዝዓርግ ሸታሕታሕ ትብል ኣላ።

ብግዜ ክረምቲ ሰፊሕ ናይ ማኪና ኮላውዲዮ ኣሎ። መኻይን ኣብ ግዜ ቁሪ ከመይ ከም ዝሰርሓ ፈተናታት ይወስዳ: ስለዚ ኣርየፕሎግ ናይ መኻይን ኮላውዲዮ መፈተኒ እንዱስትሪ እያ። ኣብ ዓበይቲ ከተማታት እቲ ተቐማጣይ ስርሑን ዕዳጋኡን ቀረባ እዩ: ስቶክሆልም ድማ ብኣየር መገዲ 3 ሰዓት እያ። ኣብኡ ህይወት ጥዑምን ተስፋ ዝመልኦን እዩ።

መንበሪ-ገዛ

ናይ ኣርየፕሎግሁስ ሓባራዊ ማዕከን ኣብ ከተማታት ደስ ዘብሉ መንበሪ ኣባይቲ ኣለዎ። ኣብኡ ናብ ስራሕን ዕዳጋን ቀረባ ዝኾኑ ጽቡቕ ትርኢት ዚህቡን ጥቓ ተፈጥሮ ዝኾኑን ኣባይቲ ይርከቡ።

ንጠየቕቲ ዑቕባ ብዚምልከት እቲ ናይ ዑቕበኛታት ኣራኻቢ ኣብቲ ናይ ኣርየፕሎጉስ ማዕከን መንበሪ ቤት የመዝግብ። እቲ ስደተኛ ካብቲ መቐበሊ ቤትጽሕፈት ንመንበሪ ቤቱ ዚኸውን መሰረታዊ ነገራት ይረክብ። እቲ መቐበል ስደተኛታት ንሓደ በጽሒ ሰብ ክሳዕ 500 ክሩነር ዝዋግኡ ምስ ገለ መሰረታዊ ነገራት ይዕድገሉ። ናይ ስደተኛታት ኣራኻቢን ናይ መንበሪ ቤት ሓላፍን ነቲ ስደተኛ ንኣርየፕሎግሁስን ከባቢኣን የርእዩዎ። ናይ ስደተኛታት ኣራኻቢ ምስ ቤትጽሕፈት ዕዮ: ምስ ቢትትምህርቲ: ክሊኒክክ ወይውን ምስ ዘድሊ ናይ ስኒ ሕክምና ቆጸራ ይገብር። እቲ ሓላፊ መንበሪቤት ነቶም ስደተኛታት ኣብ ኣድለይቲ መዓልታዊ ዋኒናት ይሕግዞም ምስ ካልኦት ኮምዩናትን ሰበስልጣንን ድማ የራኽቦም።

ከተማ ኣርየፕሎግ ካብ ኣየር ክትርኣ ከላ። እዛ ከተማ ብባሕሪታት ሆርናቫንን ኡድያውርን ዝተኸበት እያ። ናይ ኣርየፕሎግ ቤተ ክርስትያን በግራብን ናይ ገዛ ናሕስን ተኸዊሉ ይርኣ።

ካልእ ቋንቋታት ዝዛረቡ ተቐማጦ መን ኣለዉ ኣብቲ ቦታ

ብብዝሒ ዚዝረብ ቋንቋ ዳሪ: ፋርስ: ሶማሊ: ትግርኛ: ኣምሓርኛ: እንግሊዝ: ሩስያ ወይ ጀርመን እዩ።

ማሕበራትን ምትእኻባትን

ኣብ ኣርየፕሎግሁስ ብዙሓት ኣብያተክርስትያን ኣሎ: ከም ሽወደናዊ ቤትክርስትያን: ፐንተኮስት ቤትክርስትያን: ኢኤፍአስ ማሕበር ሚስዮንን ጅሆቫ መሰኻኽርን።

ናይ ኣርየፕሎግ ቤተ ክርስትያን ኣብ ጥቓ ማይ ተደኵኑ ይርከብ። ናይቲ ቤተ ክርስትያን ግዳማዊ ሕብሪ ጽጌረዳዊ ኾይኑ ናሕሱ ጸሊም እዩ።

ኣብቲ ከባቢ ብቐረባ እንታይ ይርከብ

ዱካናት: ኣብያተመጻፍቲ: ቤትጽሕፈት ዕዮ: ፋርማሲ: ስፖርትን መሐምበሲ ቦታን: ማሕበራዊ ቤትጽሕፈት: መሸጣ ዝተዘውተረ ኣቕሑ: ቀዪሕ መስቀል: ሓራጅ: ኣብያተመግቢ: ባራት።

ሸሞንተ ኣወዳት ኣብ ደገ ኵዑሶ እግሪ ይጻወቱ ኣለዉ። ሓደ ካብቶም ኣወዳት ነታ ኵዑሳ ብተስታ ናብ ጎል ገጹ ይሃርማ ኣሎ።

ኣገልጎት ክንክን ወይ ሕብሐባ ቆልዑ

ኣብ ኣርየፕሎግ ብሕታውን ማሕበራውን ቤትትምህርቲ ህጻናት ኣሎ። ትምህርቲ ንምጅማር ምጽባይ የሎን: ደቂ ስደተኛታት ከኣ ኣብ ዝኾነ እዋን ኪጅምሩ ይኽእሉ።

ሓደ ብሩህ ናይ ሓጋይ መዓልቲ ናይ ኣርየፕሎግ መውዓሊ ህጻናት። ኣብቲ መሬትን ናይቲ መውዓሊ ህጻናት ናሕሲን በረድ ኣሎ ኣብ ድሕሪት ሰለስተ ሰለል መበሊ ቆይመን ኣለዋ።

መባእታ ኣብያተ ትምህርትን ካልኣይ ደረጃ ኣብያተ ትምህርትን

ኣብዚ: መባእታውን ላዕለዋይ ደረጃን ኣብያተትምህርቲ ኣሎ። ኣብቲ ላዕለዋይ ደረጃ ቤትትምህርቲ ካብ ምሉእ ሽወደን እዮም ኪመሃሩ ዚመጹ ከመይሲ እቲ ቤትትምህቲ ናይ ተክኒክ ብፍላይ ድማ ናይ ማኪና ተክኒክ ፍሉይ ትምህርቲ ስለ ዚህብ። ኣብ ልዕልዚ ተመሃሮ ተፈጥሮኣዊ: ማሕበራዊ: ቍጠባዊ: ንህንጻን ቅየሳን ዚምልከት ሳየንስ ኪመሃሩ ይኽእሉ።

ክልተ መንእሰያት ኣብ ሓደ ክፍሊ ኣብ ጥቓ ሓደ ጣውላ ኮፍ ኢሎም ኣለዉ። ንሶም ኣብ ቅድሚኦም ሓንቲ ዝርእይዋ ዘለዉ ተንቀሳቓሲት ኮምፕዩተር ኣላቶም።

ዕድላት ትምህርቲ

ትምህርቲ ልልይ ምስ ሕብረተሰብ (SO) ኣብ ሆርናቫንስኩላን ብቪድዮኮንፈረንስ ይወሃብ። ብምልኡ እቲ ትምህርቲ ልልይ ምስ ሕብረተሰብ (SO) 100 ሰዓታት እዩ ። ትምህርቲ ኤስኤፍኢ (sfi) (ሽወደንኛ ንወጻእተኛታት) ንምጅማር ናይ ግዜ ምጽባይ የለን። ነቶም ኣብ ናይ እግሪ ምትካል ሕጊ ዝጥርነፉ እዚ ኮሙን ኣብ እዋን ክረምቲ ትምህርቲ ሽወደንኛ ንወጻእተኛታት የካይድ እዩ።

ኤስኤፍኢ ትምህርቲ ሆርናቫን ቤትትምህርቲ ይርከብ። እቲ ላዕለዋይ ደረጃ ቤትትምህርቲ ንናይ ነኣሽቱን ዓበይትን መደባት ኤስኤፍኢ ሓላፍነት ኣለዎ። ኣብ ሺርክሆልምስ ቤትትምህርቲ ነቶም ኣብ ናይ ላዕለዋይ ደረጃ ቤትትምህርቲ ዕድመ ዘለዉ መንእሰያት መዳለዊ ትምህርቲ ኣሎ።

ኣብ ኣርየፕሎግ ናይ ዓበይቲ ቤትትምህርቲ ኣሎ: ከምኡው ናይ ላዕለዋይ ደረጃን ዩኒቨርሲትን ናይ ርሑቕ ትምህርቲ ኣሎ።

ብዛዕባ ኣብዚ ኮሙን ዘሎ ትምህርቲ ኣባጽሕ ብዝያዳ ኣንብብ።

ኣገልጎት ጥዕና

እቲ ክንክን ጥዕና ከምዚ ዚስዕብ ክእለታት ኣለዎ፤ ናይ ህጽናት: ሓፈሻውዊ: ናይ ሕርሲ: ናይ ወረዳ ክፍሊ: ናይ እግሪ: ከምኡውን ናይ ህጹጽ ሕክምና።

ናይ ቋንቋ ድግፍ-ተርጓሚ ምርካብ

ኣብ ኩሉ ትካላት ናይ ትርጉም ኣገልግሎት ኣሎ። ተርጓማይ ብቴለፎን እዩ ዚትርጉም።

ኣገልግሎት መጎዓዝያ

ናይ ኖርቦተን ወረዳዊ ትራፊክ መዓልታዊ ካብ ኣርየፕሎግ ካብ ናብ ዚኸዳ ኣውቶቡሳ ኣለዋ። ናብ ዮርን መደበር ባቡር (160 ኪሎመትር ካብ ኣርየፕሎግ) ዚወስዳ ኣውቶቡሳት ኣለዋ። ኣውቶቡሳት ዝኸዳሉ ኣብ ኣርቪድስሻውር (85 ኪሎመትር ካብ ኣርየፕሎግ) ድማ መዓርፎ ነፈርቲ ኣሎ። ሲልቨርኤክፕረሰን ኸለፍተቡስ ናብ ቡደ ኖርወይ ይኸዳ (መዓልታዊ ኣገልግሎት)።

ስራሕን ትካላት ናይ ምምስራት ተኽእሎታትን

እቲ ኮምዩን ኣብ ኣርየፕሎግ እቲ ዝዓበየ ወሃብ ስራሕ እዩ: 300 ሰራሕተኛታት ኣለዉዎ። ኣብቲ ምምሕዳርና: ብዓቢኡ ድማ ኣብ ቤትትምህርትን እንዳ ኣረጋውያንን ንነዊሕን ሓጺርን እዋን ዝዓለመ ናይ ተካእነት ስራሕ ኣሎ። ካልእ ስራሕ ወሃቢ ድማ ክፍሊ ጕዕዞ እዩ።

ኣብ ግዜ ክረምቲ ብዙሓት ወጻእተኛታት ሰራሕተኛታት ተሽከርከርቲ ከፈትኑ ስለ ዚመጹ ግዜኣዊ ስራሕ ይርከብ እዩ። ናይ ትራክተርን ካብ መገዲ በረድ ዝግሕጣ መኻይንን ዘወርቲ ከምኡውን ናይ ሆቴል ናይ ቤትምግቢ ሰራሕተኛታት ወይ ኣጋይሽ ዚመርሑ ሰራሕተኛታት ይድለዩ። ፍልጠት ቋንቋ ኣድላዪ እዩ ከመይሲ እቶም ነተን ተሽከርከርቲ ዚፍትኑ ሰባት ምስ ብዙሓት ወጻእተኛታት እዮም ዚራኸቡ።

ኣብ ኣርየፕሎግ ብዙሓት በብዓይነቱ ኣገልግሎት ዚህባ ሓደ ወይ ክልተ ዘስርሓ ነኣሽቱ ትካላት ኣለዋ። ምናልባት ንኽእለትካ ዚደልያ ኣይሰኣናን ይኾና። ንናይ ኣርየፕሎግ ቤትጽሕፈት ዕዮ ተወከስ።

ኣብ ቲንግስባካ ኣብ ኣርየፕሎግ ኣብ ቅድሚ ሓደ ናይ ኣብያተ ጽሕፈት ህንጻ ሓደ ናይ መኻይን መዓሸጊ ቦታ። ኣብ ጥቓ እቲ ናይ መኻይን መዓሸጊ ቦታ፡ ሓደ ናይ ዝተፈላለዩ ብዓል መዝታት ስም ዘለዎ መሓበሪ ሰሌዳ ኣሎ።